ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

 ምዕራፍ ዓሰርተው ሓደ

ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየን

ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየን

1, 2. ኤልያስ እንታይ ባህ ዘየብል ዕዮ እዩ ኣጋጢምዎ፧ ንሱን ኣከኣብን እተፈላለዩ ዝነበሩኸ ብኸመይ እዮም፧

ኤልያስ ምስቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦኡ ንበይኑ ዀይኑ ብጸሎት ኪራኸብ ሃረር ይብል ነበረ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ኣብ ዙርያኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ እዚ ናይ ሓቂ ነብዪ ኻብ ሰማይ ሓዊ ኼውርድ ስለ ዝረኣዩ ብዙሓት ካባታቶም ሞገሱ ኺረኽቡ ተሃንጥዮም ነበሩ። ኤልያስ ናብቲ ብርቱዕ ንፋስ ዘለዎ ኸረን ቀርሜሎስ ደይቡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ቅድሚ ምጽላዩ፡ ሓደ ባህ ዘየብል ዕዮ ኺዓዪ፡ ማለት ምስ ንጉስ ኣከኣብ ኪዘራረብ ነበሮ።

2 እዞም ክልተ ሰብኡት፡ ኣዝዮም እተፈላለዩ እዮም ነይሮም። እቲ ብሉጽ ክዳውንቲ ንጉስ ተኸዲኑ ዝነበረ ኣከኣብ፡ ስሱዕን መርገጽ ዘይብሉን ከሓድን እዩ ነይሩ። እቲ ነብያት ኣዘውቲሮም ዚኽደንዎ ኻብ ቈርበት እንስሳታት፡ ካብ ጸጕሪ ገመል፡ ወይ ካብ ጸጕሪ ጤል እተሰርሐ ኪኸውን ዚኽእል ተራ ባርኖስ ተኸዲኑ ዝነበረ ኤልያስ ግና፡ ብንጽህናን ብእምነትን ዚመላለስ ተባዕ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ንባህርያት እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኦም ብዝያዳ ዜጕልሕ ነገራት ተፈጺሙ እዩ።

3, 4. (ሀ) እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንኣከኣብን ንኣምለኽቲ በዓልን ሕማቕ መዓልቲ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንኣከኣብን ንኣምለኽቲ በዓልን ሕማቕ መዓልቲ እያ ነይራ። እቲ ኣከኣብን ሰበይቱ ንግስቲ ኢዛቤልን ዚሕለቑሉ፡ ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ዝነበረ ኣረማዊ ሃይማኖት ከቢድ ጽፍዒት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። በዓል ናይ ሓሶት ምዃኑ ተቓሊዑ ነይሩ እዩ። እቲ ህይወት ዘይብሉ ኣምላኽ ነቶም ዓበድበድ እናበሉን እናሳዕስዑን ደም ክሳዕ ዚፈስስ ንኣካላቶም እናተፍተፉን ዚልምንዎ ዝነበሩ ነብያቱ፡ ንእሽቶ ሓዊ ብምውላዕ እኳ መልሲ ኺህቦም ኣይከኣለን። ነቶም ሞት ዚግብኦም 450 ሰባት ኬድሕኖም ኣይከኣለን። ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ብኻልእ መገዲ እውን ተቓሊዑ እዩ፣ ናይ ሓሶት ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ዚቃልዓሉ ግዜ ድማ ይቃረብ ነበረ። ነብያት በዓል ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ደርቂ ምእንቲ ኼብቅዕ ንኣምላኾም እኳ እንተ ለመኑ፡ በዓል እዚ ኺገብር ኣይከኣለን። የሆዋ ባዕሉ እቲ ደርቂ ኸም ዜብቅዕ ብምግባር ልዕልናኡ ዜርእየሉ ግዜ ግና ቀሪቡ ነበረ።—1 ነገ. 16:30–17:1፣ 18:1-40

 4 የሆዋ ኸምዚ ዝገበረ መዓስ እዩ፧ ክሳዕ ሽዑ ኤልያስ እንታይ እዩ ዚገብር ነይሩ፧ ካብዚ ናይ እምነት ሰብከ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ነቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ እስከ ንመርምሮ።—1 ነገስት 18:41-46 ኣንብብ።

ናይ ጸሎት ሰብ

5. ኤልያስ ንኣከኣብ እንታይ ኪገብር እዩ ነጊርዎ፧ ኣከኣብከ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ዘጋጠመ ነገራት ገለ ትምህርቲ ረኺቡ ድዩ፧

