ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

 ምዕራፍ ክልተ

እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ቅዱስ

እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንብሕታዊ ጸገማትካ ኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

  • ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢታት ክትኣምኖ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

1, 2. መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ዜደንቕ ውህበት ኪብሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

ካብ እትፈትዎ ዓርክኻ ፍሉይ ውህበት እተቐበልካሉ እዋንዶ ትዝ ይብለካ፧ ሽዑ ተሓጒስካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልብኻ እውን ተተንኪፉ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ ሓደ ውህበት ብዛዕባ እቲ ወሃቢ ዜመሓላልፈልካ መልእኽቲ ኣለዎ። እዚ ድማ ነቲ ዕርክነት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ እዩ ዚሕብረካ። ፈታዊኻ ሓሲቡ ውህበት ስለ ዝሃበካ፡ ከም ዘመስገንካዮ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

2 መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ፣ ነዚ እውን ብሓቂ ኸነማስወሉ ኣሎና። እዚ ፍሉይ መጽሓፍ እዚ ብርእስና ኽንፈልጦ ዘይንኽእል ዝነበርና ነገራት እዩ ዚገልጸልና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ እቲ ኸዋኽብቲ ዝመልኦ ሰማያት፡ ብዛዕባ ምድሪ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ይነግረና። ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማትን ጭንቀትን ክንዋጽኣሉ ዜኽእለና ዜተኣማምን ስርዓታት ዝሓዘ እዩ። ኣምላኽ ብኸመይ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽምን ኣብ ምድሪ ዝሓሸ ዅነታት ብኸመይ ከም ዜምጽእን ይገልጸልና። መጽሓፍ ቅዱስሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ውህበት ኰን እዩ!

3. የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምድላዉ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ እዚ ልቢ ዚትንክፍ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ወሃቢኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዚገልጽ  ብምዃኑ ልቢ ዚትንክፍ ውህበት እውን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ብምድላዉ ኽንፈልጦ ኸም ዚደልየና መረጋገጺ እዩ ዚዀነና። እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኽትቀርቦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

4. ብዛዕባ ዝርጋሐ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዝመሰጠካ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣልዩካ፡ በይንኻ ጥራይ ኣይኰንካን ነዚ መጽሓፍ እዚ ዝወነንካ። መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብኣስታት 2,600 ቋንቋ ኺሕተም ከሎ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንልዕሊ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ቀሪቡ ኣሎ። ብገምጋም ኣብ ሰሰሙን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅዳሓት ይዝርጋሕ! ብቢልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ እተወሰነ ኽፋሉ ተሓቲሙ ኣሎ። ብርግጽ፡ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ዝበለ መጽሓፍ የልቦን።

“መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም” ብሓያሎ ቛንቋታት ይርከብ እዩ

5. መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብ ርእሲ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።) ብኸመይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ፡ “ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ” ብምባል ይምልስ። (2 ጴጥሮስ 1:21) ነዚ ንምብራህ፡ ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ንጸሓፊቱ ደብዳበ ኽትጽሕፈሉ ይእዝዛ ንበል። እታ ደብዳበ ሓሳባትን መምርሒታትን እቲ ኣካያዲ ስራሕ ዝሓዘት እያ። ስለዚ፡ ናይታ ጸሓፊቱ  ዘይኰነትስ ብሓቂ ናቱ ደብዳበ እያ። ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይቶም ዝጸሓፍዎ ሰባት ዘይኰነስ፡ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ስለዚ፡ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ “ቓል ኣምላኽ” እዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:13

ንሓድሕዱ ዚሰማማዕን ልክዕን

6, 7. መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ምስምማዑ ብፍላይ ዜደንቕ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኺውዳእ ልዕሊ 1,600 ዓመት እዩ ወሲዱ። ጸሓፍቱ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ዝነበሩ ዀይኖም እተፈላለየ ዓይነት ደረጃ ህይወት ነበሮም። ገሊኦም ሓረስቶት፡ ገሊኦም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ገሊኦም ከኣ ጓሶት ነበሩ። ነብያትን ፈረድትን ነገስታትን እውን ይርከብዎም እዮም። እቲ ጸሓፍ ወንጌል ዝነበረ ሉቃስ ሞያኡ ሓኪም እዩ ነይሩ። እዞም ጸሓፍቲ እዚኦም በበይኑ ዝዓይነቱ ህይወት ዚመርሑ እኳ እንተ ነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ንሓድሕዱ ይሰማማዕ እዩ። *

