1, 2. ንጉስ ዳዊት ብዙሕ ግዜ ጥልመት የጋጥሞ ኸም ዝነበረ ዝገልጸልና እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧

ንጉስ ዳዊት ብዙሕ ግዜ እዩ ጥልመት የጋጥሞ ነይሩ። ሓደ እዋን ኣብ ግዝኣቱ ሕንፍሽፍሽ ኣትይሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ገለ ኻብ ህዝቡ ውዲት ኣሊሞምሉ ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚውን: እቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ዝነበሩ እውን ከይተረፉ ጠሊሞምዎ እዮም። ኣብነት ናይታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዳዊት ዝነበረት ሚካል እሞ ንውሰድ። መጀመርታ ‘ንዳዊት ፈትያቶ’ ስለ ዝነበረት ኣብቲ ኸም ንጉስ መጠን ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕርታት ትሕግዞ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ጸኒሓ ግን “ብልባ ነዐቐቶ:” ሕሉፍ ሓሊፋ እኳ “ከንቱ ዝዀነ ሰብ” ገይራ እያ ቘጺራቶ።—1 ሳሙኤል 18:20፣ 2 ሳሙኤል 6:16, 20

2 ካልእ ኣብነት ንምጥቃስ ከኣ ንዳዊት ኣሒቶፌል ዝበሃል ኣማኻሪ ነበሮ። ምኽሩ ልክዕ ከም ቃል የሆዋ እዩ ዝርአ ነይሩ። (2 ሳሙኤል 16:23) መወዳእታኡ ግን እዚ እሙን ኣማኻሪ ዝነበረ ሰብኣይ ንዳዊት ከዲዑ: ምስቶም ኣንጻር ዳዊት እተላዕሉ ዓለወኛታት ሓበረ። ነቲ ዕልወት ዘለዓዓሎኸ መን እዩ ነይሩ፧ ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት እዩ! እዚ ተበላጺ ውዲተኛ “ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ:” ተወዳዳሪ ንጉስ ከኣ ዀነ። ንኣቤሴሎም ኣብ ዕልወቱ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝሰዓቦ ንጉስ ዳዊት ህይወቱ ንምድሓን ክሃድም ተገደደ።—2 ሳሙኤል 15:1-6, 12-17

3. ዳዊት ከመይ ዝኣመሰለ ምትእምማን እዩ ነይርዎ፧

3 ንዳዊት ኵሉ ድዩ ኸዲዕዎ፧ ዳዊት ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት ከሕልፍ ከሎ ዘይጠልሞ እሙን ብጻይ ከም ዝነበሮ ይፈልጥ ነይሩ። ንሱ መን እዩ፧ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ሓሊፉ ካልእ መን ክኸውን ይኽእል፧ ብዛዕባ የሆዋ “ምስቶም እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ” በለ። (2 ሳሙኤል 22:26 ትርጕም 1990) ተኣማንነት እንታይ ማለት እዩ: የሆዋ ነዛ ባህሪ እዚኣ ብምንጽብራቕ ዝመጸ ዝለዓለ ኣብነት ዝዀነናኸ ብኸመይ እዩ፧

 ተኣማንነት እንታይ ማለት እዩ፧

4, 5. (ሀ) “ተኣማንነት” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ህይወት ዘይብሎም ነገራት ዘርእይዎ ተኣማንነት ካብቲ ሓደ ምስትውዓል ዘለዎ ህያው ኣካል ዘርእዮ ተኣማንነት ዝፍለ ብኸመይ እዩ፧

4 ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተኣማንነት ክበሃል ከሎ ብፍቕሪ ተለዓዒልካ ምስ ሓደ ኣካል እትገብሮ ሕያውነት እተሓወሶ ጽኑዕ ርክብ ማለት እዩ። እዚ ሕያውነት እዚ ምስቲ ኣካል እቲ እተተሓሓዘ ዕላምኡ ክሳዕ ዝወቅዕ ኣየቋርጽን እዩ። ሓደ እሙን ሰብ ፈቃር እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ወርሒ ወትሩ ለይቲ ለይቲ ስለ እተብርህ “ኣብ ሰማይ ዘላ እምንቲ ምስክር” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። (መዝሙር 89:37 ትርጕም 1990) ስለዚ እምበኣር ወርሒ ትውክልቲ ኽግበረላ ስለ ዝከኣል እምንቲ ተባሂላ ኣላ። ንሓደ ምስትውዓል ዘለዎ ህያው ኣካል እሙን ክንብሎ ኸሎና ግን ካብቲ ንወርሒ እንብሎ ፍልይ ዝበለ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ምስትውዓል ዘለዎ ህያው ኣካል ዘርእዮ ተኣማንነት ህይወት ዘይብሎም ነገራት ከንጸባርቕዎ ዘይክእሉ ናይ ፍቕሪ መግለጺ እዩ።

