ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ቋንቋ ምረጽ ትግርኛ

 ምዕራፍ 16

ምስ ኣምላኽ ኣብ እትገብሮ ምምልላስ ‘ፍትሒ ግበር’

ምስ ኣምላኽ ኣብ እትገብሮ ምምልላስ ‘ፍትሒ ግበር’

1-3. (ሀ) ንየሆዋ ሰብ ዕዳኡ ዝዀንና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ ፈቃር መድሓኒና ካባና እንታይ እዩ ዝጽበ፧

ኣብ ሓንቲ እትጥሕል ዘላ መርከብ ከም ዘሎኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣኺሉና እዩ ተስፋ የብልናን ኢልካ እናሓሰብካ ኸሎኻ ሓደ መድሓን ነፍሲ ይመጽእ እሞ ናብ ድሕነት ዘለዎ ቦታ ይመርሓካ። እቲ መድሓን ነፍሲ ኻብቲ ሓደገኛ ቦታ ኣውጺኡ “ካብ ሞት ወጺእኻ ኢኻ” እንተ ዝብለካ እንታይ ምተሰምዓካ። ህይወትካ ስለ ዘድሓነካ ነቲ ሰብ እቲ ብዓል ዕዳኡ ኸም ዝዀንካ ዀይኑዶ ኣይምተሰምዓካን፧

2 እዚ ኣብነት እዚ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገር ብመጠኑ ዝገልጽ እዩ። ብሓቂ ድማ ሰብ ዕዳኡ ኢና። በጃ ብምድላው ካብ ሓጢኣትን ሞትን እንድሕነሉ መገዲ ኸፊቱልና እዩ። ኣብቲ ኽቡር መስዋእቲ እምነት እንተደኣ ጌርና ሓጢኣትና ኸም ዝሕደገልና: ዘለኣለማዊ ተስፋና ኸኣ ርጉጽ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ ቅሳነት እዩ ዝስምዓና። (1 ዮሃንስ 1:7፣ 4:9) ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 14 ዝረአናዮ እቲ እተኸፍለ በጃ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋን ፍትሑን ዝገልጽ እዩ። እሞኸ ደኣ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧

3 እቲ ፈቃር መድሓን ነፍስና ኻባና እንታይ ከም ዝሓትት ምፍላጥና ግቡእ እዩ። የሆዋ ብነብዪ ሚክያስ ገይሩ “ኣታ ሰብ: ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፤ እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና [“ፍትሒ:” NW] ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” (ሚክያስ 6:8) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ኻባና ዝሓቶ ነገር ‘ፍትሒ ኽንገብር’ ምዃኑ ኣስተብህለሉ። ነዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧

ደድሕሪ ‘ናይ ሓቂ ጽድቂ’ ስዓብ

4. የሆዋ ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ከም ዝደልየና ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 የሆዋ ምስቲ ቕኑዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ ዝነግር ስርዓታቱ ተሰማሚዕና  ኽንመላለስ ይጽበየና እዩ። ስርዓታቱ ቕኑዕን ጻድቕን ስለ ዝዀነ: ምስኡ ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስ ፍትሕን ጽድቅን ንስዕብ ኣለና ማለት እዩ። ኢሳይያስ 1:17 “ሰናይ ተመሀሩ: ቅንዕና ድለዩ” ትብለና። ቃል ኣምላኽ ‘ጽድቂ ኽንደሊ’ ይምዕደና። (ጸፎንያስ 2:3) ነቲ ‘ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ’ እውን ይላበወና እዩ። (ኤፌሶን 4:24) ናይ ሓቂ ጽድቂ ወይ ናይ ሓቂ ፍትሒ ከም እኒ ዓመጽ: ርኽሰት: ዘይስነ-ምግባራውነት ዝኣመሰለ ተግባራት ከነርሕቕ እውን ይላበወና እዩ። ከመይሲ እዚ ነገራት እዚ ምስቲ ቕዱስ ነገራት ዝጻረር እዩ።—መዝሙር 11:5፣ ኤፌሶን 5:3-5

