1, 2. (ሀ) ዮሴፍ ከመይ ዝኣመሰለ ፍትሓዊ ዘይኰነ ኸቢድ ተግባር እዩ ዘጋጠሞ፧ (ለ) የሆዋኸ ነቲ ፍትሓዊ ዘይኰነ ተግባር ብኸመይ ኣረሞ፧

ዮሴፍ ዝበሃል ምልኩዕ መንእሰይ ኣዝዩ ኸቢድ ዝዀነ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣጋጠሞ። ዝፈጸሞ ገበን ዘይነበሮ ኽነሱ ንሰበይቲ ብሓይሊ ኽጋሰሳ ኸም ዝፈተነ ብሓሶት ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ። ቅድሚ እዚ እውን ካልእ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ገለ ዓመታት ኣቐዲሙ ወዲ 17 ዓመት ከሎ ኣሕዋቱ ብምጥላም ክቐትልዎ ሃቂኖም ነበሩ። ጸኒሖም ግን ንባርነት ናብ ካልእ ሃገር ሸጥዎ። ኣብቲ ዝኸዶ ሃገር ሰበይቲ ጐይታኡ ምሳይ ደቅስ እናበለት ላሕ ኣቢላቶ ምስ ኣበያ ኣልዕል ኣቢላ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኽሲ ኸሰሰቶ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እተኣስረ። ንዮሴፍ ክጣበቐሉ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ዘይምንባሩ ኸኣ ዘሕዝን እዩ።

ዮሴፍ ፍትሓዊ ብዘይኰነ መገዲ “ኣብ ቤት ማእሰርቲ” ተዳጐነ

2 ይኹን እምበር: እቲ ‘ጽድቅን ፍትሕን ዝፈቱ’ ኣምላኽ ይዕዘብ ነበረ። (መዝሙር 33:5 ትርጕም 1990) ስለዚ ኢዱ ኣእትዩ ነቲ ፍትሓዊ ዘይኰነ ተግባር ከም ዝእረም ብምግባር ንዮሴፍ ኣፍትሖ: ብዝያዳ ኸኣ ዓብዪ ሓላፍነትን ዝለዓለ ክብርን ዘለዎ ቦታ ኸም ዝወሃቦ ገበረ። (ዘፍጥረት 40:15፣ 41:41-43፣ መዝሙር 105:17, 18) ኣብ መወዳእታ: ዮሴፍ ንጹህ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ተረጋገጸ: ነቲ ዝረኸቦ ልዑል ቦታ ኸኣ ዕላማ ኣምላኽ ንምድጋፍ ተጠቕመሉ።—ዘፍጥረት 45:5-8

3. ኵላትና ቅኑዕን ፍትሓውን ተግባር ክግበረልና ምድላይና ዘገርም ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

3 እዚ ጸብጻብ እዝስ ልብኻ ዝትንክፍ ጸብጻብዶ ኸይኰነ፧ ፍትሓዊ ዘይኰነ ተግባር ዘይረኣየ ወይ ዘየጋጠሞ መን ኣሎ፧ እወ: የሆዋ ንባህርያቱ ከም እነንጸባርቕ ገይሩ ስለ ዝፈጠረና ዅላትና ቕኑዕን ፍትሓውን ተግባር ክግበረልና ምድላይና ዘገርም ኣይኰነን። ሓንቲ ኻብዚ ቐንዲ ባህርያት ኣምላኽ ከኣ ፍትሒ እያ። (ዘፍጥረት 1:27) ንየሆዋ  ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ ፍትሑ ኽርድኣና ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ዘደንቕ መገድታቱ ብዝበለጸ ነማስወሉ እሞ ናብኡ ንኽንቀርብ ከኣ ንድረኽ።