7 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቀዳመይቲ መጽሓፍ፡ ጸገማት ደቂ ሰብ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ትነግረና። እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ከኣ ምልእቲ ምድሪ ገነት ወይ ስፍራ ኣታኽልቲ ኽትከውን ምዃና ትሕብረና። ብሓፈሻ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣሽሓት ናይ ዚቝጸር ዓመታት ታሪኽ ይትርኽ፡ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ከኣ ብገለ መገዲ ይተሓሓዝ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ንሓድሕዱ ዘለዎ ስኒት ብሓቂ ዜገርም እዩ፣ ካብቲ ኣምላኽ ዚህበና መጽሓፍ እውን ከምዚ ኢና እንጽበ።

8. መጽሓፍ ቅዱስ ብስነ ፍልጠት ልክዕነቱ ኸም ዘመስከረ ዜርኢ ኣብነታት ሃብ።

8 መጽሓፍ ቅዱስ ብስነ ፍልጠት እውን ልክዕነቱ ዝሓለወ እዩ። አረ ኣቐዲሙ እውን ሓበሬታ ዝሃበሉ እዋን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ንጥንታውያን እስራኤላውያን ንሕሙም ንበይኑ ብዛዕባ ምዕጻው ወይ ብዛዕባ ምውሻብ ከምኡ እውን ብዛዕባ ጽሬት፡ ሕግታት ሒዛትሎም ኣላ፣ እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ግና ብዛዕባ እዚ ዋላ ሓንቲ  ዚፈልጥዎ ኣይነበሮምን። ብዛዕባ ቕርጺ ምድሪ ግጉይ ኣረኣእያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንመሬት ከባብ ኢሉ ጠቒስዋ ኣሎ። (ኢሳይያስ 40:22) ምድሪ ‘ኣብ ገለ ዘይብሉ ተንጠልጢላ’ ኸም ዘላ እውን ብልክዕ ይጠቅስ እዩ። (እዮብ 26:7) ሓቂ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ንስነ ፍልጠት ዚምልከት ጕዳያት ኪትንክፍ ከሎ ብልክዕ እዩ ዚገልጽ። ካብቲ ኣምላኽ ዚህበና መጽሓፍ ከምዚ ደይኰንናን እንጽበ፧

9. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ታሪኽ ልክዕን ዜተኣማምንን ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ቅንዕና እቶም ጸሓፍቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይነግረና፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ታሪኽ እውን ልክዕን ዜተኣማምንን እዩ። ጸብጻባቱ ንጹር እዩ። ስማት ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስማት ኣቦታቶምን ኣባሓጎታቶምን እውን ይጠቅስ እዩ። * ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምቶም መብዛሕትኡ ግዜ ስዕረት ህዝቦም ዘይጠቕሱ ዓለማውያን ጸሓፍቲ ዘይኰኑስ፡ ሓቀኛታት እዮም። ጕድለቶምን ጕድለት ህዝቦምን እውን ከይተረፈ መዝጊቦም ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዘሁልቍ፡ እቲ ጸሓፊኣ ሙሴ ነቲ ሓያል ተግሳጽ ዘስዓበሉ ኸቢድ ጌጋኡ ተኣሚኑ እዩ። (ዘሁልቍ 20:2-12) ከምዚ ዝኣመሰለ ቕንዕና ኣብ ካልእ ታሪኻዊ ጸብጻባት ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣይርከብን እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ብምዃኑ ነዚ ባህርይ እዚ የንጸባረቖ እዩ።

ግብራዊ ጥበብ ዝሓዘ መጽሓፍ

10. መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ መጽሓፍ ምዃኑ ዘየገርመና ስለምንታይ እዩ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ብምዃኑ፡ “ንምምሃርን ንምግናሕን ንምቕናዕን . . . ዚጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ወይ ኣብ ህይወትካ ኺዓዪ ዚኽእል መጽሓፍ እዩ። ብዛዕባ ተፈጥሮ ደቂ ሰብ ዓሚቝ ፍልጠት ሒዙ ኣሎ። እቲ ደራሲኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ ኸምዚ ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን። ንኣተሓሳስባናን ንስምዒትናን ካባና ንላዕሊ ይርድኦ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሕጉሳት ክንከውን እንታይ ከም ዜድልየና ይፈልጥ  እዩ። ካብ ምንታይ መገዲ ኽንርሕቕ ከም ዘሎና እውን ዚስሕቶ ኣይኰነን።

11, 12. (ሀ) የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እንታይ እዩ ዝገለጸ፧ (ለ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ካልእ ግብራዊ ሓሳባት እዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧ እቲ ምኽሩ ግዜ ዘይሓልፎ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

11 ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ኽሳዕ 7 ዚርከብ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እሞ ሕስብ ኣብለሉ። የሱስ ኣብቲ ብሉጽ ትምህርቱ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ተዛረበ። ገለ ኻብኡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ከም እትረክብ፡  ግጭት ብኸመይ ከም እትፈትሕ፡ ብኸመይ ከም እትጽሊ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት ብኸመይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም እትሕዝ ይገልጽ። እቲ እተዛረቦ ቓላት ከምቲ ሽዑ፡ ሕጂ እውን ሓያልን ግብራውን እዩ።

