1-3. የሆዋ ትሑት ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ሓደ ኣቦ ንሓደ ንእሽቶ ውሉዱ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽምህሮ ምስ ዝደሊ ልቡ ኽትንክፎ እዩ ዝጽዕር። እንታይ ዓይነት ኣቀራርባ እዩ ኽጥቀም ዘለዎ፧ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ እናኣፈራርሀ ድዩ ዝጭድረሉ፧ ወይስ ተምበርኪኹ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተ ብልኡምን ብዝስሕብን ቓላት እዩ ዝዛረቦ፧ ሓደ ጥበበኛን ትሑትን ኣቦ ልኡም ኣቀራርባ እዩ ዝጥቀም።

2 የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣቦ እዩ: ዕቡይ ወይስ ትሑት: ተሪር ወይስ ልኡም፧ የሆዋ ኵሉ ዝፈልጥ: ኵሉ ዓይነት ጥበብ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ። ይኹን እምበር: ፍልጠትን ምስትውዓልን ንሰባት ትሑታት ይገብሮም እዩ ማለት ከም ዘይዀነ ኣስተብሂልካዶ ኣሎኻ፧ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “ፍልጠት ይነፍሕ” እዩ። (1 ቈረንቶስ 3:19፣ 8:1) እቲ “ብምስትውዓል ጠቢብ” ዝዀነ የሆዋ ግን ትሑት እውን እዩ። (እዮብ 9:4) ትሑት እዩ ኽበሃል ከሎ ግን ብመዓርግ ታሕቲ እዩ ወይ ክብሪ የብሉን ማለት ዘይኰነስ ዕቡይ ኣይኰነን ማለት እዩ። ስለምንታይ ግን፧

3 የሆዋ ቅዱስ ስለ ዝዀነ እቲ ዘርክስ ትዕቢት የብሉን። (ማርቆስ 7:20-22) ብተወሳኺ ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ “ነፍስኻ [የሆዋ ባዕሉ] ከየባተኸት ትዝክረኒ ኣብ ልዕለይ ከኣ ደኒና ኣላ” ኢሉ እተዛረቦ ሓሳብ ዘክሮ። * (ድጕዓ ኤርምያስ 3:20 NW) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ነቲ ዘይፍጹም ሰብ ዝነበረ ኤርምያስ ቈላሕታ ንኽገብረሉ ‘ድንን’ ኢሉ: ወይ ከኣ ናብ ደረጃ ኤርምያስ ወሪዱ ማለት እዩ። (መዝሙር 113:7) እወ: የሆዋ ትሑት እዩ። ይኹን እምበር: እታ ኣምላኽ ዘንጸባርቓ ትሕትና እንታይ ዘጠቓለለት  እያ፧ ምስ ጥበብ እተተሓሓዘትከ ብኸመይ እያ፧ ንዓና ኣገዳሲት ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧

የሆዋ ትሑት ምዃኑ ዘረጋገጸሉ መገዲ

4, 5. (ሀ) ትሕትና እንታይ እያ: ብኸመይከ እያ እትግለጽ: ድኻም ወይ ፍርሂ ከም ዝዀነት ገይርካ ክትውሰድ ዘይብላኸ ስለምንታይ እያ፧ (ለ) የሆዋ ምስ ዳዊት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ: ንዓናኸ ትሕትና የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እያ እተድልየና፧