5 ኤልያስ ናብ ኣከኣብ ቀሪቡ፡ “ደሃይ ብርቱዕ ዝናም ኣሎ እሞ፡ ደዪብካ ብላዕን ስተን” በሎ። እቲ እኩይ ንጉስ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ዘጋጠመ ነገራት ገለ ትምህርቲ ረኺቡ ድዩ፧ እቲ ጸብጻብ ብንጹር ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም እተነስሐን ምሕረት የሆዋ ንምርካብ እቲ ነብዪ ንኺሕግዞ ኸም ዝለመነን ዚገልጽ ቃላት ኣይንረክብን ኢና። የግዳስ፡ ኣከኣብ፡ “ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ።” (1 ነገ. 18:41, 42) ኤልያስከ፧

6, 7. ኤልያስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ጸልዩ፧ ስለምንታይከ፧

6 “ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደዪቡ፡ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገይሩ ተዀርመየ።” ኣከኣብ ከብዱ ኺመልእ ምስ ከደ፡ ኤልያስ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦኡ ኺጽሊ ኣጋጣሚ ረኸበ። ነቲ ኣብዚ እተገልጸ ትሕትና ዜርኢ ኣካላዊ ኣቃውማ እሞ ኣስተብህለሉ፣ ኤልያስ ብርእሱ ናብ ምድሪ ፍግም ብምባል ንገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ እዩ ገይሩ። እንታይ እዩ ዚገብር ነይሩ፧ ክንግምት ኣየድልየናን  እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ያእቆብ 5:18 ኤልያስ እቲ ደርቂ ኼብቅዕ ከም ዝጸለየ ይነግረና። ነዚ ጸሎት እዚ ኣብ ርእሲ ኸረን ቀርሜሎስ ኰይኑ ኣቕሪብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኤልያስ ዝጸለዮ ጸሎት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጸም ሓያል ባህጊ ኸም ዝነበሮ የርኢ

7 ኣቐድም ኣቢሉ የሆዋ፡ “ኣብ ገጽ ምድሪ ዝናም ከዝንም እየ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (1 ነገ. 18:1) ስለዚ ኤልያስ፡ ልክዕ ከምቲ የሱስ ሓደ ሽሕ ዓመት ጸኒሑ ንሰዓብቱ ኺጽልዩ ዝመሃሮም፡ ፍቓድ የሆዋ ኺፍጸም እዩ ጸልዩ።—ማቴ. 6:9, 10

8. ኣብነት ኤልያስ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ይምህረና፧

8 ኣብነት ኤልያስ ብዛዕባ ጸሎት ብዙሕ እዩ ዚምህረና። ብቐዳምነት፡ ኤልያስ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጸም እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ክንጽሊ ኸለና፡ “ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና” ምዃኑ ንዘክር። (1 ዮሃ. 5:14) ስለዚ፡ ጸሎትና ምእንቲ ኺስማዕ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንፈልጥ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክፋል መዓልታዊ ህይወትና ኽንገብሮ የድሊ። ኤልያስ ኣብቶም ደቂ ዓዱ ዝወረደ ስቓይ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ደርቂ ኼብቅዕ ከም ዝደለየ እውን ፍሉጥ እዩ። የሆዋ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝፈጸሞ ተኣምር ምስ ረኣየ፡ ልቡ ብምስጋና መሊኡ ኪኸውን ኣለዎ። ንሕና እውን ኣብ ጸሎትና ብዛዕባ ድሕንነት ካልኦት ክንጠቅስን ልባዊ ምስጋና ኸነቕርብን ኣሎና።—2 ቈረንቶስ 1:11፣ ፊልጲ 4:6 ኣንብብ።

እምንቶ ዘለዎን ብንቕሓት ዚከታተልን

9. ኤልያስ ንጊልያኡ እንታይ ኪገብር እዩ ነጊርዎ፧ እንታይ ክልተ ባህርያትከ ኢና ኽንምርምር፧

9 ኤልያስ፡ የሆዋ ነቲ ደርቂ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ርግጸኛ እኳ እንተ ነበረ፡ መዓስ ከም ዚኸውን ግና ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግና እቲ ነብዪ እንታይ ገበረ፧ እቲ ዛንታ እንታይ ከም ዚብል ኣስተብህል፦ “ንጊልያኡ ኸኣ፡ ‘በጃኻ፡ ደይብ እሞ፡ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ’ በሎ። ንሱ ድማ ደዪቡ ኣማዕደወ እሞ፡ ‘ገለ እኳ የልቦን’ በለ። ኤልያስ ከኣ ሸውዓተ ግዜ፡ ‘ተመለስ’ በሎ።” (1 ነገ. 18:43) ኣብነት ኤልያስ እንተ ወሓደ ኽልተ ነገራት ይምህረና። ቀዳማይ፡ እቲ ነብዪ ዝነበሮ እምንቶ ኣስተብህል። ካልኣይ፡ ብንቕሓት ይከታተል ምንባሩ ኣስተውዕል።

