1-3. (ሀ) ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ኣደ ናይ ሓደ ሕጻን መን ምዃና እተላዕለ ጕዳይ ንምፍታሕ ሓለፍ ዝበለት ጥበብ እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ እንታይ ንኽህበና እዩ እተመባጽዐ: ከመይ ዝበለ ሕቶታትከ እዩ ዝለዓል፧

ሓደ እዋን ኣዝዩ ኸቢድ ጕዳይ ኣጋጢሙ ነበረ። እዚ ጕዳይ እዚ ኽልተ ኣንስቲ ብዛዕባ ሓደ ሕጻን ናተይ እዩ: ናተይ እባ ብምባል ዘቕረብኦ ኽሲ እዩ ነይሩ። እተን ኣንስቲ ኣብ ሓደ ኽፍሊ እናነበራ ኸለዋ ነፍሲ ወከፈን ኣብ እተፈላለየ መዓልቲ ወዲ ወለዳ። ናይ ሓዲአን ውሉድ ሞተ እሞ ክልቲአን ነቲ ህያው “ወደይ እዩ” በላ። * ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ክምስክር ዝኽእል ሰብ ድማ ኣይነበረን። ምናልባት እቲ ጕዳይ ኣብ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ: ፍታሕ ግን ኣይረኸበን። ኣብ መወዳእታ እቲ ጕዳይ: ናብቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ቀረበ። ነታ ሓቂ ኸውጽኣ ኽኢሉዶ ዀን ይኸውን፧

2 ሰሎሞን ንዘረባ ናይተን ኣንስቲ ድሕሪ ምስምዑ: ‘ሴፍ ኣምጽኡለይ’ በለ እሞ እቲ ቘልዓ ኣብ ክልተ ተቘሪጹ ፈፍርቀን ክወሃበን ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ሽዑ እታ ናይ ሓቂ ኣደ እቲ ኽቡር ውላዳ ኣብ ክንዲ ዝቝረጽ ነታ ሓንቲ ሰበይቲ ክወሃብ ለመነት። እታ ሰበይቲ ግን ኣብ ክልተ ይቈረጽ ኢላ ድርቕ በለት። ካብኡ ሰሎሞን እታ ናይ ሓቂ ኣደ ኣየነይቲ ምዃና ፈለጠ። ብዛዕባ እቲ ሓንቲ ኣደ ኣብ ውሉዳ ዘለዋ ብቝባቘ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: ነዚ ነቲ ኽርክር ንምድቃስ ተጠቕመሉ። ሰሎሞን “ኣዲኡ ንሳ እያ” ብምባል ነቲ ህጻን ምስ ሃባ እታ ኣደ እተሰምዓ እፎይታ እሞ ገምቶ።—1 ነገስት 3:16-27

3 እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓለፍ ዝበለ ጥበብ ኰን እዩ፧ እቶም ህዝቢ  ሰሎሞን ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም ዝፈትሖ ምስ ሰምዑ “ጥበብ ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዘሎ ረአዩ እሞ” ፈርህዎ። እወ: ሰሎሞን ነዚ ጥበብ እዚ ኻብ ኣምላኽ እዩ ረኺብዎ። የሆዋ “ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ” እዩ ሂብዎ። (1 ነገስት 3:12, 28) ንሕናኸ፧ ካብ ኣምላኽ ጥበብ ክንቅበል ንኽእልዶ ዀን ንኸውን፧ እወ: ከመይሲ ሰሎሞን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ” በለ። (ምሳሌ 2:6) የሆዋ ነቶም ካብ ልቢ ዝደልይዋ ጥበብ ከም ዝህቦም ተመባጺዑ እዩ። ጥበብ ክበሃል ከሎ ነቲ ዘሎካ ፍልጠትን ምርዳእን ምስትውዓልን ኣብ ጽቡቕ መዓላ ናይ ምውዓል ክእለት ማለት እዩ። ነታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ብኸመይ ኢና ኸነጥርያ እንኽእል፧ ብኸመይከ ኢና ኣብ ናብራ ህይወትና ኸነውዕላ እንኽእል፧

