ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣብ ሩስያን ዩክረይንን ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣተባቢዕዎም

ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣብ ሩስያን ዩክረይንን ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣተባቢዕዎም

“ብዙሕ ፍቕሪ እዮም ኣርእዮምና!” እዚ ሓንቲ ኣብ ዩክረይን እትነብር ሰበይቲ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ስቲቨን ለት ንዘንበባ ኣገዳሲት ደብዳበ ምስ ሰምዐት ዝበለቶ እዩ። ንሳ ሓንቲ ኻብቶም ሓውና ስቲቨን ለት ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ 10ን 11ን ግንቦት 2014 ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ኪገብር ከሎ ንዘቕረቦ መደረ ዝሰምዑ 165,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እያ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ መደረታትን ንባብ እታ ደብዳበን ናብ ሓሙሽተ ቛንቋታት ተተርጒሙን ኣብ መላእ ዩክረይን ናብ ዚርከባ ኣስታት 700 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተመሓላሊፉን እዩ።

ኣብታ መወዳእታ ሰሙን እቲኣ ድማ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ማርክ ሳንደርሰን፡ ኣብ መላእ ሩስያ ንዚርከቡ ኣሕዋትና ኸም ክፍሊ እቲ ዝቐረበ መደብ ነታ ደብዳበ ኣንቢቡሎም እዩ። እቲ መደብ ብ14 ቛንቋ ተተርጕሙ፡ ኣብ ሩስያን በላሩስን ናብ ዚርከባ ልዕሊ 2,500 ጉባኤታት ን180,413 ተኣከብቲ ድማ ተመሓላሊፉ እዩ።

እታ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ፡ ኣብ ሩስያን ዩክረይንን ናብ ዚርከባ ዅለን ጉባኤታት እያ ተላኢኻ። ሓውና ሳንደርሰን ብሩስያኛ ምስ ኣንበባ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሩስያ ኸምዚ ኢሉ ኺጽሕፍ ተደረኸ፦ “እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ ኽልና ኸም ዚግደስ ብምርኣዮም ልቦም ተተንኪፉ እዩ። ኵላትና፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ሕቝፍ ኣቢሉ ዝሰዓመና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና።”

እታ ደብዳበ፡ ኣብዚ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዘለዎ ኸባቢታት ንዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምጽንናዕን ንምብርታዕን ዝዓለመት እያ ነይራ። እቶም ኣሕዋት ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ገለልትነቶም ብምሕላው፡ ‘ካብ ዓለም ከም ዘይኰኑ’ ብቐጻሊ ኼርእዩ ድማ ተማሕጸነቶም።—ዮሃንስ 17:16

ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ፡ ብምስትንታን ከምኡ ድማ ብጸሎት ኣቢሎም ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ጥብቂ ርክብ ኪዕቅብዎ ኣተባቢዕዎም እዩ። ተኣከብቲ፡ ዝዀነ ይኹን ፈተና የጋጥሞም ብዘየገድስ በቲ ኣብ ኢሳይያስ 54:17 ዚርከብ፡ “ኵሉ እቲ ኣንጻርኪ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ” ዚብል ርግጽ ዝዀነ መለኮታዊ ተስፋ ኺተኣማመኑ ኸም ዚኽእሉ ተዘኻኺሮም እዮም።

ኣመሓዳሪ ኣካል ንደብዳበኡ ኸምዚ ብምባል እዩ ዛዚምዋ፦ “ንዅላትኩም ኣዚና ኢና እነፍቅረኩም። ኵሉ ሳዕ ብኣኻትኩም ከም እንሓስብን ምእንታኻትኩም ናብ የሆዋ ኸም እንምህለልን ርግጸኛታት ኩኑ።”

ኣብ ዩክረይን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቶም ኣሕዋት፡ በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዘርኣዮ ፍቕራዊ ሕያውነትን ኣቓልቦን ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም። ሓውና ለትን ሓውና ሳንደርሰንን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ሩስያን ዩክረይንን ምሳና ምእካቦም፡ ህዝቢ ኣምላኽ ሓድነት ከም ዘለዎም ዜርኢ ንጹር መርትዖ እዩ፣ ብዘይካዚ እቶም ኣሕዋት፡ የሆዋን የሱስን ክሳዕ ክንደይ ከም ዚግደሱሎም ኪርእዩ ኽኢሎም እዮም። እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ግዜኡ ኸም እተገብረ ዅላትና ንሰማምዓሉ ኢና፣ እተፈላለየ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ንየሆዋ ጸኒዕና ኸነገልግሎ ተበራቲዕና ኢና።”