1-3. (ሀ) ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከመይ ዝበለ ከቢድ ሓላፍነት እዩ እተሰከመ: እቲ እተረበሸ ልቡኸ ብኸመይ እዩ እተጸናንዐ፧ (ለ) ሓጢኣት ምስ እንገብር ከመይ ዝበለ ጾር ኢና እንስከም: የሆዋ ግን እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡና፧

ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ: ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ እሞ: ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን: ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ አሎ። ኣነ ሰንሰንኩ: እምብዛ ተቐጥቀጥኩ” በለ። (መዝሙር 38:4, 8) ዳዊት ናይ ገበን ስምዒት ዘለዎ ሕልና ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር: ነቲ እተረበሸ ልቡ ዘጸናንዖ ረኺቡ እዩ። የሆዋ ሓጢኣት ዝጸልእ እኳ እንተዀነ: እቲ ሓጢኣተኛ ብሓቂ እንተደኣ ተናሲሑ እሞ ነቲ ሓጥእ ተግባራቱ እንተደኣ ነጺግዎ ኣይጸልኦን እዩ። ዳዊት: የሆዋ ንእተናስሑ ሰባት ብፍታው ምሕረቱ ከም ዝዝርግሓሎም ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን “ዎ እግዚኣብሄር . . . ንይቕሬታ ድልው . . . ኢኻ” በለ።—መዝሙር 86:5

2 ንሕናውን ሓጢኣት ምስ እንገብር: ሕልናና ስለ ዝቘስል: ቀጥቃጢ ጾር ኢና እንስከም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጣዕሳ ጠቓሚ እዩ። ጌጋታትና ንምእራም እቲ ዘድሊ ስጕምትታት ንኽንወስድ ክድርኸና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ብናይ ገበን ስምዒት ናይ ምዕብላል ሓደጋ እውን ኣሎ። እቲ ዝዅንን ልብና እተነሳሕና እኳ እንተ ተነሳሕና የሆዋ ይቕረ ኸም ዘይብለልና ገይሩ የእምነና ይኸውን። ብናይ ገበን ስምዒት እንተደኣ ‘ተዋሒጥና:’ ሰይጣን ‘የሆዋ ንኸነገልግሎ ዘይንበቅዕ ዘይጠቕሙ ሰባት ገይሩ እዩ ዝርእየና’ ዝብል ስምዒት ከም እነሕድር ብምግባር ከሐልለና ኽፍትን ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 2:5-11

3 ይኹን እምበር: የሆዋ ብሓቂዶ ኸም ዘይንጠቅም ገይሩ እዩ ዝርእየና፧ ኣይፋሉን! ይቕረ ምባል ክፍሊ ናይቲ ዝዓበየ ፍቕሪ የሆዋ እዩ። ልባዊ ነስሓ እንተደኣ ኣርኢና ይቕረ ንኽብለልና ድሉው ምዃኑ ብቓሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ምሳሌ 28:13) የሆዋ ይቕረ ዘይብለልና ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዓና: ስለምንታይን ብኸመይን ይቕረ ኸም ዝብል ዝገልጽ ሓሳባት ንመርምር።

 የሆዋ “ንይቕሬታ ድልው” ዝዀነሉ ምኽንያት

4. የሆዋ ብዛዕባ ኣፈጣጥራና እንታይ እዩ ዝዝክር: እዝኸ ነቲ ምሳና ዝገብሮ ርክብ ብኸመይ እዩ ዝትንክፎ፧

4 የሆዋ ዓቕምና ይፈልጥ እዩ። መዝሙር 103:14 “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ትብለና። ካብ ሓመድ እተፈጠርና: ብምኽንያት ዘይፍጽምናና ድማ ድኽመት ዘሎና ሰባት ምዃንና ኣይርስዕን እዩ። እታ “ፍጥረትና” ከም ዝፈልጥ እትገልጽ ሓሳብ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምስ ሰራሕ መሬት ንዓና ኸኣ ምስቲ ንሱ ዝሰርሖ ኣቕሓ መሬት ብምምስሳል ዘቕርቦ ሓሳባት እያ እተዘኻኽረና። * (ኤርምያስ 18:2-6) እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት ምሳና ኣብ ዝገብሮ ርክብ ነቲ ሓጥእ ኵነታትናን ንመምርሒኡ እንህቦ ምላሽን ኣብ ግምት የእትዎ እዩ።

