ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

JW.ORG ኣብ ምርኢት መጻሕፍቲ ቶሮንቶ

JW.ORG ኣብ ምርኢት መጻሕፍቲ ቶሮንቶ

ካብ 13 ኽሳዕ 16 ሕዳር 2014፡ ማእከል ኣኼባ ሜትሮ ቶሮንቶ፡ ዓለምለኻዊ ምርኢት መጻሕፍቲ ቶሮንቶ ኣዳልዩ ነይሩ፣ ኣብኡ ድማ እተሓትመን ኤለክትሮናውን መጻሕፍቲ ንምርኢት ኣቕሪቡ እዩ። ኣብቲ ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝቐጸለ ምርኢት፡ ልዕሊ 20,000 ሰባት ተረኺቦም ነይሮም።

ገለ ኻብቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ምርኢት ዘርኣዩ፡ እቶም ማራኽን ኣሳታፍን ሰደቓ ምርኢት ሒዞም ኣብኡ እተረኽቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ንተጠቀምቲ ታብለት ከኣ ንjw.org ብኸመይ ኪጥቀሙሉ ኸም ዚኽእሉ ኣርእዮምዎም።

ሓደ ኻብቶም ኣዳለውቲ እቲ መደብ ከምዚ በለ፦ “ወብ ሳይትኩም ኣዝዩ ዘመናዊ እዩ። ካልኦት ኣቕረብቲ ምርኢት፡ ካብ ኣቀራርባኹም ኪምሃሩ ዘለዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ።” በጻሕቲ ድማ እቲ ወብ ሳይት ኣዝዩ ሰሓብን ክትጥቀመሉ ቐሊልን ኣገዳሲ ሕቶታት ዚምልስን ኰይኑ ኸም ዝረኸብዎ ገሊጾም። ብዘይካዚ፡ እቲ ወብ ሳይት፡ ሰባት ንጸገማቶምን ጭንቀታቶምን ኪዋጽኡሉ ዚሕግዝ ምዃኑ መሲጥዎም እዩ።

ኣብቲ ሰደቓ ምርኢት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰባት ኪዘራረቡ ኸለዉ፡ መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ኣብዚ ምርኢት መጻሕፍቲ ቕድሚ ምምጻኦም ብዛዕባ jw.org ሰሚዖም ከም ዘይፈልጡ ተዛረቡ። ዳርጋ ዅሎም በጻሕቲ ኸኣ ካርድ ኣድራሻ ወይ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧ ዘርእስታ ትራክት ተቐቢሎም እዮም። ብዙሓት ካባታቶም ነቲ ወብ ሳይት መሊሶም ኪርእይዎ ኸም ዝዀኑ ገለጹ፣ ገሊኦም ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤቶም ኪመጽዎም ሓተቱ።

ኣብቲ ምርኢት መጻሕፍቲ፡ ዓርቢ “መዓልቲ ቘልዑ” ስለ ዝነበረት፡ ወለንተኛታት ካብ jw.org ብመልክዕ ካርቱን እተዳለወ ስእሊ ሰሌዳ ኣርእዮም እዮም። ብመምህራኖም እተሰነዩ ቘልዑ ድማ ደው ኢሎም ይርእዩ ነይሮም።

ኣብ ቺካጎ ኣብ ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሓትም ትካል ዚሰርሕ ሰብኣይ፡ ብኣሰራርሓ እቲ ኣብቲ ምርኢት ቀሪቡ ዝነበረ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ተደነቐ። ምስቶም ሓተምቲ ኺራኸብ ስለ ዝደለየ ኸኣ ካርድ ኣድራሻ ተዋህቦ።

ኣብቲ ወብ ሳይት ካብ ዚርከብ ልዕሊ 700 ቛንቋ፡ በጻሕቲ ነዘን ዚስዕባ 16 ቛንቋ ኸፊቶም እዮም፦ ሂንዲ፡ ስጳንኛ፡ ሽወደንኛ፡ ቤንጋልኛ፡ ቬትናምኛ፡ ታሚል፡ ትግርኛ፡ ቻይንኛ፡ ኡርዱ፡ ኣምሓርኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ኮርያኛ፡ ጉጃራቲ፡ ግሪኽኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ፖርቱጋልኛ።

ናብቲ ሰደቓ ምርኢት ንዝመጹ በጻሕቲ ዚቕበል ዝነበረ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ወብ ሳይት ምንጋሮምን ባዕልኻ ምርኣዮምን ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ ተዓዚቡ እዩ። “ንሰባት ምስቲ ወብ ሳይት ከነላልዮም ዜደንቕ ኣጋጣሚ ኢና ረኺብና” ድማ ይብል።