12 ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ንናብራ ስድራ ቤትን ንስራሕን ምስ ካልኦት ንዘሎና ርክብን ዚትንክፍ እዩ። ብዅሎም ሰባት ኪዕየየሉ ዚከኣል ኪኸውን ከሎ ምኽርታቱ ወትሩ ጠቓሚ እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ፡ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ . . . ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ” ብምባል ኣሕጽር ኣቢሉ ገሊጹ ኣሎ።—ኢሳይያስ 48:17

ናይ ትንቢት መጽሓፍ

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ኢሳይያስ ብዛዕባ ምውዳቕ ባቢሎን ተነበየ

13. የሆዋ ንነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ ባቢሎን እንታይ ዝርዝራት ኪጽሕፍ እዩ ብመንፈሱ ዝደረኾ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ትንቢታት ዝሓዘ ዀይኑ፡ መብዛሕትኡ ኻብዚ ተፈጺሙ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ በቲ ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኸተማ ባቢሎን ከም እትዓኑ ተነበየ። (ኢሳይያስ 13:19፣ 14:22, 23) እታ ኸተማ ብኸመይ ከም እትሰዓር ዚገልጽ ዝርዝር እውን ተዋህበ። እቲ ንባቢሎን ዚወርራ ሰራዊት ንፈለጋ ኸም ዜንቅጾን ከይተዋግአ ናብታ ኸተማ ኸም ዚኣቱን ተገልጸ። በዚ እውን ኣየብቅዐን። ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ እቲ ንባቢሎን ዚስዕር ንጉስ ስሙ ቂሮስ ምዃኑ እውን ከይተረፈ ተጠቕሰ።—ኢሳይያስ 44:27–45:2 ኣንብብ።

14, 15. ገለ ኻብቲ ትንቢት ኢሳይያስ ብዛዕባ ባቢሎን ዝሃቦ ዝርዝር ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧

14 ኣስታት 200 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ብ5/6 ጥቅምቲ 539 ቅ.ክ. ሓደ ሰራዊት ጥቓ ባቢሎን ሰፈረ። ሓለቓ እዚ ሰራዊትከ መን ነበረ፧ እቲ ንጉስ ፋርስ ዝነበረ ቂሮስ እዩ። ዜደንቕ ትንቢት ዚፍጸመሉ እዋን ኣኸለ። እንተዀነ ግና፡ ሰራዊት ቂሮስ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ንባቢሎን ብዘይ ውግእ ኪወርሩዋ ይኽእሉ ደዀን ይዀኑ፧

15 ባቢሎናውያን በታ ምሸት እቲኣ ድግስ ደጊሶም ነበሩ፣ በቲ ገዚፍ መካበብያ እታ ኸተማ ድማ ተኣማሚኖም ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቂሮስ ነቲ በታ ኸተማ ዚሓልፍ ዝነበረ ማይ ናብ ካልእ ከም ዚውሕዝ ገበሮ። ነዊሕ  ከይጸንሐ መጠን እቲ ማይ ኣዝዩ ስለ ዝወረደ፡ እቶም ሰቡ ነቲ ፈለግ ብቐሊሉ ሰጊሮም ናብታ ብመካበብያ እተሓጽረት ከተማ ቐረቡ። ኰይኑ ግና፡ ሰራዊት ቂሮስ ከመይ ገይሩ እዩ መካበብያ ባቢሎን ሰጊሩ ኺኣቱ ዚኽእል፧ በታ ምሸት እቲኣ ብሸለልትነት መዓጹ እታ ኸተማ ኣይተዓጽወን ነይሩ!

16. (ሀ) ኢሳይያስ ንባቢሎን ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ዜጋጥማ ነገር እንታይ ኢሉ ተነበየ፧ (ለ) ብዛዕባ ምብዳም ባቢሎን ዚገልጽ ትንቢት ኢሳይያስ ብኸመይ ተፈጸመ፧

16 ብዛዕባ ባቢሎን፡ “ሰብ ኣብኣ ከቶ ኣይኪነብርን፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ መንበሪት ኣይክትከውንን እያ። ዓረብ ኣብኣ ድንኳኑ ኣይኪተክልን እዩ፣ ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣይኬዕርፉላን እዮም” ዚብል ትንቢት እውን ኣሎ። (ኢሳይያስ 13:20) እዚ ትንቢት እዚ እታ ኸተማ ኸም እትወድቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓዋሩ ኸም እትባድም እዩ ተነብዩ። ፍጻመ እዚ ቓል እዚ ሕጂ ብዓይንኻ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኻብታ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ከተማ ባግዳድ ብደቡብ 80 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝነበረትሉ ሰብ ዚብሃል ዘይነብሮ ቦታ፡ ነቲ የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ “ብመዀስተር ጥፍኣት ከኣ ክዅስትራ እየ” ብምባል እተዛረቦ ቓል ከም እተፈጸመ ዜርኢ መርትዖ እዩ።—ኢሳይያስ 14:22, 23 *