5, 6. (ሀ) ምስ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ጾር ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ደድሕሪ ጽድቂ ምስዓብ ቀጻሊ መስርሕ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዝገልጽ፧

5 ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዕካ ምምልላስሲ ጾር ድዩ፧ ኣይኰነን። ናብ የሆዋ ዝቐረበ ልቢ ስርዓታቱ ከቢድ ኰይኑ ኣይስምዖን እዩ። ንኣምላኽናን ንባህርያቱን ስለ እነፍቅሮ በቲ ዝሕጐሰሉ መገዲ ኽንመላለስ ኢና እንደሊ። (1 ዮሃንስ 5:3) የሆዋ ‘ጽድቂ ዘፍቅር’ ምዃኑ ኣይንረስዕ። (መዝሙር 11:7) ንፍትሒ ኣምላኽ ወይ ጽድቁ ኽንመስሎ ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ነቲ ዘፍቅሮ ኸነፍቅር ነቲ ዝጸልኦ ኸኣ ክንጸልእ ኣሎና።—መዝሙር 97:10

6 ዘይፍጹማት ሰባት ደድሕሪ ጽድቂ ኽስዕቡ ቀሊል ኣይኰነን። ንኣረጊት ሰብነት ምስቲ ዅሉ ሓጥእ ተግባራቱ ቐንጢጥና ሓድሽ ሰብነት ክንለብስ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ሰብነት ‘ዚሕደስ’ ብፍልጠት ምዃኑ ይነግረና። (ቈሎሴ 3:9, 10) እታ ‘ዚሕደስ’ እትብል ቃል ሓድሽ ሰብነት ምልባስ ትጉህ ጻዕሪ ዝሓትት ቀጻሊ መስርሕ ምዃኑ እያ እትሕብረና። ቅኑዕ ንምግባር ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና: ሓድሓደ ግዜ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት በተሓሳስባ: ብቓላት: ብግብሪ ከም እንዕንቀፍ ክገብረና ይኽእል እዩ።—ሮሜ 7:14-20፣ ያእቆብ 3:2

7. ደድሕሪ ጽድቂ ንምስዓብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ዘጋጥመና ዕንቅፋት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧

7 ደድሕሪ ጽድቂ ንምስዓብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ዘጋጥመና ዕንቅፋት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ንሓጥእ ተግባራት ዕሽሽ ኢልና ኽንሓልፎ ኸም ዘይንደሊ ፍሉጥ እዩ። ምስናይዚ ግን ብምኽንያት ጕድለትና  ንየሆዋ ንምግልጋል ኣይንበቅዕን ኢና ኢልና ብምሕሳብ ክንሕለል የብልናን። እቲ ጸጋዊ ኣምላኽና ነቶም ልባዊ ነስሓ ዘርእዩ ናብ ስምረቱ ዝመልሰሉ ምድላው ገይሩ እዩ። ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ “ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ: እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ” ብምባል እተዛረቦ ዘጸናንዕ ቃላት እሞ ነስተብህለሉ። ቀጺሉ ግን “ሓደ እኳ ሓጢኣት [ብምኽንያት እቲ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና] ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ . . . እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 2:1) እወ: የሆዋ ሓጥኣን ክነስና ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ኸነገልግሎ ኢሉ በጅነታዊ መስዋእቲ ኣዳልዩልና እዩ። እዝስ ንየሆዋ ንኸነሐጕሶ ኢልና ዝከኣለና ንኽንገብር ዝድርኸናዶ ኸይኰነ፧

ብስራትን ፍትሒ ኣምላኽን

8, 9. ስብከት ናይቲ ብስራት ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ ዝገልጸልና ብኸመይ እዩ፧

8 ንኻልኦት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር ፍትሒ ኣምላኽ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ መንጎ ፍትሒ የሆዋን ኣብ መንጎ እቲ ብስራትን እንታይ ምትሕሓዝ እዩ ዘሎ፧