ኤልያስ፡ የሆዋ ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ ዜርኢ ምልክት ኪረክብ ብሃንቀውታ ይደሊ ነበረ

10, 11. (ሀ) ኤልያስ በቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸም ዚተኣማመን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንሕናኸ ኸምኡ ዝኣመሰለ እምንቶ ኸነሕድር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ኤልያስ በቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ይተኣማመን ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ ዜርኢ ምልክት ኪረክብ ብሃንቀውታ ይደሊ ነበረ። ስለዚ፡ ንጊልያኡ ኣብ በሪኽ ቦታ ዀይኑ ዝናም ከም ዚመጽእ ዚሕብር ዝዀነ ይኹን ምልክት ኬማዓዱ ለኣኾ። እቲ ጊልያ ምስ ተመልሰ፡ “ገለ እኳ የልቦን” ብምባል ባህ ዘየብል  ጸብጻብ ሃበ። እቲ ኣድማስ ብሩህ፡ እቲ ሰማይ ከኣ ደበና ዘይብሉ እዩ ነይሩ። ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ኣስተውዒልካዶ፧ ኤልያስ ንንጉስ ኣከኣብ፡ “ደሃይ ብርቱዕ ዝናም ኣሎ” ኸም ዝበሎ ዘክር። ደበና ዘይረኣየ ኽነሱ ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዝበለ፧

11 ኤልያስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነብዪን ወኪልን የሆዋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣምላኹ ነቲ ዝኣተዎ ቓል ከም ዚፍጽሞ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ኣዝዩ ኻብ ምትእምማኑ እተላዕለ ደሃይ ብርቱዕ ዝናም ከም ዝሰምዐ ገይሩ እዩ ተዛሪቡ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሙሴ፡ “ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ስለ ዝጸንዐ” ብምባል ዝህቦ መግለጺ ንዝክሮ ንኸውን። እሞኸ ኣምላኽ ንዓኻ ናይ ሓቂ ኰይኑዶ ይረኣየካ እዩ፧ ኣብኡን ኣብቲ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ከምዚ ዓይነት እምነት ከነሕድር ዜኽእለና ብዙሕ ምኽንያታት ሂቡና ኣሎ።—እብ. 11:1, 27

12. ኤልያስ ብንቕሓት ይከታተል ከም ዝነበረ ብኸመይ ኣርኣየ፧ ንእሽቶ ደበና ኸም ዘላ ምስ ተነግሮኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

12 ቀጺሉ፡ ኤልያስ ክሳዕ ክንደይ ብንቕሓት ይከታተል ከም ዝነበረ ኣስተብህል። ነቲ ጊልያኡ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ዘይኰነስ፡ ሸውዓተ ሳዕ እዩ ልኢኽዎ! እቲ ጊልያ ብተደጋጋሚ ምምልላሱ ኣድኪምዎ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኤልያስ ግና ምልክት ኪርኢ ተሃንጥዩ ስለ ዝነበረ ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ጊልያ በታ ሻውዐይቲ ግዜ፡ “እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ እትኸውን ንእሽቶ ደበና ኻብ ባሕሪ ትልዓል ኣላ” በለ። ነታ ኻብ ዓብዪ ባሕሪ እተላዕለት ንእሽቶ ደበና ዓቐና ብኢዱ ኼመልክት ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ እቲ ጊልያ ኣይተመሰጠን ይኸውን። ንኤልያስ ግና እታ ደበና ኣገዳሲት እያ ነይራ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ “ኬድካ ንኣከኣብ፡ ‘ዝናም ከይዓግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ!’ በሎ” ዚብል ህጹጽ መምርሒ ሃቦ።—1 ነገ. 18:44

