ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣብ ካናዳ ንዚርከቡ ደቀባት ምምስካር

ኣብ ካናዳ ንዚርከቡ ደቀባት ምምስካር

ኣብ ካናዳ ልዕሊ 60 ቛንቋ ደቀባት ይዝረብ እዩ፣ እዚ ቛንቋታት እዚ ድማ፡ ቋንቋ ኣደ ኣስታት 213,000 ዚዀኑ ካናዳውያን እዩ።

ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ልቢ እቶም ደቀባት ምእንቲ ኺትንክፉ ገለ ኻብዚ ቛንቋታት እዚ ተማሂሮም እዮም። ክሳዕ 2015 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ልዕሊ 250 ሰባት፡ ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተወደበ ኽፍልታት ትምህርቲ ቛንቋ ደቀባት ተማሂሮም እዮም።

ብዘይካዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ሓጸርቲ ቪድዮታትን ብሸሞንተ ቛንቋ ደቀባት ካናዳ ተርጒሞም እዮም፣ እዚ ቛንቋታት እዚ ድማ፡ኣልጎኲን፡ ብላክፉት፡ ፕለይንስ ክሪ፡ ዌስት ስዋምፒ ክሪ፡ ኢኑክቲቱት፡ ሞሃውክ፡ ኦዳዋ፡ ሰሜናዊ ኦጂብዌ እዩ። *

እቶም ቋንቋታት ደቀባት እተማህሩ፡ ነቲ ቛንቋታት ክትምሃሮ ኪኸብደካ ኸም ዚኽእል ገሊጾም እዮም። ካርማ ኸምዚ በለት፦ “ንኽፍሊ ትርጉም ብላክፉት ክሕግዝ ምስ ጀመርኩ፡ ዓይነይ ተሸፊኑ ዝዓዪ ዘለኹ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ነቲ ቛንቋ ኣጸቢቐ ኣይፈልጦን እየ ነይረ። ቋንቋ ብላክፉት ከንብብ ኰነ ነቲ ድምጽታት ከለልዮ ኣይክእልን እየ ነይረ።”

ኣብ ክፍሊ ትርጉም ዌስት ስዋምፒ ክሪ ዚዓዪ ተራንስ፡ “ሓያሎ ኻብቲ ቓላት ነዊሕን ንምድማጹ ዜሸግርን እዩ” በለ። ኣብ ደሴት ማኒቱሊን፡ ኦንታርዮ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ዚዓዪ ዳንኤል ከኣ፡ “ሕጽረት ጽሑፋት ኣሎና። ቋንቋ ኦዳዋ ኽንምሃረሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ካብ ዚርከቡ ኣቦሓጎታት ወይ እኖሓጎታት እዩ” በለ።

እዚ ብርቱዕ ጻዕርታት እዚ ዚኽሕስ ድዩ፧ ሓንቲ ቛንቋ ኦጂብዌ እትዛረብ ሰበይቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኻብ ካልኦት ሃይማኖታት ከም ዚፍለዩ ገለጸት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ኣባይቲ ሰባት ከይዶም ቅዱሳት ጽሑፋት ብኦጂብዌ ዜንብቡ ምዃኖም፡ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምይያጥ ባህ ከም ዚብሎም ገይሩ እዩ።

በርት ዝስሙ ኣብ ማሕበረሰብ ብለድ ትራይብ ኣብ ኣልበርታ ዝዓበየ ተርጓሚ ኸምዚ በለ፦ “ሓያሎ ሰብ ብላክፉት ጽሑፍ ሓቚፎም፡ ‘እዚ ቛንቋይ እዩ። እዚ ንዓይ እዩ!’ ኪብሉ ኸለዉ ርእየ እየ። ብቛንቋም እተዳለወ ቪድዮ ምስ ረኣዩ ኣዒንቶም ብንብዓት ቕጽርጽር ኪብል ከሎ ድማ ብዙሕ ሳዕ ርእየ እየ።”

