ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

 ምዕራፍ ሓደ

ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣምላኽ መን እዩ፧

1, 2. ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ዚሓትትዎ ሕቶታት እንታይ እዩ፧

ቈልዑ ብዙሕ ሕቶታት ይሓትቱ እዮም። ብዛዕባ ሓደ ነገር ክትገልጸሎም ከለኻ፡ ‘ስለምንታይ፧’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም። ነቲ ዝሓተትዎ ሕቶ ምስ መለስካሎም እውን፡ ከም ብሓድሽ፡ ‘እሞ ስለምንታይ፧’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም።

2 ቈልዑን ዓበይትን ኵላትና ሕቶታት ንሓትት ኢና። ብዛዕባ እንበልዖ፡ እንኽደኖ ወይ እንዕድጎ ነገራት ንሓትት ኢና። ወይ ከኣ ብዛዕባ ህይወትን ብዛዕባ መጻኢ ግዜን ንሓትት ንኸውን። ነዚ ሕቶታት እዚ ዚኸውን መልሲ እንተ ስኢንና ግና፡ ተስፋ ቘሪጽና ንሓድጎ ንኸውን።

3. ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣገዳሲ ሕቶታቶም መልሲ ኸም ዘይረኽቡሉ ዀይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እንሓትቶ ኣገዳሲ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ኣለዎዶ፧ ገሊኦም ሰባት መልሲ ኸም ዘለዎ ይሓስቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ኸቢድ ከም ዝዀነ ስለ ዚስምዖም፡ እቲ መልሲ፡ ካብ መምህራን ወይ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ጥራይ ከም ዚርከብ ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ገሊኦም ከኣ፡ መልሲ እቲ ሕቶታት ‘ኣይንፈልጦን ኢና’ ምባል የሕፍሮም እዩ። ንስኻኸ ኸመይ ይስምዓካ፧

4, 5. እንታይ ኣገዳሲ ሕቶታት እዩ ኺህልወካ ዚኽእል፧ መልሲ ንምርካብ ብቐጻሊ ኽትጽዕር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

4 ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ ትደሊ ትኸውን፦ ስለምንታይ እየ ተፈጢረ፧ ምስ ሞትኩ እንታይ እየ ዝኸውን፧ ኣምላኽ ከመይ ይመስል፧ እቲ ፍሉጥ መምህር ዝነበረ የሱስ፡ “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 7:7) ስለዚ፡ ዜእምን መልሲ ኽሳዕ እትረክብ ተስፋ ኣይትቝረጽ።

 5 እወ፡ ‘ብቐጻሊ ትደሊ’ እንተ ደኣ ዄንካ፡ መልሲ ሕቶታትካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ኢኻ። (ምሳሌ 2:1-5) እቲ እትረኽቦ መልሲ ድማ ክትርድኦ ዜጸግም ኣይኰነን። እቲ እትምሃሮ ትምህርቲ፡ ሕጂ ዜሐጕስ ህይወት ክትነብር፡ ብዛዕባ መጻኢ ኸኣ ዜደንቕ ተስፋ ኺህልወካ ኺሕግዘካ እዩ። ቀጺልና እምበኣር፡ ብዛዕባ ሓንቲ ንብዙሓት ሰባት እተጨንቕ ሕቶ ንመያየጥ።

ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧

6. ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዚወርዶም መከራ ኸም ዘይሓሊ ዀይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧

6 ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ኸም ዘይሓሊ ይሓስቡ እዮም። ‘ኣምላኽ ዚሓልየልና እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ዓለም ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ኣይምዀነትን’ ይብሉ እዮም። ሎሚ፡ ውግእን ጽልእን መከራን ኣብ ኵሉ ኣሎ። ሰባት ይሓምሙን ይሳቐዩን ይሞቱን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሓሊ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ዅሉ መከራ ስለምንታይ እዩ ዘየልግሶ፧’ ይብሉ እዮም።

