ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

ተወሳኺ ሓበሬታ

ተወሳኺ ሓበሬታ

1 የሆዋ

ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ እዩ፣ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ድማ ኣለዎ። የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ፣ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ድማ ንሱ እዩ። ኪገብሮ ዚደልዮ ዘበለ ዅሉ ኺገብር ከኣ ሓይሊ ኣለዎ።

ስም ኣምላኽ ብእብራይስጢ ኣርባዕተ ፊደላት ዝሓዘ እዩ። ብትግርኛ ኸኣ፡ የሀወሀ ብዚብላ ፊደላት እየን ዚውከላ። ስም ኣምላኽ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ይርከብ። ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ንስም የሆዋ ብእተፈላለየ መልክዕ ይጽሕፍዎ፡ ኣብ ቋንቋኦም ልሙድ ዝዀነ ኣደማምጻ ድማ ይጥቀሙ እዮም።

ምዕ. 1፡ ሕ.ጽ. 15

2 መጽሓፍ ቅዱስ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” እዩ

ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሰባት ገይሩ እዩ ኣጽሒፍዎ። እዚ ድማ ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ንጸሓፊቱ ደብዳበ ኽትጽሕፈሉ ምስ ምእዛዝ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ሓሳባቱ ኺጽሕፉ መሪሕዎም እዩ። እወ፡ መንፈስ ኣምላኽ ብእተፈላለየ መገዲ መሪሕዎም እዩ፣ ንኣብነት፡ ሓድሓደ ግዜ ራእያት ወይ ሕልምታት ከም ዚርእዩ፡ ነቲ ዝረኣይዎ ድማ ከም ዚጽሕፍዎ ገይርዎም እዩ።

ምዕ. 2፡ ሕ.ጽ. 5

3 ስርዓታት

እዚ ስርዓታት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ሓቅታት ዚገልጽ ትምህርትታት እዩ። ንኣብነት፡ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ” ዚብል ስርዓት፡ እንተዓራረኾም ሰባት ብጽቡቕ ወይ ብሕማቕ ኪጸልዉና ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚገልጽ። (1 ቈረንቶስ 15:33) “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ” ዚብል ስርዓት ከኣ፡ ካብ ሳዕቤን ተግባራትና ኸነምልጥ ከም ዘይንኽእል ይምህረና።—ገላትያ 6:7

ምዕ. 2፡ ሕ.ጽ. 12

  4 ትንቢት

ትንቢት ካብ ኣምላኽ ዚለኣኽ መልእኽቲ እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ፡ ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ፡ ትእዛዝ ወይ ፍርዲ ዚገልጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ነገር ዚገልጽ መልእኽቲ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድሮ እተፈጸመ ብዙሕ ትንቢታት ይርከብ እዩ።

ምዕ. 2፡ ሕ.ጽ. 13

5 ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት

ብዛዕባ መሲሕ ንዚገልጽ ብዙሕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ እዩ ፈጺምዎ። “ ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ምዕ. 2፡ ሕ.ጽ. 17፡ እ.ጽ.

6 የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ

የሆዋ ንምድሪ፡ ዜፍቅርዎ ሰባት ዚነብሩላ ገነት ክትከውን ኢሉ እዩ ፈጢሩዋ። ዕላማኡ ድማ ኣይተለወጠን። ድሕሪ ቐረባ እዋን፡ ኣምላኽ ንእከይ ዘበለ ኼጥፍኦ፡ ንህዝቡ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ።

ምዕ. 3፡ ሕ.ጽ. 1

7 ሰይጣን ድያብሎስ

ሰይጣን ካብ ኣምላኽ ዝዓለወ ናይ መጀመርታ ተጻራሪ እዩ። ንየሆዋ ስለ እተጻረሮ ድማ፡ ሰይጣን፡ ማለት “ተጻራሪ” ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ። ድያብሎስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። ትርጉሙ ኸኣ፡ “ሓማዪ” ወይ “መካፍኢ” ማለት እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ሓሶት ስለ ዚዛረብን ንሰባት ስለ ዜታልልን ድማ እዩ እዚ ስም እዚ ተዋሂብዎ።