ከመይ ገይርና ኢና ‘ንጥበብ ከነጥርያ’ እንኽእል፧

4-7. ጥበብ ከነጥርየሉ እንኽእል ኣርባዕተ ብቕዓታት እንታይ እዩ፧

4 ጥበብ ኣምላኽ ንምርካብ ዝለዓለ ፍልጠት ወይ ትምህርቲ ኽህልወና ኣለዎ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣተዓባብያናን ትምህርትናን ብዘየገድስ የሆዋ ጥበቡ ኽህበና ፍቓደኛ እዩ። (1 ቈረንቶስ 1:26-29) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ንጥበብ ኣጥርያ” ብምባል ስለ ዝላበወና ተበግሶ ኽንወስድ ኣሎና። (ምሳሌ 4:7) ከመይ ጌርና ኢና ግን ከነጥርያ እንኽእል፧

5 መጀመርታ: ንኣምላኽ ክንፈርሆ ኣሎና። ምሳሌ 9:10 “መጀመርታ ጥበብ [“ጥበብ ንምርካብ ብመጀመርታ ኽውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ:” ዘ ኒው እንግሊሽ ባይብል] ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ” ትብለና። ፍርሃት ኣምላኽ መሰረት ናይ ሓቂ ጥበብ እዩ። ስለምንታይ፧ ጥበብ ክበሃል ከሎ ንፍልጠት ብዕዉት መገዲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከም ዘጠቓልል ኣይትረስዕ። ንኣምላኽ ምፍራህ ክበሃል ከሎ ብራዕዲ ኣብ ቅድሚኡ ምንቅጥቃጥ ማለት ዘይኰነስ ብኣኽብሮታዊ ፍርሃት: ኣብኡ ምውካል ማለት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሃት ጥዑይ እዩ: ኣወንታዊ ድራኸ ናይ ምሕዳር ሓይሊ ኸኣ ኣለዎ። ንናብራ ህይወትና ምስቲ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠትን መገድታቱን ከነሰማምዖ እዩ ዝድርኸና። ስርዓታት ኣምላኽ ነቶም ዝስዕብዎ ወትሩ ብሉጽ ረብሓታት ዘምጽኣሎም ብምዃኑ  ኸኣ ክንስዕቦ እንኽእል ካብዚ ዝበልጽ ካልእ ጥበባዊ መገዲ የለን።

6 ካልኣይ: ትሑታት ክንከውን ኣሎና። ብዘይትሕትና ጥበብ ኣምላኽ ከነጥሪ ኣይንኽእልን ኢና። (ምሳሌ 11:2) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ትሑታት እንተደኣ ዄንና ዘይንፈልጦ ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎ: ርእይቶና ወትሩ ቕኑዕ እዩ ማለት ከም ዘይኰነ: ሓሳብ የሆዋ ኽንፈልጥ ከም ዘድልየና ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። የሆዋ “ንዕቡያት ይጻረሮም” ነቶም ብልቦም ትሑታት ግና ተሓጒሱ እዩ ጥበብ ዝህቦም።—ያእቆብ 4:6

ጥበብ ኣምላኽ ንምጥራይ ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና

7 ሳልሳይ ዘድልየና ነገር ድማ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ምጽናዕ እዩ። ጥበብ የሆዋ ኣብ ቃሉ ተገሊጹ ኣሎ። ነዛ ጥበብ እዚ ንምጥራይ ከኣ ክንጽዕር ይግብኣና። (ምሳሌ 2:1-5) ራብዓይ ብቕዓት ከኣ ጸሎት እዩ። ጥበብ ክህበና ብትሕትና እንተደኣ ሓቲትናዮ: ብልግሲ ኽህበና እዩ። (ያእቆብ 1:5) መንፈሱ ንኽህበና እነቕርቦ ጸሎት ከይተመለሰ ኣይተርፍን እዩ። እዚ መንፈስ እዚ ኸኣ ግድላት ንምፍታሕ: ካብ ሓደጋ ንምርሓቕ: ጥበባዊ ውሳነታት ንምውሳን ዝሕግዘና ምኽሪ ኻብ ቃል ኣምላኽ ንኽንረክብ የኽእለና።—ሉቃስ 11:13