7. (ሀ) መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ኸም ዘይሓሊ ዚምህሩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣምላኽ በቲ ዜጋጥመና ሕማቕ ነገራት ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

7 ሓድሓደ ግዜ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ንሰባት፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ኸም ዘይሓሊ ገይሮም ከም ዚሓስቡ ይገብርዎም እዮም። ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ፡ ኣምላኽ ከም ዝደለዮ ብምዝራብ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ይብሉ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንኣምላኽ ተሓታቲ ይገብርዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ኣምላኽ ፈጺሙ ጠንቂ እከይ ከም ዘይኰነ ይምህር እዩ። ያእቆብ 1:13፡ ኣምላኽ ንዋላ ሓደ ሰብ ብእከይ ከም ዘይፍትን ይነግረና። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ‘ኣምላኽ ይፍትነኒ ኣሎ’ ኣይበል።” ስለዚ፡ ኣምላኽ ሕማቕ ነገራት ከየጋጥም ኣይዓግትን ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ነገራት እቲ  ኸም ዜጋጥም ፈጺሙ ኣይገብርን እዩ። (እዮብ 34:10-12 ኣንብብ።) ነዚ ብኣብነት ክንገልጾ ኢና።

8, 9. በቲ ዜጋጥመና ጸገማት ንኣምላኽ ተሓታቲ ምግባር ቅኑዕ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

8 ብዛዕባ ምስ ወለዱ ዚነብር መንእሰይ እሞ ሕሰብ። ኣቦኡ ኣዝዩ ስለ ዜፍቅሮ፡ ብኸመይ ጽቡቕ ውሳነታት ከም ዚገብር ምሂርዎ እዩ። እቲ ወዲ ግና ካብ ኣቦኡ ዓልዩ፡ ካብ ቤት ይወጽእ። ሕማቕ ነገራት ስለ ዝገበረ ድማ ብዙሕ ጸገም የጋጥሞ። እሞኸ፡ እቲ ወዲ መከራ ዝወረዶ፡ ኣቦኡ ኻብ ቤት ከይወጽእ ስለ ዘይዓገቶ እዩ ኢልካ ነቲ ኣቦ ተሓታቲ ምገበርካዮዶ፧ ከም ዘይትገብሮ ፍሉጥ እዩ። (ሉቃስ 15:11-13) ብተመሳሳሊ፡ ሰባት ኪዓልዉ ወይ ሕማቕ ነገር ኪገብሩ ምስ ዚደልዩ፡ ኣምላኽ ኣይዓግቶምን እዩ። ስለዚ፡ ሕማቕ ነገር ኬጋጥም ከሎ፡ ጠንቁ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ኽንዝክር ኣሎና። ንኣምላኽ ተሓታቲ ምግባር ቅኑዕ ኣይኰነን።

9 ኣምላኽ ነቲ ዜጋጥም ዘሎ ጸገማት ዘየወገደሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ኣብ ምዕራፍ 11፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ክትምሃር ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ የፍቅረና እዩ፣ በቲ ዜጋጥመና ጸገማት ድማ ተሓታቲ ኣይኰነን። እኳ ደኣስ፡ ንጸገማትና ኺፈትሖ ዚኽእል ንሱ ጥራይ እዩ።—ኢሳይያስ 33:2

10. ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ እኩያት ሰባት ዝወረደ ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዜዐርዮ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

10 ኣምላኽ ቅዱስ እዩ። (ኢሳይያስ 6:3) ኵሉ እቲ ዚገብሮ፡ ጽሩይን ንጹህን ሰናይን እዩ። ስለዚ፡ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። ንሰባት ግና ክንኣምኖም የጸግመና እዩ። ሓድሓደ ግዜ ሕማቕ ነገራት ይገብሩ እዮም። እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕኑዕ ዚብሃል ሰብኣዊ መራሒ እውን እንተ ዀነ፡ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ እኩያት ሰባት ዚወርድ ሕማቕ ሳዕቤን ኬዐርዮ ዓቕሚ የብሉን። ከም ናይ ኣምላኽ ዝበለ ሓይሊ ዘለዎ ሰብ የልቦን። ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ እኩያት ሰባት ዝወረደ ሕማቕ ሳዕቤን ኬዐርዮ ይኽእል እዩ፣ ብርግጽ እውን ኬዐርዮ እዩ።  እወ፡ ንዅሉ እከይ ንዘለኣለም ኬጥፍኦ እዩ።—መዝሙር 37:9-11 ኣንብብ።

