ዮስያስ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከሎ፡ ንጉስ ይሁዳ ዀነ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ህዝቢ ስሒር ይገብሩን ጣኦታት የምልኹን ነበሩ። ዮስያስ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንየሆዋ ኸመይ ገይሩ ብቕኑዕ መገዲ ኸም ዜምልኾ ኺፈልጥ ጸዓረ። ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ኣብታ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ጣኦታትን መሰውኢታትን ኬፍርስ ጀመረ። ወዲ 26 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸም እትጽገን ገበረ።

ኣብታ ቤተ መቕደስ ድማ ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ሕጊ የሆዋ ዝሓዘት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ረኸበ፣ ምናልባት እታ መጽሓፍ ብሙሴ እተጻሕፈት ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ሻፋን ዚብሃል ናይ ንጉስ ጸሓፊ ከኣ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ናብ ዮስያስ ወሲዱ፡ ዓው ኢሉ ኻብኣ ኼንብበሉ ጀመረ። ዮስያስ ድማ ምስ ሰምዖ፡ እቶም ህዝቢ ንብዙሕ ዓመታት ትእዛዝ የሆዋ የፍርሱ ኸም ዝነበሩ ፈለጠ። ንጉስ ዮስያስ ከኣ ንሒልቅያ፡ ‘የሆዋ ብዙሕ ተቘጢዑና ኣሎ። ኪድ እሞ ተዛረቦ። እንታይ ከም እንገብር እውን የሆዋ ኺነግረና እዩ’ በሎ። የሆዋ ድማ ብነብዪት ሑልዳ ኣቢሉ፡ ‘ህዝቢ ይሁዳ ሓዲጎምኒ እዮም። ኣነ ድማ ክቐጽዖም እየ፣ ግናኸ፡ ዮስያስ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፡ ብግዜ ንግስናኡ ኣይክቐጽዖምን እየ’ ኢሉ መለሰ።

ንጉስ ዮስያስ ነቲ መልእኽቲ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ከደ፡ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ እውን ኣከቦም። ሽዑ፡ ዓው ኢሉ ሕጊ የሆዋ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ኣንበበሎም። ዮስያስን እቶም ህዝብን ድማ ብምሉእ ልቦም ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ተመባጽዑ።

 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ህዝቢ ይሁዳ ፋስጋ ኻብ ዘየብዕሉ ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። ዮስያስ ኣብቲ ሕጊ፡ ፋስጋ ዓመት ዓመት ኪብዓል ከም ዚግባእ ምስ ኣንበበ ግና፡ ነቶም ህዝቢ፡ ‘ንየሆዋ ኣምላኽና ፋስጋ ኸነብዕል ኢና’ በሎም። ድሕሪኡ፡ ዮስያስ ኣብታ ቤተ መቕደስ ብዙሕ መስዋእትታት ኣዳለወ፡ ጕጅለታት ዘመርቲ እውን ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ፋስጋ ኣብዓሉ፣ ደድሕሪኡ እውን ሸውዓተ መዓልቲ ዚወስድ በዓል ቅጫ ኣብዓሉ። ካብ ዘመን ሳሙኤል ኣትሒዙ ኸምኡ ዝበለ ፋስጋ ኣይተባዕለን። ዮስያስ ንሕጊ ኣምላኽ ብሓቂ ይፈትዎ ነበረ። ንስኻኸ ብዛዕባ የሆዋ ምፍላጥ የሐጕሰካ ድዩ፧

“ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ከኣ ብርሃን እዩ።”—መዝሙር 119:105