ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ

 2ይ ክፋል

ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ

ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ

“ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማርቆስ 10:9

የሆዋ ‘ኽንጠልም’ ኣይደልየናን እዩ። (ሚልክያስ 2:16) እዚ ብፍላይ ኣብ ሓዳር ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ፡ ጥልመት እንተ ኣልዩ፡ ምትእምማን ኪህሉ ኣይክእልን እዩ። ፍቕሪ ንኺዓቢ ኸኣ፡ ተኣማንነት ኣድላዪ እዩ።

ሎሚ፡ ኣብ ሓዳር እሙን ምዃን እናጠፍአ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ፡ ንሓዳርካ ምእንቲ ኸተዕቍቦ፡ ክልተ ነገራት ክትገብር ኣሎካ።

 1 ንሓዳርካ ቐዳምነት ሃቦ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምር።’ (ፊልጲ 1:10) ሓዳርካ፡ ኣብ ህይወትካ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት እዩ። ስለዚ፡ ቀዳምነት ክትህቦ ኣሎካ።

የሆዋ፡ ኣብ መጻምድትኻ ኸተተኵርን ብሓባር ኴንኩም ‘ብሓጐስ ክትነብሩን’ እዩ ዚደሊ። (መክብብ 9:9) ንሓድሕድኩም ክትተሓጓጐሱ ደኣ እምበር፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ሸለል ኪብሎ ኸም ዘይግባእ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:24) ንመጻምድትኻ፡ ዚድለን ዚፍቀርን ኰይኑ ኸም ዚስምዖ ግበር።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ወትሩ ብሓባር ኴንኩም ግዜ ኣሕልፉ፣ ንመጻምድትኻ ድማ ጽን ኢልካ ስምዓዮ

  • “ኣነ” ኢልካ ዘይኰነስ፡ “ንሕና” ኢልካ ሕሰብ

 2 ንልብኻ ሓልዎ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘመወ።” (ማቴዎስ 5:28) ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ርኽሰት ዚሓስብ እንተ ዀይኑ፡ ንመጻምድቱ ዘለዎ ተኣማንነት እዩ ዜጕድል።

የሆዋ፡ “ንልብኻ ሐልዎ” ኢሉ መኺሩካ ኣሎ። (ምሳሌ 4:23፣ ኤርምያስ 17:9) ከምኡ ኽትገብር እንተ ደሊኻ፡ ንኣዒንትኻ እውን ክትሕልወን ኣሎካ። (ማቴዎስ 5:29, 30) ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ ንዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ስዓቦ፣ ንሱ ንኻልእ ሰበይቲ ብፍትወት ምእንቲ ኸይጥምታ፡ ምስ ኣዒንቱ ቓል ኪዳን ተኣታተወ። (እዮብ 31:1) ፈጺምካ ስእለ ጽዩፍ ንኸይትርኢ ቝረጽ። መጻምድትኻ ምስ ዘይኰነ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ፍቕራዊ ርክብ ንኸይትምስርት ድማ ወስን።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ካልኦት ሰባት፡ ምሉእ ብምሉእ ንመጻምድትኻ እሙን ምዃንካ ኸም ዚፈልጡ ግበር

  • ንስምዒት መጻምድትኻ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ባህ ከም ዘይብሎ ኺገብር ንዚኽእል ዝዀነ ይኹን ርክብ ብቕልጡፍ ኣቋርጾ

ዝያዳ ፍለጥ

ንቕሑ!

ንቓል ኪዳንካ ብኸመይ ከም እተደልድሎ

ቃል ኪዳን፡ ምስ ሓዳር ኣሲሩ ዚሕዘካ መቝሕ ድዩ፡ ወይስ ንሓዳርካ ነቕ ከም ዘይብል ዚገብሮ መልህቕ፧