ሰባት መከራ ኺወርዶም ከሎ፡ ኣምላኽ ከመይ ይስምዖ፧

11. ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዜጋጥመካ መከራ ኸመይ ይስምዖ፧

11 ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዚኸውን ዘሎ ነገራትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ጸገማትን ከመይ ይስምዖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ፍትሒ ይፈቱ” ይብለና። (መዝሙር 37:28) ስለዚ፡ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዝዀነ ነገራት ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ። ሰባት መከራ ኺወርዶም ኪርኢ ድማ ኣይደልን እዩ። ብግዜ ጥንቲ፡ ዓለም ብኽፍኣት መሊኣ ምስ ረኣየ፡ ልቡ ኸም ‘ዝጐሃየ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ዘፍጥረት 6:5, 6) ኣምላኽ ኣይተለወጠን። (ሚልክያስ 3:6) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልካ ይገልጽ እዩ።1 ጴጥሮስ 5:7 ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንዅሉ ፍጥረታት ዝፈጠረ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑ ይምህረና

12, 13. (ሀ) ንሰባት እነፍቅሮምን እንሓልየሎምን ስለምንታይ ኢና፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራኸ ኸመይ ይስምዓካ፧ (ለ) ኣምላኽ ንዅሉ መከራን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ከም ዜወግዶ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብመልክዑ ኸም ዝፈጠረና ይነግረና እዩ። (ዘፍጥረት 1:26) እምበኣር፡ ኣምላኽ ከም ናቱ ዝበለ ጽቡቕ ባህርያት ሂቡ እዩ ፈጢሩና። ስለዚ፡ ንጹሃት ሰባት መከራ ኺወርዶም ምርኣይ ንዓና ዜጕህየና እንተ ዀይኑ፡ ንኣምላኽ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ዘየጕህዮ! ኣምላኽ በዚ ኸም ዚጕሂ ብኸመይ ንፈልጥ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ፡ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ እዩ ዅሉ ነገር ዚገብር። ንሱ ስለ ዜፍቅር ኢና ንሕና እውን እነፍቅር። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰብ፦ ሓይሊ እንተ ዚህልወካ ነይሩ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ከተወግዶ ኣይምደለኻንዶ፧ እወ፡ ንሰባት ስለ እትፈቱ፡ ከምኡ ምገበርካ። ኣምላኽከ፧ ሓይሊ ስለ ዘለዎን ንዓና ስለ ዜፍቅረናን፡ ንዅሉ መከራን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ኬወግዶ  እዩ። ኵሉ እቲ ኣብ መእተዊ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጠቕሰ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ ተስፋታት እዚ እምነት ምእንቲ ኸተሕድር፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትፈልጥ ኣሎካ።

ኣምላኽ ክትፈልጦ ይደልየካ እዩ

ዓርኪ ሓደ ሰብ ክትከውን እንተ ደሊኻ፡ ስምካ ትነግሮ ኢኻ። ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስሙ ነጊሩና ኣሎ

14. ስም ኣምላኽ መን እዩ፧ ክንጥቀመሉ ኸም ዘሎናኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