ምዕ. 3፡ ሕ.ጽ. 4

  8 መላእኽቲ

የሆዋ ንምድሪ ቕድሚ ምፍጣሩ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ እዩ ንመላእኽቲ ፈጢርዎም። መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ እዮም ተፈጢሮም። ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን መላእኽቲ ኣለዉ። (ዳንኤል 7:10) እተፈላለየ ስምን ባህርያትን ኣለዎም፣ እሙናት መላእኽቲ ብሰባት ኪምለኹ ኣይደልዩን እዮም። እተፈላለየ ደረጃታትን በበይኑ ዕዮን ኣለዎም። ገለ ኻብኡ፡ ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ ምግልጋል፡ መልእኽትታቱ ምብጻሕ፡ ንምድራውያን ኣገልገልቱ ምዕቋብን ምምራሕን፡ ፍርድታት ኣምላኽ ምፍጻም፡ ዕዮ ስብከት ድማ ምድጋፍ ኪጥቀስ ይከኣል። (መዝሙር 34:7፣ ራእይ 14:6፣ 22:8, 9) ኣብ መጻኢ፡ ንየሱስ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ኪድግፍዎ እዮም።—ራእይ 16:14, 16፣ 19:14, 15

ምዕ. 3፡ ሕ.ጽ. 5ምዕ. 10፡ ሕ.ጽ. 1

9 ሓጢኣት

ኣንጻር የሆዋ ወይ ኣንጻር ፍቓዱ ዝዀነ ስምዒታትን ሓሳባትን ተግባራትን፡ ሓጢኣት ይብሃል። ሓጢኣት ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብ ስለ ዜበላሹ፡ ኣምላኽ ኰነ ኢልና ሓጢኣት ከይንፍጽም ዚሕግዘና ሕግታትን ስርዓታትን ሂቡና ኣሎ። ኣብ መጀመርታ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ነገር ፍጹም ገይሩ እዩ ፈጢርዎ ነይሩ፣ ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ የሆዋ ምስ ጠሓሱ ግና፡ ሓጥኡ፡ ፍጽምናኦም ከኣ ኣጥፍኡ። ኣሪጎም እውን ሞቱ፣ ንሕና ድማ ሓጢኣት ኣዳም ስለ ዝወረስና፡ ንኣርግን ንመውትን ኢና።

ምዕ. 3፡ ሕ.ጽ. 7ምዕ. 5፡ ሕ.ጽ. 3

10 ኣርማጌዶን

ናይ ሰይጣን ዓለምን ኵሉ እከይን ዚጠፍኣሉ ውግእ ኣምላኽ እዩ።

ምዕ. 3፡ ሕ.ጽ. 13ምዕ. 8፡ ሕ.ጽ. 18

 11 መንግስቲ ኣምላኽ

መንግስቲ ኣምላኽ፡ የሆዋ ኣብ ሰማይ ዘቘማ መንግስቲ እያ። የሱስ ክርስቶስ ንጉስ እዛ መንግስቲ እዚኣ ዀይኑ ይገዝእ ኣሎ። ኣብ መጻኢ፡ የሆዋ በዛ መንግስቲ እዚኣ ኣቢሉ ንዅሉ እከይ ኬጥፍእ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽትገዝእ እያ።

ምዕ. 3፡ ሕ.ጽ. 14

12 የሱስ ክርስቶስ

ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ቅድሚ ምፍጣሩ ንየሱስ እዩ ፈጢርዎ። የሆዋ ንየሱስ ምእንቲ ዅሎም ሰባት ኪመውት ልኢኽዎ እዩ። የሱስ ምስ ተቐትለ፡ የሆዋ ኣተንሲእዎ እዩ። ሕጂ የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ።

ምዕ. 4፡ ሕ.ጽ. 2

13 ብዛዕባ 70 ሰሙን ዚገልጽ ትንቢት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መሲሕ መዓስ ከም ዚመጽእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ 69 ሰሙን ዚብሃል እዋን ከም ዚመጽእ ተነብዩ ነይሩ፣ እዚ ሰሙን እዚ ድማ፡ ኣብ ዓመተ 455 ቅ.ክ. ጀሚሩ፡ ኣብ ዓመተ 29 ድ.ክ እዩ ተወዲኡ።

