ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ብስራት ኣምላኽ

 ትምህርቲ 8

ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

1. እከይ ብኸመይ ጀመረ፧

ኣምላኽ፡ ሰባት ንጸገማት ደቂ ሰብ ኪፈትሑ ኸም ዘይክእሉ ምእንቲ ኼርእዩ፡ እኹል ግዜ ብምሃብ ኬመሓድሩ ፈቐደሎም

እከይ ኣብ ምድሪ ዝጀመረ፡ ሰይጣን ንፈለማ እዋን ምስ ሓሰወ እዩ። ሰይጣን ኪፍጠር ከሎ ፍጹም መልኣኽ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን።” (ዮሃንስ 8:44) ነቲ ንኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ኣምልኾ ንርእሱ ደለዮ። ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ሓሰዋ፡ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንዕኡ ኸም እትእዘዞ ድማ ገበረ። ኣዳም እውን ምስ ሰበይቱ ሓቢሩ ኻብ ኣምላኽ ዓለወ። እቲ ኣዳም ዝገበሮ ውሳነ ኸኣ፡ እከይን መከራን ኣስዓበ።ዘፍጥረት 3:1-6, 19 ኣንብብ።

ሰይጣን ንሄዋን፡ ንኣምላኽ ከይትእዘዞ ኺሓብላ ኸሎ፡ ኣንጻር ልዑላውነት ኣምላኽ እዩ ዕልወት ዜለዓዕል ነይሩ። መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ምስ ሰይጣን ሓቢሮም ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ነጸግዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዀነ።ዮሃንስ 14:30፣ 1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።

2.ኣምላኽ ንፍጡራቱ ምስ ጕድለቶም ድዩ ፈጢርዎም፧

ኵሉ ፍጥረት ኣምላኽ ፍጹም እዩ። እቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም ደቂ ሰብን መላእኽትን፡ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪእዘዝዎ ኽእለት ነይርዎም እዩ። (ዘዳግም 32:4, 5) ኣምላኽ፡ ጽቡቕን ሕማቕን ፈሊና ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡ እዩ ፈጢሩና። እዚ ናጽነት እዚ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ንኸነርኢ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ።ያእቆብ 1:13-15፣ 1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።

3. ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ነቲ ኣንጻር ልዑላውነቱ እተላዕለ ዕልወት ንእተወሰነ ግዜ ኪቕጽል ፈቒዱ እዩ። ስለምንታይ፧ ንኣገዛዝኣኡ ነጺግካ ብርእስኻ ምምሕዳር፡ ንደቂ ሰብ ከም ዘይጠቕሞም ምእንቲ ኼርኢ ኢሉ እዩ። (መክብብ 7:29፣ 8:9) እዚ ሓቂ ኸም ዝዀነ  ድማ፡ ኣብቲ 6,000 ዓመት ዝገበረ ታሪኽ ደቂ ሰብ ብንጹር ተራእዩ እዩ። ሰብኣውያን ገዛእቲ፡ ውግእ፡ ገበን፡ ምጕዳል ፍትሒ ዀነ ሕማም ኬወግዱ ኣይከኣሉን።ኤርምያስ 10:23፣ ሮሜ 9:17 ኣንብብ።

ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ እተቐበሉ ሰባት ተጠቒሞም እዮም። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኬጥፍአን እዩ። እቶም ኣምላኽ ኪገዝኦም ዝመረጹ ሰባት ጥራይ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።—ኢሳይያስ 11:9ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።

4. ትዕግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና፧

ሰይጣን ንየሆዋ ብተኣማንነት ዚእዘዞ ሰብ ከም ዘይህሉ እዩ ገሊጹ። እዚ ሓሶት ምዃኑ ኸተርኢ ምደለኻዶ፧ ከተርኢ ትኽእል ኢኻ! ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ምዕጋሱ፡ ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ወይ ንኣገዛዝኣ ደቂ ሰብ ክንመርጽ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። ምርጫና ድማ ብኣነባብራና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።እዮብ 1:8-12፣ ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።

5. ንኣምላኽ ገዛኢና ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ምርጫና፡ ኣምላኽ ገዛኢና ኪኸውን ንደሊ እንተ ዄንና ይሕብር

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብምድላይን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ንኣምላኽ ከም ገዛኢና ጌርና ኸም እተቐበልናዮ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 4:23) ብዘይካዚ፡ ኣብ ፖለቲካን ውግእን ኢድና ብዘይምእታው ኣብነት የሱስ ንስዕብ እንተ ደኣ ዄንና፡ ሰይጣን ገዛኢና ኪኸውን ከም ዘይንደሊ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።ዮሃንስ 17:14 ኣንብብ።

ሰይጣን ብሓይሉ ተጠቒሙ፡ ርኹስን ጐዳእን ተግባራት ንኺግበር ይደፋፍእ እዩ። ካብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክንርሕቕ ከለና፡ ገሊኦም ፈተውትናን ኣዝማድናን የላግጹልና ወይ ይቃወሙና ይዀኑ። (1 ጴጥሮስ 4:3, 4) ስለዚ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ምርጫ ኽንገብር የድልየና እዩ። እሞኸ፡ ምስቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ክንሓብር ዲና፧ ነቲ ጥበብን ፍቕርን ዚንጸባረቐሉ ሕግታት ኣምላኽ ክንእዘዞ ዲና፧ ከምኡ እንተ ደኣ ጌርና፡ እቲ ሰይጣን፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንኣምላኽ ከም ዘይእዘዞ ዝሃቦ ሓሳብ፡ ሓሶት ምዃኑ ኢና እነርኢ።1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 15:33 ኣንብብ።

እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ፡ እከይን መከራን ከም ዜብቅዕ ውሕስነት ይዀነና። እቶም ነዚ ሓቂ እዚ ኸም ዚኣምኑሉ ዜርእዩ ሰባት፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።

 

ብዝያዳ ፍለጥ

ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

ሓያሎ ሰባት ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ መከራ ተሓታቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይሓስቡ። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧ ብዛዕባ እቲ መከራ ዜጋጥመሉ ዘሎ ምኽንያታት ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል ተምሃር።