ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱ ሰባት ንምዕቋብ ዚሕግዝ ትምህርቲ ንወለድን ንቘልዑን ይህቡ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱ ሰባት ንምዕቋብ ዚሕግዝ ትምህርቲ ንወለድን ንቘልዑን ይህቡ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወለዲ ንደቆም ኬፍቅርዎምን መምርሒታት ኪህብዎምን ኬዕቍብዎምን ከም ውህበት ኣምላኽ ገይሮም ኪርእይዎምን ከም ዘለዎም ይምህር እዩ። (መዝሙር 127:3፣ ምሳሌ 1:8፣ ኤፌሶን 6:1-4) ሓደ ኻብቲ ወለዲ ንደቆም ኬዕቍቡሉ ዘለዎም ብዙሕ ሓደጋታት፡ ጾታዊ ማህሰይቲ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ጥዑይ ርክብ ስድራ ቤት ዜደንፍዕ ሓበሬታታት ኬሕትሙን ኪዝርግሑን ጸኒሖም እዮም። ብዘይካዚ፡ ወለዲ ንደቆም ካብ ጾታዊ ማህሰይቲ ኼዕቍብዎምን ብዛዕባ እቶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ኼውርዱሎም ዚኽእሉ ኺምህርዎምን ዚሕግዞም ናውቲ ኣዳልዮም እዮም። እዚ ዚስዕብ ዝርዝር፡ ገለ ኻብቲ ኣብዚ ጕዳያት እዚ ንጹር መምርሒ ዚህብ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ናውቲ ዜርኢ እዩ። እዘን ዓንቀጻት ንእተሓትማሉ ብዝሒ ቕዳሓትን ቋንቋታትን ኣስተብህለሉ። a

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱ ሰባት ካብ ዜስዕብዎ ጕድኣት ንምዕቋብ፡ ንወለድን ንውሉዳቶምን ምምሃር ኪቕጽሉ እዮም።

a ጽሑፋት እተሓትመሉ ዕለት፡ ነቲ ናይ እንግሊዝኛ ሕታማት እዩ ዜመልክት።