ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ቋንቋ ምረጽ ትግርኛ

 ምዕራፍ 9

“ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽ”

“ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽ”

1-3. (ሀ) ደቀ-መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ከመይ ዝበለ ዘፍርህ ተመክሮ እዩ ኣጋጢምዎም: የሱስከ እንታይ ገበረ፧ (ለ) የሱስ “ክርስቶስ: እቲ ሓይሊ ኣምላኽ” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ መዓልቲ ደቀ-መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ እናተጓዕዙ ኸለዉ ሃንደበት ማዕበል ተላዕለ እሞ ኣዝዮም ተሸበሩ። ገለ ኻብኣቶም ተመክሮ ዝነበሮም ገፈፍቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ ቅድሚኡ እውን ኣብዚ ባሕሪ እዚ ማዕበላት ኣጓኒፍዎም ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። * (ማቴዎስ 4:18, 19) እቲ ኸም ዝሽበሩ ዝገበሮም ማዕበል ግን “ህቦብላን ብርቱዕ ንፋስን” ዝነበሮ ብምዃኑ ነቲ ባሕሪ ኣዝዩ ኸም ዝናወጽ እዩ ገይርዎ። እቶም ሰባት ነታ ጃልባ ንኽመርሕዋ ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓሩ እቲ ማዕበል ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብምዃኑ ኽቈጻጸርዎ ኣይከኣሉን። እናወሓዘ ኸኣ “ናብታ ጃልባ አተወ” እሞ እታ ጃልባ ብማይ መልአት። የሱስ ግን ንህዝቢ ኽምህር ውዒሉ ስለ ዝደኸመ እዚ ዅሉ ነውጺ እናሃለወ ዓሚቚ ድቃስ ደቂሱ ነበረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግን ከይጥሕሉ ፈሪሆም “ጐይታይ: ጠፋእና: ኣድሕነና” እናበሉ ኣበራበርዎ።—ማርቆስ 4:35-38፣ ማቴዎስ 8:23-25

2 የሱስ ግን ኣይፈርሀን። ብምትእምማን “ስቕ በሊ: ህድኢ” ብምባል ንንፋስን ባሕርን ገንሖም። ንፋስን ባሕርን ብኡንብኡ ተኣዘዝዎ: እቲ ህቦብላን ማዕበልን ከኣ ኣቋረጸ: “ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ።” ሽዑ እቶም ደቀ-መዛሙርቲ ኣዝዮም ፈርሁ። ንሓድሕዶም ከኣ “መን ኰን እዩ፧” ተበሃሃሉ። ንንፋስን ባሕርን ልክዕ ከም ንሓደ ስዲ ቘልዓ ኽገንሖ ዝኽእል እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧—ማርቆስ 4:39-41፣ ማቴዎስ 8:26, 27

3 ይኹን እምበር: የሱስ ተራ ሰብ ኣይነበረን። ሓይሊ የሆዋ ብፍሉይ  መገድታት እዩ ኣብኡን ብእኡን ዝዓዪ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ክርስቶስ: እቲ ሓይሊ ኣምላኽ” ኢሉ ኽጽውዖ ሓቁ እዩ። (1 ቈረንቶስ 1:24) ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ የሱስ እተገልጸ በየናይ መገድታት እዩ፧ የሱስ ሓይሊ ምጥቃሙ ኣብ ህይወትና እንታይ ዓይነት ጽልዋ እዩ ኽገብረልና ዝኽእል፧

ሓይሊ ናይቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ

4, 5. (ሀ) የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ እንታይ ዓይነት ስልጣንን ሓይልን እዩ ሂብዎ፧ (ለ) እዚ ወዲ እዚ ነቲ ምስ ፍጥረት እተተሓሓዘ ዕላማታት ኣቦኡ ብኸመይ እዩ ፈጺምዎ፧