5. መጽሓፍ ሮሜ ነቲ ሓጢኣት ዓትዒትካ ናይ ምሓዝ ዘለዎ ሓይሊ ብኸመይ እያ እትገልጾ፧

5 የሆዋ ሓጢኣት ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይርድኦ እዩ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: ሓጢኣት ንወድሰብ ዓትዒቱ ኽሕዝ ዝኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ይገልጸልና። እቲ ዓትዒትካ ናይ ምሓዝ ክእለቱ ግን ክሳዕ ክንደይ እዩ ብርቱዕ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መጽሓፍ ሮሜ ልክዕ ከምቲ ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ኣዛዚኦም ዝዀኑ ንሕናውን “ትሕቲ ሓጢኣት” ምዃንና (ሮሜ 3:9): ሓጢኣት ልክዕ ከም ንጉስ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ከም “ዝገዝኤ” (ሮሜ 5:21): ኣባና “ሓዲሩ” ኸም ዘሎ (ሮሜ 7:17, 20): “ሕጊ ሓጢኣት” ወትሩ ኣብ ውሽጥና ብምዕያይ: ምሉእ ብምሉእ ክቈጻጸረና ኸም ዝጽዕር (ሮሜ 7:23, 25) ገሊጹ ኣሎ። እወ: ሓጢኣትሲ ነዚ ዘይፍጹም ስጋና ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብሓይሊ ዓትዒቱ ሒዝዎ ዘሎ!—ሮሜ 7:21, 24

6, 7. (ሀ) የሆዋ ነቶም ልባዊ ነስሓ ብምርኣይ ምሕረቱ ደልዮም ዝቐርብዎ ሰባት ብኸመይ እዩ ዝምልከቶም፧ (ለ) ንምሕረት ኣምላኽ ክንብለጸሉ ኢልና ክንፍትን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

6 ስለዚ እምበኣር: የሆዋ ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ክንእዘዞ ኸም ዘይንኽእል ይፈልጥ እዩ። ካብ ልቢ ተነሲሕና ምሕረቱ ደሊና ምስ እንቐርቦ ይቕረ ኸም ዝብለልና መረጋገጺ ሂቡና  ኣሎ። መዝሙር 51:17 “መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ: ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” ትብለና። የሆዋ ብናይ ገበን ስምዒት ‘ንእተሰብረን እተቐጥቀጠን’ ልቢ ፈጺሙ ኣይነጽጎን እዩ።

7 እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ብኣፈጣጥራና እናመኽነና ኸም ድላይና ሓጢኣት ብምፍጻም ንምሕረት ኣምላኽ ክንብለጸሉ ንኽእል ኢና ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ብስምዒት ጥራይ ዝምራሕ ኣምላኽ ኣይኰነን። ምሕረቱ ደረት ኣለዎ። ነቶም ብዘይ ነስሓ ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ዝገብሩ ሰባት ፈጺሙ ይቕረ ኣይብለሎምን እዩ። (እብራውያን 10:26) እተናስሐ ልቢ ኽርኢ ኸሎ ግን ይቕረ ንምባል ድልው እዩ። ቀጺልና እምበኣር ንገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ እተደንቕ መግለጺት ፍቕሪ የሆዋ ዝዀነት ባህሪ ንምግላጽ እተጠቕመሉ ንጹር ቃላት ንርአ።

የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ዝብል፧

8. የሆዋ ሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና ኸሎ ብኻልእ ኣዘራርባ እንታይ እዩ ዝገብር: እዚኸ እንታይ ምትእምማን እዩ ዘሕድረልና፧