9 የሆዋ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ኸይሃበ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኣይከጥፍኦን እዩ። የሱስ ኣብ ግዜ መወዳእታ እንታይ ክኸውን ምዃኑ ኣብ ዝገለጾ ትንቢት “ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ” በለ። (ማርቆስ 13:10፣ ማቴዎስ 24:3) እታ “ቅድም” እትብል ቃል ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ምስ ተዋህበ ካልእ ተግባራት እውን ከም ዝስዕብ እያ እትሕብር። እዚ ተግባራት እዚ: ነቲ ብትንቢት እተነግረ ዓብዪ ጸበባ እውን ዘጠቓልል እዩ። ዓብዪ ጸበባ እኩያት ዝጠፍእሉ ነታ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ከኣ መገዲ ዝጸርግ ማለት እዩ። (ማቴዎስ 24:14, 21, 22) ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ንእኩያት ሰባት ፍትሒ ኣየርኣየን ኢሉ ብልክዕ ክወቕሶ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን። መጠንቀቕታ ብምሃብ ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት መገዶም ክቕይሩን ካብቲ ጥፍኣት እቲ ኸኣ ንኸምልጡን እኹል ኣጋጣሚ ይህቦም ኣሎ።—ዮናስ 3:1-10

ንሰባት ብዘይ ኣድልዎ ነቲ ብስራት ከነካፍሎም ከለና ፍትሒ ኣምላኽ ኢና እነንጸባርቕ

10, 11. ኣብ ዕዮ ስብከት ናይቲ ብስራት ምክፋልና ፍትሒ ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣብ ዕዮ ስብከት ናይቲ ብስራት ምክፋልና ንፍትሒ ኣምላኽ ዘንጸባርቕ  ብኸመይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም ካልኦት ሰባት ድሕነት ንኽረኽቡ ንኽንሕግዞም ዝከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ነቲ ኻብ ሓንቲ እትጥሕል ዘላ መርከብ ብዛዕባ ምድሓን ዝገልጽ ኣብነት እሞ ደጊምና ንሕሰበሉ። ኣብታ ህይወት ንምድሓን እተዳለወት ጃልባ ዄንካ ንብዙሓት ኣብቲ ማይ ዘለዉ ሰባት ክትሕግዞም ከም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ መገዲ ንህይወት ናይቶም ኣብ “ማያት” ናይዛ እክይቲ ዓለም ዝቃለሱ ዘለዉ ሰባት ንኸነድሕን ግዴታ ኣሎና። ብዙሓት ሰባት ንመልእኽትና ከም ዝነጽግዎ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ዕጉስ ኰይኑ ኽሳዕ ዝቐጸለ “ናብ ንስሓ ኺበጽሑ” እሞ ድሕነት ክረኽቡ ኣጋጣሚ ኽንከፍተሎም ሓላፍነት ኣሎና።—2 ጴጥሮስ 3:9

11 ንዅሎም እንረኽቦም ሰባት ብስራት ብምንጋር ብኻልእ መገዲ እውን ፍትሒ ነርኢ ኢና። ‘ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን’ ዝብል ቃላት ንዘክሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ንፍትሑ ኽንቀድሖ እንተደኣ ዄንና: ንሰባት ኣቐዲምና ኽንፈርዶም የብልናን። ኣብ ክንድኡስ ዓሌቶም: ማሕበራዊ ደረጃኦም: ወይ ቍጠባዊ ዅነታቶም ብዘየገድስ ብስራት ከነካፍሎም ከድልየና እዩ። ስለዚ ንዅሎም ድሌት ዘለዎም ሰባት ብስራት ክሰምዑን ምላሽ ክህቡን ኣጋጣሚ ኽንከፍተሎም ኢና።—ሮሜ 10:11-13

ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧

12, 13. (ሀ) ንኻልኦት ክንፈርድ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቲ የሱስ “ኣይትፍረዱ” “ኣይትዀንኑ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