13, 14. (ሀ) ብንቕሓት ብምክትታል ዝመጸ ንኤልያስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ (ለ) ህጹጽ ስጕምቲ ኽንወስድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ኣብዚ እውን ኤልያስ ሓያል ኣብነት እዩ ዚዀነና። ንሕና እውን ኣብቲ ኣምላኽ ዕላማኡ ኺፍጽም ቀሪቡሉ ዘሎ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ኤልያስ እቲ ደርቂ ኼብቅዕ ተጸብዩ እዩ፣ ሎሚ እውን ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ መወዳእታ እዚ ብልሹው ስርዓት ዓለም ኪርእዩ ይጽበዩ ኣለዉ። (1 ዮሃ. 2:17) የሆዋ ኣምላኽ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ፡ ልክዕ ከም ኤልያስ ብንቕሓት ክንከታተል ኣሎና። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ” ዚብል ምኽሪ ሂብዎም እዩ። (ማቴ. 24:42) የሱስ መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ሰዓብቱ ፈጺሞም ኣፋፍኖት ኣይህልዎምን ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዜጋጥም ነገራት ተዛሪቡ እዩ። ነፍሲ ወከፍና እቲ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ከም ዝቐረበ ዚሕብር ምልክት ኪፍጸም ከሎ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 24:3-7 ኣንብብ።

ኤልያስ ሓንቲ ንእሽቶ ደበና ብርሑቕ ትለዓል ከም ዘላ ምፍላጡ ጥራይ፡ የሆዋ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ኣእሚንዎ እዩ። ንዓና እውን ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት፡ ብህጹጽ ስጕምቲ ኽንወስድ ብቑዕ ምኽንያት ይዀነና እዩ

 14 ነፍሲ ወከፍ ክፋል እቲ ትእምርቲ፡ ሓያልን ዜተኣማምንን መርትዖ እዩ ዚህብ። ከምዚ ዝኣመሰለ መርትዖ ንየሆዋ ኣብ እነቕርቦ ኣገልግሎት ህጹጽ ስጕምቲ ኽንወስድ ኪድርኸናዶ ኣይግባእን፧ ኤልያስ ሓንቲ ንእሽቶ ደበና ብርሑቕ ትለዓል ከም ዘላ ምፍላጡ ጥራይ፡ የሆዋ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ኣእሚንዎ እዩ። እሞኸ የሆዋ ነዚ እሙን ነብዪ ኣሕፊርዎዶ፧

የሆዋ እፎይታን በረኸትን ይህብ

15, 16. እንታይ ነገራት እዩ ብቕልጡፍ ዚፍጸም ነይሩ፧ ኤልያስከ ብዛዕባ ኣከኣብ እንታይ ተስፋ እዩ ገይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧

15 እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “ሽዑ፡ እቲ ሰማይ ብደበና ጸልመተ፡ ንፋስ ከኣ ነፈሰ፡ ብርቱዕ ዝናም እውን ኰነ፣ ኣከኣብ ድማ ኣብ ሰረገላኡ ደዪቡ፡ ናብ ይዝርኤል ከደ” ይብል። (1 ነገ. 18:45) ነገራት ብናህሪ ኺፍጸም ጀመረ። ጊልያ ኤልያስ ንመልእኽቲ እቲ ነብዪ ናብ ኣከኣብ ኬብጽሕ ምስ ከደ፡ እታ ንእሽቶ ዝነበረት ደበና እናሰፍሐት ብምኻድ ነቲ ሰማይ ሸፈነቶን ኣጸልመተቶን። ሓያል ንፋስ ከኣ ነፈሰ። ኣብ መወዳእታ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፡ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝናም ዘነመ። እቲ ደሪቑ ዝነበረ መሬት ነቲ ዝናም ሰተዮ። እቲ ዝናም እናበርትዐ ምስ ከደ፡ ርባ ቂሶን መሊኡ ኺውሕዝ ጀመረ፡ ንደም እቶም እተቐትሉ ነብያት በዓል ሒዝዎ ኸም ዝኸደ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነቶም ዘይእዙዛት ዝነበሩ እስራኤላውያን እውን ነቲ ሕማቕ ኣሰር ኣምልኾ በዓል ካብታ ሃገር ሓጺቦም ኬወግድዎ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም።

“ብርቱዕ ዝናም እውን ኰነ”