ወርሒ እምንቲ ምስክር እኳ እንተ ተባህለት፡ ንተኣማንነት የሆዋ ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ ግና ምስትውዓል ዘለዎም ህያዋን ፍጥረታት ጥራይ እዮም

5 ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት: ተኣማንነት ምስ ፍቕሪ እተተሓሓዘት ባህሪ እያ። ኣብ መንጎ እቲ ነዛ ባህሪ እዚኣ ዘንጸባርቓ ምስትውዓል ዘለዎ ኣካልን ኣብ መንጎ እቲ እተንጸባረቐሉ ኣካልን ርክብ ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ተለዋዋጢ ኣይኰነን።  ከምቲ ብንፋስ ንየው ነጀው ዝጻፋዕ ማዕበል ባሕሪ እውን ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ተኣማንነት ነቲ ኣዝዩ ከቢድ ጸገማት እውን ከይተረፈ ንኸተሰንፎ ክሕግዘካ ዝኽእል ጽንዓትን ሓይልን ዝህብ እዩ።

6. (ሀ) ተኣማንነት ኣብ ደቅሰብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ብርቂ ዀይኑ ዘሎ: መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ እዚ እንታይ እዩ ዝብል፧ (ለ) ተኣማንነት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ዝሕግዘና ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ: ስለምንታይከ፧

6 ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ክትረክብ ብርቂ እዩ። ናይ ማሕርሮ ኣዕሩኽ ዝነበሩ ሰባት ንሓድሕዶም ‘ክጣፍኡ’ ልሙድ እዩ። በብግዜኡ ብዛዕባ እተጠላለሙ ሰብ ሓዳር ንሰምዕ ኢና። (ምሳሌ 18:24፣ ሚልክያስ 2:14-16) ምጥልላም ኣዝዩ ልሙድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ነቲ ነብዪ ሚክያስ “ጻድቕ [“እሙን ሰብ:” NW] ካብ ምድሪ ጠፍኤ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ክንደግሞ ንኽእል ኢና። (ሚክያስ 7:2) ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ተኣማንነት ዘየርእዩ እኳ እንተዀኑ: ንየሆዋ ግን እዛ ባህሪ እዚኣ መለለይቱ እያ። ስለዚ ተኣማንነት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ዝሕግዘና ዝበለጸ መገዲ የሆዋ ነዛ ምስ ፍቕሩ እተተሓሓዘት ዓባይ ባህሪ ብኸመይ ከም ዘንጸባረቓ ምምርማር እዩ።

እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ተኣማንነት የሆዋ

7, 8. የሆዋ በይኑ እዩ እሙን ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ እዩ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ [“እሙን:” NW]” ይብሎ። (ራእይ 15:4) በይኑ እሙን እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ ሰባትን መላእኽትን እሙናት ዝዀኑሉ ግዜያት የለንዶ እዩ፧ (እዮብ 1:1፣ ራእይ 4:8) የሱስ ክርስቶስከ፧ ቀንዲ “እሙን” ኣምላኽዶ ኸይኰነ፧ (መዝሙር 16:10 NW) ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ እሞ የሆዋ በይኑ እዩ እሙን ክበሃል ዝከኣል፧

8 ቅድም ቀዳድም ተኣማንነት ናይ ፍቕሪ መግለጺ ምዃኑ ንዘክር። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። ስለዚ ነዛ ባህሪ እዚኣ ኻብ የሆዋ ንላዕሊ ገይሩ ምሉእ ብምሉእ ከንጸባርቓ ዝኽእል መን ክህሉ ይኽእል፧ (1 ዮሃንስ 4:8 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) መላእኽትን  ሰባትን ንባህርያት ኣምላኽ ብሓቂ ኸንጸባርቕዎ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ናይ ተኣማንነት ባህሪ ምሉእ ብምሉእ ከንጸባርቕ ዝኽእል ግን የሆዋ ጥራይ እዩ። “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ብምዃኑ ኻብ ምድራውያን ወይ ሰማያውያን ፍጥረታት ንላዕሊ እዩ ነዛ ባህሪ እዚኣ ዘንጸባርቓ። (ዳንኤል 7:9) ስለዚ: እቲ ዝለዓለ ኣብነት ናይ ተኣማንነት የሆዋ እዩ። ከም ናቱ ገይሩ ኸንጸባርቖ ዝኽእል ማንም ፍጡር ከኣ የለን። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