12 ካልእ ፍትሒ ኸነርእየሉ እንኽእል መገዲ ኸኣ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ከምቲ የሆዋ ምሳና ዝገብሮ ርክብ እንተደኣ ጌርናዮ እዩ። ጕድለቶም ብምንቃፍን ድራኸታቶም ኣብ ሕቶ ብምውዳቕን ንኻልኦት ክንፈርዶም ቀሊል እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንድራኸታትናን ጕድለታትናን ምሕረት ብዘይብሉ መገዲ ክምርምሮ ዝደሊ መን ካባና ኣሎ፧ የሆዋ ኣብቲ ምሳና ዘለዎ ርክብ ከምኡ ኣይገብርን እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” በለ። (መዝሙር 130:3) እቲ ቕኑዕን መሓርን ኣምላኽና  ጕድለታትና ጥራይ ዝርኢ ብዘይምዃኑስ ከነማሱ ዝግብኣናዶ ኸይኰነ፧ (መዝሙር 103:8-10) ስለዚ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘለና፧

13 ነቲ ምሕረት ዝመልኦ ፍትሒ ኣምላኽ ነንጸባርቖ እንተደኣ ዄንና: ኣብቲ ብሓቂ ዘየገድሰና ነገር ወይ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገር ንኻልኦት ተሃዊኽና ኽንፈርዶም የብልናን። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ዝርርቡ “ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” በለ። (ማቴዎስ 7:1) ብመሰረት እቲ ሉቃስ ዝሃቦ ጸብጻብ ድማ የሱስ ወሲኹ “ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም” በለ። * (ሉቃስ 6:37) የሱስ ከምዚ ኽብል ከሎ ዘይፍጹማት ሰባት ናይ ምፍራድ ዝምባለ ከም ዘለዎም እዩ ሓቢሩ። ንኻልኦት ተሃዊኽካ ናይ ምፍራድ ባህሪ ዘለዎም ሰባት ነዚ ባህሪ እዚ ኸቋርጽዎ ኣለዎም።

14. ንኻልኦት ‘ክንፈርዶም’ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

14 ንኻልኦት ‘ክንፈርዶም’ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ቅድም ቀዳድም ስልጣንና ደረት ኣለዎ። ወደ መዝሙር ያእቆብ “ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ” የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ኣዘኻኺሩና ኣሎ። ስለዚ ያእቆብ “ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧” ኢሉ ይሓትት። (ያእቆብ 4:12፣ ሮሜ 14:1-4) ብተወሳኺ: እቲ ሓጥእ ኵነታትና ግጉይ ፍርዲ ኸም እንህብ ክገብረና ይኽእል እዩ። ከም እኒ ኣቐዲምካ ብምሕማቕ ምፍራድ: ትዕቢት: ቅንኢ: ርእስኻ ምጽዳቕ ዝኣመሰለ መብዛሕትኡ ኣመለኻኽታን ድራኸታትን ነቲ ንሰባት ዘሎና ኣመለኻኽታ ከበላሽዎ ይኽእል እዩ። ብኻልእ ነገራት እውን ዓቕምና ውሱን እዩ: ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ንኻልኦት ጕድለት ክንረኽበሎም ሃሰስ ካብ ምባል ንኽንቍጠብ ክድርኸና ይግብኦ። ልቢ ኸነንብብ ኣይንኽእልን ኢና፣ ንዅሉ እቲ ኻልኦት ዘለዎም ብሕታዊ ዅነታት እውን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ እምበኣር: ንሰባት ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ጌርና ክንሓስብ ወይ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንዝገብርዎ ጻዕርታት ክንነቅፍ እንታይ ስልጣን ኣሎና፧ ነሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ክንዲ  ኣብ ጕድለታቶም እነተኵር ኣብቲ ዝገብርዎ ሰናይ ብምትኳር ንየሆዋ ኽንመስሎ ኢልና ኽንጽዕር ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!

