ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ብስራት ኣምላኽ

 ትምህርቲ 13

እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧

እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧

1. ኵለን ሃይማኖታት ድየን ቅኑዓት፧

ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት፡ ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ዚደልዩ ቕኑዓት ሰባት ኣለዉ። ኣምላኽ ነዞም ሰባት እዚኣቶም የስተብህለሎምን ይሓልየሎምን ምዃኑ ምፍላጥና ብስራት እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ሰባት ብሃይማኖት ኣማኻንዮም እኩይ ነገራት ይገብሩ እዮም። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4፣ 11:13-15) ከምቲ ኣብ ጸብጻባት ዜና እንሰምዖ፡ ገሊአን ሃይማኖታት፡ ኣብ ግብረ ሽበራን ኣብ ጃምላዊ ቕትለትን ኣብ ውግእን ኣብ ህስያ ህጻናትን ተኻፊለን እየን። እቶም ብኣምላኽ ዚኣምኑ ቕኑዓት ሰባትሲ፡ በዚ ነገራት እዚ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ዚጕህዩ!ማቴዎስ 24:3-5, 11, 12 ኣንብብ።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንኣምላኽ እተኽብር ክትከውን ከላ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ግና ንኣምላኽ እተጕሂ እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየለ ሓሳባት እያ እትምህር፣ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኰነ ብዛዕባ ምዉታት ናይ ሓሶት ትምህርትታት ትምህር እያ። የሆዋ ግና፡ ኵሎም ሰባት ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኺፈልጡ እዩ ዚደሊ።ህዝቅኤል 18:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3-5 ኣንብብ።

2. እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ በተን ንዕኡ ኸም ዜፍቅራኦ ዚዛረባ፡ ግናኸ ብሓቂ ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዜፍቅራ ሃይማኖታት ኣይዕሾን እዩ። (ያእቆብ 4:4) ቃል ኣምላኽ ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት፡ “ዓባይ ባቢሎን” ኢሉ ይጽውዐን። ባቢሎን ድሕሪ ማይ ኣይሂ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝጀመረትላ ጥንታዊት ከተማ እያ ነይራ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ነተን ንደቂ ሰብ ዜታልላን ዚጭቍናን ሃይማኖታት ብሃንደበት ኬጥፍአን እዩ።ራእይ 17:1, 2, 5, 16, 17፣ 18:8 ኣንብብ።

ካልእ ብስራት እውን ኣሎ። የሆዋ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዚርከቡ ቕኑዓት ሰባት ኣይርስዖምን እዩ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብዛዕባ ሓቂ ብምምሃር ብሓደ የሕብሮም ኣሎ።ሚክያስ 4:2, 5 ኣንብብ።

 3. ቅኑዓት ሰባት እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንሰባት ብሓደ ተሕብሮም ኣላ

የሆዋ ነቶም ሓቅን ቅኑዕን ዘበለ ዜፍቅሩ ሰባት ስለ ዝሓልየሎም ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪወጹ ይምሕጸኖም እዩ። እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት፡ ንዕኡ ንምሕጓስ ዜድሊ ለውጥታት ኪገብሩ ፍቓደኛታት እዮም።ራእይ 18:4 ኣንብብ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ቅኑዓት ሰባት ካብ ሃዋርያት ብስራት ምስ ሰምዑ፡ ብሓጐስ ተቐበልዎ። የሆዋ ዕላማን ተስፋን ዘለዎ ሓድሽን ዜሐጕስን መገዲ ህይወት ከም ዘሎ ምሂርዎም እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንየሆዋ ኣብ ናብራኦም ቀዳምነት ብምሃብ ነቲ ብስራት ከም እተቐበልዎ ስለ ዘርኣዩ፡ ሎሚ ንዓና ሰናይ ኣብነት ይዀኑና እዮም።1 ተሰሎንቄ 1:8, 9፣ 2:13 ኣንብብ።

የሆዋ ነቶም ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚወጹ ሰባት ናብ ስድራ ቤቱ ይቕበሎም እዩ። ነቲ ምዉቕ ዕድመ የሆዋ እንተ ተቐቢልካዮ፡ ዓርኪ ኣምላኽ ትኸውን፡ ኣባል ሓድሽን ፈቃርን ስድራ ቤት የሆዋ ትኸውን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ትረክብ።ማርቆስ 10:29, 30፣ 2 ቈረንቶስ 6:17, 18 ኣንብብ።

4. ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ሓጐስ ዜስፍን ብኸመይ እዩ፧

እቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ብስራት እዩ። እቲ ፍርዲ እቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ራህዋ ኸም ዚሰፍን ኪገብር እዩ። ሽዑ፡ ብናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዚታለሉን ዚጐጃጀሉን ሰባት ኣይኪህልዉን እዮም። ኵሎም ሰባት ኣብ ኣምልኾ እቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪሓብሩ እዮም።ራእይ 18:20, 21፣ 21:3, 4 ኣንብብ።

 

 

ብዝያዳ ፍለጥ

ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ

እቶም ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ ሰባት ዚልለዩሉ ሽዱሽተ መገዲ ርአ።

ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቑም

እምነትካ ንኻልኦት ከተካፍሎም ከለኻ እንታይ ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል፧ ንኻልኦት ከየቐየምካ ብኸመይ እምነትካ ኽትገልጸሎም ትኽእል፧