ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

 ምዕራፍ 88

ነቲ ሃብታም ሰብኣይን ንኣልኣዛርን ዘጋጠሞም ለውጢ

ነቲ ሃብታም ሰብኣይን ንኣልኣዛርን ዘጋጠሞም ለውጢ

ሉቃስ 16:14-31

  • ምሳሌ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ስጋዊ ሃብቶም ምኽሪ ሃቦም። ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ኣይኰኑን ዚሰምዕዎ ዝነበሩ። ፈሪሳውያን እውን ኣብኡ ነይሮም እዮም፣ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ድማ ኣብ ልቦም ኬሕድርዎ ምተገብኦም ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “ገንዘብ ዚፈትዉ” እዮም ነይሮም። የሱስ ዝበሎ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ “ኣናሸውዎ።”—ሉቃስ 15:2፣ 16:13, 14

የሱስ ግና በዚ ኣይተዳህለን። የግዳስ፡ “ንስኻትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ርእስኹም እተጽድቑ ኢኹም፡ ኣምላኽ ግና ንልብኹም ይፈልጦ እዩ። እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ልዑል ዝዀነስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽዩፍ እዩ” በሎም።—ሉቃስ 16:15

እቶም ፈሪሳውያን ንነዊሕ ግዜ ‘ኣብ ቅድሚ ሰብ ልዑላት’ እዮም ነይሮም፣ ግናኸ፡ እቲ ነገር ዚግልበጠሉ ግዜ ኣኺሉ ነበረ። እቶም ብዓለማዊ ገንዘብን ፖለቲካዊ ሓይልን ሃይማኖታዊ ጽልዋን ሃብታማት ዝነበሩ ልዑላት ዚዋረዱሉ ግዜ በጽሐ። እቶም መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ ተራ ሰባት ድማ ልዕል ዚብሉሉ እዋን መጸ። የሱስ ዓብዪ ለውጢ ዚዀነሉ ግዜ ኸም ዝመጸ ንጹር ንምግባር ከምዚ በለ፦

“ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ እዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፣ ኵሎም ዓይነት ሰባት ድማ ይጋደሉላ ኣለዉ። ካብ ሕጊ ሓንቲ ሕንጻጽ ከይተፈጸመት ካብ እትሓልፍ፡ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ይቐልል።” (ሉቃስ 3:18፣ 16:16, 17) እዚ ቓላት የሱስ እዚ፡ ለውጢ ይኸውን ከም ዝነበረ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧

መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንሕጊ ሙሴ ንስዕቦ ኢና ኢሎም ይሕበኑ ነበሩ። የሱስ ንሓደ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዕዉር ምስ ኣሕወዮ፡ “ንሕና . . . ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ ንፈልጥ ኢና” ኢሎም ብሓበን ከም እተዛረቡ ትዝክሮ ትኸውን። (ዮሃንስ 9:13, 28, 29) ሕጊ ሙሴ እተዋህበሉ ሓደ ዕላማ ግና፡ ንትሑታት ናብ መሲሕ፡ ንሱ ድማ የሱስ፡ ምምራሕ እዩ ነይሩ። ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ፡ ገንሸል ኣምላኽ ምዃኑ ኣለልይዎ እዩ። (ዮሃንስ 1:29-34) ካብቲ ዮሃንስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ትሑታት ኣይሁድ፡ ብሕልፊ ኸኣ ድኻታት፡ ብዛዕባ “መንግስቲ ኣምላኽ” ይሰምዑ ነይሮም እዮም። እወ፡ ኵሎም እቶም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑን ካብኣ ኺጥቀሙን ዚደልዩ፡ ‘ተበሲሮም’ እዮም።

ሕጊ ሙሴ ኸይተፈጸመ ኣይኰነን ሓሊፉ፣ የግዳስ፡ ናብ መሲሕ እዩ ኣብጺሑ። ብዘይካዚ፡ ንዕኡ ንምሕላው ዝነበረ ግዴታ የብቅዕ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቲ ሕጊ ብእተፈላለየ ምኽንያት ፍትሕ የፍቅድ ነበረ፣ የሱስ ግና፡ “ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዚምርዖ ዅሉ ይዝሙ፣ ካብ ሰብኣያ እተፈትሐት ዚምርዖ ድማ ይዝሙ” በለ። (ሉቃስ 16:18) እዚ ዘረባ እዝስ ነቶም ሕግታት ምብዛሕ ዚፈትዉ ፈሪሳውያን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣቘጢዕዎም ኪኸውን ኣለዎ!

