ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

 ምዕራፍ ዓሰርተው ሓሙሽተ

ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧

ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧

1. ንኣምላኽ ብኸመይ ከነምልኾ ኸም ዘሎና ኺነግረና ዚኽእል መን እዩ፧

መብዛሕትአን ሃይማኖታት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኸም ዚምህራ ይገልጻ እየን። ኰይኑ ግና፡ ሃይማኖታት ብዛዕባ መንነት ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾን ኣዝዩ እተፈላለየ ሓሳባት እየን ዚምህራ። ኣምላኽ ዚቕበሎ ቕኑዕ ኣምልኾ ኣየናይ ምዃኑ ደኣ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ የሆዋ ጥራይ እዩ ብኸመይ ከነምልኾ ኸም ዘሎና ኺነግረና ዚኽእል።

2. እታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃና ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

2 የሆዋ እታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃና ምእንቲ ኽንፈልጥ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ። ስለዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዓዮ፣ የሆዋ ብዙሕ ስለ ዚሓልየልካ፡ ካብ ትምህርትታቱ ኽትጥቀም ኪሕግዘካ እዩ።—ኢሳይያስ 48:17

3. ኣምላኽ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧

3 ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ኸም ዚቕበሎ ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሱስ ግና ከምኡ ኣይመሃረን። “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ጥራይ ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ” ድማ በለ። ስለዚ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥን ክንገብርን ኣሎና። የሱስ ነቶም ንኣምላኽ ዘይእዘዙ፡ “ጠሓስቲ ሕጊ” ኸም ዝዀኑ ገይሩ ስለ ዝገለጾም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።—ማቴዎስ 7:21-23

4. የሱስ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እንታይ እዩ ኢሉ፧

4 ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ክንጽዕር ከለና ጸገማት ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል የሱስ ገሊጹ እዩ። “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተዉ፣ እታ ናብ  ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገስ ገፋሕ፡ መገዳ እውን ርሕብቲ እያ፣ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም፣ እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ እውን ቀጣን እያ፣ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 7:13, 14) እታ ቐጣን መገዲ፡ ማለት ቅንዕቲ ሃይማኖት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ እትመርሕ። እታ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት እተመልክት ርሕብቲ ወይ ሰፋሕ መገዲ ግና ናብ ሞት እያ እትመርሕ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዋላ ሓደ ሰብ ኪመውት ኣይደልን እዩ። ስለዚ፡ ንዅሉ ሰብ ብዛዕባኡ ኺምሃር ኣጋጣሚ ሂብዎ ኣሎ።—2 ጴጥሮስ 3:9

ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧

5. ነቶም ቅንዕቲ ሃይማኖት ዘላቶም ሰባት ብኸመይ ከተለልዮም ትኽእል፧

5 የሱስ ነቶም ቅንዕቲ ሃይማኖት ዘላቶም ሰባት ብኸመይ ከነለልዮም ከም እንኽእል ገሊጹ እዩ። ከነለልዮም እንኽእል ድማ፡ ንእምነቶምን ንግብሮምን ብምምርማር እዩ። የሱስ፡ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” በለ። ወሲኹ ድማ፡ “ጽቡቕ ኦም ዘበለ ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ” በለ። (ማቴዎስ 7:16, 17) እቶም ንኣምላኽ ዜምልኹ ሰባት ፍጹማት ከም ዘይኰኑ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ እዮም ዚጽዕሩ። ስለዚ እምበኣር፡ ነቶም ቅንዕቲ ሃይማኖት ዘላቶም ሰባት ከነለልዮም እንታይ ከም ዚሕግዘና ንርአ።

6, 7. ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት የሱስከ እንታይ ይምህረና፧

6 ኣምልኾና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንምምሃርን ንምግናሕን ንምቕናዕን ብጽድቂ ንምግሳጽን ከኣ ዚጠቅም እዩ፣ እዚ ድማ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ እተዳለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ” ይብለና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩምዎ . . . ቓል ኣምላኽ ክትቅበልዎ ኸለኹም፡  ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምዎ” በሎም። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እተመስረተ እዩ። ኣብ ሰብኣዊ ኣረኣእያታት፡ ልምድታት፡ ወይ ኣብ ካልእ ነገራት እተመስረተ ኣይኰነን።

7 ኵሉ ትምህርትታት የሱስ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 17:17 ኣንብብ።) የሱስ ብዙሕ ሳዕ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጠቅስ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 4:4, 7, 10) ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ኣብነት የሱስ ስለ ዚስዕቡ፡ ኵሉ ትምህርትታቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ።

8. የሱስ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እንታይ እዩ ምሂሩና፧

8 ንየሆዋ ጥራይ ከነምልኾ ኣሎና። መዝሙር 83:18፡ “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ” ትብለና። የሱስ ንሰባት ብዛዕባ መንነት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብልክዕ ኣፍሊጥዎም እዩ፣ ስም ኣምላኽ ከኣ ንሰባት ምሂሩ እዩ። (ዮሃንስ 17:6 ኣንብብ።) “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ” ኸኣ በለ። (ማቴዎስ 4:10) ስለዚ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና፡ ኣብነት የሱስ ንስዕብ ኢና። ንየሆዋ ጥራይ ነምልኽ፡ ስሙ ንጥቀም፡ ንኻልኦት ድማ ብዛዕባ ስም ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ዚገብረልና ነገራትን ንነግሮም ኢና።

9, 10. ንሓድሕድና ኽንፋቐር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ንሰባት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኺህልወና ኣለዎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ምሂርዎም እዩ። (ዮሃንስ 13:35 ኣንብብ።) መበቈልና፡ ባህልና፡ ወይ ቍጠባዊ ዅነታትና ብዘየገድስ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር ኢና። ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ፡ ሓድነት ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንከውን ትሕግዘና እያ። (ቈሎሴ 3:14) ስለዚ፡ ኣብ ውግእ ኣይንካፈልን፡ ሰብ ድማ ኣይንቐትልን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውሉዳት ኣምላኽን ውሉዳት ድያብሎስን በዚ እዮም ዚፍለጡ፦ ብጽድቂ ዘይመላለስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ንሓዉ ዘየፍቅር  እውን ከምኡ እዩ” ይብል። ወሲኹ እውን፡ “ንሓድሕድና ኽንፋቐር [ኣሎና]፡ . . . ከምቲ ኻብቲ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን” ይብለና።—1 ዮሃንስ 3:10-12፣ 4:20, 21

10 ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ሰዊእና ንኻልኦት ንሕግዝ፡ ንሓድሕድና እውን ንተባባዕ ኢና። (እብራውያን 10:24, 25) ‘ንዅሉ ሰብ ድማ ሰናይ ንገብር ኢና።’—ገላትያ 6:10

11. የሱስ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ዜኽእለና መገዲ ኸም ዝዀነ እንኣምን ስለምንታይ ኢና፧

11 የሱስ ንኣምላኽ ክንቀርበሉ እንኽእል መገዲ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ኽንእዘዞ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ድሕነት ብኻልእ የልቦን” ይብለና። (ግብሪ ሃዋርያት 4:12) ኣብ ምዕራፍ 5 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ የሆዋ ንየሱስ ህይወቱ ንእዙዛት ሰባት በጃ ምእንቲ ኺህብ ኢሉ ኸም ዝለኣኾ ርኢና ኢና። (ማቴዎስ 20:28) የሆዋ ንየሱስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺነግስ ሓርይዎ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ንየሱስ ክንእዘዞ ኸም ዘሎና ዚነግረና።ዮሃንስ 3:36 ኣንብብ።

12. ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ዘይንኣቱ ስለምንታይ ኢና፧

12 ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ኽንኣቱ የብልናን። የሱስ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ጣልቃ ኣይኣተወን። ናብ ፍርዲ ምስ ቀረበ፡ ነቲ ጲላጦስ ዝስሙ ሮማዊ ኣመሓዳሪ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ። (ዮሃንስ 18:36 ኣንብብ።) ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ስለ ዝዀንና፡ እንነብረላ ሃገር ብዘየገድስ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ጣልቃ ኣይንኣቱን ኢና። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ን“ሰበ ስልጣን፡” ማለት ንመንግስትታት ክንግዝኦም ይእዝዘና እዩ። (ሮሜ 13:1) ስለዚ፡ ንሕጊ እታ እንነብረላ ሃገር ንእዘዝ ኢና። እቲ ሕጊ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ እንተ ዀይኑ ግና፡ ነቲ ሃዋርያት፡ “ካብ ንሰብሲ  ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ብምባል ዝገደፉልና ኣብነት ኢና እንስዕብ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ ማርቆስ 12:17

13. ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢና እንሰብኽ፧

13 ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት እትፈትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ኢና እንኣምን። የሱስ፡ “ብስራት መንግስቲ” ኣብ ኵላ ዓለም ከም ዚስበኽ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 24:14 ኣንብብ።) ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትገብረልና ነገራት ክትህበና እትኽእል ዋላ ሓንቲ መንግስቲ የላን። (መዝሙር 146:3) የሱስ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢልና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንጽሊ ምሂሩና እዩ። (ማቴዎስ 6:10) መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ከም እተጥፍአን፡ “ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም” ምዃና ይነግረና እዩ።—ዳንኤል 2:44

14. ቅንዕቲ ሃይማኖት ዘላቶም ሰባት መን እዮም ትብል፧

14 ኣብዚ ነጥብታት እዚ ተመስሪትካ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነት ዘለዎም መን እዮም፧ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ንኻልኦት ዚነግሩ መን እዮም፧ ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን ኣምላኽ ንየሱስ መድሓኒና ኪኸውን ከም ዝለኣኾን ዚኣምኑ መን እዮም፧ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ዘይኣትዉ መን እዮም፧ ኣብ ዓለም ንዘሎ ጸገማት እትፈትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ዚሰብኩ መን እዮም፧’ እዚ ዅሉ ዚገብሩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም።—ኢሳይያስ 43:10-12

እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

15. ኣምላኽ ንኣምልኾና ኪቕበሎ እንተ ደሊና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

15 ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእማን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ኣጋንንቲ እውን ኣምላኽ ከም ዘሎ ይኣምኑ እዮም፣ ይኹን እምበር፡ ኣይእዘዝዎን እዮም። (ያእቆብ 2:19) ኣምላኽ ንኣምልኾና ኪቕበሎ እንተ ደሊና፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኽንኣምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቃሉ እውን ክንእዘዝ ኣሎና።

16. ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኽንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 16 ኣምላኽ ንኣምልኾና ኪቕበሎ እንተ ደሊና፡ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንርሕቕ ኣሎና። ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ካብ ማእከላ ውጹ፡ ንጹሃት ኩኑ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 52:11፣ 2 ቈረንቶስ 6:17) ስለዚ፡ ካብ ኵሉ እቲ ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ነገር ክንርሕቕ ኣሎና።

17, 18. “ዓባይ ባቢሎን” እንታይ እያ፧ ካብኣ ብህጹጽ ክንርሕቕ ዘሎናኸ ስለምንታይ እዩ፧

17 ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ እያ፧ ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዘይቅበሎ መገዲ ኸነምልኾ ንእትምህር ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት እያ እተመልክት። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት፡ “ዓባይ ባቢሎን” ኢሉ እዩ ዚጽውዐን። (ራእይ 17:5) ስለምንታይ፧ ድሕሪ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ፡ ብዙሕ ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ከተማ ባቢሎን እዩ ጀሚሩ። እቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ከኣ ናብ ኵላ ምድሪ ተዘርግሐ። ንኣብነት፡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ሰባት፡ ሰለስተ ብሓደ ንዝዀኑ ኣማልኽቲ የምልኹ ነይሮም እዮም። ሎሚ እውን፡ ብዙሓት ሃይማኖታት ኣምላኽ ስላሴ ኸም ዝዀነ ይምህራ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ የሆዋ ዝስሙ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዘሎ፡ የሱስ ከኣ ወዱ ምዃኑ እዩ ዚምህር። (ዮሃንስ 17:3) ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ሰባት፡ ምስ ሞትና ኻባና ተፈልያ እትነብር ነገር ከም ዘላን ኣብ ገሃነም ክትሳቐ ኸም እትኽእልን እውን ይኣምኑ ነይሮም እዮም። እዚ ግና ሓቂ ኣይኰነን።—ተወሳኺ ሓበሬታ 1417ን 18ን ርአ።

18 ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ከም ዚጠፍኣ ኣምላኽ ተነብዩ እዩ። (ራእይ 18:8) ስለምንታይ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብህጹጽ ክትወጽእ ከም ዘሎካ ኣስተውዒልካዶ፧ የሆዋ ኣምላኽ፡ ግዜ ኸይሓለፈ ኸሎ ኸምኡ ኽትገብር እዩ ዚደልየካ።—ራእይ 18:4

ንየሆዋ ምስ ህዝቡ ዄንካ ምስ እተገልግሎ፡ ኣባል ዓለምለኻዊት ስድራ ቤት ክትከውን ኢኻ

19. ንየሆዋ ኸተገልግሎ እንተ ወሲንካ፡ ንሱ እንታይ ኪገብረልካ እዩ፧

 19 ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትወጽእን ንየሆዋ ኸተገልግሎን እንተ ወሲንካ፡ ፈተውትኻ ወይ ስድራ ቤትካ ንውሳነኻ ምቕባል ኪኸብዶምን ኬሸግሩኻን ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣይጥንጥነካን እዩ። ኣባል እታ ንሓድሕዶም ብሓቂ ዚፋቐሩ ሚልዮናት ሰባት ዘለውዋ ዓለምለኻዊት ስድራ ቤት ክትከውን ኢኻ። ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እውን ኪህልወካ እዩ። (ማርቆስ 10:28-30) ምናልባት ከኣ ገለ ኻብቶም ንየሆዋ ኸተገልግሎ ምስ ወሰንካ እተጻረሩኻ ፈተውትን ኣባላት ስድራ ቤትን ጸኒሖም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ይጅምሩ ይዀኑ።

20. ንየሆዋ በቲ ንሱ ዚቕበሎ መገዲ ኸተምልኾ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

20 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ንዅሉ እከይ ኬጥፍኦ እዩ፣ መንግስቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽትገዝእ እያ። (2 ጴጥሮስ 3:9, 13) እዚ ዜደንቕ እዋን ኪኸውን እዩ! ሽዑ ዅሎም ሰባት ንየሆዋ በቲ ንሱ ዚቕበሎ መገዲ ኼምልኽዎ እዮም። ስለዚ፡ ውዓል ሕደር ከይበልካ ንየሆዋ በቲ ንሱ ዚቕበሎ መገዲ ኸተምልኾ ስጕምቲ ውሰድ።