4 ብዛዕባ እቲ የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበሮ ሓይሊ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ነቲ የሱስ ክርስቶስ እተባህለ ሓደ ወዱ ኽፈጥሮ ኸሎ “ናይ ዘለኣለም ሓይሉ” እዩ ተጠቒሙ። (ሮሜ 1:20፣ ቈሎሴ 1:15) ድሕሪዚ የሆዋ ንወዱ ነቲ ምስ ምፍጣር እተተሓሓዘ ዕላማታቱ ኽፍጽም መዝነት ብምሃብ ማእለያ ዘይብሉ ሓይልን ስልጣንን ሃቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ “ብእኡ ዅሉ ዀነ: ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን” ይብለና።—ዮሃንስ 1:3

5 እቲ እተዋህቦ መዝነት ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ክርዳኣና ኣይክእልን እዩ። ነቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሓያላት መላእኽቲ: ነቲ ቢልዮናት ጋላክሲታት ዝሓዘ ኣድማስ: ከምኡውን ንምድርን ነቲ ኣብኣ ዝነብር እተፈላለየ ህይወትን ንምፍጣር እተጠቕመሉ ሓይሊ እሞ ሕስብ ነብሎ! እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ነዚ ንምፍጻም ዘኽእሎ ኣብ ኣድማስ ካብ ዘሎ እቲ ዝበርትዐ ሓይሊ ማለት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎ እዩ። ስለዚ የሆዋ ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ንኽፈጥር እተጠቕመሉ ክኢላ ሰራሕተኛ ብምዃኑ የሱስ ብዙሕ ተሓጒሱ እዩ።—ምሳሌ 8:22-31

6. የሱስ ኣብ ምድሪ ሞይቱ ምስ ተንስአ ከመይ ዝበለ ሓይልን ስልጣንን እዩ ተዋሂብዎ፧

6 እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ካብዚ ዝበልጽ ዝያዳ ሓይልን ስልጣንን ክቕበልከ ኽኢሉዶ፧ ኣብ ምድሪ ሞይቱ ምስ ተንስአ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” በለ። (ማቴዎስ 28:18) እወ: የሱስ ኣብ ምሉእ ኣድማስ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ክእለትን መሰልን ተዋሂብዎ ኣሎ። ከም “ንጉሰ ነገስትን: ጐይታ ጐይተትውን” ኰይኑ ኣንጻር ኣቦኡ ንዝስለፍ ዝርአን ዘይርአን ዘበለ ‘ዅሉ ሽመትን ኵሉ ስልጣንን  ሓይልን ክስዕር’ ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ። (ራእይ 19:16፣ 1 ቈረንቶስ 15:24-26) የሆዋ ብጀካኡ “ንእኡ ዘየግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሐደገን።”—እብራውያን 2:8፣ 1 ቈረንቶስ 15:27

7. የሱስ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓይሊ ብዘይግቡእ ፈጺሙ ኸም ዘይጥቀመሉ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

7 የሱስ ንሓይሉ ብዘይግቡእ ይጥቀመሉ ደዀን ይኸውን ኢልና ኽንጭነቕ የድልየና ድዩ፧ ነቦኡ ብሓቂ ስለ ዘፍቅሮ ከጕህዮ ድማ ፈጺሙ ስለ ዘይደሊ በዚ ኽንጭነቕ ኣየድልየናን እዩ። (ዮሃንስ 8:29፣ 14:31) ኣቦኡ የሆዋ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ሓይሉ ፈጺሙ ብዘይግቡእ ከም ዘይጥቀመሉ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖም” ኣጋጣሚ ኸም ዘናዲ: የሱስ ባዕሉ ተመኪርዎ እዩ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ከም ኣቦኡ ንደቅሰብ ስለ ዘፍቀሮም ንሓይሉ ወትሩ ንጥቕሚ ደቅሰብ ከም ዘውዕሎ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 13:1) ነዚ ዘረጋግጸልና የሱስ ዝገደፎ ምሉእ ዘይጕዱል መርትዖ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝነበሮ ሓይልን ንኽጥቀመሉ ኸኣ ብኸመይ ይድረኽ ከም ዝነበረን ንርአ።

