ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ

 8ይ ክፋል

ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥም ከሎ

ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥም ከሎ

“ንቝሩብ ግዜ ብእተፈላለየ ፈተናታት ክትጕህዩ እኳ እንተ ኣሎኩም፡ በዚ ባህ ይብለኩም ኣሎ።”—1 ጴጥሮስ 1:6

ሓጐስ ዝመልኦ ሓዳርን ስድራ ቤትን ኪህልወካ እኳ እንተ ጸዓርካ፡ ሓጐስ ከም እትስእን ዚገብር ሃንደበታዊ ዅነታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። (መክብብ 9:11) ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ይሕግዘና እዩ። ነዚ ዚስዕብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንተ ስዒብካዮ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ንዝኸፍአ ዅነታት እውን እንተ ዀነ ኽትዋጽኡሉ ትኽእሉ ኢኹም።

 1 ኣብ የሆዋ ተወከል

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:7) ኣምላኽ በቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ፈተናታት ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። (ያእቆብ 1:13) ናብኡ ብዝያዳ ብዝቐረብካ መጠን፡ ብዝበለጸ መገዲ ኺሕግዘካ እዩ። (ኢሳይያስ 41:10) ስለዚ፡ ‘ልብኻ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስስ።’—መዝሙር 62:8

በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምጽናዕን እውን ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ‘ኣብ ኵሉ ጸበባና ብኸመይ ከም ዜጸናንዓና’ ኽትምከሮ ኢኻ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ ሮሜ 15:4) ንሱ፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ከም ዚህበካ ተመባጺዑ ኣሎ።—ፊልጲ 4:6, 7, 13

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ህድእ ንኽትብልን ብንጹር ንኽትሓስብን ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ

  • ንኣማራጺታትካ ብምግምጋም፡ ብዝበለጸ ዜዋጽኣካ ግበር

2 ርእስኻን ስድራ ቤትካን ተኸናኸን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ፡ እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ።” (ምሳሌ 18:15) ነቲ ጕዳይ፡ ውሽጡን ውሻጠኡን ፍለጦ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትካ እንታይ ከም ዜድልዮ እውን ፍለጥ። ኣዘራርቦም። ስምዓዮም ድማ።—ምሳሌ 20:5

እተፍቅሮ ሰብ እንተ ሞይቱኸ፧ ስምዒትካ ኣይትሕባእ። የሱስ እውን ‘ከም ዝነብዐ’ ዘክር። (ዮሃንስ 11:35፣ መክብብ 3:4) ብዘይካዚ፡ እኹል ዕረፍትን ድቃስን ኣገዳሲ እዩ። (መክብብ 4:6) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ዜጨንቕ ኵነታት ንኽትዋጽኣሉ ቐሊል ኪዀነልካ እዩ።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ዜሕዝን ኵነታት ከየጋጠመ ኸሎ፡ ወትሩ ምስ ስድራ ቤትካ እሂን ምሂን ናይ ምብህሃል ልማድ ኣማዕብል። ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ስድራ ቤትካ ፍዅስ ኢልዎም ኬዘራርቡኻ እዮም

  • ተመሳሳሊ ዅነታት ንዘጋጠሞም ሰባት ኣዘራርቦም

 3 ሓገዝ ካልኦት ድለ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።” (ምሳሌ 17:17) ፈተውትኻ ኺሕግዙኻ እኳ እንተ ደለዩ፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ግና ኣይፈልጡን ይዀኑ። ስለዚ፡ ነቲ ብሓቂ ዜድልየካ ነገራት ካብ ምንጋር ድሕር ኣይትበል። (ምሳሌ 12:25) ብዘይካዚ፡ ካብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚርድእዎ ሰባት፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ድለ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜርእዩኻ መምርሒ፡ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 5:14

ምስቶም ብኣምላኽን ብመብጽዓታቱን ዚኣምኑ ሰባት ኣዘውቲርካ ትሓብር እንተ ዄንካ፡ ዜድልየካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ምትብባዕ ንዜድልዮም ሰባት ክትሕግዝ ከለኻ እውን ዓብዪ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ብዛዕባ እቲ ብየሆዋን ብመብጽዓታቱን ዘሎካ እምነት ንገሮም። ግዜኻ ደገፍ ንዜድልዮም ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ኣሕልፎ፡ ካብቶም ዜፍቅሩኻን ዚሓልዩልካን ሰባት ከኣ ኣይትፈለ።—ምሳሌ 18:1፣ 1 ቈረንቶስ 15:58

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንናይ ቀረባ ፈታዊኻ ኣዘራርቦ፣ ንኺሕግዘካ ድማ ፍቐደሉ

  • ብዛዕባ እቲ ዜድልየካ ነገራት ብንጹርን ብቕንዕናን ተዛረብ

ብዝያዳ ፍለጥ

ውሉድካ ብዛዕባ ሞት ኪሓትት ከሎ

ንሕቶታቶም ንኽትምልሰሎምን ንሞት ዜፍቅርዎ ሰብ ብኸመይ ከም ዚኽእልዎ ንኽትነግሮምን ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣርባዕተ ነጥብታት።

ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

እከይ ብኸመይ ጀመረ፧ ኣምላኽ፡ እከይ ኪቕጽል ዝፈቐደኸ ስለምንታይ እዩ፧ እከይ ዜብቅዓሉ ግዜ ይመጽእ ዶዀን ይኸውን፧

ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ—ሞት እተፍቅሮ ሰብ

16 ዓመት ይገብር፡ ሓሙሽተ ኣባላት ቤተ ሰብ ሮናልዶ ብሓደጋ ማኪና ሞቱ። ሮናልዶ ኣብ ህይወቱ ሃጓፍ ከም ዘሎ ዀይኑ ዚስምዖ እኳ እንተ ዀነ፡ ውሽጣዊ ሰላም ረኺቡ እዩ።