ፍትሒ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧

4. ሰባት ንፍትሒ ዝበዝሕ ግዜ ብኸመይ እዮም ዝርድእዋ፧

4 ሰባት ንፍትሒ ዝበዝሕ ግዜ ንስርዓታት ሕጊ ኣብ ግብሪ ምውዓል ጥራይ ከም ዝዀነት ደኣ እምበር ካብኡ ንላዕሊ ኸም እተመልክት ገይሮም ኣይወስድዋን እዮም። እታ ራይት ኤንድ ሪዝን—ኢቲክስ ኢን ቲዮሪ ኤንድ ፕራክቲስ እትብል መጽሓፍ “ፍትሒ ምስ ሕጊ: ግዴታ: መሰል: ከምኡውን ምስ ግቡእካ ምፍጻም እተተሓሓዘት እያ: እቲ እትህቦ ፍርዲ ድማ ኣብ ማዕርነት እተመርኰሰ ወይ ከምቲ ነቲ ሰብ ዝግባእ ገይራ እያ እትህብ” ትብል። ናይ የሆዋ ፍትሒ ግን ካብቲ ግቡእ ወይ ግዴታ ዀይንዎ ንስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ዘውዕለሉ ኣገባብ ንላዕሊ እተጠቓልል እያ።

5, 6. (ሀ) እተን ፍትሒ ዝትርጐማ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ዝዝውተራ ቓላት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧ (ለ) ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

5 ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ ንፍትሒ የሆዋ ዘመልክታ ቓላት ምስ እንምርምረን ስፍሓትን ዕምቈትን ናይታ ባህሪ ኣጸቢቑ ክርዳኣና ይኽእል እዩ። ናይ እብራይስጢ ቕዱሳት ጽሑፋት ነዛ ባህሪ እዚኣ ንምግላጽ ሰለስተ መሰረታዊ ቓላት ይጥቀም። እታ መብዛሕትኡ ግዜ ፍትሒ ተባሂላ እትትርጐም ቃል “ቅኑዕ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። (ዘፍጥረት 18:25 ትርጕም 1990) እተን ክልተ ኻልኦት ቃላት ከኣ ዝበዝሕ ግዜ “ጽድቂ” ተባሂለን እየን ዝትርጐማ። ኣብቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እታ “ጽድቂ” እትትርጐም ቃል “ቅኑዕ ወይ ፍትሓዊ ምዃን” ዝብል ትርጕም እውን ኣለዋ። ስለዚ እምበኣር ብመሰረቱ ኣብ መንጎ ጽድቅን ፍትሕን ፍልልይ የለን።—ኣሞጽ 5:24 NW

6 ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ ኽብለና ኸሎ ወትሩ ብዘይኣድልዎ ቅኑዕን ፍትሓውን ዘበለ ተግባር እዩ ዝገብር ማለቱ እዩ።  (ሮሜ 2:11) ኣንጻር ናይዚ ኽገብር ግን ዘይመስል እዩ። እቲ እሙን ዝነበረ ኤሊሁ “ኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርን፥ እቲ ኵሉ ዚኽእል ድማ ፍትሒ ኣይደፍንን እዩ” በለ። (እዮብ 34:12) እወ: የሆዋ ‘ፍትሒ ክደፍን’ ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ፧ ክልተ ኣገደስቲ ምኽንያታት ኣለዎ።

7, 8. (ሀ) የሆዋ ፍትሒ ኽደፍን ዘይከኣሎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ምስ ፍጡራቱ ኣብ ዝገብሮ ርክብ ጻድቕን ቅኑዕን ንክኸውን ዝድርኾ እንታይ እዩ፧

