ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ብስራት ኣምላኽ

 ትምህርቲ 9

ስድራ ቤትካ ሕጉስቲ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧

ስድራ ቤትካ ሕጉስቲ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧

1. ሕጉስቲ ስድራ ቤት ንምምስራት፡ መውስቦ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ብስራት ዝመጸ፡ ካብቲ እቲ ስድራ ቤታት ሕጉሳት ኪዀና ዚደሊ ሕጉስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) መውስቦ ዝመስረተ እውን ንሱ እዩ። ሕጋዊ መውስቦ፡ ቈልዑ ንምዕባይ ዚኸውን ባህ ዜብል ሃዋህው ከም ዚህሉ ስለ ዚገብር፡ ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣገዳሲ እዩ። ክርስትያናት ንመውስቦ ብዚምልከት ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ሕጊ ኬኽብሩ ኣለዎም።ሉቃስ 2:1, 4, 5 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንመውስቦ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ነባሪ ጥምረት ኪህሉ እዩ ዚደሊ። የሆዋ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ እዩ ዚደሊ። (እብራውያን 13:4) ፍትሕ ይጸልእ እዩ። (ሚልክያስ 2:16) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንክርስትያናት፡ መጻምድቶም እንተ ዘምዩ፡ ኪፋትሑን እንደገና ኺምርዓዉን ይፈቕደሎም እዩ።ማቴዎስ 19:3-6, 9 ኣንብብ።

2. ሰብኣይ ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪተሓላለዩ ዘለዎም ብኸመይ እዮም፧

የሆዋ ንሰብኣይን ንሰበይትን፡ ኣብ ሓዳር ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ኢሉ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 2:18) ሰብኣይ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃኑ መጠን፡ ንስድራ ቤቱ ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ናይ ምምላእን ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ምምሃርን ቀንዲ ሓላፍነት ኣለዎ። ንሰበይቱ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኼርእያ ኣለዎ። ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪከባበሩን ኣለዎም። ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ይቕረ ምብህሃል ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።ኤፌሶን 4:31, 32፣ 5:22-25, 33፣ 1 ጴጥሮስ 3:7 ኣንብብ።

3. ብሓዳርካ ሕጉስ እንተ ዘይኴንካ፡ ክትፈላለ ድዩ ዘሎካ፧

ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መጻምድትኻን ጸገም እንተ ኣጋጢሙ፡ ብፍቕሪ ኽትፈትሕዎ ጽዓሩ። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) ቃል ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣብ ሓዳሮም ዘጋጠሞም ጸገም ንምፍታሕ ኪፈላለዩ ኸም ዘለዎም ኣይመክርን እዩ።1 ቈረንቶስ 7:10-13 ኣንብብ።

4. ኣቱም ውሉዳት፡ ኣምላኽ እንታይ ክትኰኑ እዩ ዚደልየኩም፧

የሆዋ ሕጉሳት ክትኰኑ እዩ ዚደሊ። ኣብ ግዜ ንእስነትኩም ሕጉሳት ዚገብረኩም ዝበለጸ ምኽሪ ሂቡኩም ኣሎ። ካብ ጥበብን ተመክሮን ወለድኹም ጥቕሚ ኽትረኽቡ ይደሊ እዩ። (ቈሎሴ 3:20) ብዘይካዚ፡ ንዕኡን ንወዱን ብምግልጋል ክትሕጐሱ ይደልየኩም እዩ።መክብብ 11:9–12:1፣ ማቴዎስ 19:13-15፣ 21:15, 16 ኣንብብ።

5. ኣቱም ወለዲ፡ ውሉዳትኩም ሕጉሳት ምእንቲ ኪዀኑ እንታይ ክትገብሩ ኣሎኩም፧

ንደቅኹም ምግብን ቤትን ክዳንን ምእንቲ ኸተማልኡሎም፡ ኣበርቲዕኩም ክትዓዩ ኣሎኩም። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ይኹን እምበር፡ ደቅኹም ሕጉሳት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ንኣምላኽ ንኼፍቅርዎን ካብኡ ንኺመሃሩን ከተሰልጥንዎም ኣሎኩም። (ኤፌሶን 6:4) እታ ንኣምላኽ ዘላትኩም ፍቕሪ፡ ንልቢ ውሉዳትኩም ኣጸቢቓ ኽትጸልዎ ትኽእል እያ። መምርሒታትኩም ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ እንተ ዀይኑ፡ ንኣተሓሳስባ ውሉዳትኩም ብኣወንታዊ መገዲ ኪቐርጾ ይኽእል እዩ።ዘዳግም 6:4-7፣ ምሳሌ 22:6 ኣንብብ።

ንደቅኹም ተተባብዕዎምን ትንእድዎምን እንተ ዄንኩም፡ ኪጥቀሙ እዮም። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ክትእርምዎምን ክትቀጽዕዎምን ኣሎኩም። ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና፡ ካብቲ ሓጐሶም ኬጥፍኣሎም ዚኽእል ጠባይ እዩ ዜዕቍቦም። (ምሳሌ 22:15) ይኹን እምበር፡ ብጭካነ ኽትቀጽዕዎም የብልኩምን።ቈሎሴ 3:21 ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ ንወለድን ንሕጻናትን ተባሂሉ እተዳለወ ሓያሎ መጻሕፍቲ ይሓትሙ እዮም። እዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ።መዝሙር 19:7, 11 ኣንብብ።

 

ብዝያዳ ፍለጥ

ብሓዳርካ ንኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ

ክልተ ቐለልቲ ሕቶታት ብምሕታት፡ ንሓዳርካ ኸተመሓይሾ ትኽእል ኢኻ።

ንጸገማት ብኸመይ ከም እትፈትሖ

ሓዳር በቲ ንስኻ እትመርጾ ቕኑዕ ኣቀራርባ እዩ ድልዱልን ሓጐስ ዝመልኦን ወይ ከኣ ሕማቕን ከርፋሕን ኪኸውን ዚኽእል።

ንናብራ ስድራ ቤትካ ዜሐጕስ ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሰብኡትን ኣንስትን ወለድን ውሉዳትን ነታ የሱስ ዘርኣያ ፍቕሪ ኪቐድሑዋ ኣለዎም። ካብ የሱስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