4 ትሕትና ኣንጻር ትዕቢት እያ። እዛ ውሽጣዊት ናይ ልቢ ባህሪ ዝዀነት ትሕትና ብኸም እኒ ለውሃት: ትዕግስቲ: ልእመት ዝኣመሰለ ባህርያት ትግለጽ እያ። (ገላትያ 5:22, 23) ይኹን ደኣ እምበር: እዚ ኣምላኻዊ ባህርያት እዚ ምስ ድኻም ወይ ሕፍረት ክጽብጸብ የብሉን። ምስቲ ጽድቃዊ ቍጥዓ የሆዋ ወይ ከኣ ምስቲ ንምዕናው ዝጥቀመሉ ሓይሉ ዝጋጮ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ብትሕትናኡን ልእመቱን: ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ወይ ከኣ ንገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምቍጽጻር ክእለቱ ዘርኢ እዩ። (ኢሳይያስ 42:14) ትሕትና ምስ ጥበብ እተተሓሓዘት ብኸመይ እያ፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ከምዚ በለ:- “ትሕትና . . . ዘይምስሳዕ ተባሂላ እያ እትግለጽ: ምንጪ ናይ ኵሉ ጥበብ ከኣ  እያ።” ስለዚ ብዘይትሕትና ናይ ሓቂ ጥበብ ክጥረ ኣይክኣልን እዩ። ትሕትና የሆዋ ብኸመይ እያ ክትጠቕመና እትኽእል፧

ሓደ ፈቃር ኣቦ ምስ ደቁ ብትሕትናን ብልእመትን እዩ ዚዘራረብ

5 ንጉስ ዳዊት “ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ: የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ: ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ” ብምባል ናብ የሆዋ ዘመረ። (መዝሙር 18:35) ብኻልእ ኣዘራርባ የሆዋ ነዚ ዘይፍጹም ሰብ እዚ መዓልቲ መዓልቲ እናዕቘበን እናሓብሓበን ብምሕጋዝ ርእሱ ኣትሕት ኣበለ። ዳዊት ድሕነት ክረክብ: አረ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም ንጉስ መጠን ክብ ክብል እንተደኣ ዀይኑ የሆዋ በዚ መገዲ እዚ ርእሱ ትሕት ከብል ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብሓቂ ድማ የሆዋ ከም ለዋህን ፈቃርን ኣቦ መጠን ርእሱ ትሕት ከብል ፍቓደኛ እንተ ዘይከውን ነይሩ መን ካባና እዩ እሞ ናይ ድሕነት ተስፋ ክረክብ ዝኽእል፧

6, 7. (ሀ) የሆዋ በየናይ መገዲ እዩ ትሑት ዝበሃል፧ (ለ) ኣብ መንጎ ለውሃትን ጥበብን እንታይ ርክብ እዩ ዘሎ: በዚ መዳይ እዚ ፍጹም ኣብነት ዝዀነናኸ መን እዩ፧

6 ትሕትና እሙናት ክርስትያናት ከንጸባርቕዋ ዘለዎም ባህ እተብል ባህሪ እያ። ምስ ጥበብ ከኣ ተተሓሒዛ ኣላ። ንኣብነት: ምሳሌ 11:2 “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ” ትብለና። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ከም ናይ ደቅሰብ ዓይነት ትሕትና ከም ዘለዎ ገይሩ ፈጺሙ ኣይዛረበሉን እዩ። ስለምንታይ፧ ትሕትና ይጐድሎ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ትሕትና ምስ ደቅሰብ ብምትሕሓዝ ክትጥቀስ ከላ ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ እውን ተመልክት እያ። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ብዘይካ ኣብቲ ምእንቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ኽብል ባዕሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝገብሮ ደረት እንተ ዘይኰይኑ: ዓቕሙ እተወሰነ ኣይኰነን። (ማርቆስ 10:27፣ ቲቶስ 1:2) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ልዑል ኣምላኽ ብምዃኑ ንማንም ሰብ ኣይግዛእን እዩ። ስለዚ: ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ዝትርጕሙ ዓይነት ትሕትና ኣብ የሆዋ ኣይዓይን እዩ።

7 ይኹን እምበር: የሆዋ ምስ ደቅሰብ ርክብ ንምግባር ፍቓደኛ ብምዃኑ ግን ትሑት እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ። ብዘይዚ እውን የሆዋ ለዋህ እዩ። ለውሃት ናይ ሓቂ ጥበብ ንምርካብ ኣድላዪት ምዃና ንኣገልገልቱ ምሂርዎም እዩ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ለውሃት ጥበብ” ይዛረብ  እዩ። * (ያእቆብ 3:13) የሆዋ በዚ መዳይ እዚ ብሉጽ ኣብነት እዩ ዝዀነና። ነዚ ብኸመይ ከም ዝገብሮ እስከ ንርአ።