8. ጥበብ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘጥረና ብኸመይ እዩ ኽግለጽ ዝኽእል፧

8 ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 17 ዝረአናዮ ጥበብ የሆዋ ብግብሪ ኽዕየየሉ ዝኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር: ጥበብ ኣምላኽ ብሓቂ እንተደኣ ኣጥሪና: ኣብ ኣካይዳና ኽግለጽ እዩ። ወደ መዝሙር ያእቆብ ካብ ጥበብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍረ እንታይ ምዃኑ ኸምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላማዊት: ልእምቲ: ሰማዕ: ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት: ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን [“ሻርነትን ግብዝናን ዘይብላ” ትርጕም 1990] እያ።” (ያእቆብ 3:17) ነዘን ክፍሊ ጥበብ ኣምላኽ ዝዀና ባህርያት በብሓንቲ ኽንመያየጠለን ከሎና ‘ንጥበብ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ እዓየሉዶ ኣሎኹ፧’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ክንውከስ ንኽእል ኢና።

“ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላማዊት”

9. ንጹህ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: ንጽህና ኻብቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ጥበብ መጀመርታ ኽትጥቀስ ብቑዕ ዝኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

9 “ቅድም ንጽህቲ እያ።” ንጹህ ክበሃል ከሎ ብግዳም ጥራይ ዘይኰነስ  ብውሽጢ እውን ንጹህን ዘይረኸሰን ምዃን ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብ ምስ ልቢ እዩ ዘተሓሕዛ: ሰማያዊት ጥበብ ግን ናብቲ ብእኩይ ሓሳባትን ባህግታትን ድራኸታትን ዝረኸሰ ልቢ ኽትኣቱ ኣይትኽእልን እያ። (ምሳሌ 2:10፣ ማቴዎስ 15:19, 20) ይኹን እምበር: ዘይፍጹማት ሰባት ክበጽሕዎ ብዝኽእሉ መጠን ልብና ንጹህ እንተደኣ ዀይኑ ‘ካብ እከይ ንርሕቕ ሰናይ ከኣ ንገብር።’ (መዝሙር 37:27፣ ምሳሌ 3:7) ስለዚ ንጽህና ኻብቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ጥበብ መጀመርታ ምስራዓስ ብቑዕዶ ኸይኰነ፧ ከመይሲ ብስነ-ምግባር ይኹን ብመንፈስ ንጹሃት እንተደኣ ዘይኴንና ነተን ካልኦት ባህርያት ናይ ላዕሊ ጥበብ ከመይ ገይርና ኢና ብሓቂ ኸነንጸባርቐን እንኽእል፧

10, 11. (ሀ) ሰላማውያን ክንከውን ዘድሊ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንሓውካ ዝበደልካዮ ዀይኑ እንተደኣ ተሰሚዑካ: ገባሪ ሰላም ከም ዝዀንካ ብኸመይ ኢኻ ኸተርኢ እትኽእል፧

10 “ሰላማዊት።” ሰማያዊት ጥበብ ነታ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝዀነት ሰላም ክንስዕብ እያ እትድርኸና። (ገላትያ 5:22) ነቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዘሕብሮም “ማእሰር ሰላም” ዘፍርስ ነገር ከይንገብር ንጽዕር ኢና። (ኤፌሶን 4:3) ሰላም ዝኸልእ ነገር ከጋጥመና ኸሎ እውን ቀልጢፍና ኸነዐርዮ ንጽዕር ኢና። እዚ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ብሰላም ንበሩ: ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ” ይብለና። (2 ቈረንቶስ 13:11) ስለዚ ብሰላም ክንነብር እንተደኣ ጽዒርና ኣምላኽ ሰላም ምሳና ክኸውን እዩ። እቲ ምስ ኣሕዋትና እንገብሮ ርክብ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይጸልዎ እዩ። ገበርቲ ሰላም ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ ሓደ ኣብነት ንርአ።

