1, 2. ሎሚ ንሰብኣዊ ስድራቤት እንታይ ሕማቕ ነገራት እዩ ዘጋጥሞ ዘሎ: እዚኸ ንዓና ብኸመይ እዩ ዝትንክፈና፧

ሓደ ቘልዓ ዝፈትዋ መጻወቲት ምስ ጠፍኣቶ ወይ ምስ ተሰብረቶ ኣምሪሩ ኽበኪ ክትሰምዖ ኸሎኻ ከብድኻ እዩ ዝበልዓካ። ይኹን እምበር: ወላዲኡ ምስ ረኸበሉ ወይ ምስ ኣዐረየሉ ብኽያቱ ናብ ፍሽኽታ ኽቕየር ከሎ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ነታ መጻወቲት ምርካባ ወይ ምዕራያ ነቲ ወላዲ ቐሊል እኳ እንተዀነ እቲ ቘልዓ ግን እታ ዝቐበጻ መጻወቲቱ ስለ እተመልሰትሉ ብሓጐስ ፍንጭሕ እዩ ዝብል።

2 እቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ: ምድራውያን ደቁ ዝቐበጽዎ ነገር ክመልሰሎም ክእለት ኣለዎ። ዝጠፍአ ወይ እተሰብረ መጻወቲ ማለትና ግን ኣይኰነን። ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” እዚ ኸበድቲ ሽግራት የጋጥመና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ከም እኒ ገዛ: ጥሪት: ስራሕ: ጥዕና ዝኣመሰለ ሰባት ኣኽቢሮም ዝርእይዎ መብዛሕትኡ ነገራት እናጠፍአ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣከባቢ ዝወርድ ዘሎ ጥፍኣትን ብሰንኩ ኸኣ ብዙሓት ናይ ህያዋን ፍጥረታት ጅር (ስፒሽስ) ምጽናቶምን ክንሓስብ ከሎና ጥራይ የጨንቐና እዩ። ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ግን እነፍቅሮ ሰብ ክሞተና ኸሎ ኣጸቢቑ እዩ ዝስምዓና። ብሓዘን ኵምትር ኢልና ኽንድቈስ እውን ንኽእል ኢና።—2 ሳሙኤል 18:33

3. ግብሪ ሃዋርያት 3:21 ከመይ ዝበለ ዘጸናንዕ ተስፋ እያ እትህበና: ነዚኸ የሆዋ ብመን ገይሩ እዩ ዝፍጽሞ፧

3 ስለዚ እምበኣር: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምሕዳስ ዝጥቀመሉ ሓይሊ ምፍላጥሲ ኽንደይ ዘጸናንዕ ዀን እዩ! ቀጺልና ኸም እንርእዮ ኣምላኽ ንምድራውያን ደቁ ማእለያ ዘይብሉ ዘደንቕ ነገራት እዩ ኽገብረሎም። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ‘ኵሉ ነገር ዝሕደሰሉ ዘመን’ ክመጽእ ምዃኑ እዩ ዝነግረና። (ግብሪ ሃዋርያት 3:21 ትርጕም 1990) ነዚ ድማ የሆዋ በታ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዘመሓድራ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ እዩ ዝፍጽሞ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ካብ 1914 ኣትሒዛ ኣብ ሰማይ ትገዝእ  ከም ዘላ ዝሕብር መርትዖታት ኣሎ። * (ማቴዎስ 24:3-14) እቲ ዝሕደስከ እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ዘሐድሶ ወይ ዝመልሶ ዓበይቲ ነገራት እስከ ንርአ። ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ ድሮ ንርእዮን ኣብ ህይወትና ንምከሮን ኣለና። እቲ ኻልእ ድማ ኣብ ዝመጽእ ብስፍሕ ዝበለ ደረጃ ክፍጸም እዩ።

ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ

4, 5. ህዝቢ ኣምላኽ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም: የሆዋኸ እንታይ ተስፋ እዩ ዝሃቦም፧