7 ቀዳማይ: ቅዱስ እዩ። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 3 ዝረአናዮ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንጹህን ቅኑዕን ስለ ዝዀነ ዓመጻ ኽገብር ወይ ፍትሒ ኽደፍን ኣይክእልን እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እስከ ንርአ። ቅድስና ሰማያዊ ኣቦና ንደቁ ፈጺሙ ኸም ዘየጋፍዖም ንኽንኣምን ድልዱል ምኽንያት ይህበና። የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ነበሮ። ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት “ቅዱስ ኣቦይ: ነዞም ዝሀብካኒ [ደቀ መዛሙርቲ] . . . ብስምካ ሐልዎም” ኢሉ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:11) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት “ቕዱስ ኣቦ” ዝብል መዓርግ ንየሆዋ ጥራይ እዩ ዘመልክት። ብቕድስና ዝመጸ ምስ የሆዋ ኽመዓራረ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብኣዊ ኣቦ ስለ ዘየለ ኸምኡ ኽበሃል ግቡእ እዩ። የሱስ እቲ ምሉእ ብምሉእ ንጹህ ዝዀነ: ካብ ኵሉ ሓጢኣት ከኣ ፈጺሙ እተፈልየ ኣምላኽ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዘዕቝቦም ምሉእ እምነት ነበሮ።—ማቴዎስ 23:9

8 ካልኣይ: እታ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዝገብሮ ርክብ ጻድቕን ቅኑዕን ንክኸውን ትድርኾ። እቲ ንዓሌትነት: ምፍልላይ: ኣድልዎ ሓዊስካ ብእተፈላለየ መዳያት ዝግለጽ ምጕዳል ፍትሒ ግን ዝበዝሕ ግዜ ኻብታ ኣንጻር ፍቕሪ ዝዀነት ስስዐ እዩ ዝምንጭ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ፍቕሪ “እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ: ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ” ብምባል የረጋግጸልና። (መዝሙር 11:7) የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ “ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮ” በለ። (ኢሳይያስ 61:8) ስለዚ  ኣምላኽና ቅኑዕ ወይ ፍትሒ ዘበለ ንምግባር ባህ ዝብሎ ምዃኑ ምፍላጥናስ ዘጸናንዕዶ ኸይኰነ፧—ኤርምያስ 9:24

ምሕረት የሆዋን እታ ፍጽምቲ ፍትሑን

9-11. (ሀ) ኣብ መንጎ ፍትሒ የሆዋን ምሕረቱን እንታይ ምትሕሓዝ እዩ ዘሎ፧ (ለ) ፍትሒ የሆዋን ምሕረቱን ኣብቲ ምስ ሓጥኣን ሰባት ዝገብሮ ርክብ እተራእያ ብኸመይ እየን፧

9 ፍትሒ የሆዋ ልክዕ ከምቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ኻልእ ባህርያቱ ፍጽምቲ: ጐደሎ ዘይብላ እያ። ሙሴ ንየሆዋ ክብ ከብሎ ኸሎ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW] እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዘዳግም 32:3, 4) ኵሉ እቲ የሆዋ ፍትሑ ዘንጸባርቐሉ መገድታት ኣበር የብሉን: ኣመና ልምሉም ኣይኰነን: ኣመና ተሪር እውን ኣይኰነን።

10 ኣብ መንጎ ፍትሒ የሆዋን ምሕረቱን ብዙሕ ምትእስሳር እዩ ዘሎ። መዝሙር 116:5 “እግዚኣብሄር ርሕሩሕን ጻድቕን [“ፍትሓውን:” ዘ ኒው ኣመሪካን ባይብል] እዩ: ኣምላኽና ኸኣ መሓሪ እዩ” ትብለና። እወ: የሆዋ ፍትሓውን መሓርን እዩ። እዘን ክልተ ባህርያት እዚኣተን ዘይቃደዋ ኣይኰናን። ፍትሑ ኣዝያ ተራር ከም ዝዀነትሲ ያኢ ምሕረት ከርኢ ኸሎ ንፍትሑ ንምልዛብ ኢሉ እዩ ዝገብሮ ማለት ኣይኰነን። መሕልፎ እኳ ደኣ ንኽልቲአን ባህርያት ብሓንሳእን ኣብ ሓደ ዓይነት ተግባርን እዩ ዘንጸባርቐን። ሓደ ኣብነት ንርአ።

