ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

ንዓለምና እንታይ ዜጋጥማ ይመስለካ፧

  • ከምዛ ዘላታ እትቕጽል

  • ካብዚ ዘላቶ እትገድድ

  • ካብዚ ዘላቶ እትመሓየሽ

 መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:3, 4፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ)።

“እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧”

ትርጕም ዘለዎን ዜዕግብን ስራሕ ይህልወካ።—ኢሳይያስ 65:21-23

ሕማም ወይ መከራ ዘይብሉ ህይወት ይህልወካ።—ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24፡ ትርጕም 1990።

ምስ ስድራ ቤትን ፈተውትን እናተሓጐስካ ንዘለኣለም ትነብር።—መዝሙር 37:11, 29

 ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት።

  • ኣምላኽ መብጽዓኡ ኺፍጽም ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሱ ጥራይ እዩ “ዅሉ እትኽእል” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ። (ራእይ 15:3) ስለዚ፡ ነቲ ንዓለምና ዝሓሸት ከም ዚገብራ ዝኣተዎ መብጽዓ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽሞ ይኽእል እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ብኣምላኽ . . . ኵሉ ይከኣል እዩ።”—ማቴዎስ 19:26

  • ኣምላኽ መብጽዓኡ ኺፍጽም ይደሊ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቶም ዝሞቱ ሰባት ናብ ህይወት ኪመልሶም ‘ይናፍቕ’ እዩ።—እዮብ 14:14, 15ትርጕም 1956።

ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ንሕሙማት ከም ዘሕወየ ይገልጽ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ኬሕዊ ስለ ዝደለየ እዩ። (ማርቆስ 1:40, 41) የሱስ ነቶም እተሸገሩ ሰባት ኪሕግዞም ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ንባህርያት ኣቦኡ ብፍጹም መገዲ ኣንጸባሪቕዎ እዩ።—ዮሃንስ 14:9

ስለዚ፡ የሆዋን የሱስን፡ ዜሐጕስ መጻኢ ኺህልወና ኸም ዚደልዩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 72:12-14፣ 145:16፣ 2 ጴጥሮስ 3:9

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ኣምላኽ ንዓለምና ዜመሓይሻ ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ማቴዎስ 6:9, 10፣ ዳንኤል 2:44 ይምልሳ እዩ።

ብዝያዳ ፍለጥ

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ ምዃኑ፡ መከራ መዓስ ከም ዜብቅዕ፡ ከምኡውን ኣብ ዚመጽእ ምድሪ እንታይ ከም እትኸውንን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባት እንታይ ከም ዜጋጥሞምን ይገልጽ እዩ።

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ እትዓምም፧