9. የሆዋ “ብዅሉ መገዱ እሙን” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

9 የሆዋ “ብዅሉ መገዱ ጻድቕ [“እሙን:” NW]” እዩ። (መዝሙር 145:17) ብኸመይ እዩ እሙን ዝኸውን፧ መዝሙር 136 ነዚ መልሲ ትህበና እያ። ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበረሎም ድሕነት ሓዊስካ የሆዋ ንምድሓን እተጠቕመሉ ሓያሎ ተግባራት ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ዘሎ ዅሉ ቍጽርታት “ሳህሉ [ወይ: ተኣማንነቱ] ንዘለኣለም ይነብር እዩ” (NW) ይብለና። እዛ መዝሙር እዚኣ ኣብቲ ኣብ ገጽ 289 ዘሎ ንምስትንታን ዝኸውን ሕቶታት ቀሪባ ኣላ። ነቲ ጥቕስታት ከነንብቦ ኸለና በቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝገለጸሉ ናይ ተኣማንነቱ ሓያሎ መገድታት ካብ ምግራም ሓሊፍና እንብሎ የብልናን። እወ: ንኣውያት እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ብምስማዕን ኣብ ግዜኡ ኸኣ ምላሽ ብምሃብን ተኣማንነቱ የርኢ እዩ። (መዝሙር 34:6) እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘለዎ ተኣማንነት ንሳቶም ንዕኡ እሙናት ኰይኖም ክሳዕ ዝቐጸሉ ኣይቅየርን እዩ።

10. የሆዋ ኣብ ስርዓታቱ ተኣማንነቱ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 የሆዋ ንስርዓታቱ ኣጽኒዑ ብምሕላው እውን ንኣገልገልቱ ዘለዎ ተኣማንነት የርኢ እዩ። ነቲ ብዛዕባ ቅኑዕን ጌጋን ዘለዎ ኣረኣእያ ኸምቶም ብስምዒት ሓሳባቶም ዝቐያይሩ ደቅሰብ ኣይቅይሮን እዩ። ብዛዕባ መናፍስትነት: ኣምልኾ ጣኦት: ቅትለት ዝኣመሰለ ኣረኣእያኡ ኣብ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ኣይተቐየረን። ብነብዪኡ ኢሳይያስ ኣቢሉ “ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ” ኢሉ ገለጸ። (ኢሳይያስ 46:4) ስለዚ እምበኣር: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ንጹር ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ብምስዓብ  ክንጥቀም ከም እንኽእል ምትእምማን ከነሕድር ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 48:17-19

11. የሆዋ እተመባጽዖ ቓላት ብምሕላው ዝመጸ እሙን ምዃኑ ዝገልጽ ኣብነታት ሃብ።

11 የሆዋ ነቲ እተመባጽዖ ቓላት ብምሕላው እውን እሙን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ሓደ ነገር ክኸውን ምዃኑ እንተደኣ ነጊሩ ይፍጸም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ የሆዋ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ . . . ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ብምባል ገለጸ። (ኢሳይያስ 55:11) የሆዋ ቓሉ ብምሕላው ንህዝቡ ዘለዎ ተኣማንነት ኣርእዩ እዩ። ንዘይፍጽሞ ነገር ብሃንቀውታ ኸጸብዮም ኣይደልን እዩ። በዚ ዝመጸ ፈጺሙ ዘይንቀፍ ካብ ምዃኑ እተላዕለ እኳ እቲ ኣገልጋሊኡ ዝነበረ እያሱ “ካብቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ገለ ቓል እኳ ኣይወደቐን: ኵሉ ደኣ ተፈጸመ” ክብል ክኢሉ እዩ። (እያሱ 21:45) ስለዚ እምበኣር: መብጽዓታቱ ብምፍጻም ዝመጸ ፈጺሙ ኸም ዘየሕፍረና ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 49:23፣ ሮሜ 5:5