ኣብ 29 ድ.ክ. ከም እተወድአ ግና ብኸመይ ንፈልጥ፧ እቲ 69 ሰሙን ብ455 ቅ.ክ. ነህምያ ናብ የሩሳሌም ምስ ከደን ነታ ኸተማ ኺሃንጻ ምስ ጀመረን እዩ ጀሚሩ። (ዳንኤል 9:25፣ ነህምያ 2:1, 5-8) ከምቲ “ደርዘን” ዚብል ቃል ቍጽሪ 12 ኸም እንሓስብ ዚገብረና፡ እታ “ሰሙን” እትብል ቃል ድማ ቍጽሪ 7 እያ እተዘኻኽረና። እዘን ኣብዚ ትንቢት እዚ ተገሊጸን ዘለዋ ሰሙናት ከኣ፡ ሸሸውዓተ መዓልቲ ዝሓዛ ሰሙናት ዘይኰናስ፡ ሸሸውዓተ ዓመት ዝሓዛ ሰሙናት እየን። እዚ ድማ ምስቲ “ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት” ዚብል ትንቢታዊ ሕጊ ዚሰማማዕ እዩ። (ዘሁልቍ 14:34፣ ህዝቅኤል 4:6) ስለዚ፡ ኵለን እተን ሰሙናት ሸሸውዓተ ዓመት ኪዀና ኸለዋ፡ እተን 69 ሰሙን ተደሚረን ድማ 483 ዓመት (69 x 7) እየን ዝዀና። ካብ 455 ቅ.ክ. ተበጊስና 483 ዓመት እንተ ቘጺርና ኸኣ ናብ 29 ድ.ክ. ኢና እንበጽሕ። እዛ  ዓመት እዚኣ ድማ የሱስ እተጠምቀላን መሲሕ ዝዀነላን ዓመት እያ።—ሉቃስ 3:1, 2, 21, 22

እዚ ትንቢት እዚ፡ ካልእ ሓደ ሰሙን፡ ማለት ካልእ ተወሳኺ ሸውዓተ ዓመት ከም ዘሎ እውን ይንበ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ እተፈላለየ ፍጻመታት ተፈጸመ፣ ንኣብነት፡ ብ33 ድ.ክ. መሲሕ ተቐትለ፡ ኣብ መጀመርታ 36 ድ.ክ. ከኣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ተሰብከ።—ዳንኤል 9:24-27

ምዕ. 4፡ ሕ.ጽ. 7

 14 ብዛዕባ ስላሴ ዚገልጽ ናይ ሓሶት ትምህርቲ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪ ኸም ዝዀነ፡ ንየሱስ ከኣ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ከም ዝፈጠሮ ይነግረና እዩ። (ቈሎሴ 1:15, 16) የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣምላኽ ማዕረ ኸም ዝዀነ እውን ኣይተዛረበን። አረ፡ “ካባይ ኣቦ ይዓቢ እዩ” እውን ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:28፣ 1 ቈረንቶስ 15:28) ይኹን እምበር፡ ገሊአን ሃይማኖታት ስላሴ ይምህራ፡ ማለት ኣብን ወድን መንፈስ ቅዱስን ዚብሃሉ ሰለስተ ኣካላት፡ ሓደ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ይገልጻ እየን። ግናኸ፡ እታ “ስላሴ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርከብን እያ። ስላሴ ናይ ሓሶት ትምህርቲ እዩ።

መንፈስ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ዚጥቀመሉ ዘይርአ ንጡፍ ሓይሊ እዩ። ብርእሱ ዚሓስብ ኣካል ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ቀዳሞት ክርስትያናት “ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፣” የሆዋ ድማ፡ “ካብ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ ኸፍስስ እየ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4, 17

ምዕ. 4፡ ሕ.ጽ. 12ምዕ. 15፡ ሕ.ጽ. 17

15 መስቀል

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣምላኽ ኬምልኹ ኸለዉ፡ መስቀል ኣይጥቀሙን እዮም። ስለምንታይ፧

  1. ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ንነዊሕ እዋን መስቀል ኪጥቀማ ጸኒሐን እየን። ብግዜ ጥንቲ ኣብ ኣምልኾ ተፈጥሮ ዀነ ኣብ ጾታዊ በዓላት ኣረማውያን ይጥቀሙሉ ነበሩ። ድሕሪ ሞት የሱስ ኣብ ዝነበራ ናይ መጀመርታ 300 ዓመት፡ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ኣይጥቀሙሉን እዮም ነይሮም። ድሕርዚ ነዊሕ ጸኒሑ ግና፡ ሮማዊ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ንመስቀል ምልክት ክርስትና ገበሮ። ነቲ ምልክት እቲ፡ ክርስትና ዝያዳ ኸም ዚፍለጥ ንምግባር ተጠቕሙሉ። ይኹን እምበር፡ መስቀል ምስ የሱስ ክርስቶስ ምንም ርክብ የብሉን። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “መስቀል ኣብቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ ዘይክርስትያናዊ ባህልታት ይርከብ እዩ” ብምባል ይገልጽ።

  2. የሱስ ኣብ መስቀል ኣይኰነን ሞይቱ። እታ “መስቀል” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ቀጥ ዝበለ ዕንጨይቲ፡” “ጕንዲ፡” ወይ “ኦም” ዚብል መሰረታዊ ትርጉም እዩ ዘለዋ። ዘ ኮምፓንዮን ባይብል፡  “ኣብቲ [ሓድሽ ኪዳን] ዚጥቀመሉ ግሪኽኛ ንኽልተ ዕንጨይቲ ዜመልክት ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን” በለ። የሱስ ኣብ ቀጥ ወይ ትኽ ዝበለ ዕንጨይቲ እዩ ሞይቱ።

  3. የሆዋ ኣብ ኣምልኾና ምስልታት ወይ ምልክታት ክንጥቀም ኣይደልየናን እዩ።—ዘጸኣት 20:4, 5፣ 1 ቈረንቶስ 10:14

ምዕ. 5፡ ሕ.ጽ. 12

16 በዓል ዝኽሪ

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ በዓል ዝኽሪ ሞቱ ኼብዕሉ ኣዚዝዎም እዩ። ነዚ ድማ ዓመት ዓመት ኣብታ እስራኤላውያን በዓል ፋስጋ ዜብዕሉላ ኒሳን 14 እዮም ዚገብርዎ። ስጋን ደምን የሱስ ዜመልክት ቅጫን ወይንን ናብ ኵሎም እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ይዘውር እዩ። እቶም ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ዚገዝኡ ሰባት ከኣ ካብቲ ቕጫ ይበልዑን ካብቲ ወይኒ ይሰትዩን እዮም። እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎ ግና ብኣኽብሮት ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ይካፈሉ ደኣ እምበር፡ ካብቲ ቕጫ ኣይበልዑን፡ ካብቲ ወይኒ እውን ኣይሰትዩን እዮም።

ምዕ. 5፡ ሕ.ጽ. 21

17 ነፍሲ

ኣብቲ ብትግርኛ እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል (1) ንሰብ፡ (2) ንእንስሳ፡ ወይ (3) ሰብ ወይ እንስሳ ንዘለዎ ህይወት እያ እተመልክት። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ርአ፦

  • ሰብ፦ “ብዘመን ኖህ፡ . . . ሒደት ሰባት፡ ማለት ሸሞንተ ነፍሲ ብማይ [ደሓና]።” (1 ጴጥሮስ 3:20) ኣብዚ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል፡ ንሰባት፡ ማለት ንኖህን ንሰበይቱን ንሰለስተ ደቁን ንኣንስቶምን እያ እተመልክት።

  • እንስሳ። “ኣምላኽ ከኣ፡ ‘ማያት ብህያዋን ፍጡራት [“ነፍሳት፡” እግረ ጽሑፍ] ሓሰኽሰኽ ይበል፣ በረርቲ ፍጡራት ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፡ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማያት ይብረሩ’ በለ። ኣምላኽ ከኣ፡ ‘ምድሪ፡ ህያዋን ፍጡራት [“ነፍሳት፡” እግረ ጽሑፍ] በብዓይነቱ፡ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን እንስሳ ዘገዳም ምድርን እውን በብዓይነቱ ተውጽእ’ በለ። ከምኡ እውን ኰነ።”—ዘፍጥረት 1:20, 24

  • ሰብ ወይ እንስሳ ዘለዎ ህይወት። የሆዋ ንሙሴ፡ “ኵሎም እቶም ኪቐትሉኻ ዚደልዩ [“ንነፍስኻ ዚደልይዋ፡” እግረ ጽሑፍ] ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም  እዮም” በሎ። (ዘጸኣት 4:19) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፣ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወቱ [“ንነፍሱ፡” እግረ ጽሑፍ] ምእንቲ እተን ኣባጊዕ ኣሕሊፉ ይህባ” በለ።—ዮሃንስ 10:11

    ብዘይካዚ፡ ሓደ ሰብ ‘ብምሉእ ነፍሱ’ ዝዀነ ነገር ገይሩ ኺብሃል ከሎ፡ ብፍታዉን ብዅሉ ዓቕሙን ከም ዝገበሮ እዩ ዜመልክት። (ማቴዎስ 22:37፣ ዘዳግም 6:5) እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል፡ ድሌት ወይ ሸውሃት ሓደ ህያው ፍጡር እውን ተመልክት እያ። ምዉት ሰብ ወይ ሬሳ ድማ ከም ምዉትቲ ነፍሲ ጌርካ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ።—ዘሁልቍ 6:6፣ ምሳሌ 23:2፣ ኢሳይያስ 56:11፣ ሃጌ 2:13

ምዕ. 6፡ ሕ.ጽ. 5ምዕ. 15፡ ሕ.ጽ. 17

18 መንፈስ

እተን “መንፈስ” ተባሂለን ዚትርጐማ ናይ እብራይስጥን ግሪኽኛን ቃላት ኣብቲ ብትግርኛ እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እተፈላለየ ትርጉም ኪህልወን ይኽእል እዩ። እዘን ቃላት እዚአን ግና፡ ከም ንፋስ ወይ ከም እስትንፋስ ሰባትን እንስሳታትን ንዝኣመሰለ ብዓይኒ ሰብ ዘይርአ ነገር እየን ወትሩ ዜመልክታ። እዘን ቃላት እዚአን፡ ንመንፈሳውያን ኣካላትን ነቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስን እውን የመልክታ እየን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ኻብኡ ተፈልያ እትነብር ነገር ከም ዘላ ኣይምህርን እዩ።—ዘጸኣት 35:21፣ መዝሙር 104:29፣ ማቴዎስ 12:43፣ ሉቃስ 11:13

ምዕ. 6፡ ሕ.ጽ. 5ምዕ. 15፡ ሕ.ጽ. 17

19 ገሃነም

ገሃነም ስም እቲ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ዚርከብ ጐሓፍ ዚጐሓፈሉን ዚነድደሉን ዝነበረ ስንጭሮ እዩ። ብግዜ የሱስ፡ እንስሳታት ወይ ሰባት ኣብዚ ስንጭሮ እዚ ይሳቐዩ ወይ ይቃጸሉ ኸም ዝነበሩ ዜረጋግጽ መርትዖ የልቦን። ስለዚ፡ ገሃነም ዝሞቱ ሰባት ንዘለኣለም ንዚሳቐዩሉን ንዚቃጸሉሉን ብዓይኒ ዘይርአ ቦታ ኣየመልክትን እዩ። የሱስ ብዛዕባ እቶም ናብ ገሃነም እተደርበዩ ሰባት ኪዛረብ ከሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ጥፍኣት እዩ ዜመልክት ነይሩ።—ማቴዎስ 5:22፣ 10:28

ምዕ. 7፡ ሕ.ጽ. 20

 20 ጸሎት ጐይታ (ኣቡነ ዘበሰማያት)

እዛ ጸሎት እዚኣ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ኪምህሮም ከሎ ዝነገሮም እያ። ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ እውን ትፍለጥ እያ። ንኣብነት፡ የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንጽሊ ምሂሩና እዩ፦

  • “ስምካ ይቀደስ”

    ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ንስም ኣምላኽ ምእንቲ ኬኽብሮ፡ የሆዋ ንስሙ ወይ ንዝናኡ ኻብ ኵሉ ሓሶት ናጻ ኺገብሮ ንጽሊ ኢና።

  • “መንግስትኻ ትምጻእ”

    መንግስቲ ኣምላኽ ንናይ ሰይጣን ዓለም ከተጥፍኣን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽትገዝእን ንምድሪ ናብ ገነት ክትልውጣን ንጽሊ ኢና።

  • “ፍቓድካ . . . ኣብ ምድሪ ይኹን”

    ከምቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኪፈጥሮም ከሎ ኪኸውን ደልይዎ ዝነበረ፡ እዙዛትን ፍጹማትን ሰባት ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምእንቲ ኺነብሩ ዕላማ ኣምላኽ ኪፍጸም ንጽሊ ኢና።

ምዕ. 8፡ ሕ.ጽ. 2

21 በጃ

የሆዋ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን ኢሉ በጃ ኣዳልዩ እዩ። እቲ በጃ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝነበረ ኣዳም ንዜጥፍኣ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወት መሊስካ ንምዕዳግን ወዲ ሰብ ምስ ኣምላኽ ንዘለዎ እተበላሸወ ርክብ ንምዕራይን ዚኽፈል ዋጋ እዩ። ኣምላኽ ንየሱስ ምእንቲ ዅሎም ሓጥኣን ኪመውት ኢሉ ናብ ምድሪ ለኣኾ። ሳላ ሞት የሱስ ከኣ፡ ኵሎም ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡን ፍጹማት ኪዀኑን ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም።