8 እቲ እተናስሐ ዳዊት ‘ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ: በደለይውን ኣይሰወርኩን: ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ’ በለ። (መዝሙር 32:5) እታ “ይቕረ በልካለይ” እትብል ሓሳብ ካብታ “ምልዓል” ወይ “ምስካም” ዝብል መሰረታዊ ትርጕም ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ቓል እተተርጐመት እያ። ኣብዚ ኣወዓዕላኣ “በደል: ሓጢኣት: ኣበሳ” ምርሓቕ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘመልክት። ስለዚ የሆዋ ብኻልእ ኣዘራርባ ንሓጢኣት ዳዊት ኣልዒሉ: ተሰኪሙ ደርብይዎ ማለት እዩ። እዚ ነቲ ዳዊት ተሰኪምዎ ዝነበረ ናይ ገበን ስምዒት ከም ዘቃለለሉ ፍሉጥ እዩ። (መዝሙር 32:3) ስለዚ ንሕናውን የሆዋ ነቶም ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ኣሚኖም ይቕረ ኽበሃለሎም ዝደልዩ ሰባት ሓጢኣቶም ዝስከመሎም ምዃኑ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 20:28

9. የሆዋ ንሓጢኣትና ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኻባና ዘርሕቖ፧

9 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ የሆዋ ዘለዎ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪ “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ: ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ” ብዝብል ንጹር ቃላት ገይሩ እውን ገሊጽዎ ኣሎ። (መዝሙር 103:12  ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ምብራቕ ካብ ምዕራብ ዘለዎ ርሕቐት ክንደይ እዩ፧ ኣዝዩ እተረሓሓቐ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ክልቲኡ ፈጺሙ ኽራኸብ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ምሁር ነዛ መግለጺ እዚኣ “ብእተኻእለ መጠን፣ ክንሓስቦ ብእንኽእል መጠን” በላ። እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ዳዊት: የሆዋ ይቕረ ኽብል ከሎ ንሓጢኣትና ኻባና ኣዝዩ ኸም ዘርሕቖ እዩ ዝነግረና።

‘ሓጢኣትኩም ከም በረድ ክጽዕዱ እዩ’

10. የሆዋ ሓጢኣትና ይቕረ ምስ ዝብለልና: ኣሰር እዚ ሓጢኣትና ኣብ ምሉእ ህይወትና ተሰኪምናዮ ኸም እንነብር ኰይኑ ኽስምዓና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

10 ካብ ጻዕዳ ኽዳን ማክያ ኸተልግስ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት ዝገበርካ እንተ ገበርካ: እቲ ማክያ ኣይለግስን ይኸውን። የሆዋ ይቕረ ንምባል ዘለዎ ኽእለት ብኸመይ ከም ዝገለጾ እሞ ርአ:- “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቔሔ: ከም በረድ ኪጽዕዱ: ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ: ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳይያስ 1:18 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እታ “ጁዅ” እትብል ቃል ንውዕዉዕ ቀይሕ ሕብሪ እያ እተመልክት። * “ዝዋውዕ” ከኣ ሓደ ኻብቲ ድሙቕ ሕብርታት እዩ።  ብጻዕርታትና ንሓጢኣት ፈጺምና ኸነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ግን ነቲ ከም ጁኽን ዝዋውዕን ቀይሑ ዝነበረ ሓጢኣትና: ከም በረድ ከጻዕድዎን ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኽገብሮን ይኽእል እዩ። ስለዚ: የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና ኸሎ: ኣሰር እዚ ሓጢኣትና ኣብ ምሉእ ህይወትና ተሰኪምናዮ ኸም እንነብር ኰይኑ ኽስምዓና የብሉን።

11. የሆዋ ንሓጢኣትና ናብ ድሕሪ ዝባኑ ዝድርብዮ ብኸመይ እዩ፧

11 ህዝቅያስ ካብ ዝቐትል ሕማም ምስ ሓወየ ኣብ ዝዘመራ ልቢ እትትንክፍ መዝሙር “ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ” በለ። (ኢሳይያስ 38:17 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ የሆዋ ንሓጢኣት እቲ በዳሊ ኣልዒሉ ናብቲ ንሓዋሩ ዘይርእየሉን ብዛዕባኡ ዘይሓስበሉን ድሕሪ ዝባኑ ኸም ዝድርብዮ ዀይኑ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሒዛቶ ዘላ ሓሳብ “[ንሓጢኣተይ] ከም ዘይነበረ ገበርካዮ” ተባሂሉ ኽግለጽ ከም ዝከኣል ይሕብር። እዝስ ዘጸናንዕዶ ኸይኰነ፧

12. ነብዪ ሚክያስ: የሆዋ ይቕረ ኽብል ከሎ ንሓጢኣትና ንሓዋሩ ኸም ዝድምስሶ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

