ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

 ምዕራፍ 20

ኣብ ቃና ኻልኣይ ተኣምር ገበረ

ኣብ ቃና ኻልኣይ ተኣምር ገበረ

ማርቆስ 1:14, 15 ሉቃስ 4:14, 15 ዮሃንስ 4:43-54

  • የሱስ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ ኣላ’ ኢሉ ሰበኸ

  • ንሓደ ወዲ ኻብ ርሑቕ ኣሕወዮ

የሱስ ኣብ ሰማርያ ኽልተ መዓልቲ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ናብ ከባቢ ዓዱ ተመልሰ። ኣብ ይሁዳ ሰፊሕ ዕዮ ስብከት ነይርዎ እዩ፣ ናብ ገሊላ ግና ኬዕርፍ ኣይኰነን እተመልሰ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ዝዓበየሉ ምድሪ ዝሰፍሐ ኣገልግሎት እዩ ጀሚሩ። ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ፡ ‘ነብዪ ኣብ ዓዱ ስለ ዘይከብር፡’ ኣብኡ ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣይተጸበየን። (ዮሃንስ 4:44) ደቀ መዛሙርቱ ግና ምስኡ ኣብ ክንዲ ዝዀኑ ናብ ስድራ ቤቶምን ናብ ናይ ቀደም ዕዮኦምን ተመልሱ።

የሱስ እንታይ ኢሉ እዩ ኪሰብኽ ዝጀመረ፧ መልእኽቱ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀሪባ ኣላ። ተነስሑ፡ ብብስራት እውን እመኑ” ዚብል ነበረ። (ማርቆስ 1:15) እንታይ ምላሽከ ረኸበ፧ ብዙሓት ሰብ ገሊላ ንየሱስ ተቐበልዎ፡ ኵላቶም እውን የኽብርዎ ነበሩ። ከምኡ ዝገበሩ ድማ፡ ብምኽንያት መልእኽቱ ጥራይ ኣይኰነን። ገሊኣቶም ነቲ ቕድሚ ገለ ኣዋርሕ ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ዜደንቕ ትእምርትታት ርእዮም ነይሮም እዮም።—ዮሃንስ 2:23

የሱስ ነቲ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ሰፊሕ ኣገልግሎት ኣበይ እዩ ጀሚርዎ፧ ኣብታ ኣብ ሓደ መርዓ ማይ ናብ ወይኒ ዝቐየረላ ቃና ጀሚርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ንኻልኣይ ግዜ ናብኣ ምስ ከደ፡ ሓደ ወዲ ኣዝዩ ሓሚሙ ንሞት ቀሪቡ ኸም ዘሎ ፈለጠ። ንሱ ድማ ወዲ ሓደ ኣገልጋሊ ንጉስ ሄሮድስ ኣንቲጳስ እዩ ነይሩ፣ እቲ ንጉስ እቲ ኸኣ፡ እቲ ጸኒሑ ንዮሃንስ መጥምቕ ዘሰየፎ እዩ። እዚ ኣገልጋል ንጉስ ድማ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ቃና ኸም ዝመጸ ብምስምዑ፡ ካብ ቤቱ ኻብ ቅፍርናሆም ንየሱስ ኪረኽቦ ናብ ቃና ተጓዕዘ። እቲ ሰብኣይ ብሓዘን ተዋሒጡ፡ “ጐይታይ፡ ወሉደይ ከይሞተ ውረድ” ኢሉ ለመኖ።—ዮሃንስ 4:49

የሱስ ድማ፡ “ኪድ፡ ወድኻ ሓውዩ” ዚብል ዜገርም ምላሽ ሃቦ። (ዮሃንስ 4:50) እቲ ኣገልጋሊ ሄሮድስ ብየሱስ ኣመነ፡ ናብ ቤቱ ንምምላስ ከኣ ነዊሕ ጉዕዞ ጀመረ። ኪምለስ ከሎ ድማ፡ ባሮቱ ኼበስርዎ ኢሎም ናብኡ ኺመጹ ተጓነፍዎ። እወ፡ ወዱ ሓውዩ እዩ! ነቲ ነገራት ንምትሕሓዝ ከኣ፡ ‘መዓስ እዩ ጥዕዩ፧’ ኢሉ ሓተቶም።

ንሳቶም ድማ፡ “ትማሊ ኣብ ሻውዐይቲ ሰዓት ረስኒ ሓዲግዎ” ኢሎም መለሱሉ።—ዮሃንስ 4:52

እቲ ኣገልጋሊ ኸኣ፡ እታ የሱስ፡ “ወድኻ ሓውዩ” ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ድሕርዚ፡ እዚ ባሮት ዝነበርዎ ሃብታም ሰብኣይን ብምሉኦም ቤተ ሰቡን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኰኑ።

ቃና እምበኣር የሱስ ክልተ ሳዕ ተኣምር ዝገበረላ ቦታ እያ፣ ኣብ ፈለማ፡ ማይ ናብ ወይኒ ቐየረ፣ ጸኒሑ ኸኣ ነቲ ወዲ 26 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኸሎ ኣሕወዮ። ልክዕ እዩ፡ ንሱ ዝገበሮ ተኣምራት እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ነቲ ወዲ ዘሕወዮ ግና፡ ናብ ገሊላ ምስ ተመልሰ ብኡብኡ ብምዃኑ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣምላኽ ዝሰመሮ ነብዪ ምዃኑ ንጹር እዩ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ‘እዚ ነብዪ እዚ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣብ ዓዱ ዚኸብር፧’

የሱስ ናብ ዓዱ ናብ ናዝሬት ምስ ከደ፡ እዚ ነጺሩ እዩ። እሞኸ ኣብኡ እንታይ እዩ ተጸብይዎ፧