ክፍሊ 2

‘ፍትሒ ይፈቱ’

ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣስፋሕፊሑ ብምህላዉ: መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ እዮም ዝወቕስዎ። ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ‘ፍትሒ ዝፈቱ’ ምዃኑ ብምግላጽ ልብኻ ዘረስርስ ሓቂ ይምህረና እዩ። (መዝሙር 33:5 ትርጕም 1990) ኣብዛ ኽፍሊ እዚኣ ንሓቅነት ናይዚ ቓላት እዚ ዘረጋገጸሉ መገድታትን ንዅሎም ደቅሰብ ብኸመይ ተስፋ ኸም ዝህቦምን ክንመሃር ኢና።