የሆዋ ብትሕትና ሓላፍነት ይህብን ጽን ኢሉ ይሰምዕን

8-10. (ሀ) የሆዋ ሓላፍነት ንምሃብ ኰነ ጽን ኢሉ ንምስማዕ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣርዚንካ ዝርአ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምስ መላእኽቱ ብትሕትና እተመላለሰ ብኸመይ እዩ፧

8 የሆዋ ሓላፍነት ንምሃብን ጽን ኢሉ ንምስማዕን ፍቓደኛ ምዃኑ ትሕትናኡ ዘረጋግጽ እዩ። የሆዋ ሓገዝ ወይ ምኽሪ ዘየድልዮ ኽነሱ ጽን ኢሉ ምስምዑ ብሓቂ ዘደንቕ እዩ። (ኢሳይያስ 40:13, 14፣ ሮሜ 11:34, 35) የሆዋ በዚ መዳይ እዚ ርእሱ ትሕት ከም ዘብል መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ይገልጸልና።

9 ንኣብነት: ኣብ ናብራ ህይወት ኣብርሃም እተራእየ ፍሉይ ኵነታት ንርአ። ንኣብርሃም ሰለስተ ኣጋይሽ መጽዎ: ንሓደ ኻባታቶም ከኣ “የሆዋ” እናበለ እዩ ዝዛረቦ ነይሩ። እቶም ኣጋይሽ መላእኽቲ እዮም ነይሮም: ሓደ ኻባታቶም ግን ብስም የሆዋ እዩ መጺኡ: ከም ስም የሆዋ ዀይኑ ኸኣ እዩ ዝዓዪ ነይሩ። እቲ መልኣኽ እቲ ኽዛረብን ክዓዪን ከሎ ብተዘዋዋሪ የሆዋ እዩ ዝዛረብን ዝዓዪን ነይሩ። የሆዋ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ “ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን” ከም ዝሰምዐ ንኣብርሃም ነገሮ። የሆዋ ኸኣ “ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተ ዀይኖም ክፈልጥ: ወሪደ ኽርኢ እየ” በለ። (ዘፍጥረት 18:3, 20, 21) ልክዕ እዩ: የሆዋ ከምዚ ኽብል ከሎ ብኣካል ናብ ምድሪ ‘ክወርድ’ ማለቱ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ንዕኡ ዝውክሉ መላእኽቲ እዩ እንደገና ልኢኹ። (ዘፍጥረት 19:1) ስለምንታይ ግን፧ እቲ ንዅሉ ኽርኢ ዝኽእል የሆዋ ነቲ ናይ ሓቂ ዅነታት ናይቲ ኸባቢ ባዕሉ ‘ኽፈልጦ’ ኣይምኸኣለንዶ፧ ብርግጽ ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቶም መላእኽቲ ነቲ ዅነታት ከጽንዕዎ: ነቶም ኣብ ሶዶም ዝነበሩ ሎጥን ስድራቤቱን ከኣ ክበጽሕዎም ብትሕትና ሓላፍነት ሃቦም።

 10 የሆዋ ጽን ኢሉ እውን ይሰምዕ እዩ። ሓደ እዋን እኳ ነቲ እኩይ ንጉስ ኣከኣብ ንምውዳቕ እተፈላለየ ርእይቶታት ክህቡ ንመላእኽቱ ሓቲቱ እዩ። የሆዋ ሓገዝ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ ንዝሃቦ ርእይቶ ተቐቢሉ: ኸምቲ ዝበሎ ንኽገብር ሓላፍነት ሃቦ። (1 ነገስት 22:19-22) እዝስ ትሕትና ዘንጸባርቕ ኣብነትዶ ኸይኰነ፧