11 ኵሎም ደቅሰብ ሓጢኣት ዝወረሱ ብምዃኖም: ናይ ሓጢኣት መቕጻዕቲ ማለት ሞት ዝግብኦም እዩ ነይሩ። (ሮሜ 5:12) የሆዋ ግን ብሞት ሓጥኣን ባህ ኣይብሎን እዩ። “ኣምላኽ ይቕረታን ሰናይን መሓርን” እዩ። (ነህምያ 9:17) ምስናይዚ ግን ቅዱስ ስለ ዝዀነ ንዓመጻ ዕሽሽ ክብል ኣይከኣሎን እዩ። ብኸመይ ደኣ እዩ እሞ ንሓጥኣን ደቅሰብ ምሕረቱ ዘርእዮም፧ መልሲ ናይዚ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ኣዝዩ ኽቡር ሓቂ እዩ ዝርከብ። እዚ ሓቂ እዚ ድማ የሆዋ ንደቅሰብ ንምድሓን ኢሉ ዝገበሮ ናይ በጅነት ምድላው እዩ። ኣብ ምዕራፍ 14 ብዛዕባ እዚ ፍቕራዊ ምድላው እዚ ብዙሕ ክንመሃር ኢና።  ኣብቲ ዝገበሮ ፍቕራዊ ምድላው ፍትሑን ምሕረቱን ብሓንሳእ ተንጸባሪቐን እየን። በቲ ምድላው እቲ ገይሩ ኸኣ ንስርዓታት ናይታ ፍጽምቲ ፍትሑ ኸይጥሓሰ ነቶም ዝናስሑ ሓጥኣን ምሕረቱ ኽገልጸሎም ይኽእል እዩ።—ሮሜ 3:21-26

ፍትሒ የሆዋ ልብኻ እተረስርስ እያ

12, 13. (ሀ) ፍትሒ የሆዋ ናብኡ ኸም እንቐርብ እትገብረና ብኸመይ እያ፧ (ለ) ዳዊት ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መደምደምታ እዩ በጺሑ: እዚኸ ብኸመይ እዩ ዘጸናንዓና፧

12 ፍትሒ የሆዋ ኸም እንርሕቖ ዘይኰነስ ከም እንቐርቦ እትገብር ተፈታዊት ባህሪ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ፍትሒ ወይ ጽድቂ የሆዋ ምስ ድንጋጽ ኣተሓሒዙ ብንጹር ይገልጸልና። ገለ ኻብቲ የሆዋ ፍትሑ ዘርእየሉ ልብኻ ዘረስርስ መገድታት እስከ ንርአ።

13 እታ ፍጽምቲ ፍትሑ ንኣገልገልቱ እሙን ክኸውን ትድርኾ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነዚ መዳይ ፍትሒ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ተመኪርዎ እዩ። ዳዊት ካብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮን ካብቲ ብዛዕባ ተግባራት ኣምላኽ ዝገበሮ መጽናዕትን ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ እዩ በጺሑ፧ “እግዚኣብሄር ቅኑዕ [“ፍትሒ:” NW] ዘበለ ይፈቱ፥ ነቶም እሙናት ሕዝቡ ኸኣ ኣይኃድጎምን እዩ፥ ንዘለዓለም ይሕልዎም” በለ። (መዝሙር 37:28 ትርጕም 1990) እዝስ ኣየ ኽንደይ ዘጸናንዕ ኰን እዩ! ኣምላኽና ነቶም እሙናቱ ንሓንሳእ እውን ይኹን ፈጺሙ ኣይሓድጎምን እዩ። ስለዚ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኸም ዘይፍለየና ብምትእምማን ክንቀርቦ ንኽእል ኢና። ፍትሑ ውሕስነት ትህበና እያ።—ምሳሌ 2:7, 8

14. የሆዋ ነቶም ጽጉማት ዝገብሮ ሓልዮት ኣብቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

