ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ

መእተዊ

መእተዊ

ኣምላኽ ከም ፈቃር ኣቦ እዩ። 1 ጴጥሮስ 5:6, 7

ኣምላኽ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ይሓልየልና እዩ። ከምቲ ሓደ ጥበበኛን ፈቃርን ኣቦ ንውሉዳቱ ዚምህሮም፡ ኣምላኽ እውን ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚርከቡ ሰባት ብዛዕባ ብሉጽ መገዲ ህይወት ይምህሮም እዩ።

ኣምላኽ ዜሐጕስን ተስፋ ዚህብን ክቡር ሓቅታት ይገልጸልና እዩ።

ንኣምላኽ እንተ ሰሚዕካዮ፡ ኪመርሓካን ኬዕቍበካን ኣብ ጸገማትካ ኺሕግዘካን እዩ።

ብዘይካዚ እውን፡ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ!

 ኣምላኽ፡ “ናባይ ንዑ። ስምዑ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም” ይብለና እዩ። ኢሳይያስ 55:3