ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

መልሲ ኣገዳሲ ሕቶታት ዝሓዘ ዝርዝር ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ።

1. ኣምላኽ መን እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንነት ኣምላኽን ንዓና ብዛዕባ ዘለዎ ስምዒትን ይገልጽ እዩ።

2. መጽሓፍ ቅዱስ—ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ

እዚ ጥንታዊ መጽሓፍ እዚ ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3. ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ብሽግር እተመልአት ስለምንታይ ምዃኑን ኣምላኽ ነቲ ጸገም ብኸመይ ከም ዚፈትሖን ይነግረና።

4. የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

የሱስ ኣብ ታሪኽ ጕልሕ ቦታ ዘለዎ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን።

5. እቲ ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ

እቲ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዀነ በጃ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ።

6. ምስ ሞትና ናበይ ኢና እንኸይድ፧

ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ንኣምላኽ ዜዋርድ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ሓራ ይገብረና።

7. ትንሳኤ ኪኸውን እዩ!

ሞት መወዳእታ ዅሉ ድዩ፧

8. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ሚልዮናት ሰባት መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ይጽልዩ እዮም። መንግስቲ ኣምላኽ ግና እንታይ እያ፧

9. መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧

ሎሚ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸም ኣሎ!

10. መላእኽቲ እንታዎት እዮም፧

ገሊኦም መላእኽቲ ኺሕግዙና ይደልዩ እዮም፣ ገሊኣቶም ግና ኪጐድኡና እዮም ዚደልዩ።

11. መከራ ኣመና ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ መከራ ኪቕጽል ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

12. ፈታው ኣምላኽ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣምላኽ ብኽብሪ ይዕድመካ ኣሎ።

13. ንህይወት ኣኽብሮት ኣርኢ

ብዛዕባ ህይወትን ደምን ዘሎና ኣረኣእያ ንኣምላኽ የገድሶ እዩ።

14. ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ።

15. ንኣምላኽ እተምልኸሉ ቕኑዕ መገዲ

ኵለን ሃይማኖታት ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይመርሓ ድየን፧

16. ንኣምላኽ ከተምልኾ ወስን

ኣብ ህይወትና እንገብሮ ምርጫ ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብ ይጸልዎ እዩ።

17. ፍሉይ መሰል ጸሎት

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ጸሎትን ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ክንጽሊ ኸም እንኽእልን ይምህር እዩ።

18. ህይወተይ ንኣምላኽ ወፍየ ኽጥመቕዶ፧

ቅድሚ ምጥማቕካ ኽትወስዶ ዘሎካ ስጕምትታት እንታይ እዩ፧

19. ናብ የሆዋ ልገብ

ኣምላኽ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ይሕግዘና እዩ።