14 ዓርኪ ሓደ ሰብ ክትከውን እንተ ደሊኻ፡ መጀመርታ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ስምካ ኢኻ እትነግሮ። እሞኸ፡ ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧ ብዙሓት ሃይማኖታት ስሙ “ኣምላኽ፡” “እግዚኣብሄር፡” ወይ “ጐይታ” ኸም ዝዀነ እየን ዚምህራ። እዚ ግና ብሕታዊ ስም ኣይኰነን። የግዳስ፡ ልክዕ ከም “ንጉስ” ወይ “ፕረዚደንት” መዓርግ እዩ። ኣምላኽ ባዕሉ፡ ስሙ የሆዋ ኸም ዝዀነ ነጊሩና እዩ። መዝሙር 83:18፡ “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ” ትብል። ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንስም ኣምላኽ ኣሽሓት ግዜ ጠቒሶምዎ ኣለዉ። የሆዋ ድማ ንስሙ ኽትፈልጦን ክትጥቀመሉን ይደልየካ እዩ። እወ፡ ዓርኩ ምእንቲ ኽትከውን ስሙ ነጊሩካ እዩ።

15. እቲ የሆዋ ዚብል ስም እንታይ ማለት እዩ፧

15 እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ሰፊሕ ትርጉም ኣለዎ። ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ዘተስፈዎ ተስፋን ዝዓለሞ ዕላማን ኪፍጽሞ ኸም ዚኽእል የመልክት።  ዕንቅፋት ኪዀኖ ዚኽእል ነገር የልቦን። ስለዚ፡ እዚ ስም እዚ ንየሆዋ ጥራይ እዩ ዚግባእ። *

16, 17. እቲ (ሀ) ‘ዅሉ ዚኽእል’ (ለ) “ንጉስ ዘለኣለም” (ሐ) “ፈጣሪ” ዚብል መዓርግ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

16 ከምቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ፡ መዝሙር 83:18 ብዛዕባ የሆዋ፡ “በይንኻ . . . ልዑል ምዃንካ” ትብል እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ጥራይ ዜመልክት ካልእ መዓርጋት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡  ራእይ 15:3፡ “ኣታ ዅሉ እትኽእል የሆዋ ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ዘለኣለም፡ መገድታትካ ቕኑዕን ሓቅን እዩ” ትብል። እቲ ‘ዅሉ ዚኽእል’ ዚብል መዓርግ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ዘሎ ዅሉ ዚበልጽ ሓይሊ ኸም ዘለዎ እዩ ዜመልክት። እቲ “ንጉስ ዘለኣለም” ዚብል መዓርግ ድማ፡ ኵሉ ሳዕ ብህይወት ከም ዘሎ ይገልጸልና። መዝሙር 90:2፡ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ከም ዝዀነ ትነግረና። እዝስ ዜደንቕዶ ኣይኰነን!

17 የሆዋ በይኑ እዩ ፈጣሪ። ራእይ 4:11፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ትብል። እወ፡ ካብቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ ኣትሒዝካ ኽሳዕ እቲ ኣብ ሰማይ ዚርአ ኸዋኽብቲ ዀነ ኽሳዕ እቲ ኣብ ኣእዋም ዚፈሪ ፍረ ዀነ ኽሳዕ እቲ ኣብ ባሕሪ ዚሕምብስ ዓሳ፡ ኰታስ ኵሉ ነገራት ብየሆዋ እዩ ተፈጢሩ።

 ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ዲኻ፧

18. ገሊኦም ሰባት ፈተውቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸም ዘይክእሉ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል፧

18 ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ ኼንብቡ ኸለዉ፡ እተወሰነ ፍርሂ ይስምዖም እዩ። ‘ኣምላኽ ኣዝዩ ሓያልን ዓብዪን እዩ፣ ካባይ ከኣ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ፣ ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ንዓይ ዚሓልየለይ፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ኣምላኽ ግና ከምኡ ኺስምዓና ድዩ ዚደልየና፧ ኣይፋልን። የሆዋ ኪቐርበና ይደሊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ኣምላኽ “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑ ይገልጸልና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) እወ፡ ኣምላኽ ክትቀርቦ ይደልየካ እዩ፣ ንሱ እውን ከም ‘ዚቐርበካ’ ገሊጹ ኣሎ።—ያእቆብ 4:8