11, 12. ኣብርሃም ንትሕትና የሆዋ ብኸመይ እዩ ርእይዋ፧

11 የሆዋ ነቶም ሻቅሎቶም ክገልጹ ዝደልዩ ዘይፍጹማት ሰባት እውን ከይተረፈ ጽን ኢሉ ኽሰምዖም ይደሊ እዩ። ንኣብነት: የሆዋ ንሶዶምን ጎሞራን ከጥፍአን ከም ዝደሊ ነቲ እሙን ኣብርሃም ክነግሮ ኸሎ ስለ ዝደንጸዎ “ካባኻ ይርሐቕ። እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧” በለ። ሓምሳ ጻድቃን እንተደኣ ተረኺቦም ነታ ኸተማ ዝንሕፋ እንተ ዀይኑ ሓተቶ እሞ የሆዋ ኸኣ ክንድኡ እንተ ተረኺቦም ከም ዝንሕፋ ነገሮ። ኣብርሃም ነቲ ቝጽሪ ናብ 45 ጸኒሑ ኸኣ ናብ 40 ከምኡ እናበለ ኽሳዕ ታሕቲ ብምውራድ እንደገና ሓተቶ። የሆዋ ክንድኡ እንተረኺቡ እውን ከም ዝንሕፋ መረጋገጺ እኳ እንተሃቦ: ኣብርሃም ነቲ ቝጽሪ ኽሳዕ ዓሰርተ ኣውረዶ። የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ መሓሪ ምዃኑ ምናልባት ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦን ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ እቲ ፈታዊኡን ባርያኡን ዝነበረ ኣብርሃም ጭንቀቱ ኽገልጸሉ ኸሎ ብትዕግስትን ብትሕትናን ሰምዖ።—ዘፍጥረት 18:23-33

12 ንሓደ ብምስትውዓል ካባታቶም ትሕት ዝበለ ሰብ ብዓቕሊ ወይ ብትዕግስቲ ኽሰምዕዎ ዝደልዩ ምሁራት ክንደይ እዮም፧ * ኣምላኽና ከምዚኣ ዝኣመሰለት ትሕትና ኣላቶ። ክዘራረቡ ኸለዉ ኣብርሃም: የሆዋ “ንዅራ ደንጓይ” ምዃኑ እውን ተገንዚቡ እዩ። (ዘጸኣት 34:6) ኣብርሃም ንተግባር ናይቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ኸውድቖ ከም ዘይብሉ ብምግንዛብ: ኣብርሃም ክልተ ግዜ ዝኸውን ‘ጐይታይ: ኣይትዀሪ ደኣ’ እናበለ ንየሆዋ ለመኖ። (ዘፍጥረት 18:30, 32) የሆዋ ኸም ዘይኰረየ ፍሉጥ እዩ። እዚ ድማ “ለውሃት ጥበብ” ከም ዘላቶ እዩ ዘርኢ።

 የሆዋ ልኡም እዩ

13. እታ “ልኡም” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ትርጕም እዩ ዘለዋ: እዛ ቓል እዚኣ ንየሆዋ ብግቡእ እትገልጾኸ ብኸመይ እያ፧

