ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

 ምዕራፍ 38

ዮሃንስ ንየሱስ ሓተቶ

ዮሃንስ ንየሱስ ሓተቶ

ማቴዎስ 11:2-15 ሉቃስ 7:18-30

  • ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዘለዎ ግደ ሓተተ

  • የሱስ ንዮሃንስ ነኣዶ

ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ዚእሰር ሓደ ዓመት ኣቢሉ ገይሩ ነበረ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ዜደንቕ ግብርታት እውን ይሰምዕ ነበረ። ብዛዕባ ትንሳኤ ወዲ እታ ኣብ ናይን እትነብር መበለት ምስ ሰምዐ እተሰምዖ እሞ ገምቶ። ዮሃንስ ግና እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ብቐጥታ ኻብ የሱስ ኪሰምዕ ደለየ። ስለዚ፡ ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም።—ሉቃስ 7:19

እዝስ ዜገርም ሕቶ ደይኰነን፧ ዮሃንስ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ንየሱስ ኬጥምቖ ኸሎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ የሱስ ኪወርድ ዝረኣየን ድምጺ ኣምላኽ ዝሰምዐን ውፉይ ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እምነት ዮሃንስ ደኺማ ነይራ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። ከምኡ እንተ ዚኸውን፡ የሱስ ከምቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝገበሮ፡ ብዛዕባ ዮሃንስ ክብ ኣቢሉ ኣይምተዛረበን ነይሩ። እሞ ደኣ ዮሃንስ እንተ ዘይተጠራጢሩ፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ሕቶ እዚ ዝሓተተ፧

ዮሃንስ፡ የሱስ ባዕሉ እቲ መሲሕ ምዃኑ ኼረጋግጸሉ ጥራይ እዩ ደልዩ ነይሩ ዚኸውን። እዚ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐ ብምንባሩ፡ ኣጸቢቑ ዜበርትዖ ነገር እዩ። ዮሃንስ ዘቕረቦ ሕቶ ግና ካብኡ ንላዕሊ ትርጉም ነይርዎ እዩ። ነቲ ብዛዕባ እቲ ቕቡእ ኣምላኽ ዚገልጽ ንጉስን መድሓንን ከም ዚኸውን ዚሕብር ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ የሱስ እተጠምቀሉ ሓያሎ ኣዋርሕ እኳ እንተ ሓለፈ፡ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ነይሩ። ስለዚ ዮሃንስ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ መሲሕ እተነግረ ትንቢት ዚፍጽም ንየሱስ ዚትክእ ካልእ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ እዩ ዚሓትት ነይሩ።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ‘ከመይ ደኣ፡ ኣነ እቲ ዚመጽእ እየ’ ኢሉ ኣብ ክንዲ ዚነግሮም፡ ንብዙሓት ሰባት ካብ እተፈላለየ ሕማማት ብምሕዋይ፡ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎ መርትዖ ሃቦም። ድሕርዚ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ኬድኩም፡ እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፦ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ድኻታት ድማ ይብሰሩ ኣለዉ” በሎም።—ማቴዎስ 11:4, 5

ዮሃንስ ዘበገሶ ሕቶ፡ የሱስ ካብቲ ዚገብሮ ዝነበረ ንላዕሊ ኺገብር፡ ምናልባት እውን ንዮሃንስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሓራ ኼውጽኦ ይጽበ ከም ዝነበረ ዚእምት ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ግና ንዮሃንስ ካብቲ ዚገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ንላዕሊ ኸይጽበ እዩ ዚነግሮ ነይሩ።

ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ ዮሃንስ ካብ ነብዪ ኸም ዚዓቢ ኣረጋገጸሎም። እወ፡ ንሱ እቲ ኣብ ሚልክያስ 3:1 ኣቐዲሙ ብትንቢት እተዘርበሉ ‘ልኡኽ’ የሆዋ እዩ። ኣብ ሚልክያስ 4:5, 6 እተዘርበሉ ኤልያስ እውን እዩ። ስለዚ የሱስ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ካብቶም ካብ ኣንስቲ እተወልዱ፡ ካብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዓቢ ኣይተንስአን፣ እቲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝነኣሰ ግና፡ ካብኡ ዝዓበየ እዩ” በለ።—ማቴዎስ 11:11

የሱስ፡ እቲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝነኣሰ፡ ካብ ዮሃንስ ዝዓበየ ምዃኑ ኺዛረብ ከሎ፡ ዮሃንስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኸም ዘይኣቱ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ዮሃንስ ንየሱስ መገዲ ኣዳልዩሉ እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ንምእታው መገዲ ቕድሚ ምኽፋቱ እዩ ሞይቱ። (እብራውያን 10:19, 20) ይኹን እምበር፡ ዮሃንስ እሙን ነብዪ ኣምላኽ እዩ፡ ምድራዊ ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኪኸውን እዩ።