4 ሓደ ኻብቲ የሆዋ ዛጊት ዘሐደሶ ወይ ዝመለሶ ነገር ንጹህ ኣምልኾ እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርዳእ ምእንቲ ኽሕግዘና ታሪኽ መንግስቲ ይሁዳ ኣሕጽር ኣቢልና ንመርምር። ከምዚ ምግባርና ድማ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምሕዳስ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሓይሊ ተወሳኺ ምስትውዓል ንኽንረክብ ይሕግዘና።—ሮሜ 15:4

5 የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ክትዓኑ ኸላ እቶም እሙናት ኣይሁድ እንታይ ከም እተሰምዖም ሕስብ እሞ ኣብሎ። እታ ዝፈትውዋ ኸተማኦም ክትዓኑ: መናድቓ ድማ ኽፈራርስ ከሎ ርእዮም እዮም። እቲ ዝኸፍአ ኸኣ እታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ኣብ ምድሪ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ ዝነበረት ክብርቲ ቤት መቕደስ እውን ከይተረፈት ናብ ኵምራ እምኒ ኽትቅየር ከላ ርእዮም እዮም። (መዝሙር 79:1) እቶም ካብቲ ጥፍኣት ዝደሓኑ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ተወስዱ ኸኣ ዓዶም ኣራዊት ዝነብሩላ ዑና ዀይና ተረፈት። (ኤርምያስ 9:11) እዚ ዅነታት እዚ ብዓይኒ ሰብ ክርአ ኸሎ ናብ ዝነበሮ ኽምለስ ፈጺሙ ዘይመስል እዩ ነይሩ። (መዝሙር 137:1) ይኹን እምበር: እቲ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ ብዛዕባ እዚ ጥፍኣት እዚ ዝኣወጀ የሆዋ ንዅሉ ዘሐድሰሉ ዘመን ከም ዝመጽእ ተስፋ ሂቡ ኣሎ።

6-8. (ሀ) ኣብቲ እብራውያን ነብያት ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት እንታይ ፍረ-ነገር እዩ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ዝርከብ: እቲ ትንቢታት ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ ዝረኸበኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ህዝቢ ኣምላኽ ፍጻመ ናይቲ ብዛዕባ ምምላስ ዝገልጽ ሓያሎ ትንቢታት ኣብ ህይወቶም ብኸመይ እዮም እተመከርዎ፧

6 ብተደጋጋሚ እተጠቕሰ ፍረ-ነገር ናይቲ እብራውያን ነብያት ዝጸሓፍዎ  ጽሑፋት ምሕዳስ ወይ ምምላስ ዝብል እዩ። * የሆዋ በዞም ነብያት እዚኣቶም ኣቢሉ ሃገሮም ክትሕደስ: ሰብ ክነብረላ: ክትለምዕ: ካብ ኣራዊትን ካብ ጸላእትን ከኣ ክትሕሎ ምዃና ተመባጽዐ። ነታ እተመልሰት ሃገሮም ናብ ገነት ክትቅየር ምዃና ገለጸሎም። (ኢሳይያስ 65:25፣ ህዝቅኤል 34:25፣ 36:35) ልዕሊ ዅሉ ድማ ንጹህ ኣምልኾ ኽምለስ: እታ ቤት መቕደስ ከኣ እንደገና ኽትህነጽ ምዃና እውን ተነግሮም። (ሚክያስ 4:1-5) እዚ ትንቢታት እዚ ነቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ኣይሁድ: ነተን ኣብ ባቢሎን ዝነበሩለን 70 ዓመት ተጸሚሞም ንኽሓልፍወን ዝሕግዞም እዩ ነይሩ።