“ብቓል . . . ብርቱዕ”

8. የሱስ ደድሕሪ ጥምቀቱ እንታይ ንምግባር እዩ ሓይሊ ዝረኸበ: ንሓይሉኸ ብኸመይ ተጠቕመሉ፧

8 የሱስ ቈልዓ ዀይኑ ኣብ ናዝሬት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝዀነ ይኹን ተኣምራት ከም ዘይፈጸመ ፍሉጥ እዩ። ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ 30 ዓመቱ ምስ ተጠምቀ ግን እቲ ዅነታት ተቐይሩ እዩ። (ሉቃስ 3:21-23) መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ: . . . እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ: ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኵሎም ከኣ ከም ዘሕወየ” ይነግረና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:38) “ጽቡቕ ከም ዝገበረ” ዝብል ቃላትሲ የሱስ ንሓይሉ ብግቡእ ከም እተጠቕመሉ ዝሕብርዶ ኸይኰነ፧ ምስ ተጠምቀ “ብግብርን ብቓልን: ብርቱዕ ነቢይ [ከም] ዝነበረ” እዩ ዝነግረና።—ሉቃስ 24:19ትርጕም 1990

9-11. (ሀ) የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣበይ ኰይኑ እዩ ዝምህር ነይሩ: ከመይ ዝበለ ብድሆታትከ እዩ ዘጋጥሞ ነይሩ፧ (ለ) እቶም ህዝቢ ብትምህርትታት የሱስ እተገረሙ ስለምንታይ እዮም፧

9 የሱስ ብቓል ብርቱዕ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ  ቅሉዕ ቦታ ማለት ኣብ ገማግም ባሕርን ብርኽ ዝበለ ቦታን ኣብ ኣደባባያትን ዕዳጋታትን ኰይኑ እዩ ዝምህር ነይሩ። (ማርቆስ 6:53-56፣ ሉቃስ 5:1-3፣ 13:26 ትርጕም 1990) እቶም ህዝቢ ቓላቱ ዘይስሕቦም ነይሩ እንተ ዝኸውን ደው ኢሎም ኣይምሰምዕዎን ነይሮም። ኣብቲ መጽሓፍቲ ዘይሕተመሉ ዝነበረ ዘመን: እቶም መማሰውቲ ዝዀኑ ንቓላቱ ምስ ሰምዕዎ ኣብ ኣእምሮኦምን ልቦምን ክዓቝርዎ ነበሮም። ስለዚ እምበኣር: ትምህርትታት የሱስ ኣጸቢቑ ዝማርኽ: ብቐሊሉ ዝርዳእን ዝዝከርን ክኸውን ነበሮ። እዚ ግን ንየሱስ ጸገም ኣይፈጠረሉን። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ዝርርቡ እሞ ንርአ።

10 ሓደ መዓልቲ ብጊሓት ናይ 31 ከ.ኣ.ዘ. ሰባት ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ተኣኪቦም ነበሩ። ገሊኣቶም ካብ ይሁዳን የሩሳሌምን ካብ 100 ክሳዕ 110 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ዝመጹ እዮም። ገሊኣቶም ካብ ሰሜን ማለት ካብ ገማግም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን ዝመጹ እዮም። ብዙሓት ሕሙማት ከኣ ንኽትንክዮም ናብ የሱስ ይቐርቡ ነበሩ: ንዅሎም ከኣ ኣሕወዮም። ኣሕውዩ ምስ ወድአ ኸኣ ክምህሮም ጀመረ። (ሉቃስ 6:17-19) ጸኒሑ ዘረባኡ ምስ ወድአ በቲ ዝሰምዕዎ ተገረሙ። ስለምንታይ፧

