ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

ንየሱስ ንምምሳል፡ ነዚ ዚስዕብ ባህርያቱ ቕድሓዮ

ንየሱስ ንምምሳል፡ ነዚ ዚስዕብ ባህርያቱ ቕድሓዮ

ርሕሩሕ

የሱስ ፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ ንኻልኦት ሰባት ዘጋጠሞም ዓይነት መከራን ጭንቅን ኣየሕለፈን። ይኹን እምበር፡ ንሰባት ይሓልየሎም ነይሩ እዩ። ንሰባት ኪሕግዞም፡ ካብ ዜድልዮም ንላዕሊ ሓለፋ ኺገብረሎም እውን ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። እወ፡ የሱስ ርሕራሐ ስለ ዝነበሮ እዩ ንኻልኦት ሓጊዙ። ነቲ ኣብ ምዕራፍ 32375799 ዚርከብ ዛንታታት ኣስተንትነሉ።

ተቐራቢ

የሱስ ኣዝዩ ትሑዝ ኸም ዝዀነ ወይ ድማ ተደላዪ ኸም ዝዀነ ዚእምት ነገራት ስለ ዘይገበረ፡ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ፡ ኰታስ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ሰባት ኪቐርብዎ ኽኢሎም እዮም። ሰባት ነቲ ንሱ ኣባታቶም ዘለዎ ተገዳስነት ይርድእዎ ብምንባሮም፡ ምስኡ ምዃን የቕስኖም ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ምዕራፍ 252795 ተገሊጹ ኣሎ።

ጸሎተኛ

የሱስ ብብሕቱን ምስ ካልኦት ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዀይኑን ወትሩ ናብ ኣቦኡ ልባዊ ጸሎት የቕርብ ነይሩ እዩ። ኣብ መኣዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ እተፈላለየ እዋናት እውን ጸልዩ እዩ። ንኣቦኡ ንምምስጋንን ንምውዳስን ከቢድ ውሳነታት ቅድሚ ምግባሩ ኻብ ኣቦኡ መምርሒ ንምርካብን ጸልዩ እዩ። ነቲ ኣብ ምዕራፍ 243491122123 ዚርከብ ኣብነታት ርአ።

ጥቕሚ ርእሱ ዚውፊ

ኬዕርፍን ኪዘናጋዕን ኣብ ዚግብኦ እዋናት እኳ ኸይተረፈ፡ ንኻልኦት ግዜኡ ይህብ ነይሩ እዩ። ንዓይ ይጥዓመኒ ዚብል ኣተሓሳስባ ኣይነበሮን። የሱስ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን፡ ኣስኣሰሩ ኽንስዕቦ ዚግብኣና ኣርኣያ ገዲፉልና እዩ። እዚ ኣርኣያ እዚ ኣብ ምዕራፍ 194152 ተገሊጹ ይርከብ።

ይቕረ በሃሊ

የሱስ ይቕረ ምባል ብዛዕባ ዘለዎ ኣድላይነት ጥራይ ኣይኰነን ምሂሩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ካልኦት ሰባትን ኣብ ዝነበሮ ርክብ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ነቲ ኣብ ምዕራፍ 264064፡ 85131 ዚርከብ ዛንታታት ኣስተንትነሉ።

ቀናእ

መብዛሕትኦም ኣይሁድ ንመሲሕ ከም ዘይቅበልዎን ጸላእቱ ኸም ዚቐትልዎን ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ኣብ ዚገብሮ ነገራት ርእሱ ኸይውጽዕ ኢሉ ጥንቁቕ ኪኸውን ምኸኣለ ነይሩ። ንሱ ግና ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣት ኣርእዩ እዩ። የሱስ፡ ቀናእ ብምዃን ንዅሎም ሰዓብቱ ኣብነት ገዲፍሎም እዩ፣ ከመይሲ፡ ሰባት በቲ ሰዓብቱ ዚሰብክዎ ዘይግደሱ ወይ ነቲ መልእኽቲ ዚቃወሙ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ምዕራፍ 1672103 ርአ።

ትሑት

የሱስ ብፍልጠትን ብጥበብን ብብዙሕ ካልእ መዳያትን ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ይበልጽ ነይሩ እዩ። ፍጹም ስለ ዝነበረ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ሰባት ዝሓሸ ኣካላዊ ዓቕምን ኣእምሮኣዊ ኽእለትን ነይርዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብትሕትና ንኻልኦት ኣገልጊሉ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ትምህርትታት ኣብ ምዕራፍ 10626694፡ 116 ክትረክብ ኢኻ።

ዕጉስ

የሱስ፡ ሃዋርያቱን ካልኦት ሰባትን ኣብነቱ ኣብ ዘይሰዓቡሉ እዋን ወይ ነቲ ዝመሃሮም ነገራት ኣብ ግብሪ ኣብ ዘየውዓልሉ እዋን፡ ብተደጋጋሚ ተዓጊሱዎም እዩ። ናብ የሆዋ ዝያዳ ምእንቲ ኪቐርቡ ድማ ነቲ ዜድልዮም ትምህርትታት ብትዕግስቲ ደጊምሎም እዩ። ነቲ ኣብ ምዕራፍ 7498118135 ዚርከብ ንትዕግስቲ የሱስ ዜርኢ ዛንታታት ኣስተንትነሉ።