7 ኣብ መወዳእታ እቲ ንጹህ ኣምልኾ ዝምለሰሉ ግዜ መጸ። እቶም ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ቤት መቕደስ የሆዋ ሃነጹ። (እዝራ 1:1, 2) በቲ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ዝመላለስሉ ዝነበሩ ግዜ የሆዋ ባረኾም: ንሃገሮም ከኣ ከም እትለምዕን ከም እትብልጽግን ገበራ። ካብ ጸላእቶምን ካብቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ሰፊሮምዋ ዝነበሩ ኣራዊትን ከኣ ኣዕቘቦም። በቲ የሆዋ ንምሕዳስ እተጠቕመሉ ሓይልስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ክዀኑ ኣለዎም! ይኹን እምበር: እቲ ብዛዕባ ምሕዳስ እተነግረ ትንቢታት ኣብቲ ግዜ እቲ ብውሕዱ ጥራይ እዩ ተፈጺሙ። “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ማለት ኣብ ግዜና እቲ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ መብጽዓ እተገብረሉ ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ዝዀነ ወራሲ ምስ ነገሰ: እቲ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ረኸበ።—ኢሳይያስ 2:2-4፣ 9:6, 7

8 የሱስ ብ1914 ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስ ነገሰ: ምሉእ ብምሉእ ናብ መንፈሳዊ ዅነታት ናይቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣተኰረ። ልክዕ ከምቲ እቲ ዝሰዓረ ፋርሳዊ ንጉስ ቂሮስ ነቶም ተረፍ ኣይሁድ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ባቢሎን ሓራ ዘውጽኦም: የሱስ እውን ነቶም ኣስኣሰሩ ዝስዕቡ ተረፍ መንፈሳውያን ኣይሁድ ካብ ጽልዋ ናይዛ ሎሚ ዘላ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ሓራ ኣውጽኦም። (ሮሜ 2:29፣ ራእይ 18:1-5) ካብ 1919 ኣትሒዞም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንደገና ብንጹህ ኣምልኾ ክመላለሱ ጀመሩ። (ሚልክያስ 3:1-5) ካብ ሽዑ ንነጀው ከኣ ህዝቢ የሆዋ  ኣብታ ዝጸረየት መንፈሳዊት መቕደሱ ማለት ኣብቲ ንሱ ዝሰርዖ ምድላው ናይ ንጹህ ኣምልኾ የምልኽዎ ኣለዉ። እዚ ሎሚ ንዓና ዘገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

መንፈሳዊ ምሕዳስ ዘድለየሉ ምኽንያት

9. ህዝበ-ክርስትያን ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ንኣምልኾ የሆዋ እንታይ ገበረቶ: የሆዋ ግን ኣብዚ ግዜና እንታይ እዩ ዝገበረ፧

9 ምስዚ እተተሓሓዘ ታሪኽ እሞ ንመርምር። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸታት ይረኽቡ እኳ እንተ ነበሩ የሱስን ሃዋርያቱን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ክብከልን ክጠፍእን ምዃኑ ኣቐዲሞም ነጊሮም እዮም። (ማቴዎስ 13:24-30፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ከኣ ህዝበ-ክርስትያን ተቐልቀለት። ኣቕሽሽታ ኸኣ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ልምድታትን ኣተኣታተዉ። ንኣምላኽ ከም ሓደ ኽርድኣካ ዘይክእል ስላሴ ገይሮም ብምግላጽ: ንምእመናኖም ከኣ ኣብ ክንዲ ናብ የሆዋ ናብ ካህናቶም ክናዘዙን ናብ ማርያም ከምኡውን ናብ እተፈላለዩ “ቅዱሳን” ክጽልዩን ብምምሃር ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ዳርጋ ከም ዘይክኣል ገበርዎ። እዚ ምብልሻው ናይ ንጹህ ኣምልኾ ንነዊሕ ዘመናት ድሕሪ ምቕጻሉ የሆዋ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ ኣብዛ ሎሚ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝመልአት: ብእኩይ ተግባራት ከኣ እተባላሸወት ዓለም ጣልቃ ብምእታው ንንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ መለሶ። እዚ ምሕዳስ ናይ ንጹህ ኣምልኾ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ግዜና እተገብረ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕቤት እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን።

10, 11. (ሀ) መንፈሳዊ ገነት እንታይ ክልተ ነገራት እዩ ዘጠቓልል: ንዓኻኸ ብኸመይ እዩ ዝትንክፈካ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ መንፈሳዊ ገነት እንታይ ዓይነት ሰባት እዩ ኣኪቡ ዘሎ: እንታይ ናይ ምርኣይ መሰልከ እዮም ክረኽቡ፧