13 ትሕትና የሆዋ: ልእመት ብእትበሃል ካልእ ጽብቕቲ ባህሪ እውን ትግለጽ እያ። ዘይፍጹማት ሰባት ነዛ ባህሪ እዚኣ ብዙሕ ግዜ ኣየንጸባርቕዋን እዮም። የሆዋ ነቶም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ጽን ኢሉ ንኽሰምዖም ፍቓደኛ እዩ ጥራይ ዘይኰነስ ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ዘይጋጮ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ እውን ምስቲ ዅነታት ንኽሰማማዕ ፍቓደኛ እዩ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ እታ “ልኡም” እትብል ቃል “ልዙብ” ማለት እውን እያ። እዛ ባህሪ እዚኣ መለለዪት ጥበብ ኣምላኽ እያ። ያእቆብ 3:17 “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ልእምቲ እያ” ትብለና። እቲ ምሉእ ጥበብ ዘለዎ ኣምላኽና ልኡም ዝዀነ በየናይ መገዲ እዩ፧ መጀመርታ: የሆዋ ልዙብ ወይ ምስ ኵነታት ዝሰማማዕ እዩ። ትርጕም ስሙ ዕላማታቱ ንምፍጻም ኢሉ ከምቲ ዝደለዮ ክኸውን ከም ዝኽእል ይምህረና ምዃኑ ንዘክር። እዝስ ልዙብን ልኡምን ናይ ምዃን መንፈስ ከም ዘለዎ ዝሕብርዶ ኸይኰነ፧

14, 15. እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ ዝረኣዮ ራእይ ብዛዕባ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ እንታይ እዩ ዝምህረና: እዚኸ ካብ ዓለማውያን ማሕበራት ብኸመይ እዩ ዝፍለ፧

14 ብዛዕባ ልዝበት የሆዋ ብመጠኑ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ዝኽእል ባህ ዘብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኣሎና። ነብዪ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ብመንፈሳውያን ፍጥረታት ዝቘመት ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ዝገልጽ ራእይ ረኣየ። ሓንቲ እተደንጹ ሰረገላ እዩ ርእዩ: እዚኣ የሆዋ ወትሩ ዝቈጻጸራ “መጐዓዝያ” እያ። እቲ ዝያዳ ዘገርም ግን እቲ እትጐዓዘሉ ኣገባብ እዩ። እቲ ገዘፍቲ መንኰራዅር ኣርባዕተ ወገን ዘለዎ ዀይኑ: ደው ከይበለ ብኡንብኡ ኣንፈት ንምቕያር ዘኽእሎ ብኵሉ ዅርናዓት ዝርእያ ኣዒንቲ መሊእዎ ነበረ። እዚ ዓብዪ ሰረገላ እዚ: ልክዕ ከም ሓደ ሰብ ዝሰርሖ: መጐዓዝያ ገልጠምጠም እናበለ ምጕዓዝ ዘድልዮ ኣይኰነን። ብሃንደበት እናተጠዋወየ እውን ከይተረፈ ብናይ ብርሃን ፍጥነት ክጐዓዝ ዝኽእል እዩ! (ህዝቅኤል 1:1, 14-28) እወ: እዛ ሰማያዊት ማሕበር እዚኣ ልክዕ ከምቲ ንዓኣ ዝቈጻጸር ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ: ምሉእ ብምሉእ ክትለዝብን ኵነታት ክቀያየር ከሎ ምስኡ ኽትሰማማዕን እትኽእል እያ።