14 እቲ ፍትሓዊ ኣምላኽ ንጽጉማት ኣጸቢቑ ይግደሰሎም እዩ። የሆዋ ነቶም ጽጉማት ከም ዝሓልየሎም ካብቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ንዘኽታማትን መበለታትን ሓልዮት ንኽግበረሎም ዝሕግዝ ፍሉይ ስርዓታት ኣብቲ ሕጊ ኣውጺኡሎም ኣሎ። (ዘዳግም 24:17-21) የሆዋ ነዞም ስድራቤታት እዚኣቶም  ናብራ ኽጽግሞም ከም ዝኽእል ብምፍላጥ ‘ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ ዘውጽእ’ ኣቦን ጠበቓን መዕቘብን ኰይንዎም እዩ። (ዘዳግም 10:18፣ መዝሙር 68:5) ነቶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ ኣንስትን ቈልዑን እንተደኣ ኣጋፊዖምዎም: ንጥርዓኖም ብርግጽ ክሰምዕ ምዃኑ ንእስራኤላውያን ኣጠንቂቕዎም እዩ። “ኵራይ ይነድድ እዩ” ኸኣ በለ። (ዘጸኣት 22:22-24) ቍጥዓ ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ እኳ እንተ ዘይኰነት: ብፍላይ ኣብቶም ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ሰባት ደይመደይ ኢልካ ፍትሓዊ ዘይኰነ ተግባር ክግበር ክርኢ ኸሎ ጽድቃዊ ቝጥዓ ይቝጣዕ እዩ።—መዝሙር 103:6

15, 16. የሆዋ ዘየዳሉ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዘርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

15 የሆዋ “ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ: መማለዲ ዘይቕበል” ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ዘዳግም 10:17) የሆዋ ኸምቶም ሓይሊ ወይ ስልጣን ዘለዎም ሓያሎ ሰባት ዝገብርዎ: ብስጋዊ ሃብቲ ወይ ግዳማዊ መልክዕ ኣይጽሎን እዩ። ኣድልዎ ዝበሃል የብሉን። የሆዋ ዘየዳሉ ምዃኑ ዘርኢ ኣዝዩ ጕሉሕ መርትዖ እሞ ንርአ። ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ እናተጸበኻ ናይ ሓቂ ኣምላኺኡ ናይ ምዃን መሰል: ኣብ እተመርጹ ፍሉያት ጕጅለ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) እዚ ዘደንቕ ተስፋ እዚ ማሕበራዊ ደረጃ: ሕብሪ ቘርበት: ወይ ከኣ ዝነብርሉ ሃገር ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት ክፉት እዩ። እዝስ እታ ናይ ሓቂ ፍትሒ ጐሊሓ እትረኣየሉ ኣብነትዶ ኸይኰነ፧

16 ከነቕልበሉን ኣኽቢርና ክንምልከቶን ዘሎና ካልእ ኣብነት ናይታ ፍጽምቲ ፍትሒ የሆዋ ኸኣ ምስቶም ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ዝጥሕሱ ሰባት ዝገብሮ ርክብ እዩ።

ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ

17. ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝፍጸም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ምስ ፍትሒ የሆዋ ምትሕሓዝ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

17 ገሊኣቶም ‘የሆዋ ንዓመጽ ሸለል ዘይብሎ ኻብ ኰነ: ነቲ ኣብዛ  ናይ ሎሚ ዓለም ገኒኑ ዘሎ ፍትሓዊ ዘይኰነ ስቓይን ብልሹው ተግባራትን ብኸመይ ምገለጽናዮ፧’ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ንየሆዋ ዘይፍትሓዊ እዩ ዘብሎ ኣይኰነን። ኣብዛ እክይቲ ዓለም ዝርአ ፍትሓዊ ዘይኰነ መብዛሕትኡ ተግባራት ውጽኢት ናይቲ ደቅሰብ ካብ ኣዳም ዝወረስዎ ሓጢኣት እዩ። ኣብዛ ሎሚ ሓጥእ መገድታቶም ብዝመረጹ ዘይፍጹማት ሰባት መሊኣ ዘላ ዓለም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ ንነዊሕ ዝቕጽል ግን ኣይኰነን።—ዘዳግም 32:5