10 በዚ ምኽንያት እዚ ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ መንፈሳዊ ገነት ይነብሩ ኣለዉ። መንፈሳዊ ገነትከ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧ ብመሰረቱ ኽልተ መዳያት ዝሓቍፍ እዩ። ቀዳማይ: ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዝቐርብ ንጹህ ኣምልኾ እዩ። በቲ ኻብ ሓሶትን ምትላልን ናጻ ዝዀነ ኣገባብ ኣምልኾ ባሪኹና እዩ። ብመንፈሳዊ መግቢ እውን ባሪኹና እዩ። እዚ ድማ ንሰማያዊ ኣቦና ንኽንፈልጦን ንኸነሐጕሶን ንኽንቀርቦን ይሕግዘና። (ዮሃንስ 4:24) እቲ ኻልኣይ መዳይ መንፈሳዊ ገነት ድማ ንሰባት የመልክት። ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” የሆዋ ንኣምለኽቱ መገዲ ሰላም መሃሮም። ካብ ማእከልና  ውግእ ዝበሃል ኣጥፊእዎ እዩ። ዘይፍጹማት ክነስና “ሓድሽ ሰብ” ክንለብስ ይሕግዘና: ብስርዓታቱ ንምምልላስ ጻዕሪ ኽንገብር ከሎና ነቲ ጽቡቕ ባህርያት ዘፍርየልና መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ ይባርኸና እዩ። (ኤፌሶን 4:22-24፣ ገላትያ 5:22, 23) ምስ መንፈስ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ትመላለስ እንተደኣ ዄንካ ብሓቂ ኽፍሊ መንፈሳዊ ገነት ኢኻ።

11 የሆዋ ንዘፍቅሮም ሰባት ናብ መንፈሳዊት ገነት ይእክቦም ኣሎ። እዚኣቶም ንየሆዋ ዘፍቅሩ: ሰላም ዝፈትዉ: “መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘድልዮም” ከኣ ዝግንዘቡ እዮም። (ማቴዎስ 5:3 NW) ዝያዳ መስተንክር ዝዀነ ምሕዳስ ማለት ወድሰብን ምልእቲ ምድርን ናብቲ መጀመርታ ዝነበሮ ዅነታት ክምለሱ ኸለዉ ናይ ምርኣይ መሰል እውን ክረኽቡ እዮም።

“እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ”

12, 13. (ሀ) እቲ ብዛዕባ ምሕዳስ ዝዛረብ ትንቢታት ተወሳኺ ፍጻሜኡ ኽረክብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ከምቲ ኣብ ኤድን እተገልጸ የሆዋ ብዛዕባ ምድሪ እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዎ: እዚኸ ብዛዕባ ዝመጽእ ተስፋ ዝህበና ስለምንታይ እዩ፧

12 ብዛዕባ ምሕዳስ ዝዛረብ መብዛሕትኡ ትንቢታት መንፈሳዊ መፈጸምታ ጥራይ ኣይኰነን ዘለዎ። ንኣብነት: ኢሳይያስ ሕሙማት: ሓንካሳት: ዕዉራት: ከምኡውን ጸማማት ክሓውዩ ምዃኖምን ሞት እውን ከይተረፈ ንዘለኣለም ክወሓጥ ምዃኑን ጽሒፉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 25:8፣ 35:1-7) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተስፋታት ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ቃል ብቓሉ ኣይተፈጸመን። ኣብዚ ግዜና እውን መንፈሳዊ ፍጻሜኡ ጥራይ ኢና እንርእዮ ዘሎና። ይኹን እምበር: ኣብ ዝመጽእ ቃል ብቓሉ ምሉእ ብምሉእ ፍጻሜኡ ኸም ዝረክብ ዝገልጽ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧

13 የሆዋ ኣብ ኤድን ምድሪ ሕጕሳትን ጥዑያትን ሓድነት ዘለዎምን ስድራቤታት ዝነብሩላ ቦታ ክትከውን ዕላምኡ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹ እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ንምድርን ንዅሎም ኣብኣ ዝነብሩ ፍጥረታትን እናተኸናኸኑ ንምድሪ ብምልእታ ናብ ገነት ክቕይርዋ ነበሮም። (ዘፍጥረት 1:28) ካብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ዅነታት ፈጺሙ እተፈልየ እዩ ክኸውን ነይርዎ። ይኹን እምበር: ዕላማታት ኣምላኽ ፈጺሙ ኸም ዘይቅየር ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 55:10, 11) የሱስ ብኣምላኽ እተሾመ መሲሓዊ ንጉስ ብምዃኑ ነዛ ዕላማ እተገብረላ ዓለምለኻዊት ገነት እዚኣ ኸምጽኣ እዩ።—ሉቃስ 23:43

14, 15. (ሀ) የሆዋ ብኸመይ እዩ ‘ንዅሉ ዘሐድሶ፧’ (ለ) ኣብ ገነት እንታይ ዓይነት ናብራ ህይወት እዩ ኽህሉ: ካብዚ ዝያዳ ዝስሕበካኸ ኣየናይ እዩ፧

 14 ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየርሲ ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ! የሆዋ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ “እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ” በለ። (ራእይ 21:5) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ነቲ ንጥፍኣት ዘውዕሎ ሓይሉ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንምጥፋእ ምስ ተጠቕመሉ: ቀጺሉ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ከምጽእ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ሰማይ ዝቘመት ሓንቲ ሓዳስ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ንየሆዋ ብዘፍቅሩን ፍቓዱ ብዝገብሩን ዝቘመ ምድራዊ ሕብረተሰብ ከተመሓድር ምዃና ዝሕብር እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ክእሰሩ እዮም። (ራእይ 20:3) ደቅሰብ ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ኻብቲ ምብልሻውን ጽልእን ጕድኣትን ዘምጽእ ጽልዋታት ናጻ ኽዀኑ እዮም። ኣየ ኸመይ ዝኣመሰለ ቕሳነት ኰን እዩ ኽህሉ!

15 ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከምቲ ብመጀመርታ ክግበር ተደልዩ ዝነበረ ነታ ጽብቕቲ ምድርና ኽንከናኸና ኢና። ምድሪ ንገዛእ ርእሳ ንምሕዳስ ዘኽእላ ባህርያዊ ኽእለት ኣለዋ። ምንጪ ብኽለት እንተደኣ ተኣልዩ ተበኪሉ ዘሎ ቀላያትን ወሓይዝን ባዕሉ ኽጸሪ ይኽእል እዩ። ውግእ እንተደኣ ኣቋሪጹ እቲ ብውግእ እተበላሸወ መልክዕ ምድሪ ናብ ዝነበሮ ኽምለስ ይኽእል እዩ። ንሕና እውን ምስቲ ምድሪ ዘለዋ ባህርያዊ ናይ ምሕዳስ ክእለት ሓቢርና ናብ ሓንቲ በብዓይነቶም እንስሳታትን ኣትክልትን ዝሓዘት ዓለምለኻዊት ኤድን ንኽንቅይራ ኣጋጣሚ ኽንረክብሲ ኽንደይ ባህ ዘብል ኰን እዩ! ሽዑ ሰብ ቀይዲ በተኽ ኰይኑ ጅር እንስሳታትን ኣትክልትን ኣብ ክንዲ ዘጥፍእ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጥረት ብሰላም ክነብር እዩ። ቈልዑ እኳ ከይተረፉ ካብ ኣራዊት ዘፍርህ ምኽንያት ኣይክህልዎምን እዩ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 11:1-9