11 ገለ ዓመታት ጸኒሑ ሓደ ኻብቶም ነቲ ዝርርብ ዝሰምዑ ሰባት “ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ: ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ: እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ” ይብለና። (ማቴዎስ 7:28, 29) የሱስ ከም ዝትንክፎም ብዝገብር ሓይሊ: ከም ወኪል ኣምላኽ ኰይኑ እዩ ዝዛረብ ነይሩ: ንትምህርትታቱ ኸኣ ብስልጣን ቃል ኣምላኽ ይድግፎ ነበረ። (ዮሃንስ 7:16) እቲ ዝህቦ ሓሳባት ንጹር: ምኽሩ ዘእምን: መጐተኡ ኸኣ ዘይርታዕ እዩ ነይሩ። ቃላቱ ነጥቢ ዝወቅዕን ልቢ ሰማዕቱ ዝትንክፍን እዩ ነይሩ። ከመይ ገይሮም ሓጐስ ከም ዝረኽቡ: ከመይ ገይሮም ከም ዝጽልዩ: ከመይ ገይሮም መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝደልዩ: ብዛዕባ መጻኢውን ከመይ ገይሮም ድልዱል መሰረት ከም ዝሃንጹ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 5:3-7:27) ቃላቱ ንልቢ ናይቶም ሓቅን ጽድቅን ዝጠምዩ ሰባት ኣነቓቒሕዎ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ህይወቶም  ‘ቀቢጾም:’ ንዅሉ ሓዲጎም ክስዕብዎ ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 16:24፣ ሉቃስ 5:10, 11) እዝስ የሱስ ብቓል ብርቱዕ ወይ ሓያል ምንባሩ ዘርኢ ብቑዕ መርትዖዶ ኸይኰነ!

‘ብግብሪ ብርቱዕ’

12, 13. የሱስ በየናይ መገዲ እዩ ‘ብግብሪ ብርቱዕ’ ዝነበረ: ከመይ ዝበለ እተፈላለየ ዓይነት ተኣምራትከ እዩ ዝገብር ነይሩ፧

12 የሱስ ‘ብግብሪ’ እውን “ብርቱዕ” እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 24:19 NW) ‘ብሓይሊ የሆዋ’ ዝፈጸሞ ልዕሊ 30 ዝኸውን ተኣምራት ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡልና ኣሎ። * (ሉቃስ 5:17) ተኣምራቱ ንህይወት ኣሽሓት ሰባት ዝትንክፍ እዩ ነይሩ። ቍጽሪ ናይቶም ብዝፈጸሞ ኽልተ ተኣምራት ጥራይ እተመገቡ “ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን” መጀመርታ 5,000 ሰብኡት ዳሕራይ ከኣ 4,000 ሰብኡት ካብ ነበረ ኣንስትን ቈልዑን ሓዊስካ 20,000 ኣቢሎም ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ተመጊቦም እዮም።—ማቴዎስ 14:13-21፣ 15:32-38

“ንየሱስ ባሕረ ባሕሪ እናኸደ . . . ከሎ ርእዮምዎ”

13 የሱስ እተፈላለየ ዓይነት ተኣምራት እዩ ዝገብር ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ስልጣን ስለ ዝነበሮ ብቐሊሉ እዩ ዘውጽኦም ነይሩ። (ሉቃስ 9:37-43) ኣብ ንጥረ-ነገራት እውን ሓይሊ ስለ ዝነበሮ ንማይ ናብ ወይኒ ቐይሩ እዩ። (ዮሃንስ 2:1-11) ኣብቲ ብንፋስ ዝናወጽ ዝነበረ ባሕሪ ገሊላ ብእግሩ ክኸይድ ምስ ረኣይዎ ደቀ መዛሙርቱ ተገሪሞም እዮም። (ዮሃንስ 6:18, 19) ኣብ ልዕሊ ሕማም ሓይሊ ስለ ዝነበሮ እውን ስንክልና: ሕዱር ሕማምን ካልእ ኣብ ሞት ዘብጽሕ ሕማምን ይፍውስ ነበረ። (ማርቆስ 3:1-5፣ ዮሃንስ 4:46-54) ነዚ ኸኣ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዝፍጽሞ ነይሩ። ንገሊኣቶም ካባታቶም ርሒቑ ኸሎ ብቓሉ ጥራይ የሕውዮም: ንኻልኦት ከኣ ኣእዳዉ ተንኪፉ የሕውዮም ነበረ። (ማቴዎስ 8:2, 3, 5-13) ገሊኣቶም ብኡንብኡ ክሓውዩ ኸለዉ ካልኦት ከኣ በብቝሩብ እዮም ሓውዮም።—ማርቆስ 8:22-25፣ ሉቃስ 8:43, 44