12 ነብዪ ሚክያስ: የሆዋ ንዝናስሑ ህዝቡ ይቕረ ኸም ዝብለሎም ዘለዎ እምነት ክገልጽ ከሎ ‘ከማኻ ዝበለ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዘሕልፍ ኣምላኽ መን እዩ፧ ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ትድርብዮ’ በለ። (ሚክያስ 7:18, 19) እዚ ቓላት እዚ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ ግዜ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። “ናብ መዓሙቝ ባሕሪ” እተደርበየ ነገር እንደገና ንኽርከብ ተስፋ ኣለዎዶ፧ እምበኣር: ቃላት ሚክያስ የሆዋ ይቕረ ኽብል ከሎ: ንሓጢኣትና ንሓዋሩ ኸም ዝድምስሶ እየን ዝሕብራና።

13. እተን “በደልና ሕደገልና” ዝብላ ቓላት የሱስ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧

13 የሱስ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪ ንምብራህ ናይ ኣለቃሕትን ተለቃሕትን ምስላ ተጠቒሙ ኣሎ። (ማቴዎስ 18:23-35) “በደልና [“ዕዳና:” NW] ሕደገልና” ኢልና ኽንጽሊ እውን ተላብዩና እዩ። (ማቴዎስ 6:12) ኣብዚ የሱስ ንሓጢኣት ምስ ዕዳ እዩ ኣመሳሲልዎ ዘሎ። እወ: ክንሓጥእ ከሎና ንየሆዋ ሰብ “ዕዳኡ” ኢና እንኸውን። ይኹን እምበር: የሆዋ ይቕረ ኽብል ከሎ ነቲ ኽንከፍሎ ዝግብኣና ዕዳ ይስርዞ እዩ። ስለዚ እምበኣር ዝናስሑ ሓጢኣተኛታት ካብዚ ምጽንናዕ  ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ነቲ ዝሰረዞ ዕዳ ክኽፈሎ ፈጺሙ ኣይሓትትን እዩ!—መዝሙር 32:1, 2

14. እታ “ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም” እትብል ሓረግ ኣብ ኣእምሮና እንታይ እያ እትስእለልና፧

14 እቲ የሆዋ ዘለዎ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20 እውን ተወሳኺ መግለጺ ተዋሂብዎ ኣሎ። እታ ጥቕሲ ‘ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም ተነስሑን ተመለሱን’ ትብለና። እታ ኣብዚ ኽድምሰሰልኩም ተባሂላ ዘላ ሓረግ ካብታ “ምጽራግ . . . ምስራዝ ወይ ምጥፋእ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ግሲ እተወስደት እያ። ገሊኣቶም ምሁራት ከም ዝብልዎ እቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ንናይ ኢድ ጽሕፈት ምድምሳስ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘመሓላልፍ። እዚ ብኸመይ እዩ ዝከኣል፧ እቲ ኣብ ጥንቲ ዝዝውተር ዝነበረ ቐለም ከም ካርቦንን ዕንዲዳን ማይን ብዝኣመሰለ ሕውስዋስ ነገራት ተቓሚሙ እዩ ዝስራሕ ነይሩ። ሓደ ሰብ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቐለም ወይ ብርዒ ምስ ጸሓፈ ነቲ ጽሕፈት ብጥሉል ሰፍነግ ወይ ስፕኞ ክድምስሶ ይኽእል ነይሩ እዩ። እዚ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ዘብርህ ንጹር መግለጺ እዩ። ሓጢኣትና ኽሓድገልና ኸሎ ብሰፍነግ ገይሩ ይድምስሶ ኸም ዘሎ እዩ ዝቝጸር።

የሆዋ “ንይቕሬታ ድልው” ምዃኑ ኽንፈልጥ ይደልየና

15. የሆዋ ብዛዕባኡ እንታይ ክንፈልጥ እዩ ዝደልየና፧

15 ነዚ ምሳሌታት እዚ ኸነስተንትነሉ ኸሎና ልባዊ ነስሓ እንተደኣ ኣርኢና የሆዋ ሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና ድሉው ምዃኑ ክንፈልጥ ከም ዝደልየና ንጹርዶ ኸይኰነ፧ ንኸምዚ ዝበለ ሓጢኣት ነኺሱ ብምሓዝ ኣብ መጻኢ ክዝክሮ እዩ ኢልና ኽንፈርህ ኣየድልየናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ምሕረት የሆዋ ተወሳኺ መብርሂ ኽህብ ከሎ ይቕረ እንተደኣ ኢሉ ረሲዕዎ ማለት ምዃኑ እውን ይገልጸልና እዩ።

“ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ”

16, 17. መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ንሓጢኣትና ይርስዖ እዩ ኽብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ: ከምኡ ኢልካ ዝመለስካኸ ስለምንታይ ኢኻ፧

16 የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣባላት ናይቲ ሓድሽ ኪዳን “ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም: ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ” ብምባል ተመባጺዑ ኣሎ። (ኤርምያስ 31:34) እዚ ግን የሆዋ ይቕረ ክብል ከሎ ድሕሪኡ ነቲ ሓጢኣት ክዝክሮ ኣይክእልን እዩ ማለት ድዩ፧ እዚ ፈጺሙ  ክኸውን ዘይክእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ሓዊስካ: ሓጢኣት ናይቶም የሆዋ ይቕረ ዝበለሎም ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ይነግረና እዩ። (2 ሳሙኤል 11:1-17፣ 12:13) የሆዋ ነቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ሕጅውን ከም ዝፈልጦ ርዱእ እዩ። እቲ ብዛዕባ ሓጢኣቶም: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዘርኣይዎ ነስሓን ካብ ኣምላኽ ዝረኸብዎ ይቕረታን ዝገልጽ መዝገብ ንጥቕምና ተባሂሉ ተዓቂቡ ኣሎ። (ሮሜ 15:4) መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ንሓጢኣት ናይቶም ይቕረ ዝበለሎም ሰባት ‘ኣይዝክሮን’ እዩ ክብል ከሎ ደኣ እንታይ ማለቱ እዩ፧

17 እታ ‘ክዝክሮ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ ንዝሓለፈ ነገር ካብ ምዝካር ንላዕሊ እያ እተመልክት። ቲኦሎጂካል ዎርድቡክ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት “ግቡእ ስጕምቲ ምውሳድ ዘመልክት ተወሳኺ ትርጕም” ከም ዘለዋ ይሕብር። በዚ መዳይ እዚ ኽርአ ኸሎ እምበኣር:  ንሓጢኣት ‘ምዝካር’ ክበሃል ከሎ ኣንጻር እቲ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ስጕምቲ ምውሳድ ዘጠቓልል እዩ። (ሆሴእ 9:9) ስለዚ ኣምላኽ ‘ሓጢኣቶም ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ’ ክብል ከሎ: ንሓደ እተናስሐ ሓጢኣተኛ ሓንሳእ ይቕረ እንተደኣ ኢሉሉ: ኣብ መጻኢ ነቲ ሓጢኣት ዘኪሩ ስጕምቲ ከም ዘይወስደሉ እዩ ዘረጋግጸልና ዘሎ። (ህዝቅኤል 18:21, 22) ስለዚ ጸጸኒሑ ምእንቲ ኽወቕሰና ወይ ክቐጽዓና ኢሉ ንሓጢኣትና ብተደጋጋሚ ኸም ዘየልዕሎ እዩ ዘርኢ። ኣምላኽና ይቕረ እንተደኣ ኢሉ ይርስዖ ማለት ምዃኑ ምፍላጥናስ ዘጸናንዕዶ ኸይኰነ፧

ብዛዕባ ሳዕቤናቱኸ እንታይ እዩ ዝበሃሎ፧

18. ይቕረ ምባል ክበሃል ከሎ ሓደ እተናስሐ ሓጢኣተኛ ካብ ኵሉ ሳዕቤናት ናይቲ ዝፈጸሞ ግጉይ ተግባራት ናጻ ይኸውን እዩ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