16 ኤልያስ ከምኡ ኺገብሩ ተስፋ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ኣከኣብ እውን ነቲ ዚፍጸም ዝነበረ ዜደንቕ ነገራት ምስ ረኣየ እንታይ ምላሽ ከም ዚህብ ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ ኣከኣብ ተነሲሑ ኻብዚ ብልሹው ኣምልኾ በዓል ተመሊሱዶ፧ ኣብታ መዓልቲ እተፈጸመ ነገራት ከምዚ ዓይነት ለውጥታት ኪገብር ብቑዕ ምኽንያት ኣንቢሩሉ ነይሩ እዩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ኣከኣብ እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ንጉስ፡ “ኣብ ሰረገላኡ ደዪቡ፡ ናብ ይዝርኤል ከደ” ይብለና። ገለ ነገር ተማሂሩዶ ይኸውን፧ መገዱ ኪቕይር ወሲኑዶ፧ ጸኒሑ እተፈጸመ ነገራት ፈጺሙ ኸምኡ ኸም ዘይገበረ ዚሕብር እዩ። እቲ ንኣከኣብ ኰነ ንኤልያስ ዘጋጠሞም ኵነታት ግና ኣብዚ ኣየብቅዐን።

17, 18. (ሀ) ኤልያስ በታ ናብ ይዝርኤል እትወስድ መገዲ ኪኸይድ ከሎ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) ኤልያስ ካብ ቀርሜሎስ ተበጊሱ ናብ ይዝርኤል እናጐየየ ምኻዱ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

17 እቲ ነብዪ የሆዋ በቲ ኣከኣብ ዝኸደሉ መገዲ ኺጐዓዝ ጀመረ። በቲ ነዊሕን  ብደበና ዝጸልመተን ብዝናም ዝጨቀወን መገዲ ድማ እዩ ኺጐዓዝ። ይኹን እምበር፡ ቀጺሉ ሓደ ዘይተለምደ ነገር ኣጋጠመ።

18 “ኢድ የሆዋ ግና ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ኰነት፣ ክዳኑ ናብ ሕቘኡ ሰብሲቡ ኸኣ፡ ክሳብ ይዝርኤል ቀቅድሚ ኣከኣብ ጐየየ።” (1 ነገ. 18:46) “ኢድ የሆዋ” ብልዕለ ባህርያዊ መገዲ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ከም ዝዓየየት ንጹር እዩ። ይዝርኤል 30 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሒቓ እያ እትርከብ ነይራ፣ ኤልያስ ከኣ መንእሰይ ኣይነበረን። * እቲ ነብዪ ኣእጋሩ ኸም ልቡ ምእንቲ ኼንቀሳቕስ፡ ነቲ ገፈፍ ዚብል ክዳኑ ኣብ ምሕዅልቱ ብምእሳር ኪዕጠቕ ከሎ፡ ከምኡ እውን በቲ ብዝናም ዝጨቀወ መገዲ ብናህሪ እናጐየየ ነታ ሰረገላ ንጉስ ኬርክባን ቀዲምዋ ኺሓልፍን ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።

19. (ሀ) እቲ ኤልያስ ካብ የሆዋ ዝረኸቦ ብርታዐን ሓቦን ነየናይ ትንቢታት እዩ ዜዘኻኽረና፧ (ለ) ኤልያስ ናብ ይዝርኤል ኪጐዪ ኸሎ፡ እንታይ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧

19 እዝስ ንኤልያስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ካብቲ ኣብ ንእስነቱ ዝነበሮ ኺበልጽ ዚኽእል ብርታዐን ሓይልን ሓቦን ምስ ተሰምዖ፡ ኣዝዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ እሙናት ሰባት ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት፡ ፍጹም ጥዕናን ሓይልን ከም ዚህልዎም ዚገልጽ ትንቢታት ኬዘኻኽረና ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 35:6 ኣንብብ፣ ሉቃ. 23:43) ኤልያስ በቲ ዝጨቀወ ነዊሕ መገዲ ኺጐዪ ኸሎ፡ ስምረት እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣቦኡ ኸም ዝረኸበ ብርግጽ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

20. በረኸት የሆዋ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

20 የሆዋ ኺባርኸና ሃረር ይብል እዩ። በረኸቱ ንምርካብ ድማ ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና። ልክዕ ከም ኤልያስ፡ ነቲ የሆዋ ኣብዚ ሓደገኛን ህጹጽን እዋን ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ ዜርኢ ሓያል መርትዖታት፡ ብንቕሓትን ብጥንቃቐን ክንከታተል ኣሎና። ልክዕ ከም ኤልያስ፡ ኣብቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር እኹል ምኽንያት ኣሎና።—መዝ. 31:5

^ ሕ.ጽ. 18 ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ ነቲ ጸኒሑ “እቲ ኣብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ” ተባሂሉ እተጸውዐ ኤልሳእ ኬሰልጥኖ ሓላፍነት ሃቦ። (2 ነገ. 3:11) ኤልሳእ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኤልያስ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ንምሕጋዝ፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ይዓዪ ነበረ።