ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

 ምዕራፍ 10

የሱስ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተጓዕዘ

የሱስ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተጓዕዘ

ሉቃስ 2:40-52

  • የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ፡ ንመምህራን ሓተቶም

  • የሱስ ንየሆዋ፡ “ኣቦይ” ኢሉ ጸውዖ

ዮሴፍን ስድራ ቤቱን ምስ ኣዕሩኽቶምን ኣዝማዶምን ዓመት ዓመት ናብ የሩሳሌም ዚጓዓዝሉ ግዜ በጽሐ። ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዚእዝዞ፡ ፋስጋ ኼብዕሉ እዮም ናብኡ ዚኸዱ ዝነበሩ። (ዘዳግም 16:16) ካብ ናዝሬት ናብ የሩሳሌም ኣስታት 120 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ይኸውን ነይሩ። ኵሉ ሰብ ሸበድበድ ዚብለሉን ዚሕጐሰሉን እዋን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ወዲ 12 ዓመት እዩ ዀይኑ ነይሩ፣ ነቲ በዓልን ነቲ ኣብ ጥቓ ቤተ መቕደስ ናይ ምዃን ኣጋጣምን ከኣ ፍልይ ብዝበለ ተገዳስነት እዩ ዚጽበዮ ነይሩ።

በዓል ፋስጋ ንየሱስን ንስድራ ቤቱን፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ጕዳይ ጥራይ ኣይነበረትን። ጽባሕ ፋስጋ፡ እቲ ሸውዓተ መዓልቲ ዚወስድ በዓል ቅጫ ይጅምር ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 14:1) ንሱ ኸኣ ክፍሊ እቲ ቕነ ፋስጋ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ዓዶም ናዝሬት ነቒሎም ዚገብርዎ ጕዕዞን ኣብ የሩሳሌም ዚቕንዩሉ ግዜን ናብ ዓዶም ዚምለሱሉ ግዜን ተደሚሩ ዳርጋ ክልተ ሰሙን እዩ ዚወስደሎም ነይሩ። ኣብታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ዓመት እቲኣ ግና፡ ብሰንኪ የሱስ ካብኡ ንላዕሊ እዩ ወሲዱሎም። ካብ የሩሳሌም ኪምለሱ ኸለዉ እዮም ብዛዕባ እቲ እተፈጥረ ነገር ፈሊጦም።

ዮሴፍን ማርያምን ኪጕዓዙ ኸለዉ፡ የሱስ ምስቶም መኻይዶም ዝነበሩ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ናብ ሰሜን ገጹ ዚጐዓዝ ዘሎ መሲልዎም ነበረ። ኣብቲ ኺሓድሩ ዘዕረፉሉ ቦታ ግና ሰኣንዎ። ምስቶም ብጾቶም ደልዮም እውን ሰኣንዎ። እወ፡ ወዶም ኣይተረኽበን! ሽዑ፡ ዮሴፍን ማርያምን ኪደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።

ምሉእ መዓልቲ ደልዮም ኣይረኸብዎን። ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ እውን ኣይረኸብዎን። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብታ ብዙሕ ኣዳራሻት ዘለዋ ቤተ መቕደስ ረኸብዎ። ኣብኡ ኣብ ማእከል መምህራን ኣይሁድ ተቐሚጡ ይሰምዖን ይሓትቶምን ብምስትውዓሉ የስተንክሮምን ነበረ።

ሽዑ፡ ማርያም፡ “ወደየ፡ ስለምንታይ ከምዚ ጌርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን ተሻቒልና ኽንደልየካ ጸኒሕና” በለቶ።—ሉቃስ 2:48

የሱስ ኣበይ ከም ዚኸውን ብዘይምፍላጦም ከም እተገረመ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንምንታይ እሞ ትደልዩኒ፧ ኣብ ቤት ኣቦይ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።—ሉቃስ 2:49

የሱስ ምስ ዮሴፍን ማርያምን ምስ ተራኸበ፡ ምሳታቶም ናብ ናዝሬት ተመልሰ፡ ይእዘዞም እውን ነበረ። ብጥበብን ብኣካልን እውን ይዓቢ ነበረ። ገና እኳ ንእሽቶ እንተ ነበረ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስ ነበሮ። እወ፡ የሱስ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ፡ ብመንፈሳዊ ነገራት ግዱስ ብምዃን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንወለዱ እውን ኣኽብሮት ብምሃብ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉ እዩ።