ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ብስራት ኣምላኽ

 ትምህርቲ 5

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

1. ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ንምድሪ መንበሪት ሰብኡትን ኣንስትን ክትከውን እዩ ፈጢርዋ። ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ኣይኰኑን ተፈጢሮም። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዚነብሩ መላእኽቲ ኣቐዲሙ ፈጢሩ ነይሩ እዩ። (እዮብ 38:4, 7) ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም ግና፡ ገነት ኤድን ኣብ እትብሃል ባህ እተብል ቦታ እዩ ኣንቢርዎ። (ዘፍጥረት 2:15-17) ንዕኡን ንዘርኡን ከኣ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ሃቦም።መዝሙር 37:29፣ 115:16 ኣንብብ።

ኣብ ፈለማ፡ ኤድን ጥራይ እያ ገነት ነይራ። እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ንምድሪ ብዘርኦም ኪመልእዋ ነበሮም። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ንምልእቲ ምድሪ ኺመልክዋን ገነት ኪገብርዋን ነበሮም። (ዘፍጥረት 1:28) እወ፡ ምድሪ ኸቶ ኣይትጠፍእን እያ። ወትሩ፡ መንበሪት ደቂ ሰብ ኰይና ኽትቅጽል እያ።መዝሙር 104:5 ኣንብብ።

2. ሎሚ ምድሪ ገነት ዘይኰነት ስለምንታይ እያ፧

ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍረሱ፡ የሆዋ ድማ ካብ ገነት ኣውጽኦም። ብሰንኪ እዚ፡ ገነት ጠፍአት፣ ደቂ ሰብ ከኣ ኪመልስዋ ኣይከኣሉን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምድሪ ኣብ ኢድ እቶም ረሲኣን ተውሂባ እያ” ይብል።—እዮብ 9:24ዘፍጥረት 3:23, 24 ኣንብብ።

የሆዋ ነቲ ኣብ ፈለማ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ገዲፍዎ ድዩ፧ ኣይገደፎን። ንሱ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ። ዕላማኡ ኸይተፈጸመ ኸኣ ኣይተርፍን እዩ። (ኢሳይያስ 45:18) ንደቂ ሰብ ናብቲ ኣብ መጀመርታ ዓሊምሎም ዝነበረ ዅነታት ኪመልሶም እዩ።መዝሙር 37:11, 34 ኣንብብ።

3. ምድሪ፡ ገነት እትኸውን ብኸመይ እያ፧

የሱስ ከም ብኣምላኽ እተሸመ ንጉስ መጠን ኪገዝእ ከሎ፡ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ። ኣብቲ ኣርማጌዶን ዚብሃል ውግእ፡ ንመላእኽቲ ኣምላኽ መሪሑ ንዅሎም እቶም ንኣምላኽ ዚጻረርዎ ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። ሽዑ፡  ንሰይጣን ን1,000 ዓመት ኪኣስሮ እዩ። ንህዝቢ ኣምላኽ ግና ኪመርሖምን ኬዕቍቦምን እዩ። ንሳቶም ካብቲ ጥፍኣት ድሒኖም ኣብ ገነት፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።ራእይ 20:1-3፣ 21:3, 4 ኣንብብ።

4. መከራ ዜብቅዕ መዓስ እዩ፧

ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ እከይ ዜወግዶ መዓስ እዩ፧ የሱስ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር “ምልክት” ሂቡ ነይሩ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ዓለም ንህልውና ደቂ ሰብ ዜስግእ እዩ፣ ኣብ “መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ንነብር ከም ዘለና ኸኣ ይሕብር።ማቴዎስ 24:3, 7-14, 21, 22 ኣንብብ።

የሱስ ኣብተን 1,000 ዓመት ኣብ ሰማይ ኰይኑ ንምድሪ ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን፡ ንዅሉ መከራ ኼጥፍኦ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 11:9) ንጉስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ እውን ስለ ዜመሓድር፡ ንሓጢኣት እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ኪድምስሶ እዩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ንሕማምን ንእርጋንን ንሞትን ኬወግዶ እዩ።ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24 ኣንብብ።

5. ኣብ እትመጽእ ገነት ዚነብሩ መን እዮም፧

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ምስቶም ንኣምላኽ ስለ ዜፍቅርዎ ብኸመይ ከም ዜሐጕስዎ ኺመሃሩ ዚደልዩ ሰባት ክትራኸብ ኢኻ

እቶም ንኣምላኽ ዚእዘዝዎ ሰባት ኣብ ገነት ኪነብሩ እዮም። (1 ዮሃንስ 2:17) የሱስ ንሰዓብቱ ንትሑታት ሰባት ብምድላይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኸመይ ተቐባልነት ከም ዚረኽቡ ንኺምህርዎም ለኣኾም። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ የሆዋ ኣብታ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት የዳሉ ኣሎ። (ጸፎንያስ 2:3) ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ተባዕትዮ ብኸመይ ዝሓሹ ሰብኡትን ኣቦታትን ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ብኸመይ ዝሓሻ ኣንስትን ኣዴታትን ኪዀና ኸም ዚኽእላ ዚገልጽ ትምህርቲ ይወሃብ እዩ። ቈልዑን ወለድን ብሓባር የምልኹ፡ ካብቲ ብስራት ብኸመይ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ እውን ይመሃሩ እዮም።ሚክያስ 4:1-4 ኣንብብ።