12, 13. ሳህሊ የሆዋ ‘ንዘለኣለም ዝነብር’ በየናይ መገድታት እዩ፧

12 ኣቐዲምና ኸም ዝረአናዮ መጽሓፍ ቅዱስ ሳህሊ የሆዋ ‘ንዘለኣለም ከም ዝነብር’ ይነግረና እዩ። (መዝሙር 136:1) ከመይ ኢሉ እዩ ግን ንዘለኣለም ዝነብር፧ ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ: የሆዋ ንሓጢኣት ይቕረ እንተደኣ ኢሉ ንሓዋሩ እዩ ይቕረ ዝብል። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 26 እተመያየጥናሉ ኸኣ ንሓደ ሰብ ሓንሳእ ይቕረ እንተደኣ ኢልሉ ንዝፈጸሞ ጌጋታት እንደገና ኣይዝክረሉን እዩ። ስለዚ ‘ኵላትና ስለ ዝሓጣእናን ክብሪ ኣምላኽውን ስለ ዝሰኣንናን’ በቲ ንዘለኣለም ዝነብር ሳህሊ የሆዋ ኸነመስግን ይግብኣና።—ሮሜ 3:23

13 ይኹን እምበር: ሳህሊ የሆዋ ብኻልእ መዳይ እውን ንዘለኣለም ይነብር እዩ። ቃሉ ብዛዕባ ጻድቕ ሰብ “ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ይብለና። (መዝሙር 1:3) ብዛዕባ  ሓንቲ ቈጽላ ዘይረግፍ ኦም እሞ ንሕሰብ! ንሕናውን ብቓል ኣምላኽ ብሓቂ ባህ ዝብለና እንተደኣ ዀይኑ: ዕድሜና ይነውሕ: ሰላማውን ኣሳልጦ ዘለዎን ናብራ ኸኣ ንነብር። እቲ የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዝህቦም በረኸታት ዘለኣለማዊ እዩ። ብሓቂ ድማ ኣብታ ጽድቂ ዝነብረላ የሆዋ ዘምጽኣ ሓዳስ ዓለም እዙዛት ደቅሰብ ንሳህሊ የሆዋ ንዘለኣለም እናስተማቐርዎ ኽነብሩ እዮም።—ራእይ 21:3, 4

የሆዋ “ንእሙናቱ ኣይሓድጎምን እዩ”

14. የሆዋ ንተኣማንነት ኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዘማስወሉ፧

14 የሆዋ ብተደጋጋሚ ተኣማንነቱ ገሊጹ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ መትከሉ ዝጸንዕ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ንእሙናቱ ዘርእዮ ተኣማንነት ፈጺሙ ኣይጐድልን እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንእሽቶ ነበርኩ: አሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን። እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ: ንቕዱሳኑ [“ንእሙናቱ:” NW] ኸኣ ኣይሐድጎምን” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 37:25, 28) የሆዋ ኸም ፈጣሪ መጠን ክምለኽ ዝግብኦ ኣምላኽ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። (ራእይ 4:11) ምስናይዚ ግን እሙን ብምዃኑ ነቲ ናይ ተኣማንነት ተግባራትና ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮ።—ሚልክያስ 3:16, 17

15. እቲ የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ዝገበሮ ርክብ ንተኣማንነቱ ብኸመይ ከም ዘጕልሖ ግለጽ።

15 የሆዋ ህዝቡ ኣብ ጸበባ ኣብ ዝወደቕሉ ግዜ ብሳህሉ ብተደጋጋሚ ሓጊዝዎም እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ነፍሲ ቕዱሳኑ [“እሙናቱ:” NW] ይሕሉ: ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም” ይብለና። (መዝሙር 97:10) ነቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ እሞ ንርአ። ንእስራኤላውያን ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኣድሓኖም “ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ [“ብሳህልኻ:” NW] መራሕካ” እናበሉ ዘመሩሉ። (ዘጸኣት 15:13) የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ዘድሓኖም እሙን ስለ ዝዀነ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ሙሴ ኸምዚ ዝበሎም:- “እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝሐረየኩምን: ካብ ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኩም ኣይኰነን: ካብ ኵሎም ህዝብታት እኳ ንስኻትኩም ትውሕዱ። እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም  ዝመሐለሎም ማሕላ ስለ ዝሐለወን: እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ኣውጽኣኩም: ካብ ቤት ባርነት ድማ: ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ: ኣድሐነካ።”—ዘዳግም 7:7, 8

