ካብ ኵሉ ባህርያት የሆዋ እታ ዝያዳ ዓብላሊት ባህሪ ፍቕሪ እያ። እታ ዝያዳ ማራኺት ድማ ንሳ እያ። ነቲ ባህ ዘብል መዳያት ናይዛ ኸም ክብርቲ ዕንቊ ዝዀነት ባህሪ ኽንምርምር ከሎና መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ከም ዝበለ ንኽንርዳእ ክሕግዘና እዩ።—1 ዮሃንስ 4:8