ሓንቲ ቛንቋ ክሪ እትዛረብ ሰበይቲ፡ ነቲ ብቛንቋኣ ዝወጸ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስቱ ቪድዮ ምስ ረኣየት ኣዝያ ተሓጒሳ እያ። ኣዲኣ እትዛረባ ዘላ ዀይኑ ኸም እተሰምዓ ድማ ገለጸት።

ብትግሃት ምዕያይ

ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ዜጸናንዕ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቀባት ኣብ ዚነብሩሉ ማሕበረሰብ ንምብጻሕ ፍሉይ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ተራንስን ሰበይቱ ኦርሊንን እውን ኣብዚ ወፍራታት እዚ ተኻፊሎም እዮም። ብዛዕባ ሓደ ኻብዚ ወፈራታት እዚ ኺገልጹ ኸለዉ፡ “ሊትል ግራንድ ራፒድስ ኣብ ዚብሃል ማሕበረሰብ ንምምስካር ምስ ካልኦት ብሓባር ኴንና ኣስታት 12 ሰዓት ብበረድ ኣብ እተሸፈነ ጽርግያ ተጓዒዝና ኢና። እቲ ዚረኸብናዮ ምላሽ ከኣ ዜገርም እዩ ነይሩ” በሉ።

ገሊኦም ከኣ ካብ ምሹእ ቤቶም ግዒዞም ኣብ ጥቓ እዞም ማሕበረሰብ እዚኦም ኪነብሩ ጀሚሮም እዮም። ዳንኤልን ሰበይቱ ሊኣንን ንሰለስተ ወርሒ ኣብ ደሴት ማኒቱሊን ብወፈራ ምስ ኣገልገሉ ናብኡ ኺግዕዙ ወሰኑ። ዳንኤል፡ “ሰባት ኣባና ዘለዎም ምትእምማን ኪዓብን ንሓቂ ዘለዎም ተገዳስነት ክንኵስኵስን ዜኽእል ሰፊሕ ግዜ ረኺብና ኢና” በለ።

“ካብ ልበይ እየ ዘፍቅሮም”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዞም ደቀባት ኪበጽሕዎም ፍሉይ ጻዕሪ ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧ ሮዝ ዝስማ ሰበይቲ በርት ከምዚ በለት፦ “ኣነ እውን ሓንቲ ኻብቶም ደቀባት ምዃነይን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘለዎ ጥቕሚ ምርኣየይን ንኻልኦት ክሕግዝ ኣለዓዒሉኒ እዩ።”

ኦርሊን ድማ፡ “ህዝቢ ክሪ ብስርዓታት ፈጣሪና ኺምርሑ ዚኽእሉሉ ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እደሊ እየ” በለት። ወሲኻ እውን፡ “ናብ የሆዋ ኪቐርቡን ንዜጋጥሞም ጸገማት ኪዋጽእሉን ምሕጋዝ ፍሉይ መሰል እዩ” በለት።

ማርክ ኣብ ክፍሊ ትርጉም ብላክፉት እዩ ዚዓዪ። ኣብ ማሕበረሰቡ ንዘለዉ ደቀባት ኪሕግዞም ዚደሊ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ምላሽ ኪህብ ከሎ፡ “ምኽንያቱ፡ ካብ ልበይ እየ ዘፍቅሮም” በለ።

^ ሕ.ጽ. 4 ገለ ኻብዚ ቛንቋታት እዚ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ደቀባት እውን ዚዛረብዎ እዩ።

ዝያዳ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ኺረኽቡሉ ይሕግዞም ኣሎ። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ትደሊዶ፧

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ ምዃኑ፡ መከራ መዓስ ከም ዜብቅዕ፡ ከምኡውን ኣብ ዚመጽእ ምድሪ እንታይ ከም እትኸውንን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባት እንታይ ከም ዜጋጥሞምን ይገልጽ እዩ።