16, 17. (ሀ) እስራኤላውያን ዘይመማሰውቲ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም: ይኹን እምበር የሆዋ ብኸመይ እዩ ድንጋጹ ዘርኣዮም፧ (ለ) መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ‘ፈውሲ ከም እተሳእነሎም’ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም: እዚኸ ከመይ ዝኣመሰለ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት እዩ ዝዀነና፧

16 እስራኤላውያን ከም ህዝቢ መጠን ነቲ የሆዋ ዘርኣዮም ሳህሊ ሞሳኦም ኻብ ምግላጽ ኣቋሪጾም እዮም: ከመይሲ ድሕሪ ድሕነቶም “ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም: እናቐጸሉ በደልዎ።” (መዝሙር 78:17) ንዘመናት ዝኣክል ንየሆዋ ሓዲጎም ናብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብምምላስን ነቲ ርኹስ ተግባራቶም ብምፍጻምን ዓለወኛታት ኰይኖም እዮም። ገና ግን የሆዋ ነቲ ምሳታቶም ዝኣተዎ ኺዳን ኣየፍረሶን። ኣብ ክንድኡስ ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ “ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል: ኣነ መሓሪ [“እሙን:” NW]: . . . ገጸይ ከኣ ኣይክጭምድደልኩምን እየ እሞ ተመለሲ” እናበለ ለመኖም። (ኤርምያስ 3:12) ይኹን እምበር: ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 25 እተገልጸ: መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ለውጢ ንምግባር ኣይተደረኹን። አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ “ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኣላገጹሎም: ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዐቕዎ: ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም።” ፍሪኡኸ እንታይ ነበረ፧ ኣብ መወዳእታ ‘ፈውሲ ኽሳዕ ዝሰኣን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ደየበ።’—2 ዜና መዋእል 36:15, 16

17 ካብዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧ ተኣማንነት የሆዋ ኣብቶም ብእከይ ዝመላለሱ ሰባት ገደብ ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ሓቂ እዩ የሆዋ “በዓል ብዙሕ ለውሃትን [“ሳህልን:” NW] ሓቅን” ብምዃኑ ብቑዕ ምኽንያት ክረክብ ከሎ ምሕረት ከርኢ ባህ እዩ ዝብሎ። ይኹን እምበር: ሓደ ገባር እከይ ካብ እኩይ ተግባራቱ ዘይእረም ምስ ዝኸውንከ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት የሆዋ ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ብምስምማዕ ናይ ኵነኔ ፍርዲ ይህብ እዩ። ከምቲ ንሙሴ ዝበሎ ኸኣ ብመሰረት እቲ ብ1990 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ኣይሓድጎን እዩ።’—ዘጸኣት 34:6, 7

18, 19. (ሀ) የሆዋ ንእኩያት ምቕጽዑ መርኣያ ተኣማንነቱ ዝኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ክሳዕ ሞት መስጐጕቲ ዝወረዶም ኣገልገልቱ ተኣማንነቱ ዘርእዮም ብኸመይ እዩ፧

 18 እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እኩያት ዘውርዶ መቕጻዕቲ እውን እንተዀነ ተኣማንነቱ ዘርኢ እዩ። ብኸመይ፧ ነዚ ክሕብረልና ዝኽእል ሓደ ኣብነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዝርከብ “ኪዱ: ነቲ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዝብል ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ዝሃቦም ትእዛዝ እዩ። እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ጽዋኡ “ናብ ርባታትን ዔላታትን” ምስ ኣፍሰሶ ደም ኰነ። ሽዑ እቲ መልኣኽ ንየሆዋ “ኣታ ቅዱስ: [“እሙን:” NW] ዘሎኻን ዝነበርካን: እዚ ብምፍራድካ ጻድቕ ኢኻ: ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ: ንስኻ ድማ ኪሰትዩ ደም ሀብካዮም: ዚግብኦምውን እዩ” በለ።—ራእይ 16:1-6

የሆዋ ነቶም ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ እሙናት ዝዀኑ ኣገልገልቱ ብተኣማንነት ኪዝክሮምን ኬተንስኦምን እዩ

