ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

 ምዕራፍ 103

ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ኣጽረያ

ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ኣጽረያ

ማቴዎስ 21:12, 13, 18, 19 ማርቆስ 11:12-18 ሉቃስ 19:45-48 ዮሃንስ 12:20-27

  • የሱስ ንሓንቲ ኦም በለስ ረገማ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ድማ ኣጽረያ

  • የሱስ ንብዙሓት ህይወት ንምሃብ፡ ኪመውት ነበሮ

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ያሪኮ ናብ ቢታንያ ድሕሪ ምምጻኦም፡ ኣብኣ ሰለስተ ለይቲ ሓደሩ። ሰኑይ 10 ኒሳን ብንግሆኡ ኸኣ፡ ናብ የሩሳሌም ገጾም መገዲ ጀመሩ። የሱስ ጠምዩ ነበረ። ስለዚ፡ ኦም በለስ ምስ ረኣየ፡ ፍረ እንተ ኣልይዋ ኺርኢ ናብኣ ገጹ ኸደ።

እዋኑ ኣጋ መወዳእታ መጋቢት እዩ ነይሩ፣ ቅድሚ ሰነ ድማ ግዜ በለስ ኣይኰነን። እታ በለስ ግና ቅድሚ ግዜኣ ቘጺላ ነበረት። ስለዚ፡ የሱስ ኣቐዲማ ፍረ ኽትፈሪ ኸም እትኽእል ሓሰበ። እንተዀነ ግና፡ ፍረ ኣይረኸበን። ኣቝጽልቲ እታ ኦም ዜታልል እዩ ነይሩ። የሱስ ከኣ ነታ ኦም፡ “ደጊም ካባኺ ሓደ እኳ ንሓዋሩ ፍረ ኣይብላዕ” በላ። (ማርቆስ 11:14) ብኡብኡ እታ ኦም ክትሓርር ጀመረት፣ ትርጉም እዚ ኸኣ ንጽብሒቱ ንግሆ እዩ ተገሊጹ።

ነዊሕ ከይጸንሑ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ የሩሳሌም በጽሑ። ንሱ ድማ ናብታ ድሮኡ ኣብ ዝነበረ ድሕሪ ቐትሪ ተዓዚብዋ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ከደ። ሽዑ ግና ካብ ምዕዛብ ንላዕሊ እዩ ገይሩ፣ ከምቲ ቕድሚ ሰለስተ ዓመት ብፋስጋ 30 ድ.ክ. ዝገበሮ ዓይነት ስጕምቲ እዩ ወሲዱ። (ዮሃንስ 2:14-16) እወ፡ የሱስ “ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዚሸጡን ዚዕድጉን” ሰጐጎም። “ሰደቓታት ኣሽረፍትን መናብር እቶም ረገቢት ዚሸጡ ዝነበሩን ከኣ ገልበጠ።” (ማርቆስ 11:15) ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤተ መቕደስ ኣቋሪጹ ናብቲ ኻልእ ክፋል እታ ኸተማ ኺሓልፍ ኣይፈቐደን።

የሱስ ኣብቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ዜሽርፉን እንስሳታት ዚሸጡን ዝነበሩ ብርቱዕ ስጕምቲ ዝወሰደ ስለምንታይ እዩ፧ “‘ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ’ ዚብል ጽሑፍዶ የሎን፧ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ጌርኩምዋ” በሎም። (ማርቆስ 11:17) ነቶም ሰባት እቲኦም ጐሓሉት ዝበሎም ከኣ፡ ነቶም ንመስዋእቲ ዚዀኑ እንስሳታት ካባታቶም ኪዕድጉ ዚግደዱ ሰባት ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ የኽፍልዎም ብምንባሮም እዩ። ነቲ ተግባሮም ከም ዘረፋ ወይ ጕሕልና ገይሩ እዩ ርእይዎ።

ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኣውራታት ህዝብን እቲ የሱስ ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ ኸም ብሓድሽ ውዲት ኪኣልሙ ጀመሩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ጸገም ኣጋጠሞም። እቲ ህዝቢ ኺሰምዖ ናብኡ ይውሕዝ ብምንባሩ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ ኣይፈለጡን።

ብትውልዲ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ናብ ሃይማኖት ኣይሁድነት እተለወጡ ጵሮሴሊታት እውን ፋስጋ ንምብዓል መጺኦም ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ ኣብቲ በዓል ኬብዕሉ ዝመጹ ግሪኻውያን እዮም ነይሮም። ንሳቶም ናብ ፊልጶስ ቀሪቦም፡—ምናልባት እቲ ናይ ግሪኽኛ ስሙ ስለ ዝቐለሎም እዮም ናብኡ ዝቐረቡ፡—ንየሱስ ኪርእይዎ ሕቶ ኣቕረቡሉ። ፊልጶስ ከምኡ ኺግበር ዚከኣል እንተ ዀይኑ ስለ እተጠራጠረ እዩ ዚኸውን፡ ንእንድርያስ ኣዘራረቦ። ክልቲኦም ድማ ነቲ ነገር ናብ የሱስ ኣቕረብዎ፣ የሱስ ድማ ገና ኣብታ ቤተ መቕደስ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

የሱስ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከም ዚመውት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንሃንቀውታ ሰባት ዜዕግበሉ ወይ ህቡብ ኪኸውን ዚደልየሉ ግዜ ኣይነበረን። ስለዚ፡ ነቶም ክልተ ሃዋርያት፡ “ወዲ ሰብ ዚኸብረላ ሰዓት በጺሓ እያ። ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወዲቓን እንተ ዘይሞይታን፡ በይና እያ እትነብር፣ እንተ ሞይታ ግና፡ ብዙሕ ፍረ ትፈሪ” ኢሉ ብምሳሌ ገይሩ መለሰሎም።—ዮሃንስ 12:23, 24

ሓንቲ ፍረ ስርናይ ንበይና ዋጋ ዘይብላ እያ እትመስል። ኣብ ምድሪ እንተ ወዲቓን ኸም ዘርኢ እንተ “ሞይታን” ግና፡ ክትበቍልን ድሕሪ ግዜ ብዙሕ ፍረ ኽትፈርን ትኽእል እያ። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ሓደ ፍጹም ሰብ ጥራይ እዩ ነይሩ። ክሳዕ ሞቱ ንኣምላኽ እሙን ብምዃኑ ግና፡ ከም ናቱ ዝበለ ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ንዘለዎም ብዙሓት ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ክኢሉ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ፡ “እቲ ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ፣ እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 12:25

የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ኣይኰነን ዚዛረብ ዝነበረ፣ ከመይሲ፡ ኣስዒቡ፡ “ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ይስዓበኒ፣ ኣብቲ ዘለኽዎ ኸኣ፡ ኣገልጋልየይ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 12:26) ከመይ ዝበለ ዓስቢ ዀን እዩ! እቶም ኣቦ  ዜኽብሮም፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኪሓብሩ እዮም።

የሱስ ብዛዕባ እቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ብርቱዕ መከራን ዜሳቒ ሞትን ምስ ሓሰበ፡ “ሕጂ ተረቢሸ ኣለኹ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ” በለ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ኪሃድም ኣይደለየን። ስለዚ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ግናኸ፡ ምእንቲ እዚ እየ ናብዛ ሰዓት እዚኣ ዝመጻእኩ” በለ። (ዮሃንስ 12:27) የሱስ ንዅሉ ዕላማ ኣምላኽ፡ እንተላይ ነቲ መስዋእታዊ ሞቱ ይሰማምዓሉ ነይሩ እዩ።