ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

 ምዕራፍ 22

ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ተጸውዑ

ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ተጸውዑ

ማቴዎስ 4:13-22 ማርቆስ 1:16-20 ሉቃስ 5:1-11

  • የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብምሉእ ግዜኦም ኪስዕብዎ ጸውዖም

  • ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ፡ ገፈፍቲ ሰብ ኰኑ

ሰብ ናዝሬት ንየሱስ ኪቐትልዎ ድሕሪ ምፍታኖም፡ ንሱ ናብታ ጥቓ እቲ “ቐላይ ጌንሳሬጥ” እውን ዚብሃል ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቅፍርናሆም ከደ። (ሉቃስ 5:1) በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዚርከብ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዚነብሩ ህዝቢ ገሊላ ዓብዪ ብርሃን ከም ዚርእዩ ዚገልጽ ትንቢት ተፈጸመ።—ኢሳይያስ 9:1, 2

እወ፡ የሱስ ኣብ ገሊላ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” እናበለ ምስባኽ ቀጸለ። (ማቴዎስ 4:17) ነቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ረኸቦም። ንሳቶም ኣቐድም ኣቢሎም ምስኡ ተጓዒዞም ነይሮም እዮም፣ ምስ የሱስ ካብ ይሁዳ ድሕሪ ምምላሶም ግና፡ ናብ ምግፋፍ ዓሳ ተመልሱ። (ዮሃንስ 1:35-42) ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ንሱ ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ ነቲ ኣገልግሎት ምእንቲ ኪቕጽልዎ፡ ወትሩ ምስኡ ዀይኖም ስልጠና ዚረኽቡሉ ግዜ ኣኸለ።

የሱስ ብገማግም ባሕሪ ኪኸይድ ከሎ፡ ስምኦን ጴጥሮስን ሓዉ እንድርያስን ብጾቶምን መርበቦም ኬዐርዩ ረኣዮም። ኣብ ጃልባ ጴጥሮስ ደዪቡ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ቝሩብ ኬርሕቓ ሓተቶ። ቍሩብ ምስ ረሓቑ፡ የሱስ ኣብታ ጃልባ ኾፍ ኢሉ ነቶም ኣብቲ ገምገም ዝነበሩ ሰባት ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ኪምህሮም ጀመረ።

ድሕርዚ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ናብ ዓሚቝ ርሓቕ እሞ፡ ምእንቲ ኽትገፍፉ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ። ጴጥሮስ ከኣ፡ “መምህር፡ ምሉእ ለይቲ ጽዒርና፡ ዋላ ሓንቲ ኣይሓዝናን፣ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ ከውርዶ እየ” ኢሉ መለሰ።—ሉቃስ 5:4, 5

ነቲ መርበብ ምስ ኣውረዶ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ብምሓዙ፡ እቲ መርበብ ተቐድደ። ቀልጢፎም ከኣ ነቶም ኣብታ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረት ጃልባ ዝነበሩ መሻርኽቶም መጺኦም ኪድግፍዎም ኣመልከትዎም። ክልቲአን ጃለቡ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቐርባ ብዓሳ መልእወን። ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ “ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ” እናበለ ኣብ ቅድሚ የሱስ ተደፍአ። የሱስ ግና፡ “ደጊም ኣይትፍራህ። ካብ ሕጂ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ኽትገፍፍ ኢኻ” በሎ።—ሉቃስ 5:8, 10

የሱስ ንጴጥሮስን ንእንድርያስን፡ “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እሞ፡ ስዓቡኒ” በሎም። (ማቴዎስ 4:19) ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ያእቆብን ዮሃንስን ዚብሃሉ ደቂ ዘብዴዎስ እውን ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ንሳቶም ከኣ ብኡብኡ ሰዓብዎ። ስለዚ፡ ኣርባዕቲኦም ምግፋፍ ዓሳ ሓዲጎም፡ ቀዳሞት ናይ ምሉእ ግዜ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኰኑ።