ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • ኣብ ልብኻ ዘላ ነገር

  • ኣብ ሰማይ ዘላ ስፍራ

  • ኣብ ሰማይ ዘላ ምምሕዳር

 መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . መንግስቲ ኼተንስእ እዩ።” —ዳንኤል 2:44፡ ትርጉም 1956።

“ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ . . . መንግስቱ . . . መወዳእታ የብሉን።”—ኢሳይያስ 9:6, 7

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

  • ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኪጠቕመካ ዚኽእል ጽድቂ ዝሰፈኖ ምምሕዳር ትረክብ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

  • ኣብ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም፡ ፍጹም ጥዕናን ሓጐስን ዘለዎ ህይወት ይህልወካ። —ራእይ 21:3, 4

 ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት።

  • የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትዓምም ኣርእዩ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንኪኸውንን ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እቲ ጸሎት ብኸመይ ከም ዚምለስ ድማ ብመርኣያ ኣርእዩ እዩ።

    የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጥሙያት መጊቡ፡ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ከኣ ኣተንሲኡ እዩ። (ማቴዎስ 15:29-38፣ ዮሃንስ 11:38-44) ከም መጻኢ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ እታ መንግስቲ ንተገዛእታ እንታይ ከም እትገብረሎም ዜርኢ ባህ ዜብል መርኣዪ ሂቡ እዩ።—ራእይ 11:15

  • ኵነታት ዓለም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸም እትመጽእ የረጋግጽ። የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ሰላም ቅድሚ ምምጻኣ፡ ኣብ ዓለምና ውግእን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከም ዚኸውን ተነብዩ እዩ።—ማቴዎስ 24:3, 7

    ሎሚ እዚ ዅነታት እዚ ኺፍጸም ንርኢ ኣለና። ስለዚ፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ጸገማት መወዳእታ ኸም እትገብረሉ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ህይወት እንታይ ክትመስል እያ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ መዝሙር 37:29፣ ኢሳይያስ 65:21-23 ይምልሳ።

ብዝያዳ ፍለጥ

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ ምዃኑ፡ መከራ መዓስ ከም ዜብቅዕ፡ ከምኡውን ኣብ ዚመጽእ ምድሪ እንታይ ከም እትኸውንን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባት እንታይ ከም ዜጋጥሞምን ይገልጽ እዩ።