11 ንሓውካ ከም ዘጕሃኻዮ ዀይኑ እንተደኣ ተሰሚዑካ እንታይ ክትገብር እዩ ዝግብኣካ፧ የሱስ “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ: ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ: ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ: ኪድ: ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ: ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ” በለ። (ማቴዎስ 5:23, 24) ተበግሶ ወሲድካ ናብ ሓውካ ብምኻድ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል ኢኻ። ዕላማኻ እንታይ እዩ፧ ‘ንምትዕራቕ’ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ነቲ እተጐድአ ስምዒታቱ ኣፍልጦ ኽትህበሉ  ደኣ እምበር: ክትነጽጎ ኣይግብኣካን እዩ። ሰላም ንምፍጣርን ንምዕቃብን ኢልካ እንተደኣ ቐሪብካዮ ዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእ ክፍታሕ እዩ: ይቕረ ኸኣ ትበሃሃሉ። ንምትዕራቕ ኢልካ ባዕልኻ ምስ እትኸይድ ብጥበብ ኣምላኽ ትምራሕ ከም ዘሎኻ ኢኻ እተርኢ።

“ልእምቲ: ሰማዕ”

12, 13. (ሀ) እታ ኣብ ያእቆብ 3:17 “ልእምቲ” ተባሂላ ዘላ ቓል እንታይ እዩ ትርጕማ፧ (ለ) ልኡማት ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

12 “ልእምቲ።” ልኡም ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ምሁራት ከም ዝብልዎ እታ ኣብ ያእቆብ 3:17 “ልእምቲ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንኽትትርጕማ ኣጸጋሚት እያ። ተርጐምቲ “ለዋህ:” “ጸዋር:” “ሓላዪት:” ዝብል ቃላት እዮም ዝጥቀሙ። ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ ግን “ልዝብቲ” ማለት እያ። ነዛ ባህሪ እዚኣ ኣብ ህይወትና ኸም እንዓየላ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ ንኽእል፧

13 ፊልጲ 4:5 “ለውሃትኩም [“ልእመትኩም:” NW] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ትብለና። ኣብ ካልእ ትርጕም ከኣ “ልኡማት ብምዃን ዝመጸ  ጽቡቕ ስም ይሃልኹም” ትብል። (ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ ብጀይ. ቢ. ፊሊፕስ) እቲ ዘገድስ ንሕና ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ኣመለኻኽታ ዘይኰነስ: ካልኦት ብኸመይ ይርእዩና ወይ እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘሎና ዝብል እዩ። ሓደ ልኡም ሰብ ኣይተርርን ወይ ዝበልክዎ ይኹን ኣይብልን እዩ። ኣብ ክንድኡስ ንኻልኦት ጽን ኢሉ ኽሰምዕ: ከድሊ ኸሎ ኸኣ ምስ ድሌቶም ክሰማማዕ ፍቓደኛ እዩ። ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዝገብሮ ርክብ እውን ልኡም ደኣ እምበር ተሪር ኣይኰነን። ኵሎም ክርስትያናት ነዛ ባህሪ እዚኣ ኸንጸባርቕዋ ዝግብኦም እኳ እንተዀኑ ብፍላይ ነቶም ከም ሽማግለታት ኰይኖም ዘገልግሉ እተድልዮም ባህሪ እያ። ልእመት ንሽማግለታት ተቐረብቲ እያ እትገብሮም። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8) እምበኣርከስ ኵላትና ንገዛእ ርእስና ‘ሓላዪ: ልዙብ: ልኡም ከም ዝዀንኩ ድየ ዝፍለጥ፧’ ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና።