ምዕ. 8፡ ሕ.ጽ. 21ምዕ. 9፡ ሕ.ጽ. 13

22 ዓመተ 1914 ኣገዳሲት ዓመት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ዚርከብ ትንቢት፡ ኣምላኽ ኣብ 1914 መንግስቱ ኸም ዜቕውም ይምህረና እዩ።

ትንቢት፦ የሆዋ ንንጉስ ነቡካድነጻር፡ ብትንቢታዊ ሕልሚ ኣቢሉ ብዛዕባ ሓንቲ እተቘርጸት ዓባይ ኦም ኣርኣዮ። ኣብቲ ሕልሚ፡ ጕርማጽ እታ  ኦም ን“ሸውዓተ ግዜያት” ምእንቲ ኸይዓቢ ብሓጺንን ብነሓስን ከም እተኣስረ ተገሊጹ ኣሎ። ድሕሪኡ ግና፡ እታ ኦም ዓበየት።—ዳንኤል 4:1, 10-16

እቲ ትንቢት ንዓና እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ፦ እታ ኦም ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ እያ እተመልክት። ንሓያሎ ዓመታት፡ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ብዝነገሱ ነገስታት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ይገዝእ ነበረ። (1 ዜና መዋእል 29:23) እቶም ነገስታት ዘይእሙናት ስለ ዝዀኑ ግና፡ ግዝኣቶም ተቛሪጹ እዩ። የሩሳሌም ከኣ ብ607 ቅ.ክ. ዓነወት። እምበኣር፡ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” ኣብዛ ዓመት እዚኣ እዩ ጀሚሩ። (2 ነገስት 25:1, 8-10፣ ህዝቅኤል 21:25-27) የሱስ፡ “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ የሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገጽ እያ” ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ እዚ “ሸውዓተ ግዜያት” እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ሉቃስ 21:24) ስለዚ፡ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣይኰነን ኣብቂዑ። የሆዋ ኣብ መወዳእታ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” ንጉስ ከም ዚሸይም ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። ኣገዛዝኣ እዚ ሓድሽ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ኣብ መላእ ምድሪ ንዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ንዘለኣለም ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።—ሉቃስ 1:30-33

ንውሓት እቲ “ሸውዓተ ግዜያት”፦ ንውሓት እቲ “ሸውዓተ ግዜያት፡” 2,520 ዓመት እዩ። ካብ ዓመተ 607 ቅ.ክ. ተበጊስና 2,520 ዓመት እንተ ቘጺርና ኸኣ ናብ ዓመተ 1914 ኢና እንበጽሕ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ድማ፡ የሆዋ ነቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ገይሩ ኣብ ሰማይ ሸይምዎ እዩ።

እቲ 2,520 ዚብል ቍጽሪ ግና ካበይ ኢና ረኺብናዮ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰለስተ ግዜያትን ፈረቓን፡ 1,260 መዓልቲ ምዃኑ ይሕብር። (ራእይ 12:6, 14) እምበኣር፡ “ሸውዓተ ግዜያት” ኪብሃል ከሎ ዕጽፊ ናይዚ፡ ማለት 2,520 መዓልቲ እዩ። ብመሰረት እቲ “ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት” ዚብል ትንቢታዊ ሕጊ ድማ፡ እተን 2,520 መዓልቲ፡ 2,520 ዓመት እየን።—ዘሁልቍ 14:34፣ ህዝቅኤል 4:6

ምዕ. 8፡ ሕ.ጽ. 23

 23 ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ

እታ “ሊቀ መላእኽቲ” እትብል ቃል፡ “ሓለቓ መላእኽቲ” ማለት እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሚካኤል ዝስሙ ሓደ ሊቀ መላእኽቲ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብር።—ዳንኤል 12:1፣ ይሁዳ 9

ሚካኤል መራሒ እሙናት መላእኽቲ ኣምላኽ እዩ። ራእይ 12:7፡ ‘ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበልን ምስ መላእኽቱን’ ከም እተዋግኡ ትገልጸልና። መጽሓፍ ራእይ ድማ መራሒ ሰራዊት ኣምላኽ የሱስ ምዃኑ ስለ እትሕብረና፡ ሚካኤል ካልእ ስም የሱስ እዩ ኺብሃል ይከኣል እዩ።—ራእይ 19:14-16