 15 ደቅሰብ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምልዛብ ባህሪ ክቐድሕዎ ጥራይ እዮም ዝኽእሉ። ይኹን እምበር: ዝበዝሕ ግዜ ደቅሰብን ማሕበራቶምን ኣብ ክንዲ ልዙባት ዝዀኑ ዝያዳ ተረርትን ዘይልኡማትን ኰይኖም ኢና እንረኽቦም። ንኣብነት: ሓንቲ ዓባይ መርከብ ወይ ባቡር ጽዕነት ብግዝፍን ብጉልበትን ዝያዳ መሰጥቲ ክዀና ይኽእላ እየን። ይኹን እምበር: እዘን መጐዓዝያ እዚኣተን ሃንደበታዊ ዅነታት ከጋጥም ከሎ ብኡንብኡ ምስኡ ዝሰማማዕ ለውጢ ኽገብራ ይኽእላዶ እየን፧ ሓንቲ ባቡር እናኸደት ከላ ኣብ ቅድሚኣ ሓደ ነገር እንተ ዝወድቕ ክትጥወ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ሃንደበት ጠጠው ክትብል እሞ ኸኣ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ። ሓንቲ ዓባይ ባቡር ጽዕነት: ፍሬኖ ምስ ተታሕዘ ደው ቅድሚ ምባላ ልዕሊ ሓደ ኪሎ ሜትር እያ እትጐዓዝ። ብተመሳሳሊ መገዲ ሓንቲ ዓባይ መርከብ እውን ሞተር ምስ ጠፍአ ቅድሚ ደው ምባላ 8 ኪሎ ሜትር እያ እትኸይድ። ንድሕሪት ከም እትቐዝፍ ጌርካያ እውን ከይተረፈ ቅድሚ ደው ምባላ 3 ኪሎ ሜትር ምተጓዕዘት! ኵነታት ናይተን ተረርትን ዘይልኡማትን ዝዀና ማሕበራት ደቅሰብ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ሰባት ትዕቢት ስለ ዘለዎም ኵነታት ክቀያየር ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ምስኡ ኽተዓጻጸፉ የሸግሮም እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትሪ ትካላት ከም ዝዕጸዋ: መንግስታት ድማ ከም ዝግልበጣ ገይሩ እዩ። (ምሳሌ 16:18) የሆዋ ይኹን ማሕበሩ ከምዚ ዘይምዃኖምሲ ኽንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ!

የሆዋ ብኸመይ ልእመት ከም ዘርኢ

16. የሆዋ ቀቅድሚ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ምስ ሎጥ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ልእመት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

16 እንደገና ብዛዕባ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ንርአ። ሎጥን ስድራቤቱን ካብ መልኣኽ የሆዋ “ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን” ዝብል ዘየወላውል መምርሒ ተቐቢሎም እዮም። ሎጥ ግን ባህ ኣይበሎን። “ኣይፋልካን ጐይታይ” ኢሉ ድማ ለመነ። ናብ ኣኽራን እንተደኣ ሃዲሙ ዝመውት ኰይኑ ስለ እተሰምዖ ምስ ስድራቤቱ ናብታ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረት ከተማ ዞኣር ክሃድሙ ኽፍቀደሎም ሓተተ። የሆዋ ንኸተማ ዞኣር እውን ከጥፍኣ መዲቡ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ፍርሂ ሎጥ ጭቡጥ ምኽንያት ኣይነበሮን። የሆዋ ንሎጥ ኣብቲ ኣኽራን ብርግጽ ከድሕኖ ምኸኣለ  ነይሩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ምስቲ ዅነታት ብምስምማዕ ንልመና ሎጥ ተቐቢሉ: ንዞኣር ኣየጥፍኣን። እቲ መልኣኽ ንሎጥ “እንሆ: በዚ ነገርዚውን ሕራይ ኢለካ እየ” በሎ። (ዘፍጥረት 19:17-22) እዝስ የሆዋ ልኡም ምዃኑ ዘርኢ መርትዖዶ ኸይኰነ፧

17, 18. የሆዋ ምስ ሰብ ነነዌ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ልኡም ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

17 የሆዋ ልባዊ ነስሓ ኽርኢ ኸሎ እውን ወትሩ ምሕረትን ቅኑዕ ስጕምትን እዩ ዝወስድ። ነብዪ ዮናስ ናብታ ብዓመጸኛታትን እኩያትን ሰባት መሊኣ ዝነበረት ከተማ ነነዌ ምስ ተላእከ ዘጋጠመ ነገር እሞ ንርአ። ዮናስ ኣብ ኣደባባያት እታ ኸተማ እናዞረ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝኣወጆ ኣዋጅ “ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ” ዝብል ንጹር መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: እቲ ዅነታት ብሃንደበት ተቐየረ። ሰብ ነነዌ ተነስሑ!—ዮናስ ምዕራፍ 3