14. ‘ሰማዕቲ’ ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

14 “ሰማዕ።” እታ “ሰማዕ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ብጀካ ኣብ ያእቆብ 3:17 ኣብ ካልእ ኣይትርከብን እያ። ሓደ ምሁር ብዝበሎ መሰረት እዛ ቓል እዚኣ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ስርዓት እያ እትዝውተር።” “ብቐሊሉ ኽኣምን ዝኽእል” ከምኡውን “ሕራይ በሃሊ” ዝብል ትርጕም እዩ ዘለዋ። በታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ዝምራሕ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ ቐልጢፉ እዩ ዝእዘዞ። ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ብምውሳን ምስ ውሳኔኡ ንዝጋጮ ዝዀነ ይኹን ጭብጥታት ኣይቅበልን ዝብል ኣይኰነን። ግጉይ ኣቕዋም ከም ዝሓዘ ወይ ከኣ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኸም ዝበጽሐ ዘእምን ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ እንተደኣ ቐሪቡሉ ንኽቕየር ድሉው እዩ። ኻልኦት ከምዚ ዓይነት ሰብ ከም ዝዀንካ ገይሮም ድዮም ዝፈልጡኻ፧

“ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት”

15. ምሕረት እንታይ እያ: “ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን” ኣብ ያእቆብ 3:17 ብሓባር ምጥቃሰን ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

15 “ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት።” * ምሕረት ቀንዲ ኽፍሊ  ናይ ላዕሊ ጥበብ እያ: ከመይሲ እዛ ጥበብ እዚኣ ‘ምሕረት ዝመልኤት’ ተባሂላ ኣላ። “ምሕረትን” “ጽቡቕ ፍረን” ሓቢረን ተጠቒሰን ምህላወን ነስተብህለለን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሕረት ነታ ብዙሕ ሕያውነታዊ ግብርታት እተፍሪ ንኻልኦት ዓሚቝ ተገዳስነት ናይ ምርኣይ ባህሪ እተንጸባርቕ ድንጋጽ እተመልክት ብምዃና ሓቢረን ምጥቃሰን ብቑዕ እዩ። ሓደ ናይ መወከሲ መጽሓፍ ንምሕረት “ሓደ ሰብ ሕማቕ ኵነታት ከጋጥሞ ኸሎ ሓዚንካ ሓደ ነገር ክትገብረሉ ምፍታን” ብምባል ይገልጻ። ስለዚ ኸኣ ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ፍልጠት ጥራይ እተሓጽረት ርሕራሐ ዘይብላ ባህሪ ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡስ ብስምዒት ካልኦት እትግደስ ሓላይትን ደንጋጺትን ባህሪ እያ። ንሕናኸ ምሕረት ዝመልኣና ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

16, 17. (ሀ) ንኣምላኽ ኣብ ርእሲ ምፍቃርና: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ንኽንካፈል ዝድርኸና ኻልእ ምኽንያት እንታይ እዩ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ምሕረት ዝመልኣና ምዃንና በየናይ መገድታት ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

16 ነዚ ኸነርእየሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገዲ ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕያይ እንታይ እዩ ዝድርኸና፧ ብቐዳምነት ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ክኸውን ከሎ ብተወሳኺ እውን ንሰባት ዘሎና ድንጋጽን ምሕረትን እዩ። (ማቴዎስ 22:37-39) ሎሚ ብዙሓት ሰባት “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” እዮም። (ማቴዎስ 9:36) ብመንፈሳዊ መገዲ በቶም ናይ ሓሶት ሃይማኖታውያን ጓሶት ዕሽሽ ተባሂሎምን ዓዊሮምን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ጥበባዊ ምኽሪ ዀነ እታ መንግስቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንእተምጽኦ በረኸታት ኣይፈልጥዎን እዮም። ስለዚ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታት ናይቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ከነስተንትን ከሎና ካብ ልባዊ ድንጋጽ ተደሪኽና ብዛዕባ እቲ ፍቕራዊ ዕላማታት የሆዋ ንኽንነግሮም ዝከኣለና ኽንገብር ንድረኽ ኢና።