ድሕርዚ፡ የሱስ ንዕቤት እቲ ዚግበር ዝነበረ ለውጢ እተጕልሕ ምሳሌ መሰለ። ደረጃኦም ወይ ኵነታቶም ብዛዕባ እተለወጠ ኽልተ ሰብኡት ኣዘንተወ። ነታ ምሳሌ ኸተንብባ ኸለኻ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰማዕቱ፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ሰብ  ልዕል ከም ዝበሉ ጌርካ ዚርኣዩ ገንዘብ ዚፈትዉ ፈሪሳውያን ከም ዝነበሩ ኣይትረስዕ።

የሱስ ከምዚ በለ፦ “ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳንን በፍታን ዚኽደን፡ መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣብ ኣፍ ደጊኡ ዜንብርዎ ብቝስሊ እተወርሰ ኣልኣዛር ዝስሙ ለማኒ እውን ነበረ። ንሱ ድማ ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ፡ ከብዱ ኺመልእ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱሉ ነበሩ።”—ሉቃስ 16:19-21

እቶም ፈሪሳውያን ገንዘብ ዚፈትዉ ኻብ ነበሩ፡ እቲ “ሃብታም ሰብኣይ” ንመን ዜመልክት ምንባሩስ ዜጠራጥር ድዩ፧ ብዘይካዚ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብኽቡርን ብብሉጽን ክዳውንቲ የጊጹ ነይሮም እዮም። ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበሮም ስጋዊ ሃብቲ ኸኣ፡ በቲ ዝረኽብዎ ፍሉይ መሰላትን ኣጋጣሚታትን ሃብታማት ዝዀኑ ይመስሉ ነይሮም እዮም። እወ፡ እቲ ነገስታት ዚኽደንዎ ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳን ነቲ ዝነበሮም ብሉጽ ቦታ፡ እቲ ጻዕዳ በፍታ ኸኣ ርእሶም ዜጽድቑ ምዃኖም ዜመልክት እዩ ነይሩ።—ዳንኤል 5:7

እቶም ሃብታማትን ዕቡያትን መራሕቲ ነቶም ድኻታት ዝዀኑ ተራ ህዝቢ ኸመይ ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ፧ ሕጊ ዘይፈልጡን ንትምህርቲ ዘይበቕዑን ዓም ሃኣረጽ፡ ወይ ህዝቢ እዛ ምድሪ ኢሎም ብንዕቀት ይጽውዕዎም ነበሩ። (ዮሃንስ 7:49) እዚ ኸኣ ነቲ “ኻብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ” ከብዱ ኺመልእ ሃረር ዚብል ዝነበረ “ኣልኣዛር ዝስሙ ለማኒ” ዝነበሮ ዅነታት ዜንጸባርቕ  እዩ። እቶም ተራ ሰባት ከም ኣልኣዛር ይንዓቑ፡ ብመንፈሳዊ ሕሙማት ከም ዝዀኑ ጌርካ እውን ይርኣዩ ነበሩ።

እቲ ዜሕዝን ኵነታት ንነዊሕ እዋን ቀጺሉ ነይሩ እዩ፣ የሱስ ግና ኣብቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣብ ኣልኣዛርን ዓብዪ ለውጢ ዚመጸሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ነቲ ሃብታም ሰብኣይን ንኣልኣዛርን ዘጋጠሞም ለውጢ

የሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ለውጢ ኸምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “ሓደ ግዜ፡ እቲ ለማኒ ሞተ፡ ብመላእኽቲ ኸኣ ናብ ጐድኒ ኣብርሃም ተወስደ። እቲ ሃብታም ድማ ሞተ፡ ተቐብረ እውን። ኣብ መቓብር እናተሳቐየ ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ ንኣብርሃም ብርሑቕ፡ ንኣልኣዛር እውን ኣብ ጐድኑ ረኣዮ።”—ሉቃስ 16:22, 23

እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ፡ ኣብርሃም ነዊሕ ይገብር ከም ዝሞተን ኣብ መቓብር ምንባሩን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ኣብ መቓብር ወይ ሲኦል ዝኣተወ ሰብ፡ ዋላ እውን ኣብርሃም፡ ኪርኢ ወይ ኪዛረብ ከም ዘይክእል ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይገልጽ እዩ። (መክብብ 9:5, 10) የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ ደኣ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እንታይ እዮም ዚሓስቡ ነይሮም፧ ብዛዕባ እቶም ተራ ሰባትን ብዛዕባ እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ መራሕቲ ሃይማኖትን እንታይ እዩ ዚገልጽ ነይሩ፧

የሱስ ቀቅድሚኡ፡ ‘ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ’ ብምባል ለውጢ ኸም ዚህሉ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣልኣዛርን እቲ ሃብታም ሰብኣይን ብስብከት ዮሃንስን የሱስ ክርስቶስን እዮም ካብቲ ቕድም ዝነበሮም ኵነታት ዝሞቱ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እውን ሓድሽ ቦታ ዝረኸቡ።

