ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፦

እታ ኣብ 1 ጥሪ 2008 ዝጀመረት ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብቲ ናይ ፈለማ ሕታማ፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” ዘርእስቱ ባህ ዜብል ዓምዲ ሒዛ ወጺኣ ነይራ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ እቲ ዓምዲ እቲ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ሓድሽ ዓንቀጽ ዜውጽእ ምዃኑ ኣዝዩ የሐጕሰና እዩ።

ኣንበብቲኸ ብዛዕባ እቲ ዓምዲ እንታይ ርእይቶ ሂቦም፧ ሓንቲ ኣንባቢት፡ ብዛዕባ ማርታ ዚገልጽ ዓንቀጽ ምስ ኣንበበት ከምዚ ኢላ፦ “ኣነ እውን ልክዕ ከምኣ ስለ ዝዀንኩ፡ ነቲ ዛንታ ምስ ኣንበብክዎ ስሒቐ እየ። ወትሩ ንፍዕቲ ኣአንጋዲት ክኸውንን ብዙሕ ዕዮ ኽዓይይን ስለ ዝደሊ፡ ሓድሓደ ግዜ ቍሩብ ኣዕርፍ ኣቢለ ምስ መሓዙተይ ግዜ ኸሕልፍ ከም ዘሎኒ እርስዕ እየ።” ሓንቲ መንእሰይ ከኣ ዛንታ ኣስቴር ምስ ኣንበበት፡ “ብዛዕባ ኽዳውንትን ዘመናዊ ቕድታትን ኣመና ኽንሓስብ ከም እንኽእል ዘይክሓድ እዩ። ጽቡቕ ትርኢት ኪህልወና ግቡእ እኳ እንተ ዀነ እተጋነነ ኪኸውን ግና የብሉን” ኢላ። ኣስዒባ እውን፡ “የሆዋ ብዛዕባ ውሽጣዊ እንታይነትና እዩ ዚግደስ” ኢላ። ሓንቲ መንእሰይ ዛንታ ሃዋርያ ጴጥሮስ ምስ ኣንበበት፡ “ነቲ ዛንታ ምስ ኣንበብክዎ ምሉእ ብምሉእ እየ ተመሲጠ። ህያው ኰይኑ እዩ ተራእዩኒ። ነቲ ተፈጺሙ ኪኸውን ከም ዚኽእል ጌርካ ዝቐረበ ሓሳባት ከንብብ ከለኹ ኣብኡ ኸም ዘለኹ ገይረ እየ ዘንብቦ ነይረ” ኽትብል ተደሪኻ እያ።

እዘን ኣንበብቲ እዚአንን እቲ ዓምዲ ብምውጽኡ ሞሳኦም ብጽሑፍ ዝገለጹ ማእለያ ዘይብሎም ካልኦት ኣንበብትን፡ “እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ” ብምባል ሃዋርያ ጳውሎስ ዘመናት ይገብር ዝጸሓፎ ሓሳባት ሓቂ ምዃኑ እዮም ዜረጋግጹ። (ሮሜ 15:4) እወ፡ የሆዋ ጠቓሚ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምህረና ኢሉ፡ ነዚ ዛንታታት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገብ ገይሩ እዩ። ኣብ ሓቂ ዝጸናሕናሉ ዓመታት ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ኵላትና ኻባታቶም ክንምሃር ንኽእል ኢና።

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ከተንብብዋ ኸነተባብዓኩም ንፈቱ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትገብሩ ኸለኹም ኣጽንዕዋ። ደቅኹም ኪፈትውዋ እዮም። ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኽትውሰድ ከላ፡ ሓንቲ ሰሙን እውን ትኹን ኣይተምልጥኩም! ግዜ መዲብኩም፡ ህድእ ኢልኩም ኣንብብዋ። ነቲ ዛንታታት ኣብ ኣእምሮኹም ስኣልዎ። ስምዒት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ገጸ ባህርያት ይሰማዕኩም፣ ነቲ ዝረኣይዎ ርኣይዎ። ነቲ ዝገበርዎ ነገራት ከተንብቡ ኸሎኹም ድማ፡ ‘ኣነ እንተ ዝኸውን እንታይ ምገበርኩ፧’ ኢልኩም ሕሰቡ።

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንዓኻትኩም ብምድላውና ኣዚና ተሓጒስና ኢና። ንዓኻትኩምን ንስድራ ቤትኩምን ክትጠቕመኩም ንምነ። ፍቕርናን ሰናይ ትምኒትናን ይብጻሕኩም፡

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር