ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

 ምዕራፍ ዓሰርተው ሸውዓተ

ፍሉይ መሰል ጸሎት

ፍሉይ መሰል ጸሎት

“እቲ ገባር ሰማይን ምድርን” ጸሎትና ኺሰምዕ ይደሊ እዩ። —መዝሙር 115:15

1, 2. ጸሎት ፍሉይ ህያብ ከም ዝዀነ ዚስምዓካ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ከም ዚብል ክንፈልጥ ዜድልየናኸ ስለምንታይ እዩ፧

ምድሪ ምስ ዩኒቨርስ ክትወዳደር ከላ፡ ኣዝያ ደቃቕ እያ። የሆዋ ናብ ምድሪ ኺርኢ ኸሎ፡ ኵሎም ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኻብ መገለል እዮም። (መዝሙር 115:15፣ ኢሳይያስ 40:15) ምስ ዩኒቨርስ ክንነጻጸር ከለና ኣብ ቍጽሪ ኣይንኣቱን ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ መዝሙር 145:18, 19 ከም እትብሎ፡ “የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ፡ ንዅሎም እቶም ብሓቂ ዚጽውዕዎ ቐረባኦም እዩ። ትምኒት እቶም ዚፈርህዎ የዕግብ፡ ኣውያቶም ይሰምዕ፡ የናግፎም እውን።” እዝስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኪቐርበና ይደሊ እዩ፡ ጸሎትና ኺሰምዕ እውን ይደሊ እዩ። እወ፡ ጸሎት፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ዝሃበና ፍሉይ መሰል እዩ።

2 የሆዋ ንጸሎትና ዚሰምዖ ግና፡ በቲ ዚቕበሎ መገዲ ኽንጽሊ ኸለና ጥራይ እዩ። ብኸመይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

ናብ የሆዋ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

3. ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 የሆዋ ናብኡ ኽንጽሊ ወይ ንዕኡ ኸነዛርቦ ይደልየና እዩ። ብኸመይ ንፈልጥ፧ ንፊልጲ 4:6, 7 ኣንብባ። ነቲ ዝቐረበልና ዕድመ እሞ ሕሰበሉ። እቲ ገዛኢ ዩኒቨርስ ብዛዕባኻ ብዙሕ ይግደስ እዩ፣ ብዛዕባ ስምዒትካን ጸገማትካን ክትነግሮ እውን ይደሊ እዩ።

4. ናብ የሆዋ ኣዘውቲርካ ምጽላይካ ምስኡ ንዘሎካ ዕርክነት ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

4 ጸሎት ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ኪህልወና ይሕግዘና እዩ።  ኣዕሩኽ ብዛዕባ ሓሳባቶምን ሻቕሎቶምን ስምዒታቶምን ኣዘውቲሮም ኪዛራረቡ ኸለዉ ዕርክነቶም ይድልድል እዩ። ናብ የሆዋ እነቕርቦ ጸሎት እውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ኣለዎ። የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚገብርን ገሊጹልካ እዩ። ንስኻ እውን ንዕኡ ኣዘውቲርካ ብምዝራብ ውሽጣዊ ስምዒትካ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ድማ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ዝያዳ ኺድልድል እዩ።—ያእቆብ 4:8

ኣምላኽ ንጸሎትና ምእንቲ ኺሰምዖ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

5. የሆዋ ንገሊኡ ጸሎት ከም ዘይሰምዖ ብኸመይ ንፈልጥ፧

5 የሆዋ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧ ኣይፋልን። ብግዜ ነብዪ ኢሳይያስ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “ብዙሕ እኳ እንተ ጸለኹም፡ ኣይሰምዓኩምን እየ፣ ኣእዳውኩም ብደም መሊአን እየን” በሎም። (ኢሳይያስ 1:15) ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ዜርሕቐናን ኣምላኽ ንጸሎትና ኸም ዘይሰምዖ ዚገብርን ነገራት ከነወግድ ኣሎና።

6. ብእምነት ምጽላይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እምነት ከም ዘሎካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

 6 የሆዋ ንጸሎትና ኺሰምዖ እንተ ደሊና፡ ብእኡ ኽንኣምን ኣሎና። (ማርቆስ 11:24) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ” በለ። (እብራውያን 11:6) ከም እንኣምን ምዝራብ ጥራይ ግና እኹል ኣይኰነን። መዓልቲ መዓልቲ ንየሆዋ ንእዘዞ እንተ ዄንና ኢና እምነት ከም ዘሎና ብንጹር ከነርኢ እንኽእል።ያእቆብ 2:26 ኣንብብ።

