ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

 መመላእታ ጽሑፍ

በዓላት ከነብዕል ግቡእ ድዩ፧

በዓላት ከነብዕል ግቡእ ድዩ፧

እቲ ኣብ ብዙሕ ክፋል ዓለም ብሰፊሑ ዚብዓል ዘሎ ሃይማኖታውን ዓለማውን በዓላት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመንጨወ ኣይኰነን። መበቈል እዚ በዓላት እዚ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኼድካ ምርምር ክትገብር ትኽእል እንተ ደኣ ዄንካ፡ ገሊኡ መወከሲ መጻሕፍቲ ብዛዕባ እቲ ልሙድ  በዓላት ዚብሎ ነገራት ዜገርም ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ሕጂ ግና ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

በዓል ትንሳኤ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “ኣብ ሓድሽ ኪዳን በዓል ትንሳኤ ይብዓል ምንባሩ ዚሕብር ነገር የለን” ይብል። ብኸመይ ደኣሉ እሞ ኺብዓል ጀሚሩ፧ ካብ ኣረማዊ ኣምልኾ ዝመንጨወ እዩ። እዚ በዓል እዚ ንትንሳኤ የሱስ ንምዝካር ኢልካ ዚግበር እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ልምድታት ግና ክርስትያናዊ ኣይኰነን።

በዓላት ሓድሽ ዓመት። ምስ ሓድሽ ዓመት ዚተሓሓዝ በዓላት ዕለቱን ልምድታቱን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ምንጪ እዚ በዓል እዚ “እቲ ጁልየስ ቄሳር ዚብሃል ሮማዊ ገዛኢ ኣብ 46 ቅ.ክ. ን1 ጥሪ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ገይሩ ኣቘማ። ሮማውያን ነዛ ዓመት እዚኣ ንጃኑስ ዚብሃል ናይ ኣፍ ደገታትን መዓጹን መጀመርታታትን ኣምላኽ ዝወፈይዋ እያ ነይራ። ወርሒ ጥሪ [ብእንግሊዝኛ ጃንዋሪ] በቲ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ዚጥምት ክልተ ገጽ ዘለዎ ጃኑስ እያ ተሰምያ” ትብል። እምበኣር፡ በዓላት ሓድሽ ዓመት ኣብ ኣረማዊ ልምድታት እተመስረተ እዩ።

ሃሎዊን። ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና፡ “ምስ ሃሎዊን ዚተሓሓዝ ልማዳት ካብቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ ጽምብላት ድሩይድ [ጥንታዊ ኽህነት ሰልት ዚብሃሉ ህዝቢ] ዝመንጨወ እዩ ይብል። እቶም ሰልት ነቶም ኣምላኽ ጸሓይን ኣምላኽ ምዉታትን . . . ዚብሃሉ ኽልተ ዓበይቲ ኣማልኽቲ ኣብቲ ሓድሽ ዓመት ሰልት ዚጅምረሉ 1 ሕዳር በዓላት ይገብሩሎም ነይሮም። እቲ በዓል ምዉታት በብቝሩብ ናብ ክርስትና ተኣታተወ።”

ካልእ በዓላት። ንዅሉ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚብዓል በዓላት ክንጠቕሶ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ንሰባት ወይ ሰብኣዊ ውድባት ክብ ዜብል በዓላት፡ ብየሆዋ ተቐባልነት የብሉን። (ኤርምያስ 17:5-7፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:25, 26) መበቈል ሃይማኖታዊ በዓላት እውን ንኣምላኽ ኬሐጕሶ ወይ ኬጕህዮ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። (ኢሳይያስ 52:11፣ ራእይ 18:4) ኣብ ምዕራፍ 16 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጠቒሱ ዚርከብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዓለማዊ በዓላት ብዛዕባ ምብዓል ዘለዎ ኣረኣእያ ኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።