14. የሱስ ኣብ ልዕሊ ሞት ሓይሊ ከም ዝነበሮ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ኣርእዩ፧

 14 እቲ ኻብ ኵሉ ዘገርም ድማ የሱስ ኣብ ልዕሊ ሞት እውን ከይተረፈ ሓይሊ ነይርዎ እዩ። ምስ ወለዳ ንዝነበረት ጓል 12 ዓመት: ንወዲ መበለት: ብኣሓቱ ይፍቶ ንዝነበረ ሰብኣይ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስአ ዝገልጽ ሰለስተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ኣሎና። (ሉቃስ 7:11-15፣ 8:49-56፣ ዮሃንስ 11:38-44) ኣብ ሰለስቲኡ ዅነታት ድማ ፈጺሙ ኣይተጸገመን። ነታ ጓል 12 ዓመት ቈልዓ ምስ ሞተት ነዊሕ ከይጸንሐት እዩ ኻብቲ ደቂሳትሉ ዝነበረት ዓራት ኣተንሲእዋ። ነቲ ኣብ ቃሬዛ ዝነበረ ወዲ እታ መበለት እውን ኣብታ ዝሞተላ መዓልቲ እዩ ኣተንሲእዎ። ንኣልኣዛር ከኣ ካብ ዝመውት ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ እዩ ኻብ መቓብር ዘተንስኦ።

ንሓይሉ ብዘይስስዐ: ብምስትውዓል: ብሓልዮት ተጠቕመሉ

15, 16. የሱስ ንሓይሉ ብዘይ ስስዐ ይጥቀመሉ ኸም ዝነበረ ዘርእየና እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

15 እቲ ንየሱስ እተዋህቦ ሓይሊ ወይ ስልጣን ንሓደ ዘይፍጹም መራሒ ተዋሂብዎ ነይሩ እንተ ዝኸውን ክሳዕ ክንደይ ብዘይግቡእ ክጥቀመሉ ከም ዝኽእልሲ ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ የሱስ ሓጢኣት ዝበሃል ኣይነበሮን። (1 ጴጥሮስ 2:22) እቲ ንዘይፍጹማት ሰባት ሓይሎም ንሰባት ንምጕዳእ ከውዕልዎ ዝደፋፍኦም ከም ስስዐን ናይ ስልጣን ህርፋንን ዝኣመሰለ ሕማቕ ባህርያት ክትንክፎ ኣይፈቐደሉን።