19. (ሀ) ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) ዝያዳ እትፈትዎ ባህርያት የሆዋ ኣየናይ እዩ፧

19 ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ የሱስ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 17:3) ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ከየቋረጽካ ትምሃር እንተ ዄንካ፡ ንዓታቶም ክትፈልጦም ኢኻ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ክትረክብ ኢኻ። ንኣብነት፡ ክሳዕ ሕጂ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል ተማሂርካ ኣለኻ። (1 ዮሃንስ 4:16) ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ካልእ ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት እውን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ፡ “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን” ምዃኑ ይነግረና እዩ። (ዘጸኣት 34:6) የሆዋ፡ “ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን” እውን እዩ። (መዝሙር 86:5) ብዘይካዚ፡ ዕጉስን እሙንን እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9፣ ራእይ 15:4) መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ባህርያት ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትምሃር ኢኻ።

20-22. (ሀ) ንኣምላኽ ብዓይንና ኽንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ክንቀርቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ክትገድፎ እንተ ደፋፊኦምኻ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

20 ንኣምላኽ ብዓይንኻ ኽትርእዮ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡  ክትቀርቦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ዮሃንስ 1:18፣ 4:24፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:17) ብዛዕባ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ባህ ዜብል ባህርያት ዘለዎ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኽትፈልጥ ኢኻ። (መዝሙር 27:4፣ ሮሜ 1:20) ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብዝፈለጥካ መጠን ድማ፡ ብዝያዳ ኸተፍቅሮን ክትቀርቦን ኢኻ።

ከምቲ ፈቃር ኣቦ ንውሉዳቱ ዜፍቅሮም፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ድማ ብዝያዳ የፍቅረና እዩ

21 የሆዋ ኣቦና ኸም ዝዀነ ኽትርዳእ ኢኻ። (ማቴዎስ 6:9) ህይወት ሂቡና እዩ። ከምቲ ፈቃር ኣቦ ንውሉዳቱ ዚምነየሎም ከኣ፡ ብሉጽ ህይወት ኪህልወና ይደሊ እዩ። (መዝሙር 36:9) እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዓርኪ ወይ ፈታው የሆዋ ኽትከውን ከም እትኽእል ይምህር እዩ። (ያእቆብ 2:23፣ እ.ጽ.) ሕስብ እሞ ኣብሎ። እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ዅሉ ነገራት ዝፈጠረ የሆዋ ዓርኩ ኽትኰኖ ይደልየካ እዩ።

22 ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ክትገድፎ ይደፋፉኡኻ ይዀኑ። ሃይማኖትካ ኸይትቕይር የተሓሳስቦም ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ዋላ ሓደ ሰብ ዓርኪ የሆዋ ኸይትኸውን ኪዓናቕፈካ ኣይትፍቀድ። ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ዓርኪ ኪዀነካ እዩ።

23, 24. (ሀ) ሕቶታት ክትሓትት ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

23 መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ዘይርድኣካ ነገራት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ሓገዝ ንምሕታት ግና ኣይትሰከፍ። የሱስ፡ ከም ቈልዑ ትሑታት ክንከውን ከም ዘሎና ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 18:2-4) ቈልዑ ድማ ብዙሕ ሕቶታት ይሓትቱ እዮም። ኣምላኽ፡ መልሲ ኽትረክብ ይደልየካ እዩ። ስለዚ፡ እቲ እትምሃሮ ዘለኻ ሓቂ ምዃኑ ምእንቲ ኸተረጋግጽ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕካ ኣጽንዓዮ።ግብሪ ሃዋርያት 17:11 ኣንብብ።

24 ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ የሆዋ እንምሃረሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ እዩ። ኣብዛ እትቕጽል ምዕራፍ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልእ መጻሕፍቲ ስለምንታይ ከም ዚፍለ ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 15 ስም የሆዋ ኣብ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ። ብዛዕባ ትርጉምን ኣደማምጻን ስም ኣምላኽ ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ 1 ርአ።