ንኻልኦት ሰባት ምሕረት ወይ ድንጋጽ ምስ እነርእዮም ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኢና እነንጸባርቓ ዘለና

17 ምሕረት ዝመልኣና ምዃንና በየናይ ካልእ መገድታት ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሳምራዊ ዝሃቦ ምስላ ንዘክሮ። እዚ ሳምራዊ እዚ ነቲ እተኸትከተን እተዘርፈን ኣብ መገዲ ወዲቑ ዝነበረ ገያሻይ ምስ ረኸቦ ብድንጋጽ ተደሪኹ ኣቝሳሉ ብምጅናንን  ብምክንኻንን “ምሕረት ገበረሉ።” (ሉቃስ 10:29-37) እዝስ ምሕረት ክበሃል ከሎ ነቶም ዘድልዮም ሰባት ግብራዊ ሓገዝ ክንገብረሎም ከም ዘድሊ ዝሕብር ምስላዶ ኸይኰነ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ይብለና። (ገላትያ 6:10) ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ገለ መገድታት ንርአ። ሓደ ብዕድመ ዝሸምገለ ሓው (ሓብቲ) ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምኻድን ንምምላስን መጐዓዝያ የድልዮ ይኸውን። ሓንቲ መበለት ሓብቲ ኣብ ቤታ ምትዕርራይ ዘድልዮ ገለ ነገራት ይህልዋ ይኸውን። (ያእቆብ 1:27) ሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ሰብ ዘጸናንዖ “ሰናይ ቃል” የድልዮ ይኸውን። (ምሳሌ 12:25) በዚ መገድታት እዚ ምሕረት ምስ እነርኢ: እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ኣባና ትዓዪ ኸም ዘላ መረጋገጺ ንህብ ኣሎና ማለት እዩ።

“ሻርነትን ግብዝናን ዘይብላ”

18. በታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ንምራሕ እንተደኣ ዄንና: ካብ ልብና ምሒና ከነርሕቖ ዘሎና ነገር እንታይ እዩ: ስለምንታይከ፧

18 “ሻርነት ዘይብላ።” ጥበብ ኣምላኽ ንዓሌታዊ ጽልኢ ይኹን ሃገራዊ ዅርዓት ቦታ ኣይትህቦን እያ። ብኸምዚኣ ዝኣመሰለት ጥበብ ንምራሕ እንተደኣ ዄንና: ካብ ልብና ዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ንኽንምሕዎ ኽንጽዕር ኢና። (ያእቆብ 2:9) ንሰባት ደረጃ ትምህርቶም: ቍጠባዊ ዅነታቶም: ወይ ከኣ ናይ ጕባኤ ሓላፍነቶም ብምርኣይ ካብ ካልኦት ክብ ኣቢልና ኣይንርእዮምን ኢና። ወይ ከኣ ካልኦት ክሳዕ ክንደይ ትሕት ዝበሉ ይኹኑ ብዘየገድስ ኣይነነኣእሶምን ኢና። የሆዋ ፍቕሩ ኻብ ኣርኣዮም: ንሕናውን ፍቕርና ኸነርእዮም ይግብኣና።

19, 20. (ሀ) እታ “ግብዝ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እንታይ ዝብል ትርጕም እዩ ዘለዋ፧ (ለ) ‘ግብዝና ዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት’ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና: እዚ ኣገዳሲ ዝኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

19 “ግብዝና ዘይብላ።” እታ “ግብዝና” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንሓደ “ተዋሳኣይ” ከተመልክት ትኽእል እያ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ተዋሳእቲ ዓበይቲ ማስኬራ ይገብሩ ነበሩ። ስለዚ  እታ “ግብዝ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ኣምሰሉ” ዝብል ትርጕም እዩ ዘለዋ። እዛ ግብዝና ዘይብላ ጥበብ ኣምላኽ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣሕዋትና ኽህልወና ዘለዎ ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባኦም እንታይ ክስምዓና ከም ዘለዎ እውን ጽልዋ ኽትገብረልና ኣለዋ።