16 የሱስ ንሓይሉ ብስስዐ ንረብሓ ርእሱ ተጠቒሙሉ ኣይፈልጥን እዩ። ምስ ጠመየ ንእምኒ ናብ እንጌራ ክቕይሮ ምስ ተሓተ ኣብዩ እዩ። (ማቴዎስ 4:1-4) ንብረት ዘይነበሮ ምዃኑ: ንሓይሉ ስጋዊ ጥቕሚ ንምርካብ የውዕሎ ኸም ዘይነበረ ዘረጋግጽ እዩ። (ማቴዎስ 8:20) ነቲ ብርቱዕ ግብርታቱ ብዘይስስዐ ብልግሲ ይገብሮ ኸም ዝነበረ ዘረጋግጸልና ተወሳኺ መርትዖ እውን ኣሎና። ተኣምራት ክፍጽም ከሎ ገለ መስዋእቲ ይገብር ነይሩ እዩ። ሕሙማት ከሕዊ ኸሎ ሓይሊ ኻብኡ ይወጽእ ነበረ። ሓደ ሰብ ጥራይ ክሓዊ ኸሎ እውን ከይተረፈ ሓይሊ ኻብኡ ኽወጽእ ከሎ ይፍለጦ ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 5:25-34) ምስናይዚ ግን እቶም ህዝቢ ኸይተሰከፉ ኽትንክይዎ ይሓድጎም ስለ ዝነበረ ይሓውዩ ነበሩ።  (ሉቃስ 6:19) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ልግሲ ዝመልኦ መንፈስ ኰን እዩ ነይሩ!

17. የሱስ ንሓይሉ ብምስትውዓል ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ብኸመይ ኣርኣየ፧

17 የሱስ ንሓይሉ ብምስትውዓል እዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ። ንረኣዩለይ ወይ ብዘይዕላማ ዝፈጸሞ ግብሪ የለን። (ማቴዎስ 4:5-7) ነቲ ብዘይቅኑዕ ድራኸ ተኣምራት ክርኢ ዝህንጠ ዝነበረ ሄሮዶስ ንኸዕግብ ኢሉ ጥራይ ሓይሉ ኽጥቀም ፍቓደኛ ኣይነበረን። (ሉቃስ 23:8, 9) ነቶም ዘሕወዮም ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ብዙሕ ግዜ የጠንቅቖም ነበረ። (ማርቆስ 5:43፣ 7:36) ሰባት ኣብቲ ዝሰምዕዎ ወረ ተመርኲሶም ብዛዕብኡ ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ኽህቡ ኣይደልን እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 12:15-19

18-20. (ሀ) የሱስ ንሓይሉ በቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ ንኸዘውትሮ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ (ለ)ብዛዕባ እቲ የሱስ ነቲ ኽሰምዕ ይኹን ክዛረብ ዘይክእል ዝነበረ ሰብኣይ ዘሕወየሉ ኣገባብ እንታይ ይስምዓካ፧

18 እዚ ሓያል ሰብኣይ ዝነበረ የሱስ ካብቶም ንድሌትን ስቓይን ካልኦት ግዲ ኸይገበሩ ንሓይሎም ዘዝውትሩ ገዛእቲ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ሰባት ይሓሊ ነበረ። ምስ ረኣዮም ጥራይ የደንግጽዎ ስለ ዝነበሩ ካብ ስቓዮም ከሕውዮም ይድረኽ ነበረ። (ማቴዎስ 14:14) ብዛዕባ ስምዒታቶምን ዘድልዮም ነገራትን ይሓሊ ብምንባሩ እዚ ተገዳስነት እዚ ንሓይሉ ብግቡእ ንኽጥቀመሉ ጽልዋ ገበረሉ። ኣብ ማርቆስ 7:31-37 ዘሎ ጸብጻብ ሓደ ኣብነት እዩ።

19 ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ብዙሓት ሰብ ሓያሎ ሕሙማት ሒዞም ናብ የሱስ መጹ ንዅሎም ድማ ኣሕወዮም። (ማቴዎስ 15:29, 30) የሱስ ግን ንሓደ ሰብኣይ ንበይኑ ወሲዱ ፍሉይ ቈላሕታ ገበረሉ። እቲ ሰብኣይ ክሰምዕ ኰነ ክዛረብ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ የሱስ እቲ ሰብኣይ ክሽቝረር ከሎ ኣስተብሂሉሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ብሓልዮት ነቲ ሰብኣይ ካብቲ ህዝቢ ፈልዩ ናብ ሓደ ብሑት ቦታ ወሰዶ እሞ እንታይ ክገብር ምዃኑ ንኸረድኦ ገለ ምልክታት ተጠቕመ። “ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ: ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ።” * (ማርቆስ 7:33) ድሕሪ እዚ  የሱስ ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ብምጽላይ ኣተንፈሰ። ከምዚ ምግባሩ ኸኣ ነቲ ሰብኣይ ‘ዘሕውየካ ዘሎኹ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸብክዎ ሓይሊ እዩ’ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ የሱስ “ተኸፈት” በሎ። (ማርቆስ 7:34) ሽዑ ናይ ምስማዕ ክእለቱ ተመልሰ: ከም ማንም ሰብ ከኣ ክዛረብ ጀመረ።