18 የሆዋ ንይቕረታ ድሉው ምዃኑ: ንሓደ እተናስሐ ሓጢኣተኛ ካብ ኵሉ ሳዕቤናት ናይቲ ዝፈጸሞ በደል ናጻ ይገብሮ እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሓጢኣት ፈጺምና ኻብ ሳዕቤኑ ኸነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ጳውሎስ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” በለ። (ገላትያ 6:7) ስለዚ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ገለ ሳዕቤናት ከምጽኣልና ይኽእል እዩ። እዚ ግን የሆዋ ይቕረ ምስ በለልና ሕማቕ ነገር የውርደልና እዩ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ክርስትያን ሽግራት ከጋጥሞ ኸሎ ‘ምናልባት የሆዋ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸምክዎ ሓጢኣት እዩ ዝቐጽዓኒ ዘሎ’ ዝብል ስምዒት ከሕድር የብሉን። (ያእቆብ 1:13) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: የሆዋ ካብ ኵሉ ሳዕቤናት ናይቲ ዝፈጸምናዮ ግጉይ ተግባራት ኣየናግፈናን እዩ። ከም እኒ ፍትሕ: ዘይተደልየ ጥንሲ: ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም: ናይ ካልኦት ትውክልቲ ወይ ክብሪ ምስኣን ከተወግዶ ዘይትኽእል ሳዕቤን ሓጢኣት ክኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ነቲ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ባትሴባን ኡርያን ዝፈጸሞ ሓጢኣት ይቕረ ኢልሉ እኳ እንተ ነበረ: ካብቲ ቐጺሉ ዝወረዶ ሕማቕ ሳዕቤናት ከም ዘይተኸላኸለሉ ግን ዘክር።—2 ሳሙኤል 12:9-12

19-21. (ሀ) እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 6:1-7 ተመዝጊቡ ዘሎ ሕጊ ንተበዳልን ንበዳልን ጠቓሚ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ካልኦት ሰባት ምስ ዝጕድኡ: የሆዋ እንታይ ክንገብር ከለና እዩ ባህ ዝብሎ፧

19 ብፍላይ ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ካልኦት ሰባት ተሃስዮም እንተደኣ ዀይኖም: ካልእ ሳዕቤናት እውን ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ነቲ  ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 6 ዘሎ ጸብጻብ ንርአ። ሕጊ ሙሴ ኣብዚ ዝዛረበሉ ዘሎ ነገር: ሓደ ሰብ ናይ እስራኤላዊ ብጻዩ ንብረት: ብስርቂ: ብምዝራፍ: ወይ ብምትላል ናይ ምውሳድ ከቢድ ገበን ንዝፍጽመሉ ኵነታት ዘመልክት እዩ። እቲ ሓጢኣተኛ ገበን ከም ዘይፈጸመ ይኽሕድ: አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ብሓሶት እውን ይምሕል ይኸውን። እዚ ምስክር ኣብ ዘይብሉ ኵነታት እዩ። ጸኒሑ ግን: እቲ በደለኛ ሕልናኡ ይወቕሶ እሞ ሓጢኣቱ ይናሳሕ። ኣምላኽ ይቕረ ንኽብለሉ ግን: ሰለስተ ተወሳኺ ነገራት ክገብር ኣለዎ። እዚ ድማ ነቲ ዝወሰዶ ንብረት ክመልስ: ነቲ ዝሰረቖ ሰብ ተወሳኺ 20 ሚእታዊት ካሕሳ ክኸፍል: ንመስዋእቲ በደል ዝኸውን ድማ ሓደ ድዑል ከቕርብ ነበሮ። ድሕርዚ እቲ ሕጊ “እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ: . . . ኪሕደገሉ [ድማ] እዩ” ይብል።—ዘሌዋውያን 6:1-7

20 እዚ ሕጊ እዚ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው ክኸውን ከሎ ነቲ ንብረቱ እተመልሰሉ: እቲ በደለኛ ሓጢኣቱ ምስ ተኣመነ ኸኣ ብዙሕ ዕረፍቲ ዝስምዖ ተበዳሊ ዝጠቅም እዩ። ምስናይዚ ድማ: እቲ ሕጊ ነቲ ኣብ መወዳእታ ገበኑ ንኽእመንን ጌጋኡ ኽእርምን ሕልናኡ ዝደፋፍኦ ሰብ እውን ዝጠቅም እዩ። ከመይሲ: ከምኡ ምግባር እንተ ዝኣቢ: ኣምላኽ ይቕረ ኣይምበለሉን።

