ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ብስራት ኣምላኽ

 ትምህርቲ 3

እቲ ብስራት ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ድዩ፧

እቲ ብስራት ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ድዩ፧

1. ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧

እቲ ሰባት ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ምዃኖም ዚገልጽ ብስራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኣሎ። (መዝሙር 37:29) መጽሓፍ ቅዱስ፡ 66 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። ኣምላኽ፡ 40 እሙናት ሰባት ተጠቒሙ እዩ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጽሒፍዎ። እተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ፡ ዳርጋ 3,500 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ብሙሴ እየን ተጻሒፈን። እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ከኣ፡ ልዕሊ 1,900 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ብሃዋርያ ዮሃንስ እያ ተጻሒፋ። ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት መን እዮም ጽሒፎም፧ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠቒሙ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባቱ ኣመሓላለፈሎም። (2 ሳሙኤል 23:2) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ሓሳባቶም ኣይጸሓፉን። እምበኣር፡ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ እዩ።2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ 2 ጴጥሮስ 1:20, 21 ኣንብብ።

2. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ስለ ዚንበ፡ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ መጻኢ ኺንበ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። (እያሱ 23:14) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ ብዛዕባ መጻኢ ብትኽክል ኪፈልጥ ዚኽእል።ኢሳይያስ 42:9፣ 46:10 ኣንብብ።

ንሓደ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ መጽሓፍ ፍሉይ ኪኸውን ንጽበዮ ኢና፣ ፍሉይ ድማ እዩ። ብቢልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣማእታት ቋንቋታት ተዘርጊሑ ኣሎ።። ጥንታዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ እተረጋገጸ ስነ ፍልጠት ይሰማማዕ እዩ። ኣርብዓ ጸሓፍቲ እኳ እንተ ጸሓፍዎ ንሓድሕዱ ኣይጋጮን እዩ። * ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ፍቕራዊ ባህርያት ኣምላኽ ብልክዕ ይነግረና እዩ። ንህይወት ሰባት ናይ ምቕያር ሓይሊ እውን ኣለዎ። እዚ መርትዖታት እዚ፡ ንሚልዮናት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣእሚንዎም እዩ።1 ተሰሎንቄ 2:13 ኣንብብ።

 3. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ፍቕራዊ ዕላማ ኸም ዘለዎ ዚገልጽ ብስራት የተኵር። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር መሰሉ ብኸመይ ከም ዘጥፍአን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምድሪ ብኸመይ ናብ ገነት ከም እትቕየርን ይገልጽ እዩ።ራእይ 21:4, 5 ኣንብብ።

ብዘይካዚ፡ ቃል ኣምላኽ ሕግታትን ስርዓታትን ምኽርን ሒዙ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ዝነበሮ ርክብ ዚገልጽ ታሪኽ ሒዙ ኣሎ። እዚ ታሪኽ እዚ ኸኣ ባህርያት ኣምላኽ ይገልጽ። ስለዚ እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክትፈልጦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብኸመይ ዓርኩ ኽትከውን ከም እትኽእል ይገልጽ እዩ።መዝሙር 19:7, 11፣ ያእቆብ 2:23፣ 4:8 ኣንብብ።

4. ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላ ተጠቒምካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርድኦ ኽትሕግዘካ እያ። የሱስ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ በብሓደ እናጠቐሰ፡ ሰማዕቱ ‘ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኼስተውዕልዎ’ ይገልጸሎም ነበረ።ሉቃስ 24:27, 45 ኣንብብ።

ከም ብስራት ኣምላኽ ገይሩ ኣቓልቦ ዚስሕብ ብስራት የልቦን። እንተ ዀነ ግና፡ ገሊኣቶም ነዚ ብስራት እዚ ግዲ የብሎምን፣ አረ ገሊኣቶምሲ ነዚ ብስራት እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ ይቝጥዑ እዮም። ንስኻ ግና በዚ ኣይትደሃል። ንኣምላኽ እንተ ፈሊጥካዮ ኢኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ እትኽእል።ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።

 

^ ሕ.ጽ. 3 ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብሮሹር ርአ።

ብዝያዳ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ድዩ፧

ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ኵሉ ኻልእ መጻሕፍቲ እተፈልየ መጽሓፍ ኪኸውን ኣለዎ

እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሕታዊ ጸገማትካ ኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢታት ክትኣምኖ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ብብሕቲ ዚሓልየልካዶ ይመስለካ፧ እንታይ ባህርያት ከም ዘለዎን ብኸመይ ክንቀርቦ ኸም እንኽእልን ተምሃር።