20 የሱስ ነቲ ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ ናይ ምፍዋስ ክእለት ክጥቀመሉ ኸሎ እውን ከይተረፈ ንሕሙማት ስምዒታቶም ይርድኣሎም ምንባሩ ክትሓስቦ ኸሎኻ ክንደይ ልብኻ ዝትንክፍ ኰን እዩ! የሆዋ ነዚ ደንጋጽን ሓላይን ወዱ ገዛኢ ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ምግባሩ ምፍላጥናስ ባህ ዘብልዶ ኸይኰነ፧

ናይ ዝመጽእ ግዜ መርኣያ

21, 22. (ሀ) ተኣምራት የሱስ እንታይ እዩ ዝሕብር ነይሩ፧ (ለ) የሱስ ንባህርያዊ ሓይልታት ይቈጻጸሮ ስለ ዝነበረ: ኣብ ትሕቲ መንግስቱ እንታይ ክህሉ ኢና ትጽቢት ክንገብር እንኽእል፧

21 እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝፍጽሞ ዝነበረ ብርቱዕ ግብርታት መርኣያ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ግዝኣቱ ዝህሉ ዝዓበየ ግብርታት እዩ። የሱስ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም እውን ብዓለምለኸ ደረጃ ተኣምራት ክፍጽም እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝመጽእ ክፍጸም እንጽበዮ ዘገርም ነገራት እሞ ሕሰብ።

22 የሱስ ነዚ ሕጂ ተበላሽዩ ዘሎ ባህርያዊ መስርሕ ምድርና ናብቲ መጀመርታ ዝነበሮ ፍጹም ኵነታት ክመልሶ እዩ። ንማዕበልን ንፋስን ከም ዝሃድእ ብምግባር ንባህርያዊ ሓይልታት ከም እተቘጻጸሮ ንዘክር። ስለዚ እምበኣር: ወድሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ክርስቶስ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: እሳተ ጐመራን ካልእ ባህርያዊ ዕንወትን ከይወርደኒ ዝብል ስግኣት ኣይክህልዎን እዩ። ንምድርን ኣብኣ ዘሎ ህይወትን ንኽፈጥር የሆዋ እተጠቕመሉ ኽኢላ ሰራሕተኛ ስለ ዝዀነ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ይፈልጥ እዩ። ነቲ ዕቝር ሃብታ ብኸመይ ብግቡእ ክጥቀመሉ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ።—ሉቃስ 23:43

23. የሱስ ከም ንጉስ መጠን ንደቅሰብ ዘድልዮም ዘማልኣሎም ብኸመይ እዩ፧

23 ንደቅሰብ ዘድልዮም ነገራትከ ኸማልኣሎም ድዩ፧ እቲ የሱስ ብሒደት መግቢ ንኣሽሓት ሰባት ብብዝሒ ኽምግብ ምኽኣሉ ግዝኣቱ ኻብ  ጥሜት ናጻ ኽገብረና ምዃኑ የረጋግጸልና። ንዅሉ ብዘይ ኣድልዎ ዝባጻሕ እኹል መግቢ ስለ ዝህሉ ጥሜት ንዘለኣለም ከቋርጽ እዩ። (መዝሙር 72:16) ኣብ ልዕሊ ሕማም ዝነበሮ ሓይሊ ድኑሳት: ዕዉራት: ጸማማት: ልሙሳት: ስንኩላን ሰባት ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ክሓውዩ ምዃኖም ይሕብር። (ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6) እቲ ምዉታት ናይ ምትንሳእ ክእለቱ: ኸም ሰማያዊ ንጉስ መጠን ዘለዎ ስልጣንን ሓይልን ተጠቒሙ ነቶም ኣቦኡ ባህ ኢልዎ ዝዝክሮም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከተንስኦም ምዃኑ የረጋግጽ።—ዮሃንስ 5:28, 29

24. ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝነበሮ ሓይሊ ከነስተንትን ከሎና እንታይ ክንዝክር ይግብኣና: ስለምንታይከ፧

24 ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝነበሮ ሓይሊ ከነስተንትን ከሎና ነቦኡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቐድሖ ንዘክር። (ዮሃንስ 14:9) ስለዚ ካብቲ ንሓይሉ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ የሆዋ እውን ንሓይሉ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ንጹር ሓበሬታ ንረክብ ኢና። ንኣብነት: የሱስ ንሓደ ለምጻም ዘሕወየሉ ኣገባብ እሞ ንዘክር። ነቲ ሰብኣይ ብድንጋጽ ተላዒሉ ተንከዮ እሞ “ፈትየ አሎኹ” በሎ። (ማርቆስ 1:40-42) የሆዋ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻብ ገይሩ ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ነቲ ዘሎኒ ሓይሊ ከምዚ ገይረ እየ ዝጥቀመሉ’ እዩ ዝብል ነይሩ። ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽና ክትውድሶን ንሓይሉ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ መገዲ ስለ ዝጥቀመሉ ኸኣ ከተመስግኖን ኣይትድረኽንዶ፧

^ ሕ.ጽ. 1 ኣብ ባሕሪ ገሊላ ሃንደበታዊ ማዕበል ምርኣይ ልሙድ እዩ። እቲ ባሕሪ ብዙሕ ብራኸ ስለ ዘይብሉ (ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ 200 ሜትሮ ኣቢሉ እዩ) ኣብቲ ባሕሪ ዝርከብ ኣየር ካብቲ ናይቲ ኸባቢ ዝያዳ ውዑይ ብምዃኑ ምንዋጽ ይፈጥር እዩ። ብርቱዕ ንፋስ ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ወገን ዝርከብ እምባ ሄርሞን ተላዒሉ ናብ ስንጭሮ ዮርዳኖስ ገጹ ይነፍስ እዩ። ሃዲኡ ዝነበረ ኣየር ሃንደበት ናብ ብርቱዕ ማዕበል ክቕየር ይኽእል።

^ ሕ.ጽ. 12 ኣብ ርእሲ እዚውን ወንጌላት ሓድሓደ ግዜ ንብዙሕ ተኣምራት ብሓፈሻዊ ብሓደ መግለጺ ጥራይ ጠርኒፉ እዩ ዝዛረበሉ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ‘ብዘላ ኸተማ’ ክትርእዮ ከም ዝወጸት እሞ “ብዙሓት” ሕሙማት ከም ዘሕወየ ተጠቒሱ ኣሎ።—ማርቆስ 1:32-34

^ ሕ.ጽ. 19 ጡፍ ምባል ኣብ ኣይሁድ ይኹን ኣብ ኣህዛብ ተቐባልነት ዝነበሮ ናይ ምሕዋይ ኣገባብ ወይ ምልክት እዩ ነይሩ: ንምፍዋስ ጥፍጣፍ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ጸብጻብ እውን ኣብ ናይ ራቢ ጽሑፋት ኣሎ። የሱስ ጡፍ ዝበለሉ ክትሓዊ ኢኻ ዝብል መልእኽቲ ንኸመሓላልፈሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ንጥፍጣፉ ከም ፈውሲ ገይሩ ፈጺሙ ኣይተጠቕመሉን።