ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

1. ኣምላኽ መን እዩ፧

1. ኣምላኽ መን እዩ፧

1 ኣምላኽ መን እዩ፧

“ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ።”—ራእይ 4:11

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧

  • ራእይ 15:3

    ኣምላኽ፡ ኵሉ ዚኽእልን ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝሓየለን እዩ።

  • መዝሙር 90:2

    ካብ ዘለኣለም ዝነበረ እዩ።

  • ማቴዎስ 6:9

    ኣምላኽ፡ ኣቦና እዩ።

    ብሉጽ ህይወት ኪህልወና ይደልየና እዩ።

  • ግብሪ ሃዋርያት 17:27

    ኣምላኽ ኪቐርበና ይደሊ እዩ።

2 ኣምላኽ ስም ኣለዎ

“የሆዋ . . . ንዘለኣለም ስመይ እዩ።”—ዘጸኣት 3:15

ስም ኣምላኽ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • መዝሙር 83:18

    ኣምላኽ፡ ስሙ የሆዋ ምዃኑ ነጊሩና እዩ። “ኣምላኽ፡” “እግዚኣብሄር፡” ወይ “ጐይታ” ዚብል ቃላት፡ ብሕታዊ ስም ኣይኰነን። የግዳስ፡ ከም “ንጉስ” ወይ “ፕረዚደንት” ዚብል ቃላት፡ መዓርጋት እዩ። የሆዋ ንስሙ ኽንጥቀመሉ እዩ ዚደልየና።

  • ዘጸኣት 3:14

    ስሙ፡ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ኣለዎ። የሆዋ ንዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ ይኹን ዘተስፈዎ ተስፋ ዀነ ዝዓለሞ ዕላማ ኺፍጽም ይኽእል እዩ።

3 የሆዋ የፍቅረና እዩ

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።”—1 ዮሃንስ 4:8

ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

4 ኣምላኽ ይሓልየልካ እዩ

“ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7

ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልካ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

  • መዝሙር 37:9-11

    ንዅሉ መከራን ንዅሉ እቲ ብሰንኪ እኩያት ሰባት ዝወረደ ጕድኣትን ኬወግዶ እዩ።

  • ያእቆብ 4:8

    የሆዋ ኽትቀርቦ ይደልየካ እዩ።

  • ዮሃንስ 17:3

    ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ብእተመሃርካ መጠን፡ ንዕኡ ብዝያዳ ኸተፍቅሮ ኢኻ።