ምዕ. 9፡ ሕ.ጽ. 4

24 ዳሕሮት መዓልትታት

እዚ መግለጺ እዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንናይ ሰይጣን ዓለም ቀቅድሚ ምጥፍኣ ኣብ ምድሪ ዓበይቲ ፍጻመታት ንዚፍጸመሉ እዋን እዩ ዜመልክት። ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “መደምደምታ እቲ ስርዓት፡” “ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን” ዚብል መግለጺታት እውን ነዚ እዋን እዚ እዩ ዜመልክት። (ማቴዎስ 24:3, 27, 37) እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክትገዝእ ምስ ጀመረት እየን ጀሚረን፡ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣብ ኣርማጌዶን ምስ ጠፍአት ከኣ ኬብቅዓ እየን።—2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ 2 ጴጥሮስ 3:3

ምዕ. 9፡ ሕ.ጽ. 5

25 ትንሳኤ

ኣምላኽ ንዝሞተ ሰብ ካብ ምዉታት ምስ ዜተንስኦ፡ ትንሳኤ ይብሃል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትሽዓተ ትንሳኤ ተጠቒሱ ኣሎ። ነዚ ትንሳኤ እዚ ድማ፡ ኤልያስ፡ ኤልሳእ፡ የሱስ፡ ጴጥሮስ፡ ጳውሎስ እዮም ፈጺሞምዎ። እዚ ተኣምራት እዚ እተፈጸመ ሳላ ሓይሊ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። የሆዋ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን” ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ኸም ዜተንስኦም ኣተስፍዩ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ናብ ሰማይ ምትንሳእ እውን ይገልጽ እዩ። እዚ ዚፍጸም ከኣ፡ እቶም ኣምላኽ ዝሓረዮም ወይ ዝቐብኦም ምስ የሱስ ኪነብሩ ናብ ሰማይ ኪኸዱ ኸለዉ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:25፣ ፊልጲ 3:11፣ ራእይ 20:5, 6

ምዕ. 9፡ ሕ.ጽ. 13

 26 ኣጋንንታዊ ተግባር (መናፍስትነት)

ኣጋንንታዊ ተግባር ወይ መናፍስትነት ምስ መናፍስቲ ብቐጥታ ዀነ ብጠንቋሊ ወይ ብጠያቒ መናፍስቲ ብምርኻብ ዚግበር ሕማቕ ተግባር የመልክት። ሰባት መናፍስታዊ ተግባራት ዚገብሩ፡ ሰብ ምስ ሞተ መንፈሱ ኻብኡ ተፈልዩ፡ ሓያል መንፈስ ከም ዚኸውን ዚገልጽ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ስለ ዚኣምኑ እዮም። ኣጋንንቲ፡ ሰባት ንኣምላኽ ከይእዘዙ ጽልዋ ይገብሩ እዮም። ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ጥንቈላ፡ ኣስማት፡ ማሪት፡ ስሒር፡ ከምኡ ድማ ልዕለ ሰብኣዊ ምርኢታት ኣጋንንታዊ ተግባራት እዩ። ብዙሕ መጻሕፍቲ፡ መጽሔታት፡ ፊልምታት፡ ፖስተራት፡ ከምኡ እውን ሙዚቃ ንኣጋንንትን ንጥንቈላን ንልዕለ ሰብኣዊ ሓይልን ጕድኣት ከም ዘይብሉ ወይ ሰሓቢ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዜቕርቦ። ንምዉታት ዚቐርብ መስዋእቲ፡ ድሕሪ ቐብሪ ዚግበር ፍልይ ዝበለ ድግስ፡ ተዝካር፡ መጻምድቶም ብሞት እተፈለይዎም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ዚገብርዎ ልምድታት ዝኣመሰለ ኣብ እዋን ቀብሪ ዚግበር ሓያሎ ልምድታት እውን ምስ ኣጋንንታዊ ተግባራት ኪተሓሓዝ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ኣጋንንታዊ ሓይሊ ኺጥቀሙ ኸለዉ ኣፋውስ ይጥቀሙ እዮም።—ገላትያ 5:20፣ ራእይ 21:8