21 ሽሕ እኳ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እንተ ዘይኰንና: እቲ ሕጊ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ ነቲ ይቕረ ናይ ምባል ኣረኣእያኡ ሓዊስካ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ዓሚቝ ምርዳእ እዩ ዝህበና። (ቈሎሴ 2:13, 14) ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ካልኦት ሰባት ምስ ዝጕድኡ: ነቲ ጌጋ ንምእራም ዝከኣለና ኽንገብር ከሎና የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (ማቴዎስ 5:23, 24) እዚ ንሓጢኣትና ኣፍልጦ ምሃብ: በደልና ምእማን: ነቲ ዝጐዳእናዮ ሰብ ይቕረታ ምሕታት እውን ከይተረፈ ዘጠቓልል እዩ። ድሕርዚ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ተመርኲስና ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል: ነቲ ኻብ ጽሩይ ሕልናን ኣምላኽ ይቕረ ኸም ዝበለልና ካብ ምፍላጥን ዝርከብ ዕረፍቲ ድማ ነስተማቕር።—እብራውያን 10:21, 22

22. ምስቲ ናይ የሆዋ ይቕረታ ተተሓሒዙ እንታይ እዩ ኽመጽኣና ዝኽእል፧

22 የሆዋ ልክዕ ከም ፈቃር ወላዲ: እተወሰነ ተግሳጽ ብምሃብ ይቕረ ኽብል ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 3:11, 12) ሓደ እተናስሐ ክርስትያን  ካብቲ ኸም ሽማገለ: ኣገልጋሊ ጉባኤ: ወይ ከም ፓይነር መጠን ዝነበሮ ናይ ምግልጋል መሰል የቋርጽ ይኸውን። ኣኽቢሩ ዝርእዮ ዝነበረ መሰላት ንእተወሰነ ግዜ ምስ ዝሕደግ የሳቕዮ ይኸውን። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ተግሳጽ ምስ ዝወሃቦ የሆዋ ይቕረ ኣይበለሉን ማለት ኣይኰነን። እቲ ኻብ የሆዋ ዝመጽእ ተግሳጽ ከም ዘፍቅረና መረጋገጺ ምዃኑ እውን ኣይንረስዕ። ተቐቢልካ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ኸኣ ዝበለጸ ረብሓ እዩ ዘምጽኣልና።—እብራውያን 12:5-11

23. ምሕረት የሆዋ ኣባና ኸም ዘይዓዪ ገይርና ፈጺምና ክንሓስብ ዘይብልና ስለምንታይ እዩ: ነቲ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪኡ ኽንቀድሖ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

23 ኣምላኽና “ንይቕሬታ ድልው” ምዃኑ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዕረፍቲ ዝህብ ኰን እዩ! ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ ምሕረት የሆዋ ኣባና ኸም ዘይዓዪ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ነቲ ጌጋ ንምእራም ስጕምቲ ብምውሳድን ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ብምምርኳስ የሆዋ ይቕረ ንኽብለልና ካብ ልቢ ብምጽላይን ብሓቂ እንተደኣ ተናሲሕና: ይቕረ ኸም ዝብለልና ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 1:9) ሃየ እምበኣር: ኣብቲ ኣብ ንሓድሕድና እንገብሮ ርክብ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪ ንቕድሓዮ። እቲ ሓጢኣት ዘይገብር የሆዋ ብፍቕሪ ይቕረ ኽብለልና ዝኽእል ካብ ኰነ ንሕና ሓጥኣን ሰባትከ ኣብ ንሓድሕድና ይቕረ ንምብህሃል ዝከኣለና ኽንጽዕር ኣይግብኣናንዶ፧

^ ሕ.ጽ. 4 እታ “ፍጥረትና” ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስቲ ሓደ ሰራሕ መሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ መሬት ብምትሕሓዝ እውን ውዒላ ኣላ።—ኢሳይያስ 29:16

^ ሕ.ጽ. 10 ሓደ ምሁር ጁዅ “ዘይብለል: ወይ ዘይድብን ቀለም እዩ ነይሩ። ኣውሊ ዀነ ዝናም: ምሕጻብ ኰነ ንነዊሕ ግዜ ምጥቃም ኣየልግሶን እዩ ነይሩ” በለ።