18 እዚ ናይ ዅነታት ለውጢ ምስ ኣጋጠመ የሆዋ ዝሃቦ ምላሽ ምስቲ ዮናስ ዝሃቦ ምላሽ ምንጽጻሩ ጠቓሚ እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ የሆዋ ምስቲ ዅነታት ብምስምማዕ ልዙብ ምዃኑ ኣርእዩ: ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ኣብ ክንዲ “ተዋጋኢ:” ይቕረ በሃሊ እዩ ገይርዋ። * (ዘጸኣት 15:3) ብኣንጻሩ ግን ዮናስ ተዓጻጻፊ ኣይነበረን: ምሕረት እውን ኣየርኣየን። ነቲ የሆዋ ዘለዎ ልኡም ናይ ምዃን ባህሪ ኣብ ክንዲ ዘንጸባርቕ: ብዝያዳ ነተን ኣቐዲመን እተጠቕሳ ባቡር ጽዕነትን ዓባይ መርከብን እዩ መሲሉ። ጥፍኣት ስለ ዝኣወጀ: ጥፍኣት ክወርድ ኣለዎ በሃሊ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነዚ ህዉኽ ዝነበረ ነብዪ ብዛዕባ ልእመትን ምሕረትን ዓብዪ ትምህርቲ እዩ ምሂርዎ።—ዮናስ ምዕራፍ 4

የሆዋ ልኡም እዩ፡ ዓቕምና ድማ ይርድኣልና እዩ

19. (ሀ) የሆዋ ኣብቲ ኸነማልኦ ዝጽበየና ብቕዓታት እውን ሓልዮት ከም ዘርኢ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ምሳሌ 19:17 የሆዋ “ሕያዋይን ልኡምን” ኣዝዩ ትሑትን ጐይታ ኸም ዝዀነ እተርኢ ብኸመይ እያ፧

19 የሆዋ ኣብቲ ኸነማልኦ ዝጽበየና ብቕዓታት ዝመጸ እውን ሓልዮቱ የርኢ እዩ። ንጉስ ዳዊት “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” በለ። (መዝሙር 103:14) የሆዋ ዓቕምናን ዘይፍጽምናናን  ካባና ንላዕሊ ይርድኦ እዩ። ኻብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ ፈጺሙ ኣይጽበየናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ነቶም “ሕያዎትን ልኡማትን” ጐይቶት ምስቶም “ዓመጽቲ [“ንኸተሐጕሶም ዘጸግሙ:” NW]” ኣነጻጺርዎም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 2:18) የሆዋ እንታይ ዓይነት ጐይታ እዩ፧ ምሳሌ 19:17 ብዛዕባ እዚ “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ” ትብለና። ሕያዋይን ልኡምን ጐይታ ጥራይ እዩ ንድኻታት ዝግበር ዝዀነ ይኹን ሕያውነት ከቕልበሉ ዝኽእል። ልዕሊ ዅሉ ድማ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እቲ ፈጣሪ ናይ ኣድማስ ዝዀነ የሆዋ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምሕረት ተግባራት ዘርእዩ ደቅሰብ ንዕኡ ከም ዘለቅሕዎ ገይሩ ከም ዝወስዶ እያ እትነግረና። እዚ ብሓቂ ፍሉይ ዓይነት ትሕትና እዩ።

20. የሆዋ ንጸሎትና ከም ዝሰምዖን ምላሽ ከም ዝህበናን እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

20 የሆዋ ምስቶም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ ኣብ ዝገብሮ ርክብ እውን ከም ቀደሙ ለዋህን ልኡምን እዩ። ብእምነት ናብኡ ኽንጽሊ ኸሎና ይሰምዓና እዩ። ዝዛረቡና መላእኽቲ እኳ እንተ ዘይሰደደልና: ጸሎትና ኸይተመለሰ ኽተርፍ እዩ ኢልና ኽንድምድም ኣይግብኣናን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ንኽወጽእ ‘ክጽልይሉ’ ክሓቶም ከሎ “ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሀበኩም” እዩ ዝበለ። (እብራውያን 13:18, 19) ስለዚ ጸሎትና ንየሆዋ ምናልባት ክገብረልና ንዘይመደቦ ነገር ንኽገብር ክድርኾ ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 5:16

