ሓደ ኻብቲ ኽትደልዮ ዘሎካ ኣዝዩ ኽቡር ጥሪት ናይ ሓቂ ጥበብ እዩ። ምንጪ ናይዛ ጥበብ እዚኣ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ኣብዛ ኽፍሊ እዚኣ ነቲ ደረት ዘይብሉ ጥበብ የሆዋ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ክንምርምሮ ኢና። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ንየሆዋ “ብምስትውዓል ጠቢብ” ኢልዎ ኣሎ።—እዮብ 9:4