ዑናታት ባቢሎን

17. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢታት ፍጻመኡ ምርካቡ ንእምነትና ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

 17 መጽሓፍ ቅዱስ ትውክልቲ ዚግበሮ ትንቢታት ዝሓዘ መጽሓፍ ምዃኑ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ እምነትና ደይኰነን ዚድልድል፧ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘተስፈዎ ተስፋታት እንተ ፈጺምዎ፡ ነቲ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዘተስፈዎ ተስፋ እውን ከም ዚፍጽሞ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ዘሁልቍ 23:19 ኣንብብ።) እወ፡ እቲ “ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ፡ ጥንቲ ዘተስፈወና ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኣሎና።—ቲቶስ 1:2 *

‘ቃል ኣምላኽ ህያው እዩ’

18. ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ “ቓል ኣምላኽ” እንታይ ባይታ ዘይወድቕ ዘረባ እዩ እተዛረበ፧

18 ካብዚ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ዝረኣናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ፍሉይ  መጽሓፍ ምዃኑ ንጹር እዩ። ጥቕሙ ግና ካብ ውሽጣዊ ስኒቱ፡ ካብ ስነ ፍልጠታውን ታሪኻውን ልክዕነቱ፡ ካብ ግብራዊ ጥበቡ፡ ከምኡ እውን ካብቲ ዜተኣማምን ትንቢቱ ኣጸቢቑ ዚበልጽ እዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ዚበልሕ እዩ፣ ነፍስን መንፈስን፡ መላግቦን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚስንጥቕ፡ ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ከኣ ዚመሚ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 4:12

19, 20. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ርእስኻ ንምምርማር ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (ለ) ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ፍሉይ ውህበት ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ሞሳ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

19 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ቃል” ወይ መልእኽቲ ኣምላኽ ምንባብ፡ ንህይወትና ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ሕጂ ጌርናዮ ብዘይንፈልጥ መገዲ ርእስና ኽንምርምር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ንዛረብ ንኸውን፡ ነቲ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ ዘሎና ኣረኣእያ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ሓሳባትና፡ አረ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና እንሕልኖ ነገር እውን ከይተረፈ እዩ ዚቐልዖ።

20 መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ እዩ። ከነንብቦን ከነጽንዖን ከነፍቅሮን ኢሉ ድማ እዩ ሂቡና። ንትሕዝቶ እዚ ኣምላኽ ዝሃበካ ውህበት ብምምርማር ሞሳኻ ኣርኢ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣጸቢቕካ ኽትርዳእ ኢኻ። እዚ ዕላማ እዚ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዚፍጸምን ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ኪግለጽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 6 ገሊኦም ሰባት እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ካልእ ክፋሉ ይጋጮ እዩ እኳ እንተ በሉ፡ እዚ መሰረት የብሉን። ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ቃል ሰብ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ምዕራፍ 7 ተወከስ።

^ ሕ.ጽ. 9 ንኣብነት፡ ኣብ ሉቃስ 3:23-38 ዚርከብ ብዛዕባ መስመር ወለዶ የሱስ ዚገልጽ ዝርዝር ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደኣ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትብሃል ብሮሹር፡ ገጽ 27-29 ተወከስ።

^ ሕ.ጽ. 17 ጥፍኣት ባቢሎን ካብቲ ፍጻመኡ ዝረኸበ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኣብነት ጥራይ እዩ። ብዛዕባ ጥፍኣት ጢሮስን ነነዌን ዚገልጽ ካልእ ኣብነታት እውን ኣሎ። (ህዝቅኤል 26:1-5፣ ጸፎንያስ 2:13-15) ትንቢት ዳንኤል እውን ድሕሪ ባቢሎን ሓያላት ብዛዕባ ዝዀና ተኸታታሊ ሃጸያዊ ግዝኣታት ትገልጽ እያ። ገለ ኻብዚኣተን ሜዶንን ፋርስን ከምኡ እውን ግሪኽ ይርከባኦ። (ዳንኤል 8:5-7, 20-22) ብዛዕባ እቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እተፈጸመ ሓያሎ መሲሓዊ ትንቢታት፡ ኣብታ “የሱስ ክርስቶስ—እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።

ብዝያዳ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ኺረኽቡሉ ይሕግዞም ኣሎ። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ትደሊዶ፧