7. (ሀ) ብትሕትናን ብኣኽብሮትን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ካብ ልብና ኸም እንጽሊ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ብትሕትናን ብኣኽብሮትን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ናብ ንጉስ ወይ ናብ ፕረዚደንት ክንቀርብ ከለና፡ ብኣኽብሮት ኢና እነዛርቦ። እሞኸ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብዝያዳ ኣኽብሮትን ትሕትናን ክንዛረቦዶ ኣይግብኣናን፧ (ዘፍጥረት 17:1፣ መዝሙር 138:6) ብዘይካዚ፡ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና ሓደ ዓይነት ቃላት ጥራይ ኣብ ክንዲ እንደጋግም፡ ብቕንዕናን ካብ ልብናን ኪኸውን ኣለዎ።—ማቴዎስ 6:7, 8

8. ብዛዕባ ሓደ ነገር ክንጽሊ ኸለና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

8 ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ እንጽልየሉ ነገር ንምፍጻም ዝከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኣሎና። ንኣብነት፡ የሆዋ ናይ ዕለት እንጌራና ኺህበና እንተ ጸሊና፡ ክንሰርሕ እናኸኣልና ብትህኪት ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ኾፍ ብምባል፡ የሆዋ ዅሉ ነገር ኪህበና ኣይንጽበን ኢና። ክንሰርሖ እንኽእል ዘበለ ስራሕ ብትግሃት ክንሰርሕ ኣሎና። (ማቴዎስ 6:11፣ 2 ተሰሎንቄ 3:10) የሆዋ ነቲ እንገብሮ ሕማቕ ነገራት ደው ከነብሎ ምእንቲ ኺሕግዘና ንጽሊ እንተ ዄንና ድማ፡ ናብ ፈተና ኼእትወና ኻብ ዚኽእል ነገራት  ክንርሕቕ ኣሎና። (ቈሎሴ 3:5) ሕጂ ኸኣ ገለ ኻብቲ ብዛዕባ ጸሎት ዚሕተት ልሙድ ሕቶታት ንርአ።

ብዛዕባ ጸሎት ዚልዓል ልሙድ ሕቶታት

9. ናብ መን ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧ ዮሃንስ 14:6ኸ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ እያ እትምህረና፧

9 ናብ መን ክንጽሊ ኣሎና፧ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ኢሎም ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9) ብዘይካዚ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:6) ስለዚ፡ ብየሱስ ኣቢልና ናብ የሆዋ ጥራይ ክንጽሊ ኣሎና። ብየሱስ ኣቢልካ ምጽላይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ንጸሎትና ኺሰምዖ እንተ ደሊና፡ ነቲ የሆዋ ንየሱስ ዝሃቦ ፍሉይ መዝነት ከነኽብሮ ኣሎና። ከምቲ ኣቐዲምና እተመሃርናዮ፡ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኼድሕነና እዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:12) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንየሱስ ሊቀ ኻህናትን ፈራድን ኪኸውን ሸይምዎ እዩ።—ዮሃንስ 5:22፣ እብራውያን 6:20

ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ

10. ክንጽሊ ኸለና ፍሉይ ኣቃውማ ኺህልወና ኣለዎ ድዩ፧ ግለጽ።

10 ክንጽሊ ኸለና ፍሉይ ኣቃውማ ኺህልወና ኣለዎ ድዩ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ተምበርኪኽና፡ ኮፍ ኢልና ወይ ደው ኢልና ኽንጽሊ ኣይሓትተናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣኽብሮት ብዜርኢ ዝዀነ ይኹን ኣቃውማ ንየሆዋ ኸነዛርቦ ኸም እንኽእል ይምህረና እዩ። (1 ዜና መዋእል 17:16፣ ነህምያ 8:6፣ ዳንኤል 6:10፣ ማርቆስ 11:25) ንየሆዋ ኣዝዩ ዜገድሶ፡ ክንጽሊ ኸለና እነርእዮ ኣቃውማና ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ብቕንዕና ምዝራብና እዩ። ኣብ ዘለናዮ ዄንና ድምጽና እናኣስማዕና ወይ ብልብና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ ካልእ ሰብ እኳ እንተ ዘይሰምዓና፡ የሆዋ ኸም ዚሰምዓና ግና ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ነህምያ 2:1-6

11. ንየሆዋ ኽንነግሮ እንኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧

 11 ብዛዕባ እንታይ ክንጽሊ ንኽእል፧ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚቕበሎ ዝዀነ ይኹን ነገራት ክንጽሊ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 5:14) ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያትና ኽንጽሊ ንኽእል ዲና፧ እወ። ናብ የሆዋ እንጽልዮ ጸሎት፡ ንናይ ቀረባ ዓርክና ኸም እንዛረቦ ዘረባ ኪኸውን ኣለዎ። ኵሉ እቲ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ዘሎ ነገራት ንየሆዋ ኽንነግሮ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 62:8) መንፈስ ቅዱስ ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ስለ ዚሕግዘና፡ እዚ ኺውሃበና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 11:13) ጽቡቕ ውሳነ ኽንገብር ዚሕግዘና ጥበብን ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ብርታዐን ምእንቲ ኺህበና ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 1:5) ሓጢኣትና ኺሓድገልና እውን ክንልምኖ ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 1:3, 7) ምእንቲ ኻልኦት፡ እንተላይ ምእንቲ ስድራ ቤትናን ምእንቲ እቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ክንጽሊ ንኽእል ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 12:5፣ ቈሎሴ 4:12

12. ኣብ ጸሎትና ቐዳምነት ክንህቦ ዘሎና እንታይ እዩ፧

12 ኣብ ጸሎትና ቐዳምነት ክንህቦ ዘሎና እንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ፍቓዱን ክንጽሊ ኣሎና። ስለቲ ዝገበረልና ዅሉ ኻብ ልብና ኸነመስግኖ ኣሎና። (1 ዜና መዋእል 29:10-13) እዚ ኽንፈልጥ ዝኸኣልና ድማ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ስለ ዝመሃሮም እዩ። (ማቴዎስ 6:9-13 ኣንብብ።) ብቐዳምነት፡ ብዛዕባ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ኪጽልዩ ምሂሩ እዩ። ድሕርዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእን ፍቓድ የሆዋ ኣብ ኵላ ምድሪ ኪኸውንን ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ጠቐሰ። ብዛዕባ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገራት እዚ ምስ ጸለና ኢና ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያት ክንጽሊ ዘሎና። የሱስ ከምኡ ኽንገብር እዩ ምሂሩና። ኣብ ጸሎትና ንየሆዋን ንምፍጻም ፍቓዱን ቀዳምነት  ሂብና ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ቦታ እንህቦ እንታይ ምዃኑ ኢና እነርኢ።

13. ንውሓት ጸሎትና ኽንደይ ኪኸውን ኣለዎ፧

13 ንውሓት ጸሎትና ኽንደይ ኪኸውን ኣለዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ከከም ኵነታቱ ኺነውሕ ወይ ኪሓጽር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ምግቢ ቕድሚ ምብላዕና ሓጺር ጸሎት ክንጽሊ፡ ንየሆዋ ኸነመስግኖ ወይ ብዛዕባ ዜሻቕለና ነገራት ክንነግሮ ኸለና ድማ ነዊሕ ጸሎት ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (1 ሳሙኤል 1:12, 15)  ከምቲ ብግዜ የሱስ ገሊኦም ሰባት ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ንኻልኦት ክንምስጦም ኢልና ጸሎትና ኣይነንውሕን ኢና። (ሉቃስ 20:46, 47) የሆዋ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ኣይምሰጥን እዩ። ንየሆዋ ዜገድሶ ነገር ካብ ልቢ ምጽላይና እዩ።

14. ክንደይ ሳዕ ክንጽሊ ኣሎና፧ እዚኸ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

14 ክንደይ ሳዕ ክንጽሊ ኣሎና፧ የሆዋ ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ዓዲሙና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብቐጻሊ ጸልዩ፡” “ብጸሎት ጽንዑ፡” “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” ይብለና። (ማቴዎስ 26:41፣ ሮሜ 12:12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17) የሆዋ ንጸሎትና ኺሰምዖ ዅሉ ሳዕ ድሉው እዩ። ስለቲ ዘርኣየና ፍቕርን ልግስን መዓልቲ መዓልቲ ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና። መምርሕን ብርታዐን መጸናንዕን ኪህበና እውን ክንሓትቶ ንኽእል ኢና። ነዚ ናብ የሆዋ ብጸሎት ናይ ምቕራብ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ዘበለ ኽንጽሊ ኢና።

15. ኣብ መወዳእታ ጸሎት “ኣሜን” ክንብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 15 ኣብ መወዳእታ ጸሎት “ኣሜን” ክንብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እታ “ኣሜን” እትብል ቃል፡ “እማን፡” “ብርግጽ፡” ወይ “ይኹን” ማለት እያ። እቲ ኣብ ጸሎትና ዝበልናዮ ነገራት ብርግጽ ካብ ልብና ኸም ዝዀነ እንገልጸሉ መገዲ እዩ። (መዝሙር 41:13) ሓደ ሰብ ንዓና ወኪሉ ጸሎት ምስ ኣቕረበልና፡ ኣብ መወዳእታ ብልብና ወይ ዓው ኢልና “ኣሜን” ብምባል ምስቲ እቲ ሰብ እተዛረቦ ቓላት ከም እንሰማማዕ ከነርኢ ኸም ዘሎና መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ።—1 ዜና መዋእል 16:36፣ 1 ቈረንቶስ 14:16

