ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ

 ክፍሊ 7

የሱስ መን እዩ ነይሩ፧

የሱስ መን እዩ ነይሩ፧

የሆዋ ንየሱስ ናብ ምድሪ ለኣኾ። 1 ዮሃንስ 4:9

ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንተ ደሊና፡ ንወዱ ኽንሰምዖ ኣሎና። የሆዋ ንኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ ነዊሕ ይገብር፡ ኣብ ሰማይ ነቲ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ወዱ ፈጠሮ።

ድሕሪ ግዜ፡ የሆዋ ንወዱ፡ ካብ ሓንቲ ማርያም እትብሃል ድንግል ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ገበሮ። እቲ እተወልደ ሕጻን ድማ የሱስ ተባህለ።—ዮሃንስ 6:38

የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኺነብር ከሎ፡ ንባህርያት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቑ እዩ። ሕያዋይን ፈቃርን ተቐራብን ነበረ። ንሰባት፡ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ሓቂ ብትብዓት መሃሮም።

 የሱስ ሰናይ ይገብር እኳ እንተ ነበረ፡ ተጸልአ። 1 ጴጥሮስ 2:21-24

መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ይጸልእዎ ነበሩ፣ ምኽንያቱ፡ ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታቶምን እኩይ መገዶምን የቃልዖ ነበረ።

የሱስ ንሕሙማት ኣሕውዩን ንገሊኦም ምዉታት ኣተንሲኡን እዩ።

ሮማውያን በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ተለዓዒሎም፡ ንየሱስ ወቕዕዎን ቀተልዎን።