15. ኣብ ኣምለኽቲ የሆዋ ከመይ ዝኣመሰለ ቓላትን ባህርያትን እዩ ቦታ ዘይብሉ: ስለምንታይከ፧

15 ንኣባላት ስድራቤትናኸ ክንፈርዶም ይግብኣና ድዩ፧ እቲ ዘሕዝን ግን ገለ ኻብቲ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ዝርአ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ኣብታ ሰላም ክዓስላ እትጽበያ ስድራቤት እዩ ዝፍጸም። ንኣባላት ስድራቤቶም ብቓላት ይኹን ብማህረምቲ ዝሃስዩ ሰብኡት: ኣንስቲ: ወይ ወለዲ ብዙሓት እዮም። ይኹን እምበር: ክፉእ ቃላት: ጐዳኢ ምሕጫጭ: ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝኣመሰለ ተግባራት ኣብ ኣምለኽቲ የሆዋ ቦታ የብሉን። (ኤፌሶን 4:29, 31፣ 5:33፣ 6:4) እቲ የሱስ “ኣይትፍረዱ” “ኣይትዀንኑ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ስድራቤት እውን ዝዓዪ እዩ። ፍትሒ ምግባር ክበሃል ከሎ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ እንገብሮ ርክብ ከምቲ የሆዋ ምሳና ዝገብሮ ርክብ ጌርካ ምምልላስ  እውን ከም ዘመልክት ኣይንረስዕ። ከመይሲ ኣምላኽ ኣብቲ ምሳና ዝገብሮ ርክብ ጨካን ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ነቶም ዘፍቅርዎ ‘ለዋህ’ እዩ። (ያእቆብ 5:11) ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽንቀድሖ ዘሎና ግሩም ኣብነት ኰን እዩ!

ሽማግለታት “ብፍትሒ” የገልግሉ

16, 17. (ሀ) የሆዋ ኻብ ሽማግለታት እንታይ እዩ ዝጽበ፧ (ለ) ሓደ ሓጢኣተኛ ልባዊ ነስሓ እንተደኣ ዘየርእዩ እንታይ እዩ ኽግበር ዘለዎ: ስለምንታይከ፧

16 ኵላትና ፍትሒ ከነርኢ ሓላፍነት ኣሎና: ብፍላይ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ከኣ በዚ መዳይ እዚ ሓላፍነት ኣለዎም። ነቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ “መሳፍንቲ” ወይ ሽማግለታት ዝሃቦ ሓሳባት ነስተብህለሉ። “እንሆ: ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ: መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና [“ብፍትሒ:” NW] ኺገዝኡ እዮም።” (ኢሳይያስ 32:1) እወ: የሆዋ ንሽማግለታት ብፍትሒ ኸገልግሉ እዩ ዝጽበዮም። ነዚኸ ብኸመይ እዮም ዝገብርዎ፧

17 እዞም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት እዚኣቶም ፍትሒ: ወይ ጽድቂ ኽበሃል ከሎ ነታ ጉባኤ ብንጽህና ምሓዛ ኸም ዘጠቓልል ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ሽማግለታት ከቢድ ሓጢኣት ንምፍራድ ዝግደድሉ እዋናት ኣሎ። ከምዚ ኽገብሩ ኸለዉ ፍትሒ ኣምላኽ ብዝከኣል መጠን ምሕረት ከም እተርኢ ይፈልጡ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ሓጢኣተኛ ሰብ ንኽናሳሕ መገዲ ይኸፍትሉ ማለት እዩ። ይኹን እምበር: ንሓደ ሓጢኣተኛ ንምሕጋዙ ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ ናይ ሓቂ ነስሓ እንተ ዘየርእዩኸ፧ ቃል የሆዋ “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ” ብምባል ፍጹም ፍትሒ ዘንጸባርቕ ጽኑዕ ስጕምቲ ኽውሰድ ከም ዘለዎ ይሕብር። እዚ ማለት ድማ ካብታ ጉባኤ ኽውገድ ኣለዎ ማለት እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:11-13፣ 2 ዮሃንስ 9-11) እቶም ሽማግለታት ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ኽወስዱ ዘጕህዮም እኳ እንተዀነ ንስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህና ናይታ ጉባኤ ንምሕላው ግን ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ ይግንዘቡ እዮም። ይኹን እምበር: ሽዑ እውን ከይተረፈ እቲ ሓጢኣተኛ ሓደ መዓልቲ ናብ ልቡ ተመሊሱ ናብታ ጉባኤ ኽመጽእ ተስፋ ይገብሩ እዮም።—ሉቃስ 15:17, 18

