ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

 መመላእታ ጽሑፍ

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ምኽንያት

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ምኽንያት

መስቀል ሚልዮናት ብዚቝጸሩ ሰባት ይፍቶን ይኽበርን እዩ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ንመስቀል፡ “ቀንዲ ምልክት ሃይማኖት ክርስትና” ይብሎ። ይኹን እምበር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት መስቀል ንኣምልኾ ኣይጥቀሙሉን እዮም። ስለምንታይ፧

ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘይሞተ ምዃኑ እዩ። እታ ብሓፈሻኡ “መስቀል” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል ስታውሮስ እትብል ኰይና፡ ብመሰረቱ ኸኣ፡ “ቀጥ ንዝበለ ዓንዲ ወይ ጕንዲ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። ዘ ኮምፓንዮን ባይብል ነዚ ኣመልኪቱ፡ “[ስታውሮስ] ብዝዀነ ይኹን መልክዑ ንእተመሳቐለ ኽልተ ዕንጨይቲ ኸቶ ኣየመልክትን እዩ። . . . ኣብቲ [ሓድሽ ኪዳን] ዚጥቀመሉ ግሪኽኛ ንኽልተ ዕንጨይቲ ዜመልክት ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን” በለ።

 ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓያሎ ጥቕስታት ነታ የሱስ ዝሞተላ ንምግላጽ ካልእ ቃል ተጠቒሞም እዮም። እዛ ናይ ግሪኽኛ ቓል እዚኣ ኸኣ ክሲሎን እትብል እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:30፣ 10:39፣ 13:29፣ ገላትያ 3:13፣ 1 ጴጥሮስ 2:24) “ዕንጨይቲ፡” “በትሪ ወይ ኦም” ዚብል ትርጉም ድማ ኣለዋ።

እታ ብሀርማን ፉልዳ እተጻሕፈት ዳስ ክሮይጽ ኡንት ዲ ክሮይጺጉንግ (መስቀልን ምስቃልን) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቕትለት ዚፍጸመሉ ዝነበረ ቦታ ኣእዋም ኣይርከብን እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ሓደ ተራ ገመል ኣብ ምድሪ ይትከል። እቶም መፍረስቲ ሕጊ ኸኣ ኣእዳዎም ንላዕሊ ገይሮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣእጋሮም እውን ተኣሲሮም ወይ ተሸንኪሮም ይስቀሉ ነበሩ” በለት።

እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜእምን መርትዖ ግና ኣብ ቃል ኣምላኽ እዩ ዚርከብ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “‘ኣብ ጕንዲ [“ኦም፡” ኪንግ ጄምስ ቨርሽን] ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡’ ተባሂሉ ስለ እተጻሕፈ፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን፡ ካብ መርገም እቲ ሕጊ ዓዲጉ፡ ሓራ ኣውጺኡና እዩ” በለ። (ገላትያ 3:13) ኣብዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ንዕንጨይቲ ደኣ እምበር ንመስቀል ፈጺሙ ዘየመልክት ኣብ ዘዳግም 21:22, 23 ዚርከብ ሓሳባት እዩ ጠቒሱ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀታትላ ንሓደ ሰብ “ርጉም” ስለ ዚገብሮ፡ ክርስትያናት ንስቕለት ክርስቶስ ዜርኢ ምስልታት ገይሮም ቤቶም ኪስልሙ የብሎምን።

ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ኣብ ዝነበራ ናይ መጀመርታ 300 ዓመታት፡ እቶም ክርስትያናት ዚብሃሉ ዝነበሩ ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ከም እተጠቕሙሉ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ መርትዖ የልቦን። ኣብ ራብዓይ ዘመን ግና እቲ ኣረማዊ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ እምነቱ ናብ ናይ ክሕደት ክርስትና ቐየረ፡ ንመስቀል ድማ ከም ምልክት ገይሩ ተጠቕመላ። ቆስጣንጢኖስ ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ንመስቀል ምስ የሱስ ክርስቶስ ዜተሓሕዞ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ መስቀል መበቈሉ ኻብ ኣረማውያን እዩ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ “መስቀል ኣብቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ ዘይክርስትያናዊ ልምድታት ይርከብ እዩ” ብምባል ይእመን። ሓያሎ ኻልእ ኣኽቢርካ ዚርአ ጽሑፋት እውን ንመስቀል ምስ ኣምልኾ ተፈጥሮን ኣረማዊ ጾታዊ ጽምብላትን ኣተሓሒዝዎ ኣሎ።

ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ኣረማዊ ምልክት ዘስፋሕፍሐ፧ ኣረማውያን “ንክርስትና” ብቐሊሉ ምእንቲ ኪቕበሉ ተባሂሉ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝዀነ ይኹን ኣረማዊ ምልክት ምምላኽ ይዅንኖ እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:14-18) ብዘይካዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኵሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ይኽልክል እዩ። (ዘጸኣት 20:4, 5፣ 1 ቈረንቶስ 10:14) እምበኣር፡  ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎም። *

^ ሕ.ጽ. 5 ብዛዕባ መስቀል ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 89-93 ተወከስ።