ምዕ. 10ሕ.ጽ. 10፣ ምዕ. 16፡ ሕ.ጽ. 4

27 ልዑላውነት የሆዋ

የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ፣ ንብዘሎ ዩኒቨርስ ዝፈጠረ እውን ንሱ እዩ። (ራእይ 15:3) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ወናኒ ዅሉ ነገራት ንሱ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ኪገዝእ ምሉእ ወይ ልዑላዊ ስልጣን ከኣ ኣለዎ። (መዝሙር 24:1፣ ኢሳይያስ 40:21-23፣ ራእይ 4:11) ንዅሉ እቲ ዝፈጠሮ ነገራት ሕጊ ኣዳልዩሉ እዩ። የሆዋ ንኻልኦት ገዛእቲ ምእንቲ ኪዀኑ ኺሸሞም ስልጣን ኣለዎ። ንኣምላኽ ብምፍቃርን ትእዛዛቱ ብምሕላውን ልዑላውነቱ ኽንድግፍ ንኽእል ኢና።—1 ዜና መዋእል 29:11

ምዕ. 11፡ ሕ.ጽ. 10

 28 ምንጻል ጥንሲ

ምንጻል ጥንሲ ኺብሃል ከሎ፡ ንዘይተወልደ ሕጻን ኰነ ኢልካ ምቕታል ማለት እዩ። ብሓደጋ ወይ ከኣ ኣብ ኣካላት ሰብ ብዜጋጥም ባህርያዊ ጸገም ዚስዕብ ኣይኰነን። ሓደ ሕጻን ካብታ እተጠንሰላ እዋን ኣትሒዙ፡ እተፈልየ ሰብ ደኣ እምበር፡ ከምቲ ኻልእ ክፍሊ ሰብነት ናይ ኣዲኡ ኣይኰነን።

ምዕ. 13፡ ሕ.ጽ. 5

29 ምምሕልላፍ ደም

ደም ሰብ ወይ ከኣ እተኸዘነ ደም ብምሉኡ ወይ ሓደ ኻብቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ኽፋላቱ ናብ ካልእ ሰብ ዚመሓላለፈሉ ሕክምናዊ መስርሕ እዩ። እቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ኽፋላት ደም፡ ፕላዝማ፡ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም፡ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም፡ ፕላትለት ይብሃል።

ምዕ. 13፡ ሕ.ጽ. 13

30 ተግሳጽ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ተግሳጽ” እትብል ቃል ንመቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት። ተግሳጽ ንትምህርትን መአረምታን እውን የመልክት እዩ። የሆዋ ብዓመጻ ወይ ብጭካነ ኣይግስጽን እዩ። (ምሳሌ 4:1, 2) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንወለዲ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ። እቲ የሆዋ ዚህቦ ተግሳጽ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ተግሳጽ ዚውሃቦ ሰብ ይፈትዎ እዩ። (ምሳሌ 12:1) የሆዋ ንህዝቡ ስለ ዜፍቅሮም፡ የሰልጥኖም እዩ። ግጉይ ኣተሓሳስባኦም ዚእርም፡ ንዕኡ ብዜሐጕስ መገዲ ኺሓስቡን ኪመላለሱን ከኣ ዜሰልጥን መምርሒታት ይህቦም እዩ። ወለዲ ዚህብዎ ተግሳጽ፡ ውሉዳቶም ስለምንታይ ኪእዘዙ ኸም ዘለዎም ኪርድኡ ዚሕግዞም ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ እቲ ወለዲ ንውሉዳቶም ዚህብዎ ተግሳጽ፡ ውሉዳት ንየሆዋ ኼፍቅርዎ፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኬፍቅርዎን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ስርዓታት ኪርድእዎን ዚሕግዞም ኪኸውን ኣለዎ።

ምዕ. 14፡ ሕ.ጽ. 13

31 ኣጋንንቲ

ኣጋንንቲ፡ ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሊ ዘለዎም ብዓይኒ ዘይርኣዩ እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራት እዮም። እዚኣቶም እኩያት መላእኽቲ እዮም። ንኣምላኽ እዙዛት ብዘይምዃኖም ጸላእቱ ምስ ኰኑ እዮም እኩያት ኰይኖም። (ዘፍጥረት 6:2፣ ይሁዳ 6) ምስ ሰይጣን ሓቢሮም ከኣ ካብ የሆዋ ዓለዉ።—ዘዳግም 32:17፣ ሉቃስ 8:30፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:16፣ ያእቆብ 2:19

ምዕ. 16፡ ሕ.ጽ. 4