18, 19. የሆዋ ነቶም ደይመደይ ኢሎም ነቲ ጽድቃዊ ሕግታቱ ዝጥሕሱ ሰባት ንዘለኣለም ክቕጽሉ ስቕ ኢሉ ኸም ዘይርእዮም ዘረጋግጸልና እንታይ እዩ፧

18 የሆዋ ነቶም ብቕንዕና ዝቐርብዎ ዓብዪ ምሕረት ዘርእዮም እኳ እንተዀነ: ነቲ ንስሙ ጸርፊ ዘምጽእ ኵነታት ግን ንዘለኣለም እናተጻወሮ ኣይነብርን እዩ። (መዝሙር 74:10, 22, 23) እዚ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ: ነቶም ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ዝገብሩ ሓጥኣን ካብቲ ዝግብኦም ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ኣይንሕፎምን እዩ። የሆዋ ‘መሓርን ጸጋውን: ንዅራ ደንጓይ: ብዓል ዓብዪ ፍቕርን ሓቅን: ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ ኣምላኽ’ እዩ። (ዘጸኣት 34:6, 7 ትርጕም 1990) ብመሰረት እዚ ቓላት እዚ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ: ነቶም ደይመደይ ኢሎም ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ዝጥሕሱ ሰባት ንጥፍኣት ክፈርዶም ኣድላዪ ዀይኑ ዝረኽበሉ እዋናት ኣሎ።

19 ንኣብነት: ኣምላኽ ምስ ጥንታዎት እስራኤላውያን ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ንርአ። እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ እውን ከይተረፈ ብዙሕ ግዜ ዘይእሙናት ይዀኑ ነይሮም እዮም። ሽሕ እኳ በቲ ብልሹው መገድታቶም ንየሆዋ እንተ “ኣጕሀይዎ” ንሱ ግን ኣይጠንጠኖምን። (መዝሙር 78:38-41) መሕልፎ እኳ ደኣ መገዶም ክቕይሩ ብምሕረቱ ኣጋጣሚታት ከፊቱሎም እዩ። “ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር: ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል: ስለምንታይከ እትሞቱ፧ ካብቲ እኩይ መገድኹም  ተመለሱ: ተመለሱ” ኢሉ ድማ ለመኖም። (ህዝቅኤል 33:11) የሆዋ ንህይወት ኣኽቢሩ ስለ ዝርእያ: እስራኤላውያን ካብቲ እኩይ መገድታቶም ተመሊሶም ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ እናሻዕ ነብያቱ ይልእኸሎም ነበረ። ይኹን እምበር: እቶም ተሪር ልቢ ዝነበሮም ህዝቢ ብሓፈሻ: ክሰምዑን ክንስሑን ኣይደለዩን። ኣብ መወዳእታ ግን ምእንቲ እቲ ቕዱስ ስሙን ምእንቲ እቲ ምስ ስሙ እተተሓሓዘ ነገራትን ኢሉ: ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፉ ሃቦም።—ነህምያ 9:26-30

20. (ሀ) እቲ የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ብዛዕባ ርእሱ እንታይ እዩ ዝምህረና፧ (ለ) ኣንበሳ ንፍትሒ የሆዋ ንምምልካት ብቑዕ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧

20 እቲ የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝገበሮ ርክብ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገራት እዩ ዝነግረና። እተን ኵሉ ዝርእያ ኣዒንቱ ንዝግበር ዓመጽ ስለ ዝቋመታ በቲ ዝርእዮ ኣጸቢቑ ይትንከፍ እዩ። (ምሳሌ 15:3) ነቶም ዝናስሑ ምሕረት ከርእዮም ከም ዝደሊ ምፍላጥና እውን ዘተኣማምን እዩ። ፍትሑ ብሃወኽ ከም ዘይገብሮ እውን ንፈልጥ ኢና። ብዙሓት ሰባት የሆዋ ዕጉስን ዓቃልን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ንእኩያት ሰባት ንጥፍኣት ኣይክፈርዶምን እዩ ኣብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ በጺሖም እዮም። እዚ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ዘረጋግጸልና ድማ ኣምላኽ ምስ እስራኤላውያን ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ትዕግስቱ ደረት ከም ዘለዎ ስለ ዝምህረና እዩ። የሆዋ ንጽድቂ ጽኑዕ ኣቕዋም እዩ ዘለዎ። ከምቶም ብዙሕ ሳዕ ፍትሒ ዘቕንኑ ደቅሰብ ንቕኑዕ ዘበለ ካብ ምጥባቕ  ፈጺሙ ድሕር ኣይብልን እዩ። ኣንበሳ ንፍትሒ ብምምልካት ምስ ህላወን ዝፋንን ኣምላኽ ምምስሳሉ ብቑዕ እዩ። * (ህዝቅኤል 1:10፣ ራእይ 4:7) ስለዚ እምበኣር: ነዛ ምድሪ እዚኣ ካብቲ ዝርአ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከም ዘጽርያ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እወ: እቲ ዝፈርደሉ ኣገባብ ከድሊ ኸሎ ጽኑዕ ይኸውን: ኣብቲ ዘድልየሉ ግዜ ኸኣ ምሕረት የርኢ ተባሂሉ ኽጠቓለል ይከኣል እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:9

ነቲ ኣምላኽ ፍትሒ ንቕረቦ

21. የሆዋ ብኸመይ ፍትሒ ኸም ዝገብር ከነስተንትን ከሎና: ከመይ ጌርና ኢና ኽንሓስቦ ዘሎና: ስለምንታይከ፧

21 የሆዋ ብኸመይ ፍትሒ ኸም ዝገብር ከነስተንትን ከሎና ንበደለኛታት ምፍራድ እንተ ዘይኰይኑ ብኻልእ ዘይግደስ ተሪር ፈራዲ ጌርና ኽንወስዶ የብልናን። ኣብ ክንድኡስ: ኵሉ ግዜ ኸም ሓደ ወትሩ ንደቁ ብዝጠቅም መገዲ ጥራይ ዝሓሊ ፈቃርን ጽኑዕን ኣቦ ጌርና ኽንወስዶ ኣሎና። የሆዋ ቅኑዕን ጻድቕን ኣቦ ብምዃኑ ንቕኑዕ ዘበለ ጽኑዕ ክኸውን ከሎ ነቶም ሓገዙን ይቕረታኡን ዝደልዩ ምድራውያን ደቁ ኸኣ ዝድንግጽ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።—መዝሙር 103:10, 13

22. የሆዋ ብፍትሑ ተመሪሑ እንታይ ዓይነት ተስፋ ኸም ዝህልወና እዩ ዝገበረ: እዚ ዝገበረልናኸ ስለምንታይ እዩ፧

22 መለኮታዊ ፍትሒ ንበደለኛታት ካብ ምፍራድ ንላዕሊ ኸም እተመልክት ምፍላጥናስ ክንደይ ከነማሱ ዘይግብኣና! የሆዋ ብፍትሑ ተመሪሑ ኣብ ሓንቲ ‘ጽድቂ ዝነብረላ’ ዓለም ፍጹም ህይወት ረኺብና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዘደንቕ ተስፋ ኸም ዝህልወና ገይሩ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ ዝገበረልና ድማ ፍትሑ ኣብ ክንዲ ንምዅናን ንምድሓን ስለ እትድርኾ እዩ። ብሓቂ እምበኣር: ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ ጽቡቕ ምርዳእ ምስ ዝህልወና ዝያዳ ናብኡ ኸም እንቐርብ እዩ ዝገብረና። ኣብዚ ዝቕጽል ዘሎ ምዕራፋት የሆዋ ነዛ ብልጽቲ ባህሪ እዚኣ ብኸመይ ከም ዘንጸባርቓ ኣጸቢቕና ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 20 የሆዋ ነቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ንጥፍኣት ክፈርዶም ከሎ ንገዛእ ርእሱ ምስ ኣንበሳ ኣመሳሲልዎ ኣሎ።—ኤርምያስ 25:38፣ ሆሴእ 5:14