ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንየሆዋ ቕረቦ

ኣምላኽ ንኽትቀርቦ ይዕድመካ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ከም ትቐርቦ ኸተርእየካ እያ።

መእተዊ

ምስ ኣምላኽ ነባሪ ዕርክነት ክትምስርት ትኽእል ኢኻ።

ምዕራፍ 1

“እንሆ፡ ኣምላኽና”

ሙሴ ስም ኣምላኽ ዚፈልጥ ክነሱ፡ ስሙ ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 2

ንኣምላኽ ብሓቂዶ ኽትቀርቦ ትኽእል ኢኻ፧

እቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ዕድመ ኣቕሪቡልናን ኣተስፍዩናን ኣሎ።

ምዕራፍ 3

“ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ”

ቅድስና ምስ ጽባቐ ተተሓሒዙ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 4

‘የሆዋ ብዓል ዓብዪ ሓይሊ እዩ’

ሓይሊ ኣምላኽ ከም እንፈርሆ ኺገብረናዶ ይግባእ እዩ፧ እወ ኸምኡ እውን ኣይፋሉን ኢልና ኽንምልስ ንኽእል ኢና።

ምዕራፍ 5

‘እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ የሆዋ’ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ

ፍጥረታት ኣምላኽ፡ ካብታ ግዝፍቲ ጸሓይ ክሳብ እታ ዝደቐቐት ሃሚንግበርድ እትብሃል ዑፍ ብዛዕባ ኣምላኽ ይምህሩና እዮም።

ምዕራፍ 6

እቲ “ተዋጋኢ” የሆዋ ንጥፍኣት ዚጥቀመሉ ሓይሊ

ኣምላኽ ሰላም መለኮታዊ ውግእ ዝዋጋእ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 7

‘እቲ እንውከሎ ኣምላኽ’ ንኸዕቝበና ዝጥቀመሉ ሓይሊ

ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ብኽልተ መገድታት የዕቑቦም፡ ኬዕቝበሉ ዚኽእል ክልተ መገዲ፡ እቲ ሓደ ንምዕቛብ ዚጥቀመሉ መገዲ ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ምዕራፍ 8

እቲ “ንዅሉ እሕድሶ ኣሎኹ” ዝበለ የሆዋ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ሓይሊ

የሆዋ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚምለስ ገይሩ እዩ። የሆዋ ኣብ ዚመጽእ እንታይ ናይ ምሕዳስ ዕዮ እዩ ኺፍጽም፧

ምዕራፍ 9

“ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽ”

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራትን ዝሃቦ ትምህርትታትን ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

ምዕራፍ 10

ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይልኹም “ንኣምላኽ ምሰሉ”

ካብ እትግምቶ ንላዕሊ ሓይሊ ኺህልወካ ይኽእል እዩ​—ሓይልኻ ብግቡእ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ምዕራፍ 11

“ኵሉ መገዱ ፍትሒ እዩ”

ፍትሒ ተፈታዊት ባህርይ ኣምላኽ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

ምዕራፍ 12

“ኣብ ኣምላኽዶ ፍትሒ የልቦን እዩ፧”

የሆዋ ፍትሒ ምድፋን ዝጸልእ ኣምላኽ ክነሱ፡ ዘይፍትሓውነት ዝመልኣ ዓለም ክትህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 13

‘ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ’

ስርዓተ ሕጊ፡ ፍቕሪ ኺሰፍን ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 14

የሆዋ ‘ምእንቲ ብዙሓት ዝኽፈል በጃ’ ኣዳለወ

እዚ ኣገዳስነት ዘይብሉ ዚመስል ግና ከኣ ዓሚቝ ትምህርቲ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ኪሕግዘካ እዩ።

ምዕራፍ 15

የሱስ ‘ኣብ ምድሪ ፍትሒ ኽምስርት እዩ’

የሱስ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንኣምላኻዊ ፍትሒ ዘለዎ ደገፍ ዘንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ፍትሒ ዚምስርት ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ መጻኢ ፍትሒ ዜስፍን ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 16

ምስ ኣምላኽ ኣብ እትገብሮ ምምልላስ ‘ፍትሒ ግበር’

የሱስ “ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” ዚብል መጠንቀቕታ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 17

‘ወዳጄ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ’

ጥበብ ኣምላኽ ካብ ፍልጠቱን ምርዳኡን ምስትውዓሉን ሓለፍ ዝበለት ስለምንታይ እያ፧

ምዕራፍ 18

ኣብ ‘ቃል ኣምላኽ’ ዝርከብ ጥበብ

የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብመላእኽቲ ወይ ብገዛእ ርእሱ ኣብ ክንዲ ዚጽሕፍ፡ ብሰባት ከም ዝጸሓፍ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 19

‘ጥበብ ምስጢር ኣምላኽ’

እቲ ሕቡእ ዝነበረ ደሓር ግና ኣምላኽ ዝገለጸልና ምስጢር እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 20

“ብምስትውዓል ጠቢብ” ግናኸ ትሑት

እቲ ሉዓላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ትሑት ምዃኑ ዘርኢ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 21

የሱስ ‘ጥበብ ኣምላኽ’ ገለጸ

ትምህርትታት የሱስ፡ ንየሱስ ኪሕዝዎ እተላእኩ ወተሃደራት፡ ጥራይ ኢዶም ከም ዚምለሱ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 22

ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓየላዶ ኣሎኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ከነጥርየሉ እንኽእል 4 መዳይ ይገልጽ እዩ።

ምዕራፍ 23

“ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ”

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል ሓሳባት እንታይ ማለት እዩ፧

ምዕራፍ 24

‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኽፈልየና’ ዝኽእል የለን

ኣምላኽ ከም ዘየፍቅረካ ወይ ድማ ዋጋ ኸም ዘይብልካ ገይርካ ኺትሓስብ ዚገብረካ ነገር ኣርሕቕ።

ምዕራፍ 25

“ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና”

እቲ ኣምላኽ ንዓኻ ዘለዎ ስምዒት ከምቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ስምዒት እዩ ኺብሃል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 26

“ንይቕሬታ ድልው” ዝዀነ ኣምላኽ

ኣምላኽ ኵሉ ነገራት ዚዝክር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ይቕረ ኪብልን ኪርስዕን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 27

‘ሰናዩ ኽንደይ ዓብዪ እዩ’

ሕያውነት ኣምላኽ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ምዕራፍ 28

“ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሙን”

ተኣማንነት ኣምላኽ ካብ ናይ ካልኦት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 29

‘ንፍቕሪ ክርስቶስ ምፍላጣ’

ፍቕሪ የሆዋ እተንጸባረቐሉ ሰለስተ መዳያት ናይ ፍቕሪ የሱስ ንመርምር።

ምዕራፍ 30

“ብፍቕሪ ተመላለሱ”

ፍቕሪ ኸነርኢ ዝሕግዘና 14 መዳይ ኣብ ቀዳማይ ቈረንቶስ ጐሊሑ ኣሎ።

ምዕራፍ 31

‘ንኣምላኽ ቅረቦ፡ ንሱውን ክቐርበካ እዩ’

ንገዛእ ርእስኻ ኺትሓታ እትኽእል ኣገዳሲ ሕቶ እንታይ እዩ፧ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