16. ኣብ ገነት ንነፍሲ ወከፍ እሙን ሰብ ዝትንክፍ እንታይ ምሕዳስ እዩ ኽህሉ፧

16 እቲ ናይ ምሕዳስ መስርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍና በብውልቂ እውን ክዓዪ እዩ። እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ብዓለምለኸ ደረጃ ተኣምራዊ ምፍዋስ ክፍጸም ከሎ ክርእዩ እዮም። የሱስ ከምቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝገብሮ ዝነበረ: ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ዓይኒ ዕውራት ንምኽፋት: ኣእዛን ጸማማት ንምፍዋስ: ንሓንካሳትን ስንኩላትን ከኣ ምሉእ ጥዕና ንምሃብ ክጥቀመሉ እዩ። (ማቴዎስ 15:30) ኣረጋውያን ሓይልን ጥዕናን ረኺቦም  ናብ ጕብዝንኦም ክምለሱ እዮም። (እዮብ 33:25) እተጨማደደ ቘርበት ኣይክህሉን: እተመዛበለ ኣካላት ክቐንዕ: ጭዋዳታት እውን ሓድሽ ሓይሊ ረኺቡ ኽተዓጻጸፍ እዩ። ኵሎም እሙናት ደቅሰብ ናይ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሳዕቤናት በብቝሩብ እናጠፍአ ክኸይድ ከሎ ኽፍለጦም እዩ። ንየሆዋ ኣምላኽ ስለቲ ንምሕዳስ ዝጥቀመሉ ዘደንጹ ሓይሉስ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግኖ! ሕጂ ድማ ኣብዚ ናይ ምሕዳስ እዋን እዚ ዝፍጸም ልቢ ዝትንክፍ ሓደ ፍሉይ መዳይ ነተኵር።

ንምውታት ናብ ህይወት ምምላስ

17, 18. (ሀ) የሱስ ንሰዱቓውያን ዝገንሖም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኤልያስ ትንሳኤ ንኽፍጽም: ንየሆዋ ክሓቶ ዝደረኾ ኵነታት እንታይ እዩ፧

17 ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ሰዱቓውያን ዝበሃሉ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ብትንሳኤ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። የሱስ “መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ አሎኹም” ብምባል ገንሖም። (ማቴዎስ 22:29) እወ: የሆዋ ምዉታት ንምትንሳእ ዝጥቀመሉ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ቅዱሳት ጽሑፋት ይነግረና እዩ። ብኸመይ፧

18 ነቲ ኣብ ግዜ ኤልያስ ዘጋጠመ ፍጻመ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ንገለ ግዜያት ብግሽነት ኣብ ቤት ሓንቲ መበለት ዝቕመጥ ዝነበረ ነብዪ ኤልያስ: ሓደ መዓልቲ እታ መበለት ሬሳ ወዳ ሓቚፋ ምስ መጸቶ ሰንቢዱ ክኸውን ኣለዎ። ኣቐድም ኣቢሉ ካብ ጥሜት ኣድሒንዎ ስለ ዝነበረ ምስቲ ቘልዓ ተቐራሪቡ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ መበለት ነቲ ዝሞታ በዓልቤታ ዘዘኻኽራ ሓድጊ ንሱ ጥራይ ብምንባሩ ብጓሂ ተዋሕጠት። ኣብ ግዜ እርጋና ክጥውራ ተስፋ ገይራ ነይራ ክትከውን ትኽእል እያ። ካብ ብስጭት እተላዕለ ኸኣ እዚ መቕጻዕቲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበረቶ ጌጋታት ከም ዝዀነ ገይራ ወሰደቶ። ኤልያስ ነዚ ተደራራቢ ስቓይ ዘምጽአ ኵነታት ስቕ ኢሉ ኽጻወሮ ኣይክኣለን። ነቲ ሬሳ ቀስ ኣቢሉ ካብ ሕቝፋ ወሲዱ ናብ መደቀሲኡ ኸደ: ነቲ ቘልዓ ነፍሱ ወይ ህይወቱ ኽመልሰሉ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽ ለመኖ።—1 ነገስት 17:8-21

19, 20. (ሀ) ኣብርሃም ኣብቲ የሆዋ ንምትንሳእ ዝጥቀመሉ ሓይሊ እምነት ከም ዝነበሮ ብኸመይ እዩ ዘርኣየ: ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ከም ዘሕድር ዝገበሮኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) የሆዋ ንኤልያስ በቲ ዘርኣዮ እምነት ዝባረኾ ብኸመይ እዩ፧