ብሕልፊ፡ እቶም ትሑታት ወይ ድኻታት ንነዊሕ እዋን ብመንፈሳዊ መዳይ ይጠምዩ ነይሮም እዮም። ድሕሪኡ ግና፡ ነቲ ፈለማ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ደሓር ድማ የሱስ ዘቕረቡሎም መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምቕባሎም ተሓጊዞም እዮም። ኣቐዲሞም፡ በቲ ኻብ መኣዲ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት “ዚወድቕ ርፍራፍ” እዮም ዚናበሩ ነይሮም። ደሓር ግና፡ ኣገዳሲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ኪምገቡ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ የሱስ ዚገልጸሎም ዜደንቕ ነገራት ኪምሃሩ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽ ብሉጽ ቦታ ኸም ዝረኸቡ እዮም ኰይኖም።

ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ሃብታማትን ጽልዋ ዝነበሮምን መራሕቲ ሃይማኖት፡ ነቲ ዮሃንስ ዝኣወጆን የሱስ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ዝሰበኾን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይተቐበልዎን። (ማቴዎስ 3:1, 2፣ 4:17) እኳ ደኣስ በቲ መልእኽቲ ተቘጢዖምን ተሳቕዮምን እዮም፣ እዚ ድማ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ፍርዲ ሓዊ የመልክት። (ማቴዎስ 3:7-12) የሱስን ደቀ መዛሙርቱን መልእኽቲ ኣምላኽ ካብ ምስባኽ እንተ ዜቋርጹ፡ እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ መራሕቲ ሃይማኖት እፎይታ ምረኸቡ። ስለዚ፡ እቶም መራሕቲ ኸምቲ ኣብቲ ምሳሌ እተጠቕሰ፡ “ኦ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታ እዚ እሳቐ ኣለኹ እሞ፡ ምሓረኒ፡ ጫፍ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ ከኣ ንኣልኣዛር ስደደለይ” ዝበለ ሃብታም ሰብኣይ እዮም።—ሉቃስ 16:24

 ከምኡ ግና ኣይኰነን። መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይተቐየሩን። “ንሙሴን ንነብያትን” ኣይሰምዕዎምን፣ ጽሑፋት ሙሴን ነብያትንሲ ንየሱስ ብኣምላኽ ከም እተሸመ መሲሕን ንጉስን ገይሮም ንምቕባል ኪድርኾም ነይርዎ። (ሉቃስ 16:29, 31፣ ገላትያ 3:24) ነቶም ንየሱስ እተቐበሉን ሞገስ ኣምላኽ ዝረኸቡን ድኻታት እውን ትሕት ኢሎም ኣይሰምዕዎምን። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ድማ ንመራሕቲ ሃይማኖት ንምዕጋብ ወይ እፎይታ ምእንቲ ኺህብዎም ኢሎም፡ ንመልእኽቲ ሓቂ ሓይሉ ኣይነከይዎን። የሱስ ከኣ ነዚ ነገር እዚ ኣብቲ “ኣብርሃም” ነቲ ሃብታም ሰብኣይ እተዛረቦ ቓላት ገሊጽዎ ኣሎ፦

“ኣብርሃም ግና፡ ‘ወደይ፡ ንስኻስ ኣብ ህይወትካ ጽቡቕ ከም ዝረኸብካ፡ ኣልኣዛር ግና ሕማቕ ከም ዝረኸበ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ ኣሎ፡ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ። ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሓልፉ ዚደልዩ ኸይክእሉ፡ ካብኡ እውን ናባና ኸይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይሩ ኣሎ’ በሎ።”—ሉቃስ 16:25, 26

እቲ ዓብዪ ለውጥስ ክሳዕ ክንደይ ፍትሓውን ግቡእን ኰን እዩ ነይሩ! እቶም ዕቡያት መራሕቲ ሃይማኖት ዝነበሮም ቦታ ምስቲ ናይቶም ኣርዑት የሱስ እተቐበሉን ዕረፍቲ ዝረኸቡን ብመንፈሳዊ መዳይ እተመገቡን ትሑታት ከም እተለዋወጠ እዩ ዀይኑ። (ማቴዎስ 11:28-30) ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ኺዳን ሕጊ ብሓድሽ ኪዳን ምስ ተተክአ፡ እቲ ለውጢ ብዝያዳ ርኡይ ኰይኑ እዩ። (ኤርምያስ 31:31-33፣ ቈሎሴ 2:14፣ እብራውያን 8:7-13) ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣፍሰሰ፡ ፈሪሳውያንን ምሳታቶም ዚተሓባበሩ ሃይማኖታውያንን ዘይኰኑስ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዝረኸቡ ንጹር ኰነ።