ኣምላኽ ንጸሎትና ዚምልሰሉ መገዲ

16. ኣምላኽ ጸሎትና ብሓቂ ይምልሰልና ድዩ፧ ግለጽ።

16 ኣምላኽ ጸሎትና ብሓቂ ይምልሰልና ድዩ፧ እወ፡ ብርግጽ ይምልሰልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ፡ “ሰማዕ ጸሎት” እዩ ዚብሎ። (መዝሙር 65:2) የሆዋ ነቲ ሚልዮናት ሰባት ዜቕርብዎ ጸሎት ይሰምዖ እዩ፣ ብእተፈላለየ መገድታት ድማ ይምልሰሎም እዩ።

17. የሆዋ ብመላእኽትን ኣብ ምድሪ ብዘለዉ ኣገልገልቱን ኣቢሉ ጸሎትና ዚምልሰልና ብኸመይ እዩ፧

17 የሆዋ ብመላእኽትን ኣብ ምድሪ ብዘለዉ ኣገልገልቱን ኣቢሉ ጸሎትና ይምልሰልና እዩ። (እብራውያን 1:13, 14) ውልቀ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድኦም ሓገዝ ደልዮም ናብ ኣምላኽ ደድሕሪ ምጽላዮም፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝኸዶም ዚሕብር ብዙሕ ተመክሮታት ኣሎ። መላእኽቲ ነቲ “ብስራት” ኣብ ኵላ ዓለም ኣብ ምእዋጅ ከም ዚሳተፉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 14:6 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ መብዛሕትና ብዛዕባ ሓደ ጸገም ወይ ብዛዕባ ዜድልየና ነገር ናብ የሆዋ ምስ ጸለና፡ የሆዋ ብክርስትያን ሓውና ወይ ሓብትና ኣቢሉ እቲ ዜድልየና ሓገዝ ይህበና እዩ።—ምሳሌ 12:25፣ ያእቆብ 2:16

የሆዋ ብክርስትያን ኣሕዋትና ኣቢሉ ጸሎትና ኺምልሰልና ይኽእል እዩ

18. የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስን ብመጽሓፍ ቅዱስን ኣቢሉ ጸሎትና ዚምልሰልና ብኸመይ እዩ፧

 18 የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ እውን ጸሎትና ይምልሰልና እዩ። ንጸገማትና ኽንዋጽኣሉ ኽንጽሊ ኸለና፡ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ መምርሕን ብርታዐን ኪህበና ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ጸሎትና ይምልሰልናን ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ይሕግዘናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ሓጋዚ ጥቕስታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንሓደ ሰብ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንሰምዖ ዜድልየና ሓሳብ ምእንቲ ኺዛረብ ኬለዓዕሎ ወይ ከኣ ንሓደ ሽማግለ ጉባኤ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ዚጠቕመና ነጥቢ ምእንቲ ኼካፍለና ኺድርኾ ይኽእል እዩ።—ገላትያ 6:1

19. የሆዋ ጸሎትና ኸም ዘይመለሰልና ዀይኑ ዚስምዓና ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

19 ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ‘የሆዋ ንጸሎተይ ቀልጢፉ ዘይመለሰለይ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። የሆዋ መዓስን ብኸመይን ጸሎትና ኺምልሰልና ኸም ዚግባእ ይፈልጥ እዩ። እንታይ ከም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። እቲ ዝለመንናዮ ነገራት ካብ ልብና ኸም ዝዀነን ብሓቂ ብእኡ ኸም እንኣምንን ምእንቲ ኸነርኢ ኸይተሓለልና ኽንጽሊ የድልየና ይኸውን። (ሉቃስ 11:5-10) ሓድሓደ እዋን፡ የሆዋ ብዘይሓሰብናዮ መገዲ ጸሎትና ይምልሰልና እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓደ ዘጋጠመና ኸቢድ ጸገም ምስ ጸለና፡ ነቲ ጸገም ብምውጋድ ዘይኰነስ፡ ክንጻወሮ ዜኽእለና ብርታዐ ብምሃብ ጸሎትና ኺምልሰልና ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 4:13 ኣንብብ።

20. ናብ የሆዋ ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

20 ናብ የሆዋ ምጽላይ ኣዝዩ ፍሉይ መሰል እዩ። ከም ዚሰምዓና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 145:18) ካብ ልብና ናብ የሆዋ ብዝጸለና መጠን፡ ምስኡ ዘለና ርክብ ብዝያዳ ኺድልድል እዩ።