20 ሃዋርያ ጴጥሮስ ‘ንሓቂ ምእዛዝና’ ‘ግብዝና ዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት’ ከም ዘፍርየልና ገሊጹ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:22) እወ: ንኣሕዋትና ዘሎና ፍቕሪ ናይ ላዕለ-ላዕሊ ክኸውን የብሉን። ንኻልኦት ንምትላል ኢልና ማስኬራ ኣይንገብርን ወይ ኣምሰሉ ኣይንኸውንን ኢና። ፍቕርና ናይ ሓቅን ልባውን ክኸውን ይግባእ። ሽዑ ኣሕዋትና ኣቀራርባናን ውሽጥናን ሓደ ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ኽኣምኑና እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ቕንዕና ምስ ዝህሉ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ግልጽን ሓቅነት ዘለዎን ርክብ ይህሉ: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸኣ ናይ ምትእምማን ሃዋሁ ንኽሰፍን ይሕግዝ።

 ‘ንጥበብ ተጠንቂቕካ ሓዛ’

21, 22. (ሀ) ሰሎሞን ንጥበብ ተጠንቂቑ ኽሕዛ ዘይክኣለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንጥበብ ተጠንቂቕና ኽንሕልዋ እንኽእል ብኸመይ ኢና: ከምዚ ብምግባርናኸ ብኸመይ ንጥቀም፧

21 ጥበብ ኣምላኽ: ተጠንቂቕና ኽንሕዛ ዘድልየና ውህበት የሆዋ እያ። ሰሎሞን “ወደየ: . . . ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን” ይብለና። (ምሳሌ 3:21) እቲ ዘሕዝን ግን ሰሎሞን ንገዛእ ርእሱ ተጠንቂቑ ኣይሓዘንን። ብእዙዝ ልቢ ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ እዋን ጠቢብ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ሓያሎ ኣንስቲ ብምእታዉ ንልቡ ኻብ ንጹህ ኣምልኾ ኣስደዓኦ። (1 ነገስት 11:1-8) ካብቲ ንሰሎሞን ዘጋጠሞ ነገር ንፍልጠትና ብግቡእ እንተደኣ ዘይተጠቒምናሉ ምንም ዋጋ ኸም ዘይብሉ ኢና እንመሃር።

22 ንጥበብ ተጠንቂቕና ኽንሕዛ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስን በቲ ‘እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ’ እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ስርዓታውያን ኴንና ኸነንብብ ኣሎና ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ እተመሃርናዮ እውን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ጻዕሪ ኽንገብር ከድልየና እዩ። (ማቴዎስ 24:45) ስለዚ ንጥበብ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ኸነውዕለሉ ዘድልየና ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና። ሕጂ ዝሓሸ ህይወት ይህልወና። ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ከኣ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ክንረክብ’ የኽእለና። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ነታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ምስ እነማዕብላ ናብቲ ምንጪ ናይ ኵሉ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም እንቐርብ እዩ ዝገብረና።

^ ሕ.ጽ. 1 ብመሰረት 1 ነገስት 3:16 እተን ክልተ ኣንስቲ ኣመናዝር እየን ነይረን። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ብምንዝርና ዝናበራ ዘይኰናስ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ምንዝር ዝፈጸማ ኣይሁዳውያን ኣንስቲ ምናልባት እውን ጓኖት ኣንስቲ ነይረን ክዀና ይኽእላ እየን።”—ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ።

^ ሕ.ጽ. 15 ካልእ ትርጕም ከኣ ነዘን ቃላት እዚኣተን “ድንጋጽን ጽቡቕ ግብርን ዝመልአት” ብምባል ገሊጽወን ኣሎ።—ኤ ትራንስሌሽን ኢን ዘ ላንጔጅ ኦቭ ዘ ፒፕል ብቻርለስ ቢ. ዊልያምስ እተተርጐመ