ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

 ምዕራፍ 56

ንሰብ ዜርክሶ እንታይ እዩ፧

ንሰብ ዜርክሶ እንታይ እዩ፧

ማቴዎስ 15:1-20 ማርቆስ 7:1-23 ዮሃንስ 7:1

  • የሱስ፡ ስርዓታት ሰብ ኣቃልዐ

ፋስጋ 32 ድ.ክ. ምስ ቀረበ፡ የሱስ ኣብ ገሊላ ይሰብኽ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ከምቲ ሕጊ ኣምላኽ ዚብሎ ኺገብር፡ ፋስጋ ኼብዕል ናብ የሩሳሌም ከይዱ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ነዚ ተጠንቂቑ እዩ ገይርዎ። (ዮሃንስ 7:1) ድሕሪኡ፡ ናብ ገሊላ ተመልሰ።

ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ካብ የሩሳሌም ናብኡ ኣብ ዝመጹሉ እዋን፡ የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ እዮም ተጓዒዞም ዝመጽዎ፧ ሃይማኖታዊ ሕጊ ኣፍሪሱ ኢሎም ዚኸስሱሉ ምኽንያት እዮም ደልዮም ነይሮም። መጺኦም ከኣ፡ “ስለምንታይ እዮም ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ቀዳሞት ዚጥሕሱ፧ ንኣብነት፡ ቅድሚ ምብላዖም ኣእዳዎም ኣይሕጸቡን እዮም” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴዎስ 15:2) ኣምላኽ ንህዝቡ፡ ‘ክሳዕ ኵርናዕ ኢዶም ኪሕጸቡ’ ኣይኣዘዞምን ነይሩ። (ማርቆስ 7:3) እቶም ፈሪሳውያን ግና ከምኡ ዘይምግባር ከቢድ በደል ገይሮም ረኣይዎ።

የሱስ ንኽሶም ብቐጥታ ምላሽ ኣብ ክንዲ ዚህብ፡ ኰነ ኢሎም ሕጊ ኣምላኽ ከም ዜፍርሱ ኺሕብሮም ከሎ፡ “ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ኢልኩም ትእዛዝ ኣምላኽ እትጥሕሱ፧” ኢሉ ሓተቶም። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ንኣብነት፡ ኣምላኽ፡ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡’ ከምኡ ድማ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ሕማቕ ዚዛረብ ይቀተል’ ኢሉ እዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ፡ “እቲ ኻባይ እትረኽቦ ጥቕሚ፡ መባእ ገይረዮ እየ” ዚብል፡ ንኣቦኡ ኬኽብሮ ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ” በሎም።—ማቴዎስ 15:3-6፣ ዘጸኣት 20:12፣ 21:17

ፈሪሳውያን፡ ገንዘብን ንብረትን ንኣምላኽ እተዋህበ ዝዀነ መባእን ናይ ቤተ መቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ንኻልእ ነገር ኪውዕል ከም ዘይብሉ ይኣምኑ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ መባእ ኣብ ኢድ እቲ ወሃቢ ኪጸንሕ ይኽእል ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ውሉድ ገንዘቡ ወይ ንብረቱ “ቝርባን፡” ማለት ንኣምላኽ ወይ ንቤተ መቕደስ መባእ ከም ዝገበሮ ኺዛረብ ይኽእል እዩ፣ በዚ ኸምዚ እቲ መባእ ብቐዳምነት ነታ ቤተ መቕደስ ከም ዚብጽሓ ጌርካ ይርአ። እቲ ወዲ ነቲ ገንዘብ ወይ ንብረት ኪጥቀመሉ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንስኡናት ኣረጋውያን ወለዱ ንምሕጋዝ ግና ኪጥቀመሉ ኸም ዘይክእል ገይሩ ይርእዮ። በዚ ኸምዚ፡ ካብቲ ንዓታቶም ዘለዎ ሓላፍነት ናጻ ይኸውን።—ማርቆስ 7:11

ስለዚ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ብምጥዋዮም፡ የሱስ ተቘጢዑ፡ “ምእንቲ ስርዓትኩም፡ ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ጌርኩምዎ ኣለኹም። ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ከምዚ ብምባል ብዛዕባኹም ጽቡቕ እዩ ተነብዩ፦ ‘እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ’” በለ። ፈሪሳውያን ንነቐፌታ የሱስ ምላሽ ኣይነበሮምን። ነቶም ህዝቢ ጸዊዑ ድማ፡ “ስምዑን ኣስተውዕሉን፦ ንሰብ ዜርክሶ፡ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ብኣፍ ዚኣቱስ ኣይኰነን ዜርክሶ” በሎም።—ማቴዎስ 15:6-11፣ ኢሳይያስ 29:13

ጸኒሑ የሱስ ኣብ ቤት ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ፈሪሳውያን ንዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዓንቀፉስ ትፈልጥ ዲኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ሰማያዊ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ተኽሊ ኺምንቈስ እዩ። ሕደግዎም፡ ዕዉራት መራሕቲ እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መሪሕዎ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ” ኢሉ መለሰ።—ማቴዎስ 15:12-14

ጴጥሮስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ወኪሉ ንሰብ እንታይ ከም ዜርክሶ ኺገልጸሎም ምስ ሓተቶ፡ የሱስ ተገረመ። ከምዚ ኢሉ ድማ መለሰ፦ “ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ፡ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና፡ ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ንኣብነት፡ ካብ ልቢ፡ ክፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ስርቂ፡ ምስክርነት ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ። እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሓጽባ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን እዩ።”—ማቴዎስ 15:17-20

ኣብዚ የሱስ፡ ኣካላዊ ጽሬት ከም ዘየድሊ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ፣ ሓደ ሰብ ቅድሚ ምግቢ ምድላዉ ወይ ምብላዑ  ኺሕጸብ ከም ዘየድልዮ እውን ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ንግብዝና እቶም ነቲ ቕኑዕ ሕግታት ኣምላኽ ጥሒሶም፡ ስርዓታት ሰብ ኪስዕቡ ዚጽዕሩ መራሕቲ ሃይማኖት እዩ ዚዅንን ነይሩ። እወ፡ እቲ ኻብ ልቢ ዚወጽእ እከይ ግብርታት እዩ ንሰብ ዜርክሶ።