ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ

 ክፍሊ 11

የሆዋ ይሰምዓና ድዩ፧

የሆዋ ይሰምዓና ድዩ፧

ኣምላኽ፡ ጸሎትና ይሰምዕ እዩ። 1 ጴጥሮስ 3:12

የሆዋ፡ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 65:2) ካብ ልብና ኽንዛረቦ ይደሊ እዩ።

ናብ የሆዋ ደኣ እምበር፡ ናብ ካልእ ኣይትጸሊ።

 ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ክንጽሊ ንኽእል ኢና። 1 ዮሃንስ 5:14

ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኪኸውን ጸሊ።

ቅኑዕ ዘበለ ምእንቲ ኽትገብር፡ ንየሆዋ ለምኖ። ብዛዕባ ምግብን ስራሕን መዕቀልን ክዳንን ጥዕናን እውን ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ የሱስ ምእንታኻ ኢሉ ዝገበሮ ነገራት ከም እተኽብሮ ንምርኣይ፡ ብስሙ ጸሊ።