ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣሽሓት ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም

ኣሽሓት ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም

ብ2011፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ 5,700 ሰባት መሃይምነት ኬጥፍኡ ሓጊዞምዎም።

ጋና፦

ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት፡ ንልዕሊ 9,000 ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ምሂርናዮም።

ዛምብያ፦

ካብ 2002 ንነጀው፡ ዳርጋ 12,000 ሰባት ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለቶም ኣመሓይሾም። ጓል 82 ዓመት ኣግነስ፡ “ኣብ ጉባኤና ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርቲ ምስ ተጀመረ፡ ተሓጒሰ እየ ተመዝጊበ። ኣብ ናይ ፈለማ ትምህርቲ፡ ስመይ ምጽሓፍ ተማሂረ” በለት።

ፐሩ፦

ወዲ 55 ዓመት ተምሃራይ፡ “ወለደይ ናብ ቤት ትምህርቲ ስለ ዘየእተዉኒ፡ ምንባብን ምጽሓፍን እምሃር ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ” ኢሉ ጸሓፈ።

ሞዛምቢክ፦

ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመት ልዕሊ 19,000 ሰባት ምንባብ ተማሂሮም ኣለዉ። ፈሊዛርዳ ዝስማ ተምሃሪት፡ “ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺለ ንሰባት ከንብበሎም ምኽኣለይ የሐጕሰኒ እዩ። ኣቐዲሙ እዚ ብዙሕ የጸግመኒ ነይሩ” በለት።

ደሴታት ሰሎሞን፦

ቤት ጽሕፈት ጨንፈርና ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ኣብ ግሉል ቦታታት ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኺኣትዉ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ብዘይካዚ፡ መብዛሕትአን ኣዋልድ እውን ወግዓዊ ትምህርቲ ኣይረኽባን እየን ነይረን። ስለዚ፡ ዓበይቲ ሰባት ካብቲ መሃይምነት ንምጥፋእ እተገብረ ትምህርቲ ተጠቒሞም እዮም። ብዙሓት ነቲ ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛሞም፡ ብዝያዳ ብርእሶም ኪተኣማመኑ ኺኢሎም እዮም።