19 እቲ መልኣኽ ነቲ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ኽእውጅ ከሎ ንየሆዋ “እሙን” ኢሉ ምጥቃሱ እሞ ነስተብህለሉ። ስለምንታይ እዩ እሙን ኢልዎ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ንእኩያት ብምጥፋእ ነቶም ክሳዕ ሞት መስጐጕቲ ዝወረዶም ሓያሎ ኣገልገልቱ ተኣማንነቱ ዘርኢ ብምዃኑ እዩ። የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ከም ህያዋን ገይሩ እዩ ዝዝክሮም። ነዞም ብሞት እተፈልዩ እሙናት ኣገልገልቱ እንደገና ኽርእዮም ይናፍቕ እዩ:  ብትንሳኤ ዓስቦም ክህቦም ምዃኑ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና። (እዮብ 14:14, 15) እወ: የሆዋ እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ምስ ሞቱ ኣይርስዖምን እዩ። መሕልፎ እኳ ደኣ “ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም።” (ሉቃስ 20:37, 38) የሆዋ ነቶም ኣብ ዝኽሩ ዘለዉ ንኸተንስኦም ዝገበሮ ዕላማ ናይ ተኣማንነቱ ሓያል መረጋገጺ እዩ።

በርናርድ ሎይመስን (ላዕለዋይ) ዎልፍጋንግ ኩሴሮውን (ማእከላይ) ብናዚ ተቐትሉ

ሞሰስ ንያሙሱዋ (የማናይ) ብሓደ ፖለቲካዊ ጕጅለ ተቐትለ

ተኣማንነት የሆዋ መገዲ ድሕነት ይኸፍት

20. “ኣቓሑ ምሕረት” መን እዮም: የሆዋኸ ብኸመይ እዩ ተኣማንነቱ ዘርእዮም፧

20 የሆዋ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ንእሙናት ደቅሰብ ጕሉሕ ተኣማንነት ኣርእይዎም እዩ። ንኣሽሓት ዓመታት ዝኣክል ‘ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እዩ ጸይርዎም።’ ስለምንታይ፧ “ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቓሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም” እዩ። (ሮሜ 9:22, 23) እዞም “ኣቓሑ ምሕረት” እዚኣቶም ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ንኽነግሱ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ  ቅኑዕ ድራኸ ዘለዎም ሰባት እዮም። (ማቴዎስ 19:28) የሆዋ ነዞም ኣቓሑ ምሕረት ዝዀኑ ሰባት መገዲ ድሕነት ብምኽፋት ነቲ “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ብምባል መብጽዓ ዝኣተወሉ ኣብርሃም እሙን ምዃኑ ኣርኣየ።—ዘፍጥረት 22:18

ሳላ ተኣማንነት የሆዋ ዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ ብዛዕባ መጻኢ ዘተኣማምን ተስፋ ኣለዎም

21. (ሀ) የሆዋ ነቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ወጺኦም ኣብ ምድራዊት ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ዝጽበዩ “ብዙሓት ሰብ” ተባሂሎም ዘለዉ ዓብዪ ጭፍራ ብኸመይ እዩ ተኣማንነቱ ዘርኣዮም፧ (ለ) ተኣማንነት የሆዋ እንታይ ንኽትገብር እዩ ዝድርኸካ፧

21 የሆዋ ነቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ወጺኦም ኣብ ምድራዊት ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ዝጽበዩ “ብዙሓት ሰብ” ተባሂሎም ዘለዉ ዓብዪ ጭፍራ እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ኣርእይዎም እዩ። (ራእይ 7:9, 10, 14) ሽሕ እኳ ዘይፍጹማት እንተዀኑ: የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ብተኣማንነቱ ኸፈተሎም። ነዚ ብኸመይ እዩ ዝገበሮ፧ በቲ ዝዓበየ መግለጺ ተኣማንነቱ ዝዀነ በጃ ገይሩ እዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:8) ተኣማንነት የሆዋ ነቶም ብልቦም ጽድቂ ዝጠምዩ ሰባት ይስሕቦም እዩ። (ኤርምያስ 31:3) በቲ የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ዘርኣዮን ብሕጂ ዘርእዮን ተኣማንነት ናብ የሆዋ ዝቐረብካ ዀይኑዶ ኣይስምዓካን፧ ንኣምላኽ ክንቀርቦ ንደሊ ኻብ ኰንና: ነቲ ብተኣማንነት ንኸነገልግሎ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ብምድልዳል ንፍቕሩ ምላሽ ንሃበሉ።