18. ሽማግለታት ንኻልኦት ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኽህብዎም ከለዉ እንታይ እዮም ክዝክሩ ዘለዎም፧

 18 ብፍትሒ ምግልጋል ክበሃል ከሎ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ምሃብ እውን ዘጠቓልል እዩ። ልክዕ እዩ: ሽማግለታት ጕድለት ካልኦት ንምእራይ ሃሰስ ኣይብሉን እዮም። ንዝረኸብዋ ኣጋጣሚ መአረምታ ንምሃብ ድማ ኣይጥቀሙላን እዮም። ይኹን እምበር: ሓደ ኣማኒ ‘ከይተፈለጦ በደል ምስ ዝፍጽም’ ሽማግለታት ፍትሒ ኣምላኽ ጨካን ወይ እውን ዘይትግደስ ከም ዘይኰነት ስለ ዝዝክሩ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብ ‘ብህዱእ መንፈስ ገይሮም ከቕንዕዎ’ እዮም ዝጽዕሩ። (ገላትያ 6:1) ስለዚ ሽማግለታት ንእተጋገየ ሰብ ኣየቈናጽብዎን: ወይ ተሪር ቃላት ኣይዛረብዎን እዮም። ብፍቕሪ ዝወሃብ ምኽሪ ነቲ ዝምከር ከም ዘተባብዖ ይፈልጡ እዮም። ጥበባዊ ዘይኰነ ስጕምቲ ምውሳድ ዘምጽኦ ሳዕቤን ብቐጥታ ብምሕባር ተግሳጽ ክህቡ ኸለዉ እውን ከይተረፈ እቲ እተጋገየ ኣማኒ ብጻዮም ኣብ መጓሰ ኣምላኽ ዘላ በጊዕ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። * (ሉቃስ 15:7) ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዝወሃብ ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ነቲ እተጋገየ ሰብ ንኽእረም ኸም ዝሕግዞ ርግጽ እዩ።

19. ሽማግለታት እንታይ ውሳነታት እዮም ክገብሩ ዘድልዮም: ውሳነታቶምከ ኣብ ምንታይ እዩ ኽምርኰስ ዘለዎ፧

19 ሽማግለታት ዝበዝሕ ግዜ ንኣመንቲ ብጾቶም ዝትንክፍ ውሳነታት ይገብሩ እዮም። ንኣብነት: ሽማግለታት ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ኣሕዋት ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ዝበቕዑ እንተ ዀይኖም ንምውሳን በብግዜኡ ይእከቡ እዮም። ከዳልዉ ከም ዘይብሎም እውን ይፈልጡ እዮም። ክውስኑ ኸለዉ ኣብ ስምዒቶም ዘይኰነስ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ብቕዓታት ስለ ዝምርኰሱ ‘ተቐዳዲሞም ኣይፈርዱን: ሓንቲ እኳ በድልዎ ኣይገብሩን እዮም።’—1 ጢሞቴዎስ 5:21

20, 21. (ሀ) ሽማግለታት እንታይ ክዀኑ እዮም ዝጽዕሩ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ሽማግለታት ነቶም “ሕሊናኦም ዝዓረቦም” ንምሕጋዝ እንታይ እዮም ዝገብሩ፧

 20 ሽማግለታት ብኻልእ መገድታት እውን ፍትሒ ኣምላኽ የንጸባርቑ እዮም። ኢሳይያስ ሽማግለታት “ብፍትሒ” ኸም ዘገልግሉ ድሕሪ ምግላጹ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳይያስ 32:2) ስለዚ ሽማግለታት ንብጾቶም ክርስትያናት ምንጪ ምጽንናዕ ክዀንዎም እዮም ዝጽዕሩ።

