ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ብስራት ኣምላኽ

 ትምህርቲ 1

እቲ ብስራት እንታይ እዩ፧

እቲ ብስራት እንታይ እዩ፧

1. ብስራት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ፡ ሰባት ኣብ ምድሪ ተሓጒሶም ኪነብሩ እዩ ዚደሊ። ንደቂ ሰብ ስለ ዜፍቅሮም ንምድርን ኣብኣ ንዘሎ ነገራትን ፈጠረ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት ዝሓሸ ዅነታት ኬምጽኣሎም እዩ። ንደቂ ሰብ ካብ ኵሉ መከራ ኼናግፎም እዩ።ኤርምያስ 29:11 ኣንብብ።

ዓመጽ፡ ሕማም፡ ወይ ሞት ከተጥፍእ ዝኸኣለት መንግስቲ የላን። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣምላኽ ንዅለን መንግስትታት ምድሪ ብመንግስቱ ኣቢሉ ኺትክአን እዩ። ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ሰላምን ጥዕናን ረኺቦም ኪነብሩ እዮም። እዚ ብሓቂ ብስራት እዩ።ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24፣ ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።

2. እቲ ብስራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንእኩያት ካብ ምድሪ ምስ ኣጽነቶም ጥራይ እዩ መከራ ዚጠፍእ። (ጸፎንያስ 2:3) እዚኸ መዓስ እዩ ዚፍጸም፧ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንሰባት ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎም ዘሎ ዅነታት ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዚ ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ ዅነታት፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ይሕብር።2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።

3. እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ብዛዕባ ኣምላኽ ካብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመሃር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምታ ኻብ ፈቃር ኣቦ እተላእከት ደብዳበ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብኸመይ ዝሓሸ ናብራ ኽንነብር ከም እንኽእል፡ ኣብ ዚመጽእ ድማ ኣብ ምድሪ ብኸመይ ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእል ይነግረና። ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ከም ዘይደልዩኻ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዝሓሸ መጻኢ ንኽትረክብ ተኸፊቱልካ ዘሎ ኣጋጣሚ ኼምልጠካ ኣይተፍቅድ።ምሳሌ 29:25፣ ራእይ 14:6, 7 ኣንብብ።

ብዝያዳ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ንኺረኽቡሉ ይሕግዞም ኣሎ። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ትደሊዶ፧