21. ብዛዕባ ትሕትና የሆዋ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መደምደምታ ኢና ፈጺምና ኽንበጽሕ ዘይብልና: ኣብ ክንድኡስ እንታይ ኢና ኽንግንዘብ ዘሎና፧

 21 ይኹን እምበር: የሆዋ ንትሕትናኡ ዘንጸባርቕ ከም እኒ ለውሃት: ጽን ኢሉ ንምስማዕ ፍቓደኛ ምዃን: ትዕግስቲ: ልእመት ከርኢ ኸሎ ኣብቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ይለማመጥ እዩ ማለት ኣይኰነን። ካህናት ህዝበ-ክርስትያን ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ዕሽሽ ብምባል ነተን መጓሰኦም ባህ ዘብል ጥራይ ክነግርወን ከለዉ ልኡማት ዝዀኑ ይመስሎም ይኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 4:3) ይኹን እምበር: እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ወድሰብ ዝንጸባረቕ ተቐባልነት ንኽትረክብ ኢልካ ዝግበር ምልምማጥ ምስ ናይ ኣምላኽ ልእመት ርክብ የብሉን። የሆዋ ቕዱስ ስለ ዝዀነ ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ፈጺሙ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። (ዘሌዋውያን 11:44) ሃየ እምበኣር ነቲ ናይ ትሕትናኡ መረጋገጺ ዝዀነ ልእመት የሆዋ ነፍቅሮ። እቲ ኣብ ኣድማስ ካብ ዘለዉ ዅሎም ኣዝዩ ጠቢብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብትሕትናኡ እውን ሓለፍ ዝበለ ምዃኑ ምፍላጥካስ ብሓጐስ ፍንጭሕ ከም እትብል ዝገብረካዶ ኸይኰነ፧ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ልዑል ግናኸ ለዋህ: ዕጉስ: ልኡም ዝዀነ ኣምላኽ ምቕራብስ ኣየ ኽንደይ ባህ ዘብል ኰን እዩ!

^ ሕ.ጽ. 3 እቶም ጥንታዎት ጸሓፍቲ: ወይ ሶፈሪም: ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኽትርጕምዋ ኸለዉ እቲ ድንን ዝበለ የሆዋ ዘይኰነስ ኤርምያስ ከም ዝዀነ ገይሮም ቀየርዋ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕትና ምርኣይ ንኣምላኽ ዘዋርድ ገይሮም ሓሲቦምዎ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እዛ ኣዝያ ባህ እተብል ጥቕሲ እዚኣ ዕላማኣ ተሳሒቱ ኣሎ። ይኹን እምበር: ተርጐምቲ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል “ዘክረኒ እወ ዘክረኒ ናባይ ከኣ ውረድ” ብምባል ኤርምያስ ንየሆዋ ኸም እተዛረቦ ገይሮም ብልክዕ ተርጒሞምዋ ኣለዉ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብ ካልእ ትርጕማት ከኣ “ትሕትና ዝመልኣ ጥበብ” “መለለዪት ጥበብ ዝዀነት ልእመት” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።

^ ሕ.ጽ. 12 መጽሓፍ ቅዱስ ንዓቕሊ ምስ ትዕቢት ኣነጻጺሩ ኣቕሪብዋ ኣሎ። (መክብብ 7:8) ዓቕሊ ወይ ትዕግስቲ የሆዋ: ትሑት ምዃኑ ዘረጋግጸልና ተወሳኺ መርትዖ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:9

^ ሕ.ጽ. 18 የሆዋ ኣብ መዝሙር 86:5 “ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን” ተባሂሉ ኣሎ። እታ መዝሙር እቲኣ ናብ ግሪኽ ምስ ተተርጐመት እታ “ንይቕሬታ ድሉው” እትብል መግለጺት ኤፒኬስ ወይ ከኣ “ልኡም” ተባሂላ እያ ተተርጒማ።