21 ሎሚ: ብዙሕ ተስፋ ዘቍርጽ ነገራት ስለ ዘሎ መብዛሕትኦም ሰባት ምትብባዕ የድልዮም እዩ። ስለዚ ሽማግለታት ዘበልኩም ነቶም “ሕሊናኦም ዝዐረቦም” ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብሩ ምኸኣልኩም፧ (1 ተሰሎንቄ 5:14) ብድንጋጽ ስምዕዎም። (ያእቆብ 1:19) ነቲ ኣብ ልቦም ዝሓደረ “ጓሂ” ንሓደ ዝኣምንዎ ሰብ ከካፍልዎ ይደልዩ ይዀኑ።  (ምሳሌ 12:25) የሆዋን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከም ዝደልይዎምን ከም ዘፍቅርዎምን ኣረጋግጹሎም። (1 ጴጥሮስ 1:22፣ 5:6, 7) ብተወሳኺ: ምስኣቶም ኴንኩም ክትጽልይሎም ወይ ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክርዎም ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ሽማግለ ኣብ ክንድኦም ክጽልየሎም ክሰምዑ ኸለዉ ኣዝዩ ኸጸናንዖም ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 5:14, 15) ነቶም ሕልናኦም ዝዓረቦም ንምሕጋዝ ኢልኩም እትገብርዎ ፍቕራዊ ጻዕሪ እቲ ኣምላኽ ፍትሒ ዝዀነ የሆዋ ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎ ኣይኰነን።

ሽማግለታት ንእተደቝሱ ሰባት ኬተባብዑ ኸለዉ ንፍትሒ የሆዋ የንጸባርቕዋ እዮም

22. ንፍትሒ የሆዋ በየናይ መገድታት ኢና ኽንቀድሓ ዘሎና: ከመይ ዝበለ ፍረኸ እዩ ዘለዎ፧

22 ስለዚ ንፍትሑ ብምምሳል ናብ የሆዋ እናቐረብና ኢና እንኸይድ። ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ከነኽብር ከለና: ነቲ ህይወት ዝህብ ብስራት ንሰባት ክንነግሮም ከለና: ንሰባት ኣብ ክንዲ ኣብ ጕድለታቶም ኣብ ኣወንታዊ ጐድኖም ከነተኵር ከለና ፍትሒ ኣምላኽ ኢና እነንጸባርቕ። ስለዚ ሽማግለታት: ንንጽህና ጉባኤ ኽትሕልዉ ኸለኹም: ዝሃንጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኽትህቡ ኸለኹም: ብዘይ ኣድልዎ ውሳነታት ክትገብሩ ኸለኹም: ነቶም እተደቝሱ ኸተተባብዑ ኸለኹም ፍትሒ ኣምላኽ ኢኹም እተንጸባርቑ። የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣንቈልቊሉ ብምጥማት ህዝቡ ምስኡ ኣብ ዝገብርዎ ምምልላስ ብእተኻእሎም መጠን ‘ፍትሒ ንምግባር’ ክጽዕሩ ክርእዮም ከሎ ንልቡ የሐጕሶ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 13 ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ተጠቒሞምሉ ዘለዉ ቓላት ኣቋርጽዎ ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ። ስለዚ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ተግባር ቅድሚ ሕጂ ልምዲ ዝነበረ እሞ ኽቋረጽ ዘለዎ ተግባር እዩ ዘመልክት።

^ ሕ.ጽ. 18 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:2 ሽማግለታት ‘ክገንሑ: ክቐጽዑ: ክምዕዱ’ ከም ዘለዎም ይነግረና። እታ “ክምዕዱ” (ፓራካሌኦ) ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ከተባብዑ” ዝብል ትርጕም እውን ኣለዋ። ምስኣ እተተሓሓዘት ፓራከሌቶስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ከኣ ንሓደ ናይ ሕጊ ጠበቓ እውን ተመልክት እያ። ስለዚ እምበኣር ሽማግለታት ጽኑዕ ተግሳጽ ኣብ ዝህብሉ እዋን እውን ከይተረፈ ነቶም መንፈሳዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ክሕግዝዎም ኣለዎም።