19 ኣብ ትንሳኤ ምእማን ብኤልያስ ኣይኰነን ተጀሚሩ። ካብ ኤልያስ ዘመናት ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣብርሃም የሆዋ ንምትንሳእ ዝጥቀመሉ ኸምዚ  ዝኣመሰለ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ይኣምን ነበረ። እዚ እምነት እዚ ኸም ዝህልዎ ዝገበሮ ብቑዕ ምኽንያት ከኣ ነይርዎ እዩ። ኣብርሃም ወዲ 100 ዓመት: ሳራ ኸኣ ጓል 90 ዓመት ምስ ኰኑ ነቲ ሞይቱ ዝነበረ ናይ ምፍራይ ክእለቶም ኣሐዲሱ ብተኣምራዊ መገዲ ወዲ ኽትወልድ ኣኽኣላ። (ዘፍጥረት 17:17፣ 21:2, 3) እቲ ወዲ ዓብዩ እኹል ሰብኣይ ምስ ኰነ የሆዋ ንኣብርሃም ንወዱ ክስውኣሉ ሓተቶ። ኣብርሃም: የሆዋ ንወዱ ኸተንስኦ ኸም ዝኽእል ብምሕሳብ እምነት ኣርኣየ። (እብራውያን 11:17-19) ኽስውኦ ናብ ከረን ቅድሚ ምድያቡ ነቶም ግዙኣቱ ምስ ይስሃቕ ወዱ ኽምለስ ምዃኑ ኣርጊጹ ምዝራቡ እምነቱ ኽሳዕ ክንደይ ዓባይ ከም ዝነበረት ዘርኢ እዩ።—ዘፍጥረት 22:5

“ርኣዪ፡ ወድኺ ህያው ኰይኑ”

20 የሆዋ ንይስሃቕ ስለ ዝነሓፎ ኣብቲ ግዜ እቲ ትንሳኤ ኽፍጸም ኣድላዪ ኣይነበረን። ኣብ ናይ ኤልያስ ግን ወዲ እታ መበለት ንሓጺር እዋን እኳ እንተ ዀነ ሞይቱ እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቲ ቘልዓ ብምትንሳእ ንኤልያስ በቲ ዘርኣዮ እምነት ባሪኽዎ እዩ። ሽዑ ኤልያስ ብዘይርሳዕ ቓላት “ርአዪ: ወድኺ ሐውዩ [“ህያው ኰይኑ:” NW]” ብምባል ነቲ ቘልዓ ነዲኡ ሃባ።—1 ነገስት 17:22-24

21, 22. (ሀ) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ቅድሚ ሕጂ እተፈጸመ ትንሳኤ ንምንታይ ዕላማ እዩ ተገይሩ፧ (ለ) ኣብ ገነት ከመይ ዝበለ ሰፊሕ ትንሳኤ እዩ ኽህሉ: ነዚኸ መን እዩ ኽፍጽሞ፧

21 የሆዋ ህይወት ሰብ ንምትንሳእ እተጠቕመሉ ሓይሊ ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ እዚ እዩ። ዳሕራይ ግን የሆዋ ንኤልሳእ: ንየሱስ: ንጳውሎስ: ንጴጥሮስ ምውታት ከተንስኡ ሓይሊ ሂብዎም እዩ። እቶም ዝተንስኡ እንደገና ሞይቶም እኳ እንተዀኑ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት እዚ ኣብ ዝመጽእ ትንሳኤ ምዉታት ብዓብዪኡ ክፍጸም ምዃኑ ዝሕብር ዘደንቕ መርኣያ እዩ።

22 የሱስ ኣብ ገነት ነቲ ኸም “ትንሳኤን ህይወትን” መጠን ዘለዎ ግደ ኽፍጽሞ እዩ። (ዮሃንስ 11:25) ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ኣተንሲኡ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኽህቦም እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ንነዊሕ እዋናት ብሞት ተፈላልዮም ዝነበሩ ፈተውትን ኣዝማድን እንደገና ተራኺቦም ብሓጐስን ብእልልታን ንሓድሕዶም  ክትሓቛቘፉ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ኵሎም ደቅሰብ ስለቲ ንምትንሳእ ዝጥቀመሉ ሓይሉ ንየሆዋ ኽውድስዎ እዮም።

23. ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ሓይሉ ተጠቒሙ ዝፈጸሞ ነገራት እቲ ዝዓበየ ኣየናይ እዩ: እዚኸ ነቲ ብዛዕባ ዝመጽእ እተዋህበና ተስፋ ዘደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

23 የሆዋ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተስፋታት ብርግጽ ክፍጸም ምዃኑ ዝሕብር ጽኑዕ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። ሓይሉ ተጠቒሙ ካብ ዝፈጸሞ ዅሉ ነገራት እቲ ዝዓበየ: ነቲ ሓደ ወዱ ዝዀነ የሱስ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ከም ሓደ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ገይሩ ኣብ ዝፋኑ ኻልኣይ ደረጃ ስልጣን ምሃቡ እዩ። የሱስ ምስ ተንስአ ብኣማእታት ንዝቝጸሩ ሰባት ተራእይዎም እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:5, 6) እዚ ንተጠራጠርቲ እውን ከይተረፈ እኹል መርትዖ ክዀኖም ይግባእ። የሆዋ ምዉታት ንምትንሳእ ሓይሊ ኣለዎ።

24. የሆዋ ንምዉታት ከተንስኦም ምዃኑ ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና: ነፍሲ ወከፍናኸ እንታይ ዓይነት ተስፋ እዩ ኽህልወና ዘለዎ፧

24 የሆዋ ምዉታት ናይ ምትንሳእ ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ ድሌት እውን ኣለዎ። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ: የሆዋ ምዉታት ንምትንሳእ ዝናፍቕ ምዃኑ ብመንፈስ ተደሪኹ ተዛሪቡ ኣሎ። (እዮብ 14:15) የሆዋ ነቲ ንምሕዳስ ዝጥቀመሉ ሓይሉ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ መገዲ ኸዘውትሮ ሃረር ዝብል ካብ ኰነ ንኽትቀርቦ ኣይድርኸካንዶ፧ ይኹን እምበር: የሆዋ ኣብ ዝመጽእ ዝፍጽሞ ዓብዪ ናይ ምሕዳስ ዕዮ ትንሳኤ ጥራይ ከም ዘይኰነ ዘክር። ናብኡ እናቐረብካ ብዝኸድካ መጠን: የሆዋ ‘ንዅሉ ከሐድሶ’ ኸሎ ንኽትርእዮ እተዋህበካ ኽቡር ተስፋ ኣይትረስዓዮ።—ራእይ 21:5

^ ሕ.ጽ. 3 ወራሲ ናይቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ኣብ ዝፋን ምስ ተቐመጠ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ቈመት እሞ “ኵሉ ነገር ዚሕደሰሉ ዘመን” ከኣ ጀመረ። የሆዋ ንዳዊት ሓደ ኻብ ዘርኡ ወራሲ ዀይኑ ንዘለኣለም ክገዝእ ምዃኑ ተመባጺዕሉ ነይሩ። (መዝሙር 89:35-37) ባቢሎናውያን ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ምስ ኣጥፍእዋ ግን ካብ ዘርኢ ዳዊት ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ወራሲ ዳዊት ኰይኑ ኣብ ምድሪ እተወልደ የሱስ ኣብ ሰማይ ምስ ነገሰ እቲ ነዊሕ ግዜ ይገብር መብጽዓ እተገብረሉ ንጉስ ኰነ።

^ ሕ.ጽ. 6 ንኣብነት: ሙሴ: ኢሳይያስ: ኤርምያስ: ህዝቅኤል: ሆሴእ: ዮኤል: ኣሞጽ: ኦብድያ: ሚክያስ: ጸፎንያስ ኵሎም ብዛዕባ ምሕዳስ ወይ ምምላስ ተነብዮም እዮም።